‹‹ኣዲስ ኣበባ ከም ሽማ ሓዳሽን ናይ ወለንታውያን ከተማ ንምግባር እናተሰርሐ እዩ›› ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣዲስ ኣበባ ከም ሽማ ሓዳሽን ናይ ወለንታዊን ከተማ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣባባ ኣፍሊጠን።ኣብ ክረምቲ ግልጋሎት ወለንታውነት ልዕሊ 2.8 ወለንታውያን ከምዝሰተፉ ኣመልኪተን።

 ወይዘሮ ኣዳነች ናይታ ከተማ ክረምቲ ግልጋሎት ወለንታውያን ኣብ ዘጀመርሉ እዋን ከምዘፍለጥኦ፣ ብዙሕ ኢኮኖምያውን ማሕበራውን ፀገማት እናተኣናገደት ዘላ ኣዲስ ኣበባ ከም ሽማ ሓዳሽ ንምግባር ኣብዚ ክረምቲ ብግልጋሎት ወለንታውያን ልዕሊ ኽልተ ሽሕ መንበሪ ገዛ ዓቕመ ደካማታት ንምሕዳስ ምድላው ተገይሩ እዩ።

ሃገርና ዘጋጠማ ምኽባር ናብራ ንምቅላልን ከምኡ’ውን ሓምለዋይ ዓሻራ ፕሮግራም ተግባራዊ ንምግባር 7ነጥብ 5ሚልየን ንምግብነት ዝውዕሉ ሃገር ቦቆል ተኽሊ ንምትኻል ምድላው ተገይሩ እዩ።እቶም ተኽሊ በቢክፍለ ከተማ ኣብ ምክፍፋል ከምዝርከብ ኣፍሊጠን እየን።

ሎሚ ኣብ ግልጋሎት ወለንታውያን ልዕሊ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሽሕ ፅጉማት ቤተሰብ ብስሩዕ ምግቢ ምምጋብ፤ ምልጋስ ደም፤ ግልጋሎት ትራፊክ ፤ናይ ክረምቲ መጠናኸሪ ትምህርቲ ካልኦት 16 ዝተፈላላዩ ፕሮግራሞች ተሳተፎ ከምዝገብር ኣመልኪተን።

ልዕሊ 100 ወላዲ ዘይብሎም ህፃናት ንምዕባይ ከምዝተተለመ ዘመልከቱ ወይዘሮ ኣዳነች ፤እተን ከንቲባ ሓዊሱ ኣመራርሓ መንግስቲ ብዓል ሃፍትታትን ትካላት ሃይማኖትን 43 ህፃናት ብጉዲፈቻ ንምዕባይ ቃል ከምዝተኣተው ገሊፀን እየን።ኣብ ክረምቲ ግልጋሎት ወለንታውነት ልዕሊ 2ነጥቢ8ሚልየን ወለንታውያን ከምዝሳተፉ ዝተዛረባ ወይዘሮ ኣዳነች፣እዚ ግልጋሎት ብገንዘብ እንትሕሰብ ካብ ብር ሓደ ቢልየን ከምዘይንእስ ኣፍሊጠን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ፕሮግራም ኽልተ ነጥቢ ኽልተ ሚልየን ወለንታውያን ብምስታፍ ካብ 37ሽሕ 763 ዩኒት ደም ከምዝሰብሰበ ፤ናይ ኽልተ ሽሕ 473ዓቕመ ደካማታት መንበሪ ገዛ ከምዝተሓደሰ ፤8ነጥቢ 5 ሚልየን ተኽሊ ኣብ ከተማ ከምዝተተኸለ ገሊፀን፡፤

 ናይታ ከተማ ወለንታውያን መናእሰይ ኣተሓባባሪ ኣይተ ኣብርሃም ታደሰ ብወገኖም ‹‹ሓደ ስድራ ንሓደ ህፃን››ብዝብል መርሃ ግብሪ በቢደረጅኡ ዝርከብ ናይ ከተማ ኣመራርሓ ንክሳተፉ ብምግባር ልዕሊ 16ሽሕ 536 ትሑት ኣታዊ ዘለዉዎም ነበርቲ ተጠቃሚ ምግባር ከምዝኻኣለ ተገሊፁ።

ብምኽንያት ኮሮና ተቋሪፁ ዝነበረ ትምህርቲ ንምክሕሓስ 5ሽሕ 294 ወለንታውያን መምህራን ንክሳተፉ ብምግባር ን 70ሽሕ 822 ተምሃሮ መጠናኸሪ ትምህርቲ ከምዝተውሃበ ፤ብፅሬት፤ብድሕንነት ትራፊክን ብምክልኻል ገበን ብርክት ዝበሉ ግልጋሎት ወለንታውያን ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ገሊፀን።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ 43 ዓቕመ ደካማ መንበሪ ገዛ ንምሕዳስ ዝተጀመረ እንትኾን ፤ብዓል ሃፍትን ፤ትካላት ሃይማኖትን 104 ገዛውቲ ንምሕዳስ ቃል ኣትዮም እዮም።

ወጋሕታ 24 ሰነ 2013

Recommended For You