መንአሰይ ትግራይ ሓይሊ ሰላም ክኸውን ይግባእ

ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ብምፍራሙ መላእ ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ’ኳ እንተኾነ ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ዝያዳ ተረባሒ ምዃኑ እሙን’ዩ፡፡እቲ ንክልተ ዓመት ዝነበረ ኹናት ዋላ’ኳ ንኹሉ ጎዳኢ እንተነበረ ህይወት መንእሰይ ዝበልዐ ኹናት’ዩ ነይሩ፡፡ እቲ ኹናት ጠጠው ኢሉ ድምፂ ጥይት ዘይስመዓሉ ኹነታት ምፍጣሩ፤ ንዚ ስዒቡ ድማ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ናበራኡ ክምለስ ምኽኣሉ ዓብይ ውፅኢት ምዃኑ ኹሉ ክርድኦ ይግባእ።

እቲ ኹናት ጠጠው ብምባሉ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ክልል ትግራይ ፅቡቕ ኣፋፍኖት ረኺቡ ኣሎ።ህዝቢ’ውን ናብ ስሩዕ ናብራኡ ተመሊሱ ኣሎ፡፡መንእሰይ ትግራይ ድማ ካብ ሞት ድሒኑ ናብ ቤት ትምህርቱን ስራሑን ንክምለስ ገይሩ ኣሎ፡፡ ስሊዚ እዚ ኹነታት ናብ ድሕሪት ከይምለስ ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ሓይሊ ሰላም ክኸውን ይግባእ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ሰላም ብምርካቡ ንክልተ ዓመታት ካብ ዝነበሮ ጭንቅን መከራን ተናጊፉ። ካብን ናብን ምንቅስቓሳት ብምጅማሩ ናብራኡ ክረጋጋዕ ዝኽእለሉ ኹነታት ተፈጢሩ።ኣብዚ ከይዱ መንእሰይ ትግራይ ዝበለፀ ሰሪሑ ዝነብረሉ ኹነታት ተፈጢሩ ኣሎ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ሃዋህው ንመላእ ህዝብን መንእሰይን ኣብ ስግኣት ኣእትይዎ ኣሎ፡፡ኣብ መሪሒነት ህወሓት ዝተፈጠረ ኣፈላላይ፤መሪሕነት ህወሓት ምስ መረፃ ቦርድ ዝኣተዎ ውጥጥን ካልኦትን ተደማሚሮም ናብ ጎንፂ ንምእታው ድሌት ብዘለዎም መራሕቲ ምኽንያት መንእሰይ ትግራይ ዳግም ናብ ጎንፅን ኹናትን ዝኣትዎሉ ዕድል ከይህልው ክሰርሕ ይግባእ፡፡ስለዚ ሓይሊ ሰላምን ልምዓትን ክኸውን ግድን’ዩ፡፡

ኣብ ዝኾነ ኹነታት ምስ ውሽጣዊን ደጋዊነት ሓይልታት ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ክህለው ንቡርን ዘይተርፍን ‘ዩ። ኮይኑ ግና ብዝሰልጠነ መገድን ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልካ ዝፍታሕ’ምበር ብጎንፂ ዝፍታሕ ክኸውን የብሉን። ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብጎንፂን ሓይልን ንምፍታሕ ምድላይን ፃዕሪ ምግባር ግቡእ ኣይኮነን። ውፅኢቱ ኪሳራ ምዃኑ ካብ ዝሓለፈ ትምህርቲ ምውሳድ ይግባእ፡፡

ዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ወይከዓ ሓይሊ ካብ ሕጊ ንላዕሊ ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ ውድባት ብመሰረት ህገ መንግስቲን ሕግታት ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ክመሓደሩ ግድን’ዩ። ኩሉ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሶም ሕጊ ሃገር ዘኽበረ ክኸውን ይግባእ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ኹነታት ግና ብፍላይ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዘይተቐበሉ ‹‹ጉባኤ ኣካይደ ‘የ›› ዝበለ ሓይሊ፤ስዒቡ ድማ ንሰለስተ ወርሒ ካብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዝተኣገደ ሓይሊ እቲ ሰለስተ ወርሒ ትማሊ ሓሊፉ ኣሎ፡፡

እቲ ሰለስተ ወርሒ ምሕላፉ ስዒቡ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝውስኖም ውሳነታት ምቕባልን ምትግባርን ግድን ይኸውን፡፡ንዚ ስዒቡ ግና ድሌትካ ካብ ሕጊ ንላዕሊ ንምፍፃም ኣብ ዝግበር ምቅስቓስ ካብ ጌጋኡ ዘይምሃር ኣመራርሓ ህወሓት ንውልቀን ፖለቲካዊ ረብሓኡ ክብል ንመንእሰይ ትግራይ ዳግም ናብ ጎንፂ ከይእትዎ ምክልኻልን ኣይፋልን ምባል የድሊ፡፡

ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካ ብዝተፈጠረ ኣፈላላይ ኣብ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ እናተረኣዩ ዘለዎ ሓይሊ ናይ ምጥቃምን ተርእዮታት ህዝቢ ኣብ ስግኣት ክወድቕ ገይሮምዎ ኣለዎ። ጎንፂን ሓይሊ ምጥቓምን እንትህሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ጉድኣት ምብፃሑ ኣይተርፍን። እዚ ግና ንህዝቢ ትግራይ ዘይግብኦን ዘይምጥኖን ተግባር ስለዝኾነ ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ሓይሊ ሰላም ብምዃን ጠጠው ክብሎ ኣለዎ።

ባህግን ድሌትን ህዝብን መንእሰይን ትግራይ ሰላምን ቅሳነትን’ምበር ህወከት፣ዕግርግርን ጎንፅን ኣይኮነን።ዝተረጋገዐ ናብራ ‘ምበር ስግኣትን ዘይምርግጋዕ ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ ጠጠው ዝበልኩ ‘የ ዝብል ዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ወይ ሓይሊ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ክኸውን ክሰርሕ ይግባእ ‘ምበር ንህዝቢ ናብ ስግኣት ክመርሕ ኣይግብኦን።ስለዚ ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ሓይሊ ሰላም ብምዃኑ ጎንፂ ኣብ ምትራፍ እጃሙ ክዋፃእ ይግባእ፡፡

ሰላም ትግራይ ሰላም ኢትዮጵያ’ዩ፡፡ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ’ውን’ዩ፡፡ስለዝኾነ ኣብ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ደበና ጎንፂን ኹናትን ጠጠው ክብል ይግባእ፡፡ ኣብ ትግራይ ብተደጋጋሚ ብዘጋጠመ ኵናት ህዝቢ ትግራይ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካውን ዝጉዳእ ምዃኑ ልሂቅን ፖለቲከኛታት ትግራይ ብዝግባእ ክርድኡ ኣለዎም፡፡ መንአሰይ ትግራይ ድማ እዞም ናይ ጎንፅን ኹናትን ድሌት ዘለዎም ሰባት ኣደብ ክገዝኡ ፅዕንቶ ክገብር ይግባእ።

ወጋሕታ 7 ጉንበት 2017 ዓ.ም

Recommended For You