ወርሒ ዕምበባ፣ ሸዊት፣ ታሕጓስን ተስፋን

ዶ/ር ሃብተማርያም ኣሰፋ ኣብ “የኢትዮጵያ ታሪክ ጥያቄዎችና ባህሎች” ኣብ ዝብል መፅሓፎም ወርሒ መስከረም ከምዚ ክብሉ ይገልፅዋ። መስከረም “ምስ- ከረመ” ድሕሪ ክረምቲ ወይ ክረምቲ ምስ ሓለፈ ማለት ‘ዩ ይብሉ።

ወርሒ መስከረም ዝናብ ደው ዝብለላ፡ ፀሓይ እትበርቐላ፡ ሩባታት ፅሩይ ማይ ዝውሕዙላ፡ ማያት ዝነትዑላ፡ ዝተዘርኡ ኣዝርእቲ ዓብዮም ምሽዋት ዝጅሙሩላ፣ ኣኽራናት ሩባታት ጎላጉልን ብዕምባባታት ዝደምቁሉ ወርሒ ‘ዩ ይብሉ።

መስከረም ተናፋቂት መሰጋገሪት ድልድል ‘ያ ክትብሃል ይክኣል። ኣብ መስከረም ካብ ክረምታዊ ፃንሒት ናብ ቀውዓዊ ወቕቲ፣ ካብ ትምህርታዊ ዕረፍቲ ናብ ምጅማር ትምህርቲ ንሰጋገር። ሕርሻና ካብ ሓምለዋይ ቆፅሊ ናብ ዕንበባን ፍረን ዘብለሉ – ወቕቲ ተስፋ ‘ያ መስከረም።

በዚ ምኽንያት ድማ ዘመን ፀልማትን ሽግርን ኣብቂዑ ናይ ብርሃን፣ ፍረ፣ ፅጋብ፣ ታሕጓስን ተስፋን ዝትከአሉ እዋን ‘ዩ ተባሂሉ ስለዝእመነሉ ‘ውን ‘ዩ። እዚ ወርሒ ታሕጓስን ተስፋን ዝበዝሓሉን ተፈታውን ተበሃግን ዝኾነሉ ካሊእ ምኽንያት ድማ ኣብዚ ወርሒ ብዙሓት ንዕብየት ቱሪዝም ዓብዪ ግደ ዘለዎም ዓበይቲ ሃይማኖታውን ባህላውን በዓላት ዝኽበሩሉ ወርሒ ምዃኑ ‘ዩ።

መስከረም ኣብ ክረምቲ ኮይንኻ እትሕለምን ሃረር እትበሃልን ወርሒ’ያ። የውሃንስን መስቀልን ሓዊስካ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ በዓላት ዝካየደላ ወርሒ ብምዃና ሓረስታይ ትንፋስ ዝመልሰላ ውዕውዕቲ ወርሒ’ያ። ዘርኢ ዓተረ-ሰበረ ወዲኦም ኣብቲ ንዝሓርሱ ኣብዑር ጥራይ ዝፍቀድ ዝራብዓት ሕዛእቲ በሊዖም ብፅጋብ ክንቅዉን መሬት ክፅሕትሩን ዝጅምሩሉ ቅነ ፅጋብ’ያ መስከረም።

ተናፋቂነትን ተባሃጊነትን መስከረም ጥበባውያን ብጥበቦም እንትገልፅዋ:-

“ከም ገልገለ መስቀል፣

ከም ሸዊት መስከረም፣

ሊሎየ ሊሎየ ሊሎ፣

ቖልዓ ናይ ትግራይ ለይምነዶሎ…” ብምባል ኩሉ ዝምነያ ከምዝኾነ የመላኽቱ።

ስገመየ ያዕሆሆ.. ስገመየ ረዳኢተየ.. እናተብሃለ ዝድረፈላ ሰገም ሓዊሱ ካልኦት ሸዊታት ዝበፅሕሉ እዋን ኣብዚ ወርሒ ምስሙኻኑ ኣብ እዋን ክረምቲ ብሕፅረት ምግቢ ተፀጊሙ ዝፀንሐ ሓረስታይ ካብ ኣሕምልቲ ወፂኡ ብሸዊት፣ ቅጫን ገዓትን ም ዕንጋል ዝጅምረሉ ‘ውን ‘ዩ።

ኣብዛ ወርሒ ብዘሎ ፍሉይ ምስሊ ፅባቀን ተስፋን ካልኦት ባህግታትን ዝተልዓለ ወርሒ መስከረም ካብ ወርሕታት ተፈታዊንትን ፍልይትን ወርሒ ክትኸውን ዝኸኣለት ትመስል። ከምዝፍለጥ ሰባት ብዝፈትውዎ ነገር ስም ክፅዉዑ ምርኣይ ዝተለመደ ነገር ‘ዩ። ነዚ ‘ውን ይመስል መስከረም ዝብል ስም ካብ ናይ ወርሒ ስም ሓሊፉ ናይ ሰባት ስም ንክኸውን ተመሪፁ ብዙሓት ሰባት ክውዑሉ ዝስማዕ ዘሎ።

