
ኣዲስ ኣበባ፡- በዓል መስቀል ስኒትን ይቕረ በሃላይነትን ስለዘምህረና ትርጉሙ ተረዲእና ክነኽብሮ ይግባእ ክብሉ መምህራን ስነ መለኮት ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ተዛሪቦም።
ሊቀ ትጉሃን ደረጀ ነጋሽ ዘወይንዬ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝበልዎ፤ትርጉም መስቀል ዓብዪ ‘ዩ። ስኒትን ይቕረ ምብህሃልን ዝሰብኽ ብምዃኑ ትርጉሙ ተረዲእና ክነኽብሮ ይግባእ ‘ዩ።
መፅሓፍ ቅዱስ ‹‹እቲ ዝጠፍአ ቆልዓ ፈለማ ናብ ልቡ ተመለሰ›› ይብል ዝበሉ እቶም መምህር፤ እቲ ቖልዓ ናብ ልቡ ድሕሪ ምምላሱ ድማ ናብ ኣቦይ ክኸይድ በለ፤ ስለዝኾነ ሰብ ምስ ፈጣሪ ቕድሚ ምትዕራቑ ምስ ባዕሉን ምስ ሰባትን ክዕረቕ ይግባእ ‘ሎም።
ወዲ ሰብ ንሃገረይ፣ ንህዝበይን ንሃይማኖተይን እንታይ ፅቡቕ ሰሪሐ ኢሉ ዓርሱ ብምሕታት ሰናይ ተግባር እንትኽተል ፈጣሪ ይቕረ በሃላይ ‘ዩ። ሰናይ እንትኸውን ድማ ምስ ገበርቲ ሰናይ ይሓብር፤ሰብ ማለት ኣካላዊ ቅርፂ ዘለዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰባዊ ኣተሓሳስባ እንትህልዎ ‘ዩ ኢሎም።
ጠቢቡ ሰለሞን ‹‹ዉሉደይ ሰብ ኩን›› ኢሉ ነይሩ፤ዲዮጋ ዝተብሃለ ፈላስፋ ድማ ቐትሪ ምድሪ ኣብ ማእኸል ዕዳጋ እናዘወረ እንተሎ እንታይ ኢኻ ደሊኻ ኢሎም እንትሓትዎ፤ ‹‹ሰብ›› ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ድማ እዚ ኹሉ ሰብዶ ኣይኮነን ‘ዩ በልዎ መሊሶም፤ ንሱ ድማ ደጊሙ ኣነ ሰብ እየ ዝደልይ ኢሉ መለሰሎም። ስለዝኾነ ድማ ንሃገርና ሰብ ንኹነላ መኻን ኣይንግበራ ክብሉ ትምህርታዊ ማዕደኦም ለጊሶም።
ሊቀ ትጉሃን ከምዝበልዎ ሃገርና ብይቕረታን ሕድገትን ‘ያ እትፍለጥ። ስለዝኾነ ድማ ነንርእስና ምቅትታል ገዲፍና ናብ ፈጣሪና ብምምላስ ይቕረታ ዝወርደሉ፤ተበዳሊ ዝከሓሰሉ ክኸውን ይግባእ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ዲያቆን ኣቤል ካሳሁን ብወገኑ፤በዓል መስቀል እንትነኽብር ብዋናነት ዕላማ ናይቲ በዓል ተረዲእና ካብ ልማዳዊ ተግባር ብምውፃእ እቲ ትኽክለኛ ትርጉሙ ብንቕሓት ተረዲእና ክነኽብሮ ይግባእ ኢሉ።
በዓል መስቀል እንትነኽብር ቐዳማይ ንግስቲ ኢለኒ እቲ መስቀል ካፍቲ ዝተቐበረሉ ኹዒታ ከምዘውፀኣቶ ኢና ንርዳእ። ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ፍቕሪ፣ሰላምን ዕርቅን ተዃዒቶም ዝተቐበሩ ይመስሉ ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ እቶም ዝቐበርናዮም ሰላምን ይቕረታን ብምውፃእ ካብ ልማዳዊ ተግባር ወፂእና ብተግባር ናይ ምልዋጥ በዓል ክነኽብር ይግበአና ክብሉ ሃይማኖታዊ መልእኽቶም አሕሊፎም።
ሄርሞን ፍቃዱ
ወጋሕታ 17 መስከረም 2016 ዓ.ም