‹‹ናይ ባህልን ሃይማኖትን ኣፋላላያትና ናብ ዕድል ምቅያር ይግባእ›› -ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣፈላላያት ባህልን ሃይማኖትን ናይዛ ሃገር ናብ ዕድል ብምቅያር ተጠቃሚ ምዃን ከምዝግባእ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ ኣፍሊጦም። እቲ ኣፈላላይ ፅባቀን ፍልፍል ኢኮሚኖሚን ንምግባር ናይ ፊልም ፖሊሲ ተቀሪፁ መዋቅር እናተዘርግሐ ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣይተ ቀጀላ ናይ ሎሚ በዓላት መስቀል፣ መውሊድን እሬቻ ኣመልኪቶም ብፍላይ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ፣ ምስ ኢትዮጵያ ተቀራራቢ ብዝሃነት ሃይማኖት፣ ቋንቋን ባህልን ዘልዎም ከም ህንዲ ዝበሉ ናይ ዓለም ሃገራት ኣፈላላዮም ናብ ዕድል ብምቅያር ብፍላይ ኣብ ፊልም ኢንዱስትሪ ብዙሕ ገንዘብ እናእተው ‘ዮም።

በዚ መንፅር ኣብ ኢትዮጵያ ‘ውን ዝተፈላለዩ በዓላት እንትኽበሩ ሓድነትን ኣሕዋትነትን ካብ ምጥንኻር ብዝሓለፈ ናብ ዘላቂ ጥቅምታት ንምስግጋር ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ።

ቅድም ክብል ዝተፈላለዩ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላት እንትኽበሩ ፖለቲከኛታት ከም ዕድል ተጠቂሞም ናይ ፅልኢት ኣጀንዳ ብምቅራፅ ዓመፅን ሕንፍሽፍሽን እናፈጠሩ ምፅንሖም ብምዝካር፤ ሓለሓሊፉ ኢሬቻ ኣብ ምኽባር ሓደ ሓደ በዓላት ፀገም ተፈጢሩ ህይወትን ንብረትን ክጠፍእ ምፅንሑ ሓቢሮም።

ሐዚ ጋና ልዑል ለውጢ ምህላው ዝሓበሩ ኣይተ ቀጄላ፤ ይኹን እምበር ኣብ ሕዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ባህልን ሃይማኖትን ኣፈላላያት ናይ ፍቅሪ እምበር ፍልፍል ፅልኢት ከምዘይኮኑ ክፍለጥ ኣለዎ ኢሎም።

ኣብ ዝኾነ ይኹን ባህላዊ ይኹኑ ሃይማኖታዊ ኩነታት እንትኽበሩ ዕላመኦም ምስጋና፣ ሰላም፣ ፍቅርና ሓድነትም ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዓሚቅ ባህላዊን ሃይማኖታዊን ሃብትታት ደው ንዘበሉሉ ዕላማ እንተውዒልናዮም ከም ፀገም ዝልዓሉ ፅልኢት ምድፍፋእ ቦታ ከምዘይህልዎም ተዛሪቦም።

እቲ ህዝቢ ኣብቶም በዓላት ብኣፈላላይ ከይተገደበ ካብዝኾነ ይኹን እዋን ብላዕሊ ተቀራሪቦም ሓቢሮም መብላዕን ምስታይን፣ ሓሳብ ምልውዋጥን ምሕጓስን ከምዝረኣይ ዘልዐሉ ኣይተ ቀጀላ፣ ከምዚ ዝበለ ተርእዮታት ሓድነትን ሓበራዊነትን ንምጉልባት ከም ፅቡቅ ዕድል እናገልገለ ይርከብ ኢሎም።

ከም ኣገላልፃ እቶም ሚኒስትር፣ ካብ ዝፍለጡ ባህላዊ በዓላት ወፃኢ ገና ዝፅንዑን ግልፂ ዝግበሩ ብዙሓት ፀጋታት ኣለው። ከም ሲዳማ፣ ወላይታ፣ ሃዲያ፣ ጎፋን ዝመሳሰሉ ናይ ባዕሎም ናይ ዘመን መቁፀሪ በዓል መለወጢ ዘመንን ዘለዎም ህዝብታት ኣለው። ንቀፃሊ ‘ውን ናይ ህዝብታት ባህሊ ብምጉልባት ናብ ዕድል ብምቅያር ብፍሉይ ትኹረት ክስራሕ ‘ዩ ኢሎም።

ናይቲ ህዝቢ ባህላዊን ሃይማኖታውን፣ ምኽባርን ምዕባይን ኣብ ሕገመንግስቲ ዝተቀመጠ ጉዳይ እንኾነውን ልዕሊ ኹሉ ግና እቲ ህዝቢ ባዕሉ ናይ ካልኦት ንምኽባር ዝግበር ፃዕሪ ዝበረታታዕ ምዃኑ ኣድኒቆም።

እዚ እንትብሃል ግና ኣብ ኣፈላላይ ውሽጢ ዕሙቕ ኢሉ ዝርኣይ ዘሎ ሓድነት ዝፀልኡ ብኣፅብዕቲ ዝቁፀሩ ፖለቲከኛታት የልውን ማለት ኣይኮነን ኢሎም።

እቲ ህዝቢ መስቀል፣ መውሊድን ኢሬቻን ሓዊሱ ኣብ ሎሚ ዓመት ዝኽበሩ ባህላዊን ሃይማኖታዊን በዓላት ከም ኩሉ እዋን ብሰላም፣ ፍቅርን ሓባራውነትን ንከኽብር ፀዊዖም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 17 መስከረም 2016 ዓ.ም

Recommended For You