ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ምኽክር ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰባት ክሳተፉ ‘ዮም -ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብቶም ኣብ ኣጀንዳ ምፍላይ ዝሳተፉ ተወከልቲ እቶም ፍርቂ ተፈልዮም

ኣዲስ ኣበባ:- ኣብቲ ብብርኪ ሃገር ዝሕበር ሃገራዊ ምኽክር ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰባት ከምዝሳተፉ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ገሊፁ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብቶም ኣብ ኣጀንዳ ምፍላይ ዝሳተፉ ተወከልቲ እቶም ፍርቂ ትማሊ ከምዝተፈለዩ ተመላኺቱ።

ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ብፍላይ ንትፕኢ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ሓሙሽተ ክልላትን ሓንቲ ምምሕዳር ከተማን ተሳተፍቲ ተፈልዮም። ኣብዞም ከባቢታት ዝተረፉ ስራሕቲ ኣጀንዳ ምእካብን ካብ መንጎ እቶም ዝተፈለዩ ሰባት ብብርኪ ሃገር ንዝግበር ምኽክር ሰባት ንኽመርፁ ምግባርን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ‘ውን ኣብ መድረኻት ኣጀንዳ ምፍላይ ዝሳተፉ ተወከልቲ ናይ ምፍላይ ስራሕቲ ኣብ ኩሎም ክፍለከተማታት 12 መስከረም ከምዝዛዘም ኣመላኺቶም፤ካብ መላእ ኢትዮጵያን ካብ ማሕበረሰብ ዲያስፖራን ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝግበር ምኽክር ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰባት ከምዝሳተፉ ‘ውን ገሊፆም።

ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገበረ ኸይዲ ኣብ ፈላማይ ዙር ኣጀንዳ ምፍላይ ዝሳተፉ ተወከልቲ ምፍላይ ‘ውን ኣብ ዓሰርተ ሓዲአን ክፍለከተማታት ከምዝተሳለጠ ዝገለፁ ፕሮፌሰር መስፍን፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዘለዋ 120 ወረዳታት ናይተን 60 ወረዳታት ስራሕቲ ምፍላይ ከምዝተሰርሐ ኣረዲኦም።

ትሽዓተ ክፋላት ማሕበረሰብ ሕድሕዶም ካብ ዘለዉዎም 10 ተወከልቲ ክልተ ካብ በቢ ማሕበረሰብ ክፍሉ ከምዝውከል ዝተዛረቡ ፕሮፌሰር መስፍን፤ እቶም ክፋላት ማሕበረሰብ ብተሓባበርቲ ኣካላት ዝተመረፁ ንኩሎም ክፋላት ማሕበረሰብ ዝውክሉ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

እቶም ዝተመረፁ ተወከልቲ ‘ውን ብብርኪ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝግበር ዘተ ተረኺቦም ኣጀንዳ ዘተ ከምዝህቡ ሓቢሮም፤ ኣብ ቀፃሊ ‘ውን ብብርኪ ሃገር ንዝግበር ዘተ ካብ መንጎኦም ተወከልቲ ከምዝመርፁ ገሊፆም።

ሃገራዊ ኸይዲ ምርድዳእ ኩሎም ተወከልቲ ተዓወትቲ ኾይኖም ዝወፅእሉ ምዃኑ ዝዛረቡ እቶም ፕሮፌሰር፤ ዘየረዳድኡና ብዙሓት ኣጀንዳታት እንተሃለዉ ‘ውን ተዘራሪብና ኣብ ምርድዳእ ክንበፅሕ ንኽእል ኢና ኢሎም።

እቲ ኮሚሽን ‘ውን ነቲ ኸይዲ ብጥንቃቐን ብገለልተኛነት እናካየዶ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኩሎም ፖለቲካዊ ፓርትታት ምስቲ ኮሚሽን ሓቢሮም ብምስራሕ ገለልተኛ ምዃኑ ከረጋግፁ ከምዝኽእሉ ‘ውን ኣረዲኦም።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ ልዕሊ ሓደ ሽሕን 300 ወረዳታት ተበፃሒ እናኾነ ከምዝርከብ ‘ውን ተዛሪቦም።

ንስራሕቲ እቲ ኮሚሽን ሚድያ ዓንዲ ሑቐ ምዃኑ ዝገለፁ ፕሮፌሰር መስፍን፤ ኣብ ቀፃሊ ‘ውን እቲ ኮሚሽን ዝትግብሮም ተግባራት ናብ ህዝቢ ብምብፃሕ ኣካላት ሚድያ ኣብ ጎኒ እቲ ኮሚሽን ንክኾኑ ፃውዒቶም ኣሕሊፎም።

ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚኩራ ኣብ ዝተገበረ ምፍላይ ተሳተፍቲ ተረኺቡ ዘዘራረቦም ተወካሊ መናእሰይ ክፍለከተማ ለሚኩራ መንእሰይ ሃብታሙ ኣያሌውን ኣብ ወረዳ 10 እቲ ክፍለከተማ ተወካሊት ደቂ ኣንስትዮ ዘለቃሽ ኣባቡን ከምዝበልዎ፤ እቲ ኸይዲ መረፃ ተወከልቲ ፍፁም ገለልተኛ ‘ዩ። ንሳቶም ‘ውን ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ዓሰሮም ንምንባርን ኣብቲ ምኽክር ንሃገር ኣብ ዝጠቕሙ ጉዳያት ተዘራሪብካ ዘላቒ ሰላም ንምምፃን ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 10 መስከረም 2016 ዓ.ም

Recommended For You