
ኣዲስ ኣበባ፡- ንሕና ኢትዮጵያውያን ከም ‹‹ዳሜራ›› ንልምዓትን ብልፅግናን ሃገርና ብሓባር ጠጠው ከንብል ይግበአና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ዝበሉ ትማሊ በዓል መስቀል ምኽንያት ብምግባር ንተኸተልቲ እቲ እምነት ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣብ ዘመሓላለፍሉ ‘ዩ፡፡
ሓንቲ ዕንጨይቲ ምስ ካልኦት ተደሚራ ብርሃን ብምሃባ ዝጎድላ ነገር የለን እኳደኣስ እትውስኾ ብርሃን ኣሎ፤ ኩሎም ተደሚሮም እናበርሁ ምስ ከዱ ሓይሊ ብርሃን ይውስኽ፤ እዚ ንልምዓትን ብልፅግናን ሃገርና ብሓባር ደው ከንብል ከምዘለና ኣብነት ‘ዩ ኢሎም፡፡
ሽጋት፣ ዕንጨይቲታትን ጭራሮታትን ናብ ሓደ እንተመፂኦም ‹‹ዳሜራ›› ክኾኑ ከምዝኽእሉ ብምሕባር፤ እዞም ሽጋትን ጭራሮታትን ጠርኒፉ ዳሜራ ክኾኑ ዝገብር ጥንኩር ዕንጨይቲ ወይ ዓምዲ ከም ዘሎን እዚ ዓምዲ ድማ ንኢትዮጵያ ክውክል ከምዝኽእል ኣብሪሆም፡፡
ንድሮ በዓል መስቀል፣ ልክዕ ዕንጨይቲታት ወይ ሽጋት ተኣኪቦም ዳሜራ ዝኾኑሉ፤ ንሕና ኢትዮጵያውያን ‘ውን ልክዕ ከምዚ ተደሚርና ንልምዓትን ብልፅግናን ሃገርና ብሓደ ደው ከንብል ይግበአና ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም ወሲኾም ኣብሪሆም፡፡
ዳሜራ ብዙሓት ዕንጨይትታት ብሕብረት ደው ዘብል፤ ኣብ ዝነኣሰ ዝውስኽ፣ ዝተበተነ ዝእክብ፣ ዝተዘርዘረ ነገር ዝድምርን ዘራኽብ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ ከም ዳሜራ ብዙሓት ባህሊ፣ እምነት፣ ሃፍቲ፣ ክብሪ፣ ኣመለኻኽን ታሪኽን ዘለዉዋ ኮይና እዞም ፀጋታት እንተደሚርናዮም፣ መጀመርታ ከም ሽግ ከባቢያዊ ዓቕሚ ይኾኑና ቀፂሎም ድማ ከም ዳሜራ ኣብ ሓደ ዓምዲ ደው እንተቢልናዮም ምዕብልቲ ሃገር ክንሃንፅ ንኽእል ኢና ክብሉ ገሊፆም፡፡
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 17 መስከረም 2016 ዓ.ም