ቱሪዝም ኣብ  ምንቕቓሕ ኩሉ እጃሙ ይፃወት

 ኢትዮጵያ ብዙሓት ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ታሪኻዊ ቅርስታት ሓቚፋ ዝሓዘት ሃገር ‘ያ። ኮይኑ ግና ቱሪዝም ኢትዮጵያ ብዝግባእ ዝዓበየ ኢንዱስትሪ ኣይኮነን።ብምዃኑ’ውን ምንቕቓሕ ዘድልዮ ዘፈር ‘ዩ፡፡

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም በፃሕቲ ዓዲ ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም ነዞም ፀጋታት እንትጉብንዩ ዝህቦ ረብሓ ቐሊል ኣይኮነን።ብፍላይ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምርካብ ዘለዎ ግደ ልዑል ‘ዩ።

ቱሪዝም ኣብ ኢትዮጵያ ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ እናተፃወቶ ዝመፀ ግደ ልዑል እኳ እንተኾነ ኮይኑ ግና ትፅቢት ብዘይተገበረሉ ኢኮኖሚ ዓለም ዝተፈታተነ ኮቪድ-19 ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ኣሉታዊ ፅልዋ ‘ውን ቐሊል ዝበሃል ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት ናብ ኢትዮጵያ ዝመፁ በፃሕቲ ዓዲ ብጣዕሚ እናቀነሰ ብምምፅኡ ቱሪዝም ኣዝዩ ክዘሓሓል ክኢሉ ‘ዩ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ኣብ መጀመርታ ካብ 2013ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብዝተወልዐ ኩናት ካልእ ተደራቢ ፈተና ኣጋጢምዎ ‘ዩ። ብዘጋጠመ ኩናት ምኽንያት ካብ በፃሕቲ ዓዲ ዝርከብ ዝነበረ ሸርፊ ወፃኢ ብጣዕሚ ከንቖልቚል ክኢሉ ‘ዩ።

በዚ ምኽንያት ሆቴላት፣ ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ትካላት፣ ውልቀሰባትን ብሓፈሻ ሃገር ከምሃገር ተጎዲኣ ‘ያ። ቱሪዝም ከምዝፍለጥ ምስ ሰላምን ፀጥታን ዘለዎ ምትእስሳር ልዑል ‘ዩ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰላም ካብ ቕድሚ ሕዚ ብዝሓሸ መልክዑ እናሰፈነ ‘ዩ።

ነዚ ስዒቡ በፃሕቲ ዓዲ ብዝሓሸ ደረጃ ክመፁ ይኽእሉ ‘ዮም ተባሂሉ ይሕሰብ።ብፍላይ ካብ መስከረም ክሳብ ጥሪ ኣብ ዘለዉ ኣዋርሕ በፃሕቲ ዓዲ ብበዝሒ ዝመፅሉ ወቅቲ ‘ዩ።እቲ ሓደ ምኽንያት ፀባይ ኣየር ኣዝዩ ዝስማዕማዕ ብምዃኑ ‘ውን ‘ዩ።

መንግስቲ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ንምልዕዓል ጠንኪሩ እናተንቀሳቐሰ ይርከብ።ኣብዚ ሰሙን ባህላዊ መልክዓ ምድሪ ጌዴኦን ፓርክታት ባሌን ኣብ ሪያድ ኣብ ዝተኻየደ መበል 45 ኣኼባ ኮሚቴ ቅርሲ ዓለም ብዩኔስኮ ምምዝጋቡ ናይዚ ውፅኢት ‘ውን ‘ዩ።

ብፍላይ ወርሒ መስከረም መንፈሳዊ በዓላት ዝበዝሕዋ ወርሒ ከም ምዃና መጠን ብዙሓት ቱሪስትታት ዝመፁላ ወቅቲ ‘ያ።መንግስቲ እዞም በዓላት ሃይማኖታውን ባህላውን ትውፊታቶም ሓሊዮም ብሰላም ንክኽበሩ እኹል ምድላው ገይሩ ይርከብ።

