‹‹ሜይዴይ›› ንምኽባር መሰልን ምድንፋዕ መፍረያይነትን

ዓለምለኸ መዓልቲ ሸቃሎ/ሰራሕተኛታት በቢ ዓመቱ ሚያዝያ 23 ይኽበር። እዚ መዓልቲ በዓለምለኸ ንመበል 136 ኣብ ሃገርና ድማ ንመበል 50 ግዜ ‹‹መንግስቲ ንዘቕረብናዮም ሕቶታት ህፁፅ መልሲ ይሃበና‹‹ ብዝብል ቴማ ይኽበር ኣሎ።

መዓልቲ ሸቃሎ/ሰራሕተኛታት ብደረጃ ዓለምለኸ ሜይዴይ እናተብሃለ ዝፍለጥ እንትኾን ኣብ መላእ ዓለም ሸቃሎ ኣብ ዘለውሉ ሃገራት ኩሉ መሰል ኣብ ምኽባር መሰረት ብዝገበረ ቴማ ብድምቀት የኽብርዎ። መዓልቲ ሰራሕተኛታት እንትኽበር ከም ሃገርና ዋላኳ ብዛዕባ መሰልን ረብሓን ሸቃሎ ሕቶ ምልዓል ግቡእ እንተኾነ መፍረያይነት ምድንፋዕ ድማ ካብ ሸቃሎ ትፅቢት ከምዝግበር ኣብ ግምት ምእታው የድሊ።

ኢንዱስትሪታትን ሸቃሎ ቆፂሮም ዘስርሑ ትካላት ኣብ መንጎ ኣስራሕትን ሸቃሎን ዘሎ ርክብ መሰልን ሞራልን ክልቴኡ ወገን ብምሕላው ኢኮኖሚ ሃገር ንም ዕባይ ኣወንታዊ ግደ ብዝህልዎ መገዲ ክኸው ን ይግባእ።

ኮንፌዴሬሽን ማህበራት ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሸቃሎ መሰል ንምኽባር ዝተመስረተ እንትኾን በቢ ዓመቱ መዓልቲ ሰራሕተኛታት እንትኽበር ንመሰልን ረብሓን ሰራሕተኛታት ዝኾኑ ሕቶታት ብምልዓል፤መንግስቲ ናይ ሕጊ ማዕቀፍ ንከውፅእ ብምሕታት እቲ ዕለት ብዝተፈላለየ መገድ እናኽበሮ መፂኡ ኣሎ።ሎሚ’ውን ብተመሳሳሊ መገዲ የኽብሮ ኣሎ።

መሰል ሰራሕተኛታት/ሸቃሎ ኣብ ሕገ መንግስቲ ሃገርና ‘ውን ዝሰፈረ ‘ዩ፡፡ ብዛዕባ መሰልካ ምድርዳር ዝድንግግ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዓንቐፅ 31 ዘሎ ኮይኑ እዚ ዓንቐፅ ከምዝገልፆ፣ ዝኾነ ሰብ ብማሕበር ብምውዳብ ንመሰሉን ረብሓኡን ክቓለስ ከምዝኽእል’ዩ፡፡

ኣብ ሃገርና ዘሎ ኮንፌዴሬሽን ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታትን ዘስርሑን ዘሎ መሰል ርክብ ዝሕሉን ዝሕለቅን ‘ዩ፡፡ኩነታት ስራሕቲ ንምምሕያሽን ንምውሳንን ኣብ ዝግበሩ ፃዕርታት ብምስታፍ መሰል ክልቲኦም ወገናት ኣስማዕሚዑ እንተኾነ’ውን ብፍላይ ሰራሕተኛ ምስ ክፍሊትን ማህያን ካልኦት መሰላቱን ከይጋሓሱ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ከሰርሕ ግድን ይኸውን፡፡

ምኽባር መሰል ሰራሕተኛታት ምስ ኣስራሕቲ ሓድነት ምርድዳእን ምክብባርን ካብ ምህላው ሓሊፉ ኢኮኖሚ ሃገር ንምዓባይ ናይ በዓሉ ግደ ኣለዎ፡፡ ምኽንያቱ ንሰራሕተኛታትን ዘስርሕን ምችው ኩነታት እትፍጠር መፍረያይነት ይዓቢ፡፡በዚ ድማ ኢኮኖሚ ሃገር ይመሓየሽ፡፡