ብፍላይ ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታውን ባህላውን መሰረት ዘለዎም በዓላት ክብሪ ኣብ ዝውስኹ ዛዕባታት እናድሃቡ ህዝብና ብዘላቕነት ክጥቀም ዘኽእልሉ ዕድል ይሰፍሕ ዘሎን፤ ዝተፈላለዩ በዓላት ብፍሉይ ዝደምቁሉ ከባቢታት እናተርኣዩን እናተለመዱ ዝኸድሉ ኩነታት ተታሓሒዙ ቁጠባዊን ቱሪዝማውን ከስቢ ከምፅኡሉ ዝኽእሉ ዕድል ሰፊሕ ‘ዩ።

ከምቲ እንደርታ ብሕምባሻ፣ ዓጋመ ብጥሕሎ፣ ኣክሱም ብሕልበት፣ ኢሮብ ብግዕዝም፣ ዉቅሮ ብቆሎ ፣ ኣፅቢ ብመዓር፣ ራያ ብጠስሚ ብኮረፌ፣ ተምቤን ብሜስ፣ ሽረ ብስዋ ዝፍለጣሉን ከምኡ ‘ውን ማርያም ፅዬን ኣብ ኣክሱም፣ ኣቡነኣረጋዊ ኣብ ዳሞ፣ ኣብዚ ወርሒ ብድምቀት ዝኽበር በዓል መስቀል ድማ ኣብ ጫምዓ መቐለን ዓዲግራትን ካብ ካሊእ ከባቢ ብላዕሊ ዝፍለጠሉን ዝደምቀሉን ‘ዩ።

ኣብዚ እዋን ዝኽበር ሙቁር ባህላውን ሃይማኖታውን በዓል መስቀል ከም ጉራጌ ኣብ ዓጋመ ‘ውን ኩላትና ክንኽተሎ ዝግባእ ብሉፅ ተሞክሮ ቱሪዝም በፃሕቲ ውሽጢ ዓዲ ዝረኣየሉ ‘ዩ። ደቂ ዓጋመ በብዓመቱ ዓቕሞም ዝፈቐዶ ፀይሮም እንተነኣሰ ሓደ ሰሙን በዓል መስቀል ምስ ስድረኦም የሕልፉ።

ቅዱስ ጉዕዞ መስቀል ዓጋመ፣ ኣሓትና ምስ መረበቶም ዘለዎም ማሕበራዊ ርክብ ክድልድል ኣብ ልዕሊ ምግባሩ ዓብዪ ሽሻይ ፍሰት ሃፍቲ ‘ውን የም ፅእ።

እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ከምኡ ‘ውን በቢዓመቱ በዓል መስቀል ምስሓለፈ ቀፂሉ ኣብዝመፅእ ሰንበት ዝኽበር በዓል ኢሬቻ ካብ ዝተኸበሩን ዝተቀደሱን ናይ ኦሮሞ ክብረ በዓላት ሓደ ዝብሃል ኮይኑ፣ ካብ ቀዳሞት ኣቦታት ኦሮሞ እናተወራረሰ ከምመፅአ ዝንገረሉን፤ ዝሓለፈ ዓመት ብሰላም ኣሕሊፉ መፃኢ ዓመት ድማ ብሰላም ንከብፅሓና ብምባል ንእግዚአብሔር ምስጋና ዝቀርቡሉ ስርዓት ብህዝቢ ኦሮሞ ዝኽበረሉን ሓዊሱ ካልኦት ህዝብታት ናይ ውልቆም ባህላዊ ሓዱሽ ዓመት ዘኽብሩሉ ወርሒ ‘ውን ‘ዩ፡፡

እዚ ከምዚ እናሃለወ ኩሉ ነገር ዝጥዕም ሰላም እንትህልው ብምዃኑ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድ ብምንባሩ በዓላት ብግቡእ ተኸቢሮም ኢልካ ንምግላፅ ዝኸብድ ኩነታት ምስ ምንባሩ ኣንፃር፤ ናይ ሎሚ በዓላት ዋላ ኣብ ምሉእ ሰላም ዝዓሰለሉ ‘ዩ እንተዘይተብሃለ ‘ውን ጭላንጭል ሰላም ኣብ ዝተረኸበሉ ዘሎ እዋን እነብዕሎም ዘለና ምዃና ኣብዚ ውሽጢ ወርሒ እነኽብሮም በዓላት ተስፋና ሓፍ ዝብለሉ ‘ዩ ክብሃል ይካኣል።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝሓበርናዮ እዚ ወርሒ ናይ ተስፋን ሓጎስን ‘ዩ ከምዝበልናዮ ንኹሉ ማሕበረሰብና ናይ ሓጎስን ተስፋን እዋን ንክኸውን፤ ሐዚ ከቢድ እዋን እናሕለፉ ዝርከቡ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ፣ ኣብ ሕማምን ካልኦት ፀገማትን ውሽጢ ዘልው ወገናትና ብእንኽእሎን ብዘለና ዓቅምን ከምቲ ዝተለመደ ናይ ምትሕግጋዝ ባህልን ልምድን ኣለናልኩም ምባል ክንርስዕ ኣየብልናን ብምባል። ሰናይ ቅነ በዓላት ክኸውን ንምነ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 10 መስከረም 2016 ዓ.ም

Recommended For You