
ብ5ሽሕ ሜትር ጉያ ታሪኽ ን17 ዓመታት ኣትሌታት ኢትዮጵያ ብዘይ ተነሓናሓይ እቲ ክብረ ወሰን እናተቐባበሉን እናመሓየሹን መፂኦም ‘ዮም።ኣብዚኦም ዓመታት እዚ ክብረ ወሰን ሰዓት ብካልኦት ኣትሌታት ዝተትሓዘ ሓደ ግዘ እንትኾን ንሰለስተ ወርሒ ጥራሕ ‘ዩ ፀኒሑ።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2006 ኣትሌት መሰረት ደፋር ብቱርካዊት ኣትሌት ኤልቫን ኣብይ ለገሰ ንኽልተ ዓመታት ተታሒዙ ዝፀንሐ ክብረወሰን ብማይክሮ ሰከንድ ብምምሕያሽ ‘ዩ ነይሩ ናብ ኢትዮጵያ ክተምፀኦ ዝኻኣለት።
እዛ ኣትሌት ኣብ ዓመቱ ድማ ኦስሎ ብ8 ሰከንድ ናይ ባዕላ ሰዓት ብምምሕያሽ ታሪኽ ዘመዝገበት እንትኾን ኣብቲ ርሕቐት ታሪኽ ብተኸታታሊ ክብረወሰን ዝሰበረት ብሕታዊት ኣትሌት ኾይና ‘ያ።ኣብ ቀፃሊ ድማ ኣብቲ ቦታ ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ብጓል ዓዳ ዝተመዝገበ ፈጣን ሰዓት ብምምሕያሽ ኢትዮጵያውያን ኣትሌት ኣብ ርሕቐት ዘለዎን ልዕልነት ክተጠናኽር ክኢላ ‘ያ።
ድሕሪ ዓመታት እቲ ዝደገመቶ ድማ ጀግና ኣትሌት ለተሰንት ግድይ እንትትኾን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2020 ቫሌንሽያ 14፡06፡62 ብዝኾነ ሰዓት ሳልሰይቲ ኣትሌት ብምኳን ታሪኽ ክተመዝግብ ክኢላ እያ።
እዚ ሰዓት ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ብኬንያዊት ኣትሌት ብሓደ ሰከንድ ብምምሕያሻ ብኢትዮጵያውያን ተታሒዙ ዝፀንሐ ክብረወሰን ጣልቓ ክትኣቱ ኽኢላ ‘ያ።ኾይኑ ግና እዚ ክብረወሰን ብዙሕ ከይፀንሐ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ ክኢሉ ‘ዩ።
እዚ ክብሪ ንምውሳድን ንኣዋርሕ ምድላው እናገበረት ዝፀንሐት ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ቅድሚ ኸዚ ሪከርድ ንምስባር ተዘይተሳኸዐላ ‘ውን በዚ 10ሽሕ ፅቡቕ ንሕንሕ ብምግባር ሜዳልያ ወርቂ እንትትረክብ ካልእ ዓወት ንምስኻዕ ዝተለመቶ 5ሽሕ ሜትሮ ግና ኣብ እግራ ብዝበፅሐ ጉድኣት ከምዝሓሰበቶ ምጉያይ ኣይካኣለትን ነይራ።ምስ ኬንያዊት ኣትሌት ጠንካራ ፉክክር ከምዝገብራ ትፅቢት እንተተገበረ ‘ውን ብምኽንያት ጉድኣት ብዓወት እታ
ኬንያዊት ከምዝተዛዛመ ይፍለጥ።ኾይኑ ግና ኣብ ሰሙኑ መጨረሻ ኣብ ኦሪጎን ኣሜሪካ ዘለዋ ብቅዓት ክተመስክር ክኢላ ‘ያ።ድሕሪ እቲ ውድድር ጉዳፍ ኣብ ዝሃበቶ ሓሳብ ‹‹ ኣብ ዓለም ቻምፒዮና ኽልተ ሜዳልያ ብዘይ መርካበይ ነስሓ ነይሩኒ ፣ ካብ ዝገበርክዎ ምድላው ኣንፃር ኣብ ፅቡቕ ቅዋም ከምዘለኹ ሓድሽ ነገር ከምዝገብ ከምዝኽእል ሓሲበ ነይረ ኣብ ኦሪጎን ዝነበረ ኩነታት ዝምቸው ተዘይኾነ እኳ ምስራሕ ከምዝኽእል እርግፀኛ ነይረ ›› ከምዝበለት ኣትሌቲክስ ዓለም ንንባብ ኣብቂዑ ‘ዩ።
ብ10ሽሕ ሜትሮ ቻምፕዮና ዓለም ዝኾነት ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋየ ንኣዋርሕ ካብ ኢድ ኣትሌታት ኢትዮጵያ ወፂኡ ዝነበረ ናይ 5ሽሕ ሜትሮ ክብረ ወሰን ናብ ገዝኡ መሊሳቶ ‘ያ።እዛ ኣትሌት ኣብዚ ዓመት ፅቡቕ ምንቅስቃስ እናገበረት እንትትኸውን ቅድሚ ሰሙን ዝበፅሓ ጉድኣት ድሒና ብምምላስ ኣብ ሓዱሽ ዓመት ሓድሽ ክብረ ወሰን ንሃገራ ኣበርኪታ ‘ያ።
ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋየ ብሓሙሽተ ሽሕ ኾነ ብዓሰርተ ሽሕ ሜትሮ ተዓዋቲት ከምዝኾነት ብተግባር እናርኣየት እናቐፀለት ትርከብ ፡፡
መሰረት ገብረዮሃንስ
ወጋሕታ 10 መስከረም 2016 ዓ.ም