
ኣዲስ ኣበባ፡- በዓል መስቀል ፅልእን ምክፍፋልን ብምውጋድ ብሓድነትን ብፍቕርን ምኽባር ከምዝግባእ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ኣቡነ ማትያስ ኣታሓሳሲቦም።
በዓል መስቀል ደመራ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓት ትማሊ ተኸቢሩ።
ኣብቲ በዓል ናይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ኣቡነ ማትያስ መልእኽቲ ብዋና መካያዲ ስራሕ መንበረ ክህነት ፓትርያርክን ሃገረ ስብከት ባህርዳርን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣብርሃም ቀሪቡ፡፡
ኣብ መልእኽቶም፣ መስቀል ሰላም፣ ፍቕርን ሓድነትን ዝስበኸሉ ‘ዩ፤ መስቀል ኣብ መንጎ ፈጣሪን ወዲ ሰብን ዕርቂ ዝተፈጥረሉ ‘ዩ፤ ፅልእን ምፍልላይን ዝተሰዓረሉ ምዃኑ ዘማላኽት ‘ዩ ኢሎም።
መስቀል ብኣካል ተፋላልዮም ዝነበሩ ናብ ሓደ ቦታ ዘራኽብን ንዝተፃልኡ ዘታዓርቕን ናይ ሰላምን ዕርቅን ምልክት ‘ዩ ክብሉ ብፁዕ ኣቡነ ማትያስ ብሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣብርሃም መልእኽቶም ገሊፆም፡፡
ብተወሳኺ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ብሓላፊት ቢሮ ባህልን ስነ-ጥበብን ቱሪዝምን ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ሂሩት ካሳው ኣቢለን መልእኽተን ዘማሓላለፋ እንትኾና፤ ኣብ መልእኽተን ከምዝገለፀኦ፤ ንኩለመዳያዊ ብልፅግናን ሃገራዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ብሓባር ደው ምባል ካብ መስቀል ደመራ ክንመሃር ይግባእ።
ኣብቲ ፕሮግራም ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ ብወገኖም መስቀል ደመራ ብደረጃ ዓለም ብዩኔስኮ ዝተመዝገበ ዓብዪ ናይ ኩልና በዓል ‘ዩ፡፡ ብምዃኑ እዚ በዓል ካብ ፅልኢ ወፂእና ብሰላም፣ ፍቕርን ሓድትን እነኽብሮ በዓል ‘ዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዋና መካያዲ ስራሕ ቤተ ክህነት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ባህርዳርን ብፁእ ኣቡነ ኣብርሃም፣ ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኒውዮርክን ከባቢን ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስ፣ ፕረዚደንት ፌደሬሽን ሳህለወርቅ ዘውደ፣ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ኣቶ ቀጀላ መርዳሳ፣ መራሕቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦት ክፋል ማሕበረሰብን ተረኺቦም ‘ዮም።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 17 መስከረም 2016 ዓ.ም