እዚ ወለዶ እዚ ‘ውን ባህላውን ተፈጥሮኣውን ቕርስታቱ ኣብ ምፍላጥን ምሕላውን ጠንኪሩ ክንሰርሕ ትፅቢት ይግበር። እቶም በዓላት ካብ ባህላውን ሃይማኖታውን ረብሓ ሓሊፎም ፍልፍል እቶት ስለ ዝኾኑ ‘ውን ኣድላይ ጠመተ ብምግባር ከንጥቀመሎም ይግባእ።

ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ዝተጠናኸረ ምንቅስቓስ እናተገበረ ምዃኑን መዓልቲ ቱሪዝም ዓለም ድማ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ንምንቕቓሕ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝኾነን መዓልቲ ቱሪዝም ዓለም ብብርኪ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ከምዝኽበር መንግስቲ ገሊፁ ‘ዩ።

ብፍላይ ወርሒ መስከረም መስሕብ ገፀ-ምድሪ ጎሊሁ ዝወፅአሉን ኩነታት ክብረ በዓላት ዝበዝሐሉን ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ወርሒ ቱሪዝም ተገይሩ ዝውሰድ ኮይኑ፤ 17 መስከረም መዓልቲ ቱሪዝም ዓለም በቢ ዓመቱ ብዝተፈላለየ ምድላዋት ዝኽበር ኮይኑ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ‘ዩ።

ንሓዱሽ ዓመት ስዒቦም ዝመፅኡ ከም በዓላት መስቀልን ኢሬቻን መስሕብ ቱሪዝም ብምዃን ዘለዎም ኣበርክቶ ዝለዓለ ‘ዩ፤ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ካብ ኹሉ ግዜ ንላዕሊ ክናቓቓሕ ብምግባር ቱሪስትታት ክውስኹ ኣብ ምግባርን ከባቢና ኣብ ምፍላጥን እጃምና ከንዋፃእ ይግባእ።

ብፍላይ በዓላት መስቀልን ኢሬቻን ኣብ ኣዳባባይ ብዝተፈላለዩ ምርኢታት ዝበዓሉ ከም ምዃኖም መጠን ብዙሓት ናይ ደገን ውሽጥን ቱሪስትታት ንምስሓብ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ኣለዎም።

ብፍላይ ኣብ ትግራይ ከም መስቀል ዝበሉ በዓላት ብዝግባእ ብምጥቓም በቲ ኩናት ንዝተጎድአ ክልል ንምሕዋይ ክሕግዝ ይኽእል ‘ዩ።እዚ ብኣግባቡ እንተተጠቒምናሉ ንዳግመ ህውየት ትግራይ ዝህልዎ ሓገዝ ቐሊል ዝበሃል ኣይኮነን።

በቲ ኩናት ዝዓነዉ ቅርስታት ትግራይ ዳግም ብምልማዕን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ መስራሕ የድሊ።ኣዝዩ ተጎዲኡ ዝፀንሐ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ትግራይ ንምንቕቓሕ ኩሉ እጃሙ ከበርክት ትፅቢት ይግበር።

ቱሪዝም ንምዕባይ ናይ ኩሉ ስራሕ ዝሓትት ‘ምበር ብሓደ ትካል ጥራሕ ዝስራሕ ኣይኮነን። ኹሉ ሰብ ከባቢኡ ብምፍላጥ፣ ንበፃሕቲ ዓዲ መረዳእታ ብምሃብ፣ ኣጋይሽ ብፅቡቕ ብምስትእንጋድ ይኹን ኣብቲ ዘፈር ክስራሕ ዝግበኦ ስራሕቲ ብምሕጋዝ ኩሉ ብፅሒቱ ክዋፃእ ይግባእ።

ወጋሕታ 10 መስከረም 2016 ዓ.ም

Recommended For You