ሓላፍነት ክትስከም ምኽኣል ውድብ እንካብ ምምሥራት ንላዕሊ ‘ዩ!

ፖለቲካዊ ጉዕዞ ክልል ትግራይ ንዝከታተል ሰብ፣ ሰፊሕን ዓሚቑን ትንተናን መፅናዕትን ዘድልዮም ከበድትን ሰፋሕትን ዛዕባታት ከምዘለዉ ኣይርዳእን ዝብል እምነት ኣይህሉን።

ክልል ትግራይ ንዘመናት ዝዓተዓቘሩ ሰፋሕትን ከበድትን ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካውን ባህላውን ፅዕንቶታት ዝፈጥሩ ፀገማት ኣለውዋ።

ክሳብ ሕዚ ነዚኦም በቢዘፈሮም እናፈላለየ ብምርዳእ ንክቕረፉ ዝተገበረ ፃዕርታት ኣዕጋቢ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ስለዝኾነ ’ውን ሰፊሕ መፅናዕትን ትንተናን ዘድልዮ ጉዳይ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። እዚ ፅሑፍ ’ውን እንተኾነ ናብቶም ሰፋሕቲ ናይ ሰብ ሙያ ፅንዓት ኣብዘድልዮም ትንተናታት ንምእታው ዝዓለመ ኣይኮነን።

እዛ ሓፃር ፅሕፍቲ ከምቱ ወለድና ዝብልዎ “ንለባም መስለሉ ኣበይ ከይስሕቶ፣ ንዓሻንከ ደርጉሐሉ ኣበይ ከይፈልጦ” ዝብልዎ መንበባይ ብባዕሉ ኣስፊሑ ንኽምርምሮ ምእንቲ ሕፅር ዝበለ ርእይቶ ምቕራብ ናይዙ ፅሕፍ ተልእኾ ‘ዩ።

ናብቱ ዋና ጉዳይ ቅድሚ ምእታው ግና ገለ ገለ ሰባት ብዛዕባ “ከባቢያዊ” ውዳበታት ብምባል ዝኹንኑዎም ውዳበታት ዝብልዎ ሓፂር ሪእይቶ ምቕማጥ ኣድላይ ይኸውን። ኣብዙ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ በዝሒ ውድባት ኣብቱ ክልል ናይ ዘሎ ዓሚውቕን ኩለ-መዳያዊ ቅልውላውን ነፀብራቕ ተገይሩ ዝወሰድ እምበር ሱቕ ኢልካ ብተራ ዘለፋ፣ ፀርፍን ምንእኣስን ዝሕለፍ ኣይኮነን።

ብምዝልላፍን ምንእኣስን ዝፍታሕ ወይ ዝመፅእ ዕርቀ ሰላም ክነብር ዝኽለሉ ዕድል ብጣዕሚ ፀቢብ ከምዝኸውን ምርዳእ የድሊ። በዝሒ እዙ ውዳበታት ክቕንስ ወይ ክተርፍ ዝኽእል እቱ ንምምሥራቶም ዘገደደ ፀገም ብምፍታሕ ጥራሕ ‘ዩ ናብቱ ዝድለ መዕልቦ ከብፅሕ ዝኽእል።

እንካብዙይ ወፃኢ ዝግበር ፈኸራ ንትግራይ ከቢድ ዋጋ ዘኽፍላ ከይኸውን ምልክት ምዃኑ ዘጠያይቕ ኣይኸውንን። እዞም ውዳበታት እንተዘይህልዉ ተመራፃይ ምኾነ። ንኽውደቡ ዘገደድዎም ኩነታት ከምዘለዉ ምዝንጋዕ ግን ነዊሕ ኣይወስደናንሞ ብጥንቃቐ እንተዝተሓዝ። ተቐራሪብካ እንካብ ምዝታይ ወፃኢ ዘሎ ኣማራፂታት ከቢድ ሳዕቤናት ከምዝህልውዎ ’ውን ምግንዛብ የድሊ።

እዙይ ከምዘሎ ኾይኑ፣ ናብቱ ቀንዲ ርእሰ ጉዳይ እንትንምለስ ዋና ፀገም ትግራይ በዝሒ ውድባት ወይ ውዳበታት ዘይኮነስ ጉዳይ ብቕዓት ‘ዩ እንተተብሃለ ምግናን ኣይኸውንን። ምንም እኳ ውድብ ምምሥራት ብዓርሱ ቀሊል እንተዘይኮነ፣ ዝምሥረቱ ውድብ ወይ ውዳበታት ሓላፍነት ክስከሙ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ግን ንህልውና ውድብ ጥራሕ ዘይኮነስ ንቐፃሊ ህልውና ማሕበረ ሰብ ወሳንነት ኣለዎ።

