ስራሕቲ ምንቕቓሕ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ብጠመተ እናተሰርሐ ‘ዩ -መዓልቲ ቱሪዝም ዓለም ብብርኪ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ክኽበር ‘ዩ

ኣዲስ ኣበባ:- ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ዝተጠናኸረ ምንቅስቓስ እናተገበረ ምዃኑን መዓልቲ ቱሪዝም ዓለም ድማ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ቱሪዝም ገሊፁ። መዓልቲ ቱሪዝም ዓለም ብብርኪ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ክኽበር ‘ዩ።

ሚኒስትር ዴኤታ ቱሪዝም ኣይተ ስለሺ ግርማ ንምንቅስቓስ ኢንዱስትሪ ቱሪዝምን መዓልቲ ቱሪዝም ዓለምን ኣመልኪቶም ምስ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገብርዎ ፃንሒት፤ መንግስቲ ንኢንዱስትሪ ቱሪዝም ጠመተ ምሃቡን ነቲ ዘፈር ንምንቕቓሕ ‘ውን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝፀንሑን ገሊፆም።

ብፍላይ ወርሒ መስከረም መስሕብ ገፀ-ምድሪ ጎሊሁ ዝወፅአሉን ኩነታት ክብረ በዓል ዝበዝሐሉን ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ወርሒ ቱሪዝም ተገይሩ ከምዝውሰድ ተዛሪቦም። 17 መስከረም መዓልቲ ቱሪዝም ዓለም በቢ ዓመቱ ብዝተፈላለየ ምድላው ዝኽበር ‘ውን ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ኣመላኺቶም።

ንሓዱሽ ዓመት ስዒቦም ዝመፅኡ በዓላት መስቀልን ኢሬቻን መባፅሒ ቱሪዝም ብምዃን ዘለዎም ኣበርክቶ ዝለዓለ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ስለሺ፤ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ካብ ኹሉ ግዜ ንላዕሊ ከምዝነቓቓሕን ፍሰት ካብ ወፃኢ ዝመፅኡ ቱሪስትታት ‘ውን ከምዝውስኽን ሓቢሮም።

በዓላት መስቀልን ኢሬቻን መንፈሳዊ ትሕዝቶ እንተሃለዎም ‘ውን ናይ ኣደባባይ በዓላት ምስ ምዃኖም ተተሓሒዙ ፍሰት ቱሪስት ውሽጢ ዓዲ ከምዝውስኽ ‘ውን ገሊፆም።

ኣዋርሕ ታህሳስን ጥርን ‘ውን ቱሪስትታት ብሰፊሑ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅእሎም ከምዝኾኑ ተዛሪቦም። መዓልቲ ቱሪዝም ዓለም በቢ ዓመቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ምኽባር ዝተለመደ ምዃኑ ብምጥቓስ፤ ሎሚዘበን ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ንምኽባር ምድላው ከምዝተገበረ ገሊፆም።

እቲ ክልል ባህላዊ፣ ታሪኻውን ተፈጥሮኣውን ሃፍትታት መስሕብ ከምዘለዉዎ ዝገለፁ ኣይተ ስለሺ፤ እቲ በዓል ብድሙቕ ኩነታት ከምዝኽበር ትፅቢት ይግበር ኢሎም። እቲ ክልል ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቂሙ ዘለዎ ፀጋ ንምፍላጥ ዕድል ከም ዝፈጥረሉ ‘ውን ኣፍሊጦም።

ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮቪድ 19 ኸምኡ ‘ውን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ብዝነበረ ኵናት ተጎዲኡ ዝነበረ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ንክነቓቓሕ፣ እቲ ኵናት ኣብቲ ዘፈር ዘብፅሖ ጉድኣት ብመፅናዕቲ ብምፍላይ፣ ዳግም ምልማዕን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑን ሓቢሮም።

ኣይተ ስለሺ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ዘፈር ዝርከቡ ‘ውን ተስፋ ከይቖረፁ ብምንቅስቓሶምን ኣብዚ ሕዚ እዋን ‘ውን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ኣኽሱምን ሽረን ዑደት ንኽግበር ኣጋይሽ ምቕባል ጀሚሮም ኣለዉ። ብመቐለ ኣቢሎም ኣብ ዓፋር ‘ውን ዑደት ምግባር ጀሚሮም ‘ዮም። እዚ ዓብዪ ምንቕቓሕ ‘ዩ፡፡

“ቱሪዝም ብሓደ ትካል ጥራሕ ዝስራሕ ኣይኮነን። ስራሕቱ ሰፊሕ ‘ዩ። ስራሕቲ ቱሪዝም ኣብ ፅቡቕ ሽም ዝተመስረተ ስራሕ ‘ዩ። ፅቡቕ ሽም ዝመፅእ ድማ ብዝስርሑ ምስሊ ናይ ምህናፅ ስራሕትን ኣብ ዝወሃቡ መረዳእታታትን ይምስረት” ዝበሉ ኣይተ ስለሺ፤ ንኹሉ ሰብ ብዝረኸቦ ኣጋጣሚ ከባቢኡ ብምፍላጥ፣ መረዳእታ ብምሃብ፣ ኣብ ህንፀት ምስሊ ‘ውን ብምስራሕ፣ መግለፂ ኣቀባብላ ጋሻ ኢትዮጵያ ብዝኾኑ ኣጋይሽ ንምስትእንጋድ ድልው ምዃን ከምዘድሊ ገሊፆም።

ኣብቲ ዘፈር ዘሎ ኾነ ሕድሕድ ዜጋ ኣምባሳደር ሃገሩ ኾይኑ ነቲ ዘፈር ብምሕጋዝ ብፅሒቱ ንኽዋፃእ ‘ውን ፃውዒት ኣመሓላሊፎም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 10 መስከረም 2016 ዓ.ም

Recommended For You