‹‹መንግስቲ ዝወሰኖ ኣዋጅ ተኹሲ ጠጠው ምባል ህዝቢ ናይ ፅሞና ግዘ ንኽረክብ ዝገብር እዩ›› ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ

ትርሓስ ፍቃዱ

ኣዲስ ኣበባ፡- ብወገን መንግስቲ እናተወሰደ ዘሎ ናይ ታክቲክ ለውጢን ስምምዕነት ቶኽሲ ጠጠው ምባልን፤ህዝቢ ናይ ፅሞና ግዘ ንኽረክብ ዝገብር ከምዝኾነ ኣቦ ወንበር ፓርቲ ዲሞክራቲክ ትግራይን ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ግድብ ህዳሰ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ተዛሪቦም።

ዶክተር ኣረጋዊ ምስ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ከም ዝበልዎ መንግስቲ ዘስተባሀሎ ርእዩ ምግባር ከምዘለዎን እቲ ኣዋጅ ዝኣወጆ ኣሚንሉን ስለዝኾነ ዘምፀኦ ፀገም የለን። ይኹን ‘ምበር እዚ ኣዋጅ ንህዝቢ ናይ ፅሞና ግዘ እዩ ዝኸውን።

ከም ገለፃ ዶክተር ኣረጋዊ፣ ህዝቢ ዝኣምኖን ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈለሉን፤ጉጅለ ጁንታ በዚ መልክዑ እናጎድኦ እንተኾነ ‘ውን ሓደ ሓደ ፀገማት ግና እናተርኣዩ እዮም፤ብምዃኑ ድማ ህዝቢ ጥቕሙን ጉድኣቱን ንኽፈልይ ሒደት ናይ ፅሞና ግዘ ክረክብ ምግባሩ ፅቡቕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብሓቂ ድማ እቲ ህዝቢ ነዚ ግዘ ተጠቒሙ ሓሲቡን ኣሰላሲሉን ናብ ባዕሉ ተመሊሱ ዝጠቕሞን ዝጎድኦን ምፍላይ እንተኽኢሉ ተጠቃሚ ዝኾነሉ እዋን ይመስለኒ ኢሎም።

ብመሰረቱ እቲ ህዝቢ ክመሃርን ክልወጥን ዝነበሮ ሐዚ ኣይኮነን ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፤እቲ ጁንታ ቕድሚ ኽልተ ዓመት ናይ ባዕለይ መንግስቲ ክምስርት እየ፣ክግንፀል እየ፣መረፃ ከካይድ እየ እናበለ ብህዝቢ እንትቕልድ፤ኣይኸውንን እቲ ውሳነ ናትና ‘ምበር ናታትኩም ኣይኮነን ኢሉ ጠጠው ከብሎም ምተገበአ ነይሩ፤ነዚ ከይገበረ ብምትራፉ ከም ሃገርን ከም ህዝብን ብዙሕ ዋጋ ተኸፊሉ እዩ ፤ይኹን ‘ምበር ሐዚ’ውን ክምለስን ክልወጥን እንተኽኢሉ እቲ ዘሎ ኹነታት ምርኣይ ከምዘድሊ ኣመልኪቶም።

እስካዕ ሐዚ ኣብ በረኻ ኮፍ ኢሉ ብሓሻኽሩ ገይሩ ኣብ ክልል ትግራይ ይኹን ካብኡ ወፃኢ ዝርከቡ ክፋላት ሃገርና ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ገበን እናሰርሐ ፀኒሑ እዩ፤እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ሐዚ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ኣትየ ብምባል ኣይደገፉንን ንዝበሎም ሰባት እናቐተለን ንብረቶም እናዘረፈን እዩ፤እዚ ጠጠው ከብሎ ዘለዎ ድማ ህዝቢ እዩ።

ድሕሪ ሒደት ፅሞና መንግስቲ ዓርሱ ኣጠናኺሩ ነቲ ክልል ከረጋግዖ እዩ ኢለ ይሓስብ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ፤እስካዕ ሽዑ ድማ እቲ ህዝቢ ብሙሉኡ ደጋፊ ጁንታ ስለዘይኮነ ብዝተኽኣለ መጠን ተሓባቢሮም ዓርሶም ካብ ጉድኣት ምሕላው ግድን እዩ ኢሎ ም።

እዚ ስጉምቲ ክርዳእ ዘለዎ እቲ ህዝቢ እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፣ ምኽንያቱ እዚ ሓይሊ ንህዝቢ ዝሓስብ ተዝኸውን ነይሩ ቐደሙ ‘ውን ፀገማትና ብዘተ ንፍታሕ እቲ ህዝቢ ‘ውን ክንድዚ ኣይንጉዳኣዮ እንትበሃሉ ሕራይ ምበሉ ነይሮም፤ይኹን ‘ምበር እሳቶም ህዝብና ንዝብልዎ ምሕላው ዘይኮነስ ዕላምኦም ኣብ ስልጣን ንዘለኣለም ምንባር ስለዝኾነ ንመንግስቲ ናብ ዘየድሊ ጎንፂ ንምእታውን እቲ ህዝቢ ንፀገምን ዓብዪ ክሳራን ኣውዲቖሞ፤ እዚ ድማ ልዕሊ ኹሉ ንህዝቢ ትግራይ ዝጎድእ ብምዃኑ እሳቶም ዝዋግኡ ንጥቕሞም ከምዝኾነ ብምርዳእ ብዝተኽኣለ መጠን እቲ ህዝቢ ዓርሱ ኽሕሉን ይኣክል ክብሎም ከምዝግባእን ኣብሪሆም።

መንግስቲ ናፍቲ ክልል ዝኣተወሉ ምኽንያት ነዞም ሕጊ ጠሓስቲ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ንምውዓልን ሕጊ ንምኽባርን እዩ ነይሩ፤እዚ ድማ መብዛሕትኡ ተሳኺዑ እዩ ምባል ይከኣል፤ይኹን ‘ምበር ንዓኣቶም ምጥፋእ ወይ ድማ ኣፍቲ ህዝቢ ንዘብፅሕዎ ፅዕንቶ ስነ ልቦና ምቑፅፃር ኣይተኽኣለን።እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር እዋኑ ዝሓለወ ጥንኩር ስጉምቲ ክወስድ ብዘይምኽኣሉ እዩ፤ብምዃኑ ድማ እዞም ፀገማት ብቕልጡፍ ተፈቲሖም መንግስቲ ዝጀመሮ ምኽባር ሕጊ ብዓወት ወዲኡ ገበነኛታት ንሕጊ ብምቕራብ ሐዚ’ውን ዝተጠናኸረ ስራሕ ምስራሕ የድሊ ኢሎም።

‹‹መንግስቲ ድሕሪ ሐዚ’ውን ናፍቲ ክልል ምምላሱ ስለዘይተርፍ ፈለማ ክሰርሖ ዝግባእ ነገር ድሌት ህዝቢ ብምድማፅ፣ተለዋዋጢ ባህሪ ናይቲ ጁንታ ብዝግባእ ምፅናዕ የድሊ፤እዚ ምግባር እንተተኻኢሉ ድማ ኹሉ ደጋፊ ጁንታ ስለዘይኮነ ለውጢ ብምርኣይ ብቕልጡፍ ንመወዳእታ ግዘ ካብ ልዕሊ ህዝቢ ብምውራድን እቲ ህዝቢ ዳግም ናብ ፀገም ንኸይኣቱ ምግባር ይከኣል እዩ›› ኢሎም።

 ወጋሕታ 24 ሰነ 2013

Recommended For You