
መበል ራብዓይን ናይ መወዳእታን ምልኢት ማይ ግድብ ኣባይ ብዝተሳኽዐ ኩነታት ከምዝተዛዘመ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከምዘፍለጡ ዝዝከር ‘ዩ ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዕላዊ ማሕበራዊ መርበቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድማ “ኢትዮጵያውያን ተሓባቢርና ብምስራሕና ፈጣሪ ሓጊዙ ፣ ብገንዘብኩም ፣ ብፍልጠትኩም ፣ ብጉልበትኩምን ብፀሎትኩምን ኣብቲ ስራሕ ንዝተሳተፍኩም ኩሉኹም እንኳዕ ደስ በለኩም ዝብል መልእኽቲ ከምዘሕለፉ ይዝከር።
እዚ ሕብረትና ኣብ ካልኦት ጉዳያት ‘ውን ክድገም ይግብኦ ኢሎም ‘ዮም። ኣብ ዝቕፅል እዋን ነቲ ዝተለምናዮ ዛዚምና ፈጣሪ ከምነመስግን እምነተይ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፤ ነቲ ግድብ ንገብሮ ኩሉ ዓይነት ድጋፍ ክሳብ ፍፃመኡ ንክንቕፅል በዚ ኣጋጣሚ ሓደራ ይብል ክብሉ ‘ውን መልእኽቶም ኣሕሊፎም ነይሮም።
እዚ መልእኽቲ ስዒቡ ድማ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽትን ነቲ ግድብ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ሓገዛት ድማ ቀፃልነት ከምዝህልዎን ዝተፈላለዩ ኣካላት እናገለፁ ‘ዮም። ግድብ ሩባ ኣባይ ናብ ፍፃመ ክሳብ ዝበፅሕ ዝተፈላለያ ክልላት ሓገዘን ኣጠናኺረን ከምዝቅፅላ እናፍለጣ ይርከባ።
መበል ራብዓይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ኣባይ ብምዝዛሙ ናይ እንኳዕ ኣሐጎሰኩም መልእኽቲ ከምዘሕለፋ ድማ ይዝከር። ክልላት ዓፋር፣ ሶማሊ፣ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ሲዳማ፣ ሃረሪን ኦሮሚያን ከምኡ ‘ውን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ኣዲስ ኣበባን መበል ራብዓይ ዙርን ምምላእ ማይ ግድብ ኣባይ ብምዝዛሙ ናይ እንኳዕ ደስበለኩም መልእኽቲ ኣሕሊፎም ‘ዮም ።
ናይ መበል ራብዓይ ዙር ምምላእ ማይ ናይ ምዝዛም ብስራት ሓዱሽ ዓመት ብታሕጓስ ንምጅማር ዝሕግዝን ዝተተሓዙ ትልምታት ብቆራፅነት ንምፍፃም ዘለዓዕል ‘ዩ ‘ሎም ‘ዮም። ግድብ ኣባይ መርኣያ ኣይሰዓርን በሃላይነት፣ ኣሰር ሓባር ታሪኽን ዓቢዪ ሓወልቲን እዚ ትውልዲ ብምዃኑ፤ ክሳብ ዝዛዘም ዝግበሩ ሓገዛት ተጠናኺሮም ከምዝቅፅሉ ኣፍሊጦም ‘ዮም።
ኣባይ ካብ ሕምብርቲ ኢትዮጵያ ወፂኡ ንዘመናት ረብሓ ባዕዳውያን ኮይኑ ብምፅንሑ ዋላ እናጠዓሰና እንተፀንሐ ‘ውን ኣብ መወዳእታ ፍረ ኣባይ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ሓቂ ንምግባር ኣንሕና ኢትዮጵያውያን ቆሪፅና ተላዒልና ክንሰርሕ ፀኒሕና ኢና ክብሉ መልእኽታቶም ኣማሓላሊፎም ‘ዮም። እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ‘ውን ካብ ፅባሕ ለውጢ ጀሚሩ ንፕሮጀክት ግድብ ሩባ ኣባይ ዓብይ ትኹረት ገይሩ እናተንቀሳቐሰ ፀኒሑ ‘ዩ።
