ብሪታንያ ንማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ናይ ገንዘብን ተሽከርካሪንሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፡- መንግስቲ ብሪታንያ ንማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ናይ 413 ሚሊዮን ብር ከምኡ ‘ውን ናይ 10 ተሽከርካሪታት ሓገዝ ገይራ።

እቲ ናይ ሓገዝ ስምምዕነት ብኤምባሲ መንግስቲ ብሪታኒያ ወገን ዝተፈፀመ እንትኾን፤ እቲ ስምምዕነት ብኣምባሳደር ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያን ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪካን ኣምባሳደር ዳሬን ዌልችን ብፕሬዚዳንት ቦርድ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣይተ ኣበራ ቶላ ተፈራሪሞም።

ብተወሳኺ መንግስቲ ብሪታኒያን ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያን ንፕሮጀክታት መጀመሪ ሓቢርካ ምስራሕ ዝኽእል ናይ ምርድዳእ ሰነድ ተፈራሪሞም።

ፕሬዚዳንት ቦርድ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣይተ ኣበራ ቶላ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ናይ ሓገዝ ስምምዕነት እቲ ማሕበር ንዝፍፅሞ ሰብዓዊ ሓገዛት፣ ግልጋሎት ጥዕናን ከምኡ ‘ውን ብኲናትን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንዝበፅሖም ጉድኣት ከባቢታት ሓገዝ ንምሃብ ዝውዕል ‘ዩ።

ከም ኣገላልፃ እቶም ፕሬዚዳንት፤ መንግስቲ ብሪታንያ ንምሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ሓገዝ እንትገብር ናይ መጀመሪያኡ ‘ዩ። እቲ ሓገዝ ኣብ ዝኸፍአ ፀገም ውሽጢ ንዝርከቡ ዜጋታት ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ዝኽእል ‘ዩ።

እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣብ ስራሕ ንምውዓል ምስ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብሪታኒያን ምስ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኔዘርላንድ ብሓገዝ ሞያን ዘፈር ቴክኒክን ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ኣይተ ኣበራ፤ እቲ ስምምዕነት ኣብ ዝቅፅሉ ክልተ ዓመታት ውሽጢ ተግባራዊ ከምዝግበር ኣመላኺቶም።

ኣምባሳደር ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያን ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪካን ኣምባሳደር ዳሬን ዌልች ብወገኖም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ብኲናትን ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ጉድኣት ንዝበፅሕም ዜጋታት ቅልጡፍ ሰብዓዊ ሓገዝ ንክረኽቡ ዝሕግዝ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ኣብ ጥዕና ከምኡ ‘ውን ንምስላጥ ኣቅርቦት ፅሩይ ዝስተ ማይን ንዝተፈላለዩ ሓገዛት ዝውዕል ናይ ሓሙሽተ ነጥቢ ትሽዓተ ሚሊዮን ፓውንድ (413 ሚሊዮን ብር) ሓገዝ ገይርና ኢና ኢሎም።

ካብ ዝተገበረ ሓገዝ ውሽጢ እቲ ሰለስተ ነጥቢ ኣርባዕተ ሚሊዮን ፓውንድ ብገንዘብ ዝቀረበ እንትኾን፤ እቲ ዝተረፈ ድማ ንሓገዝ ቴክኒክ ዝውዕል ምዃኑ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ንመሳለጢ ሓገዝ ዝኾኑ ፲ ተሽከርከርቲ ንማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣረኪብና ኢና ዝበሉ ኣምባሳደር ዳሬን፤ እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣብ ፀገም ውሽጢ ንዝርከቡ ዜጋታት ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ከምዝሕግዝ ሓቢሮም።

እቲ ፕሮጀክት ናብ ስራሕ እንት ኣቱ ብማሕበር ቀይሕ መስቀል ብሪታኒያን ከምኡ ‘ውን ብማሕበር ቀይሕ መስቀል ኔዘርላንድ ብሓገዝ ቴክኒክ ከምዝሕገዝ  ኣመላኺቶም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 10 መስከረም 2016 ዓ.ም

Recommended For You