ክሳብ ሎሚ ከምዝተዓዘብናዮ፣ ፖለቲካ ሃገርና ብዊንታ ሥልጣን ዝጨበጠ ሓይሊ ዝግናሕ እምበር ድልየትን ትምኒትን እቱ ተገዛኣይ ህዝቢ ዘማእኸለ ኮይኑ ኣይፈልጥን። እንካብ ኣገዛዝኣ ሃፀያት ወፂና ናብ “ኢትዮጵያ ትቅደምን”ን “ኣብዮታዊ ዴሞክራስን” ምስግጋርና ትምኒትን ትፅቢትን ህዝብና ዝምልስ ኮይኑ ኣይተረኽበን።

እቶም ቀዳሞት ንህዝብና ብዝሃብናዮን ዘበርከትናዮን እናበሉ እንትገዝኡ፣ እቶም ዳሕረዎት ከዓ “ሰፊው ህዝብ ባሸከመን ሐላፊነት” ብዝብልን “ናይ ሓፋሽ ብኣውራኡ ’ውን ናይ ገባር ውድብ” ኢና ብዝብሉ ጭርሖታት እናደናቘሩ ናኣታቶም ብዝጥዕሞም ‘ዮም ገዚኦምናን ዝገዝኡና ዘለዉን።

ፍልልዮም፣ እቶም ሃፀያት ንህዝቢ ወሳናይ ንስኻ ኢኻ ኣይብሉዎን ነይሮም። እቶም እግሪ እግሮም ዝሰዓቡ ግን ሓፋሽ ‘ዩ ወሳናይ ዝብል ጭርሖ እናስመዑ ‘ዮም ፀረ ሓፋሽ ኮይኖም እንረኽቦም። ኣብ ኢትዮጵያ ፀጋማዊ ርእዮተ ዓለም እንካብ ዝተኣታቶ ጀሚሩ ፖለቲከኛታት ሃገርና ምስ ሓቂ ምብኣሶም ጊሂዱ ዝረአ ሓቂ ‘ዩ።

ደርግን ኢህወዴግን ከም ጥዑያት ህዝቢ ኣኪቦም መዘተይ ኣጀንዳ ሒዝና መፂና ይብሉሞ፣ ኣቐዲሞም ዝዓለምዎ ናይ ባዕሎም ሽቶ ብሹም “ሓፋሽ” ንኸዐውቱ ኣብ ማእኸል ህዝቢ እንታይ ክዛረቡ ከምዝግበኦም ቀዲሙ ዝተውሃቦም ናይ ባዕሎም ሥሩዓት ኣዛኒቖም ብምቕማጥ ዘይፈልጥዎም ንምምሳል፣ ኣብቲኣ ዘለኻ ከምዙይ ዓይነት ቀለም ጎልፎ ዝተኸደንካ፣ ቆብዕ ዝገበርካ እናበሉ ክዛረቡ ብምግባር “ሓፋሽ” ሪእይቶ ናይ ምሃብ ዕድል እንተይረኸበ “ናይ ሓፋሽ” ውሳነ እናተብሃለ ብሜዲያታት ንክቐርብ ‘ዩ ዝግበር።

ደርጊ’ውን ተመረፅቲ ቀበሌን ካድረታቱን እናተጠቐመ ብኸምዙይ ይውስንን የወስንን ከምዝነበረ ብእዋኑ ዝነበርና እንዝክሮ ሓቂ ‘ዩ። ኢህወዴግ ኣሠራርሓ ኢሠፓ ፅቡቕ ገይሩ ‘ዩ ቀዲሑዋ። በዚ ምኽንያት ‘ዩ ’ውን ነዚ መልእኽቲ “ሓላፍነት ክትስከም ምኽኣል ውድብ እንካብ ምምሥራት ንላዕሊ ‘ዩ” ዝብል ርእሲ ዝተውሃቦ።

ክሳብ ሕዚ ዝተፈጠረ ውድብ ህዝባዊ ሓላፍነት ክስከመሉ ዝኽእል እንግድዓ ከፈጥር ኣይከኣለን። ብዘይምኽኣሉ ከዓ ሚሸት ንሚሸቱ ንውድቡ ጥራሕ ዘይኮነስ ንትግራይ ህዝቢ ትግራይ ለኪሙ ኣበይ ከምዝበፅሐን ከምዘብፀሐናን ግሁድ ኮይኑ ንርእዮ ኣለና።

