በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ንረብሓ ህዝቢ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፡- ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሰብኣዊነት መሰረት ዝገበረን ተወሳኺ ጉድኣት ብዘየስዕብ መልክዑ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበር ንመንግስቲ ፌዴራል ከምዝሓተተ ኣፍሊጡ። እቲ ውሳነ ንረብሓ ህዝቢ ምዃኑ ተገሊፁ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ምስ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ከምዝገለፁዎ፣ ክረምቲ እናኣተወ ስለዝኾነ ሓረስቶት ትግራይ ስራሕቲ ሕርሸኦም ንኸሳልጡ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ናብ ተሓገዝቲ ንኽበፅሕ እዋኑ ዝምጥን ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምምፃእ መንግስቲ ፌዴራል ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንኸግበር ሓቲቱ ኢዩ።

 እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ብዕሊ ሕትኡ ከቕርብ ዝኸኣለ እዋናዊ ኩነታት እቲ ክልል ብዝምልከት ምስ ተወከልቲ ህዝቢ እቲ ክልል፣ ኣመራርሓ ኣባላት ቢሮን ዞባታትን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምስ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ፣ ምሁራን ትግራይ፣ ሰብ ሃፍቲን ኣቦታት ሃይማኖትን ተኸታታሊ ምይይጥ ድሕሪ ምግባሩ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብቲ ክልል ይኹን ኣብ መላእ ሃገር ዝፈጠሮ ዝተሓላለኸ ፀገም ወታደራዊ ጥራሕ እንተይኮነስ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ከምዝኾነ ዝገለፁ ዶክተር ኣብርሃም፥ ‹‹ብመንግስቲ ፌዴራልን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝተፈላለዩ መፍትሒታት እናተወሰዱ ፀኒሖም ኢዮም›› ኢሎም።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን ሕጊ ካብ ምኽባር ብተወሳኺ ብሕጊ ዝረኣዩ ጉዳያት ብሕጊ መፍትሒ ንምሃብ ካብቲ ሓይሊ ጥፍኣት ገበነኛ ዝኾነ ፈሊኻ ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ስራሕቲ እናተሳለጠ ከምዝፀንሐ ገሊፆም።

ሓረስቶት ትግራይ ኣብ እዋን ክረምቲ ናብ ሕርሻ እንተዘይኣቲዮም እዋን ዘርኢ ስለዝሓልፍ ኣብ ቀፃሊ እቲ ሓረስታይ ንዓመታት ተሓጋዛይ ኮይኑ ናይ ምንባር ዕድል ከምዝገጥሞ ኣብሪሆም።

ከም ኣገላልፃ ዶክተር ኣብርሃም፣ ‹‹ህወሓት ክነብር ዝኽእል ህዝቢ ትግራይ እንትሞትን መከራ እንትርኢን ጥራሕ ኢዩ፤ መንግስቲን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ሓገዝ ከየብፅሑ፣ ንሓረስቶት ምሩፅ ዘርኢን መዳበርያን ከየቕርቡ እናተዓናቐፈ ህዝቢ ጠምዩ እናበለ ባዕሉ ኢዩ ዘእዊ›› ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ዝድለ ቦታ ንምብፃሕ፣ ስራሕቲ ሕርሻ ከይተኣጓጎል፣ ዝተመዛበሉ ተረጋጊዖም ናብ መረበቶም ንክምለሱ ተወሳኺ ፖለቲካዊ ኣማራፂ ስለዝድሊ ብተደጋጋሚ ምስ መንግስቲ ዝርርብ ከምዝተገበረ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ኣገንዚቦም።

እቲ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ፣ ሓረስታይ ተረጋጊዑ ንኸሓርስ፣ ፀገም ዝበፅሖም ሰብኣዊ ሓገዝን ኣቑሑት ረድኤት ንምብፃሕ፣ ተመዛበልቲ መንበሪኦም ፀጊንካ ናብ መረበቶም ንምምላስ ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም።

ፌደራል መንግስቲ ብወገኑ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣወንታ ምላሽ ዝሃበ እትኾን፣ ሓረስታይ ተረጋጊኡ ስርሑ ንኸሳልጥ፣ ስራሕቲ ሓገዝ ካብ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ናፃ ኮይኑ ንኽከፋፈል፣ ሰላም ዝመረፁ ተረፍ መረፍ ኣካላት ጉጅለ ህወሓት ናብ መገዲ ሰላም ንኽመፅኡ፤ እንተይተረደኦም ናብቲ ተረፍ መረፍ ሓይሊ ጥፍኣት ዝኣተዉ ኣካላት ከምብሓዱሽ ንኸሓስቡሉን ናብ ሰላማዊ መገዲ ንምምፃእን ዕድል ክረኽቡ ንምግባር፣ እቲ እዋን ክረምቲ ክሳብ ዝዛዘም ዝፀንሕ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኹነት ኣብ ሰብኣውነት ዝተመርኮሰ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ካብ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ መንግስቲ ኣዊጁ ኣሎ።

እዚ ከምዘሎ ኮይኑ እቶም ቀንዲ መራሕቲ ሓይሊታት ጥፍኣት ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ስራሕቲን ዝተጀመረ ተግባር ምርመራን ተጠናኺሩ ክቕፅል ክብል ኣመልኪቱ።

ኩሎም ትካላት ፌዴራልን ክልልን ሲቪልን ወታደራዊን፣ ካብ መንግስቲ ዝወሃቦም ዝርዝር ኣፈፃፅማ መሰረት ብምግባር እቲ መምርሒ ምቁራፅ ተኹሲ ንኸኽብሩ ተኣዚዞም ኣለዉ። እቲ ፅቡቕ ዕድል ንሕማቕ ተግባር ዝጥቀሙ ወገናት እንተኣጋጢሞም ግና ኣድላዪ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ከከም ኩነታቱ ክሳለጥ እዩ ክብል ኣረዲኡ።

ወጋሕታ 24 ሰነ 2013

Recommended For You