ኣብ ሰራሕተኛን ዘስርሕን ምቕርራብ ብምዕባይ ዝተማሕየሸ ኩነታት ስራሕን ስርዓተ ፍትሕን ይፈጥር፡፡ ማሕበር ሰራሕተኛታት ብዝልምከት ንመንግስቲ ሕቶታት ብምቕራብ መሰሉ ንምሕላው ዝፅዕር ትካል ከም ምዃኑ መጠን ብዛዕባ ደመወዝ፣ድሕንነት ሰራሕተኛታትን መሰልን ይቑርቖር፡፡

ከምኡ’ውን ናይ ክልቲኦም ወገናት መሰል ብምሕላው ፍትሓውን ምችውን ኩነታት ስራሕ ብምፍጣር ኢኮኖሚ ሃገር ክዓቢ ናይ በዓሉ ኣስተዋፅኦ ዝገብረሉ ዕድል ስለዘሎ ምስ መንግስቲ ዝነበረ ተቐራሪቢካ ምስራሕ ክቕፅል ኣለዎ፡፡መንግስቲ ‘ውን ሕቶ ሸቃሎ ንምምላስ እናሰርሐ ‘ዩ፡፡

ሰራሕተኛ ቑልፊ መፍረዪ ኢኮኖሚ ሃገር ምዃኑ ዝፍለጥ ‘ዩ፡፡ ንሰራሕተኛ ክብሪ የድልዮ፡፡ ነዚ ‘ውን ‘ዩ ብደረጃ ዓለም ለኸ በቢዓመቱ ዝኽበር፡፡ ምኽባር በዓል ሰራሕተኛታት ኣብ ሰራሕተኛ ሞራልን ክብሪን ንምሃብ ጥራሕ እንተይኮነስ ዝተመሓየሸ ኩነታት ስራሕን ስርዓተ ፍትሕን ንምሕላው፣ ከምኡ ‘ውን ኢኮኖሚ ሃገር ንምዕባይ ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ፡፡

ሃገርና እናመዝገበቶ ዘላ ዕቤት ኢኮኖሚ፣ እዚ ምኽባር መዓልቲ ሰራሕተኛታት ዓቢዪ ሞራልን ክብርን ‘ዩ። ንሰራሕተኛታት ሞራል ብምሃብ እታ ሃገር ቐፃልነት ዘለዎ ዕቤት ኢኮኖሚ ክተመዝግብ ዝሕግዝ ‘ዩ፡፡

እዚ በዓል ከም እኒ ቻይና ዝበላ ሃገራት ወሰኽ ቱሪዝምን ጠለብ ብርክት ዝበሉ ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ክውስኽ ብምግባር ኢኮኖሚአን ንምዕባይ ይጥቐማሉ፤ ምኽንያቱ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ዜጋታቶም ኣብ ምዝንናይን ካልኦትን ኣብ ናይ ግሎም ንጥፈታትን ‘ዮም ዝሐለፍዎ፡፡ ስለዚ ንሕና ኢትዮጵያውያን ነዚ በዓል እዚ ኣብዪ ብተመሳሳሊ መገዲ እነኽብረሉ ዕድል ክፈጥር ይግበአና፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ኢንዱስትሪታት ሃገርና ይንፀባረቕ ዘሎ ዓወት ዕቤት ኢኮኖሚ ንኣብነት ኣብ ኢንዱስትሪታት ቱሪዝም፣ ሕርሻ፣ ወዘተ ውፅኢት ጥንካረ ሰራሕተኛታት ‘ዩ፡፡ እዚ በዓል ንሰራሕተኛታት ክብሪ ዝህብ ኮይኑ ኢኮኖሚ ሃገርና ንምዕባይ ናይ በዓሉ ኣስተዋፀኦ ኣለዎ፡፡ ክብር ሰራሕተኛታትን ቁጠባዊ ዕቤትን ጠንካራ ምትእስሳር ዘለዎ ዘይነፃፀል ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገፅ ‘ዩ፡፡ስለዝኾነ ‹‹ሜይዴይ›› ንምኽባር መሰልን ምድንፋዕ መፍረያይነትን ምጥቃም ይግባእ፡፡

ወጋሕታ 23 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

 

Recommended For You