እታ ትማሊ ክትኮን ኣለዋ ኢልና እንፅበያ ዝነበርና ትግራይ የላን። ብዙሕ እንኸዶ ዘለና መንገዲ እንተቐፂልና ንቕድሚት’ውን እታ መብዛሕቱ ህዝብና ዝምነያ ትግራይ ከምዘይትነብር በሕዚኡ ርግፀኛታት ክንኸውን ኣለና። ተበላፃይ ሓይሊ ሃገርን ማሕበረሰብን ክሃንፅ ኣይኽእልን።

ስለዝኾነ ህዝብና ናይ ቅድሚት ጉዕዞኡ ከመይ ይኹን ዝብል ብዕሙቀት ክርእዮ ዘለዎ ጉዳይ ይኸውን። ብዛዕባ ክሳብ ሕዚ ዝኸድናዮን ዝረኸብናዮን ሕፅር ብዝበለ ብኸምዙይ እንትግለፅ፣ ናይ መፃኢ ዕድላትናኸ እንታይ ይመስሉ ዝብል ምርኣይ ክሕለፍ ዘይግባእ ጉዳይ ‘ዩ።

ድሕሪ ምፍራስ ኢህወዴግ ኣብ ትግራይ ሓደስቲ ብሔራዊያንን ገሊኦም ከባቢያዊ ዝብልወን ውዳበታትን ብርክት ኢለን ከረኣያ ጀሚረን ኣለዋ። ብዛዕባ እተን “ከባቢያዊ” ዝበሃላ ውዳበታት እኹል ግንዛበን ሓበሬታን ስለዘይብለይ ብዛዕባ እዙ ምቕረባይ ኣብዚ ፅሑፍ ቡዙሕ ዝብሎ ኣይህሉን።

ስለዝኾነ ብዛዕባ ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ርኡይ ምንቅስቓስ ኣብ ምግባር ዝርከባ ውድባት ድሌትን ባህግን ህዝቢ ዝምልሳ ውድባት ኣይኮናን፡፡ ክሳብ ሕዚ ናይ በኣሉ እምበር ድሌት ህዝቢ ኣጀንዳ ዝገበረ ውድብ የለን፡፡

ህዝቢ ትግራይ ዓቢይ ትዂረት ገይሩ ክወስዶ ዘለዎ ጉዳይ ውድባት ‘ዮም ዝፈልጡልና ካብ ዝብል ሓሳብ ውፂዩ ናይ ባዕሉ ጉዳይ ብባዕሉ ጥራሕ ኣድቂቑ ክርእዮን ክከታተሎን ኣለዎ፡፡ ነዚ ምሕባር ኣበር ኣይብሉን።

ንህዝቢ ዝሓስብ ውድብ ‘ዩ ዝድሊ እምበር ብጥሜትን ሕማምን እንካብ ዝማሰነ ህዝቢ ዝሰርቕ ኣካል ወይ ውድብ ክህሉ የብሉን፡፡ ህዝቢ ትግራይ ዓለም ህይወት ንምድሓን ዝለገሶ ምግብን መድሓኒትን ዝሰርቕ ውድብ ክሓቑፍ የብሉን፡፡

ደቂ ኣንስትዮ እምብለና ኣይንድፈርን ብምባለን ኣብ ማእኸል ጎደና ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ታርጋ ብዘይብላ መኪና ገይርካ ቀቲልካ ምኻድ ብጣዕሚ መሕፈሪ ‘ዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ከም ማሕበረ ሰብ ነዚ ጌጋ እዚ ንምእራም ብእዋኑ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡

ከም ማሕበረ ሰብ ቀልጢፍና ክንእርሞ እንተዘይኪኢልና ገና ዝገደደ ይፅበየና ከምዘሎ ርዱእ ክኸውን ይግባእ። ናይ ውሑዳት ረብሓ ንኽሕሎ ሙሉእ ህዝቢ ድከት ዝኣትወላን፣ ሳኣን ፍትሒ ዝሳቐየላ ትግራይ ከትህሉ ኣይግባእን፡፡

ሎሚ ከተማታት ትግራይ መዐንደሪ ሃንግ ኮይነን እየን ዘለዋ። ሕግን ሥርዓት ክኽበር ኣይተከኣለን ዘሎ፡፡

ሰናይ ቅኒያት!

 እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

 ግርማይ ገዛኸኝ

ወጋሕታ 10 መስከረም 2016 ዓ.ም

Recommended For You