ካብ ላዕላዋይ ክሳብ ታሕታዋይ ብርኪ ናይ ኣመራርሓን ኣሰራርሓን ለውጢ ብምግባር ፤ ነቲ ሕዝቢ ብምንቅቃሕን ብምትሕብባርን ዓብዪስራሕ ተሰሪሑ ‘ዩ ። እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝተተለመሉ እዋን ንከይዛዘም ዕንቅፋት ዝኾኑ ብልሽዋት ኣሰራርሓ ብምቅናዕ ፤ እቲ ግድብ ጋህዲ ንከይኸውን ዝደልዩ ፅዕንቶ ወፃኢ ፀላእትና ብምፅዋር ፤ ሕቡእ ተንኮላት ንክመክን ብምግባር እናሰርሐ ፀኒሑ ‘ዩ።
እቲ ግድብ ንረብሓ ህዝብታትና ንክውዕል ህልኽ ዘውድእ ቃልሲ ተገይሩ ሐዚ ንዝመፅአ መበል ራብዓይ ዙር ምምላእ ማይ ምብፃሑ ገሊፆም ‘ዮም። ኢትዮጵያውያን ንግድብ ኣባይ ዝገበርናዮ ሕብረት፤ ሓድነትን ጥንካረን ንወፃኢ ፀላእትና መርኣያ ኣይምብርከኽን ብምባል ዘርኣናዮ ናይ ዓላማ ፅንዓት ፤ ግድብ ኣባይ ንምግሃድ ጥራሕ ዘይኮነስ ቀፃሊ ዕላማ ሰኒቅና ንዝተለዓልናሉ ብልፅግና መርኣያ ብሩህ ጉዕዞ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ስለዝኾነ ዕላማ ብልፅግናን ትንሳኤ ኢትዮጵያን ርሑቅ ከምዘይኸውን ምርግጋፅ ዝክኣል ‘ዩ ኢሎም። ተተሓባቢርናን ብሓድነት ደው እንተልና ታሪኽ ካብ ምስራሕ ሓሊፍና ብዓለም ፖለቲካ ኾነ ብኢኮኖሚ ልዑል ተፅዕኖ ምዕራፍ ከምእንኽእል ግልፂ ገይሩ ዘርአየና መንገዲ ብልፅግና ኾኾብና ‘ዩ።
ብፅንዓትን ሓድነትን ህዝባን ብመንግስታዊ ለውጢ ዝኾነ ይኹን ናብ ድሕሪት ከምዘይጎትታ ብተግባር ምርኣያ ቀፂላ ኣላ። ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ክንሰርሖም ዝተለምናዮም ብዙሓት ስራሕቲ ብምፍፃም ናብ ብልፅግና እንገብሮ ጉዕዞ ንምቅልጣፍ ልዑል ናይ ሞራል ስንቂ ብምዃን ብርተዐ ዝውስኽ ፅቡቅ ኣጋጣሚ ‘ዩ።
እቲ ግድብ ብልዑል ዲፕሎማሲያዊ ጥበብ ፤ ብበሳል ኣመራርሓን ብናይ ህዝብና ምትሕብባርን ኣብዚ ብርኪ ክበፅሕ ኽኢሉ ‘ዩ ዝበሉ እንትኾን፤ ዝተረፈ ስራሕቲ እቲ ግድብ ክልላት ነናይ ባዕልና ሓገዝ ብምግባር ናብ ፍፃመ ከምነብፀሖ እምነትና ‘ዩ ኢሎም።
ራብዓይ ምምላእ ግድብ ኣባይ ንኢትዮጵያ ዓብይ ዓወት ዲፕሎማሲ ከምዝኾነ ዝገለፁ ድማ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ እንትኾኑ፤ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ርክብ ወፃኢን ኣባል ድሕንነት ቋሚ ኮሚቴ ዲና ሙፍቲ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጰያ ከምዝበልዎ፣ ግድብ ኣባይ ራብዓይ ምምላእ ማይ ንኢትዮጵያ ናይ ዲፕሎማሲ ናይዚ ዓመት እቲ ሓደን ዓብይ መርኣያ ዓወት ‘ዩ ኢሎም።
ከም ሃገር ምትሕብብር ዝተርኣየሉ ፣ ውፅኢታውነት ዝዓበየሉ ፣ ኣብ ግድብ ክሳብ ኸዚ ዝበፅሐና ፅዕንቶ ተፃዊሩ ኣብዚ ዝበፀሐ ዓብይ ሃገራዊ ዓወት ዝተረኸበሉ ‘ዩ ኢሎም። እዚ ድማ ኢትዮጵያ ክትኾርዓሉ ይግባእ ፣ ካልኦት እውን እዚ ተገንዚቦም ግድብ ኣባይ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንተፋሰስ ሃገራት ከምዝጠቅም ኣብ ግምት ውሽጢ ክእትዉ ከምዘለዎም ገሊፆም ‘ዮም።
ስራሕቲ እቲ ግድብ እንድሕር ተሓባቢርና ሓደ እንድሕር ኾይናን ከምኡ ‘ውን ንሓደ ዓላማ እንድሕር ጠጠው ኢልና ዘይሳኻዕ ነገር ከምዘየለ መርኣይ ‘ዩ ዝበሉ ኣምባሳደር ዲና፣ ዓቕሚ ስራሕ ከምዘለናን እዚ ድማ ንዝሓሸ ዕድል ምፍጣር ከምዝኽእል ኣብ ግድብ ኣባይ ስራሕ ከምዝተርኣየ ኣመልኪቶም ‘ዮም።
