በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ኢትዮጵያ ንዘጋጥማ ስግኣት ወፃኢ ንክትዳሎን ሰብኣውነት ዘለዎ ፖለቲካዊ ውሳነን ምዃኑ ተገሊፁ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ክልል ትግራይ ብተናፀል ተኹሲ ጠጠው ንክብል ውሳነ ኢትዮጵያ ንዘጋጠማ ዓብይ ናይ ወፃኢ ስግኣት ምድላው ከምዘለዋ ተሓሲቡ ከምዝኾነ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፌዴሪኢ ዋና መተሓባባሪ ስራሕቲ ህንፀት ሰራዊት ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ ገሊፆም። በይናዊ ስጉምቲ ተኹሲ ጠጠው ምባል ሰብኣውነት ዘለዎን ፖለቲካዊ ውሳነ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ተዛሪቦም።

ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌን ሚኒስተር ዲኤታ ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ትማሊ ብሓባር ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ተኹሲ ጠጠው ምባል ስምምዕነት ስዒቡ መግለፂ ሂቦም እዮም። ኣብ ክልል ትግራይ እቲ ጁንታ ምስ ሃገር መከላከያ ሰራዊት ስሩዕ ኹናት ምግባር ዝኻኣለ ንሰለስተ ሰሙን ጥራሕ ከምዝኾነ ‘ውን ተገሊፁ እዩ።

ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ፣ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ህዝቢ ብዘርኢ ጎስጓስ ብምግባር ምስ ሰራዊት ጎንፂ ንክፍጠር እናሰርሐ እዩ ፀኒሑ ኢሎም።

እቲ ህዝቢ ናብ ፀገም ንምእታው ካብ ምስራሕ ዝሓለፈ ኣብዚ ኸዚ እዋን ህወሓት ንኢትዮጵያ ትርጉም ዘለዎ ስግኣት ክኾን ኣብዘይኽእለሉ ብርኪ በፂሑ እዩ ኢሎም።

 ኣብዚ ኸዚ እዋን ስግኣት ኢትዮጵያ ወፃኢ ሃገራት ኢድ ኣእታውነት ስለዝኾነ ንዚ ንምድላው ኣድላይን ግድን ብምዃኑ እቲ ሰራዊት ለቒቑ ንክወፅእ ከምዝተወሰነ ኣረዲኦም እዮም። ኣብ መቐለ ምፅናሕ ወታደራዊ ጥቕሚ ከምዘይብሉ’ውን ገሊፆም።

ሚኒስተር ዲኤታ ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ብወገኖም መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝገበሮ በይናዊ ስጉምቲ ተኹሲ ጠጠው ምባል ሰብኣውነት ዘለዎን ፖለቲካዊ ውሳነ ከምዝኾነ ተዛሪቦም እዮም። ሓረስቶት ክልል ትግራይ ክረምቲ ከይሓለፈ ናብ ሕርሻ ንክኣትዉ ተተሊሙ ውሳነ ከምዝተውሃበ ኣምባሳደር ሬድዋን ተዛሪቦም እዮም።

ኢትዮጵያ ግድብ ዓብይ ህዳሰ ምምላእ ማይ ተደሓሒዙ ዓለም ለኸ ምግላልን ምህዋኽን እናበፅሓ ከምዝኾነ ገሊፆም እዮም። እዚ ዲፕሎማሲያዊ ፅዕንቶን በቢእዋኑ ዝግበሩ ውልቃዉን ሓበራውን ልምምዳት ናበይ ከምርሑ ከምዝኽእሉ ስለዘይፍለጥ ሃገራዊ ዓቕሚ ኣኪቢኻ ምድላው ግድን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ወጋሕታ 24 ሰነ 2013

Recommended For You