ኩሉ ዜጋ ንሰላምን ሓድነትን ሃገር ክሰርሕ ከም ዘለዎ ተገሊፁ -መበል1498 ዓመት በዓል ልደት ነቢይ መሓመድ ብድምቀት ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኩሉ ዜጋ ንሰላም፣ ሓድነትን ራህዋን ሃገር ክሰርሕ ይግባእ ክብሉ ምክትል ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሸኽ ዓብደልከሪም በድረዲን ገሊፆም። መበል 1498 ዓመት በዓል ልደት (መውሊድ) ነቢይ መሓመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መስጊድ ኣንዋር ተኸቢሩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስጊድ ኣንዋር ትማሊ መበል 1498 ዓመት በዓል ልደት ነቢይ መሓመድ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ እቶም ምክትል ፕረዚደንት፣ ሰላም እንተዘይሃልዩ ሃገር ከትህሉ ስለዘይትኽእል ንሰላም ሃገርና ከንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

እቶም ምክትል ፕረዚደንት ኣስዒቦም ምትሕልላይን ምክእኣልን ዘምሀሩና ነቢይ መሓመድ ኣሰሮም ከንኽተል ይግበአና ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ናይ ሎሚ ዓመት በዓል መውሊድ ኣብ ፅባሕ 4ይ ዙር ምምላእ ማይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብዝተኸየደሉ እዋን ምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡ ኩሉ ዜጋ ንሰላም፣ ሓድነትን ራህዋን ሃገር ክሰርሕ ከም ዘለዎ ሸኽ ዓብደልከሪም በድረዲን ኣታሓሳሲቦም።

 ኣብቲ በዓል ተረኺቦም ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ዋና ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቐሺ ታጋይ ታደለ ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያውያን ንሰባት ናይ ምፍታው፣ ምክብባርን ምፍቃርን ፀጋ ኣለና፡፡

ነዚ ልዑል ክብርታት ብዝግባእ ዘይፈልጥዎ ሰባት ግና ክኸፋፍሉና ዝተፈላለዩ ፈተነታት ክገብሩ ይረአዩ ‘ዮም ኢሎም፡፡

እዚ ናይ ነቢይ መልእኽቲ ንሕና ኢትዮጵያውያን እንሕበነሉ ናይ ምትሕግጋዝ ፀጋና ስለዝኾነ ነዚ ዘኹርዕ ታሪኽ ወሲድና ምክብባርና፣ ፍቕርናን ሓድነትናን ከነሐይል ይግባእ ኢሎም።

ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ኣቶ ቀጀላ መርዳሳ ኣብቲ በዓል ተረኺቦም ኣብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ በዓላት ከነብዕል ከለና ሰላምን ፍቕርን ክንሰብኽ ይግባእ ኢሎም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 17 መስከረም 2016 ዓ.ም

Recommended For You