ኢንጅነራት ሓዊሱ ዝተፈላለየ ባዓል ሞያታት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝሰርሕዎ ስራሕቲ እቲ ግድብ ሙያዊ ዓቕሚ ካብ ምፍጣር ኣንፃር ዓብይ ትምህርቲ ዝሃበ ከምዝኾነ ገሊፆም ‘ዮም። ኣብቲ ስራሕ ግድብ ዝተሳተፉ ኢትጵያውያን ኣብቲ ቦታ ብምውዓልን ብምሕዳርን ሞየኦም ብተግባር ዘርኣዩ ‘ዮም ዝበሉ ‘ቶም ኣምባሳደር እዚ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንክልኦት ሃገራት ‘ውን ትምህርቲ ክኾን ዝኽእል ‘ዩ ‘ሎም ‘ዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዙሓት ፀገማት እንተበሩ ‘ውን እኹል ውፅኢት ተመዝጊቡ ‘ዩ። ኣብ ክፋል ሰሜን ሃገርና ዝነበረ ኹናት ብሰለማዊ መገዲ ብምዝዛሙ ኣብ ስምምዕነት ምብፅሑን ዓብይ ውፅኢት ‘ዩ ብምባል።
ከምኡ ‘ውን ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ኣባል ምዃና ዓብዪ ዓወት ዲፕሎማሲ ‘ዩ ፣ እዚ ድማ ተወሳኺ ሕውነታዊ ዕድል ዝፈጥር ፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን ንክሳለጥ ፣ ስግግር ቴክኖሎጂ ዘሳልጥ ፣ ብሓፈሻ ዲፕሎማሲን ፖለቲካን ብምፍጣር ዓብይ ጥቕሚ ከምዘለዎ ኣብሪሆም ‘ዮም።
ከምኡ ‘ውን በቲ ኣባይ ግድብ ሓይሊ ዘፈልፍሉ ተርባይን ቁፅሪ ሸውዓተ ንምብፃሕ እናሰርሐ ከምዝኾነ ዝተገለፀ ኮይኑ፤ ሚኒስትር ኢነርጂን ማይን ሃብታዉ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ከምዝገለፅዎ ኣብ 2014 ዓ.ም ሓይሊ ምፍልፋል ዝጀመሩ ክልተ ተርባይን ብተወሳኺ ኣብ ዝሓዝናዮ ዓመት 2016 ዓ.ም በጀት ዓመት 5 ተርብይን ናብ ስራሕ ንምእታው እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም ‘ዮም።
እቶም ሓሙሽተ ተርባይን ናብ ስራሕ እንትኣትዉ ኢትዮጵያ ኸዚ ዘለዋ 4 ሽሕ 818 ሜጋ ዋት ኣቕርቦት ሓይሊ መጠን ልዕል ንክብል ይገብሮ ‘ዩ።
ናብ ስራሕ ካብ ዝኣተዉ ክልተ ተርባይን ሎሚ ዓመት ናብ ስራሕ ዝኣትዉ ሓምሽተ ተርባይን ሓይሊ መጠን ፣ ግልገል ግቤ ሓደን ክልተን ከምኡ እውን ተከዘ ሓይሊ መፈልፈሊ ጣብያ ካብ ዝህብዎ መጠን 1ሽሕ 180 ሜጋ ዋት ተመጣጣኒ ወይ ድማ ዝበልፅ ሓይሊ ዘፈልፍሉ ‘ዮም ክብሉ ተዛሪቦም ‘ዮም።
ኾይኑ ግና ካብ ኣቀማምጥኡን ዝፈሰሉ መጠን ማይን ናይዚኦም ሓሙሽተ ሓይሊ መፈልፈሊ ተርባይን ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ኣብዚ ኸዚ እዚ ዝኣክል እዩ ንምዝራብ ከምዘይካኣል ገሊፆም ‘ዮም።
እቲ ግድብ ህንፀት እንትዛዘም ኣብ 13 ተርባይን 5ሽሕ 150 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌትሪክ ናብ ብሄራዊ ዋና ሓይሊ ከምዝሕወስ እቶም ሚኒስትር ብምግላፅ፤ በዚ ‘ውን ሕድሕድ ተርባይን ብማእኸላይ ልዕሊ 375 ሜጋ ዋት ሓይሊ ክፍልፍሉ ‘ዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።
መሰረት ገብረዮሃንስ
ወጋሕታ 10 መስከረም 2016 ዓ.ም