ሓርበኝነት እዚ ወለዶ ኢኮኖሚያዊ ናፅነት ምርግጋፅ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ዝተፈፀሙሉ’ዩ::ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ፣መበል 116 ምስረታ ፖሊስ ኢትዮጵያ፣መበል 84 ዓመት መዓልቲ ሓርበኛታትን/ዓወትን ከምኡ’ውን መበል 4ይ ውድድር ክህሎት ኢትዮጵያ ብዝዓለ ፅንብል ዝተኻየዱሉ ሰሙን ‘ዩ::ኩሉም እዞም ተግባራት ምስ ሓርበኝነት ሉኣላዊነትን ኢኮኖሚን ዝተኣሳሰሩ’ዮም::

መበል 84 በዓል መዓልቲ ሓርበኛታት ካብ ምዝካር ሓሊፉ እዚ ወለዶ ካብዚ ታሪኽ ንክምሃርን ሓርበኝነት ኣብ ዝጠልበሉ እዋንን ኩነታትን ነከቐፅል ዘኽእልዩ::እቶም ካልኦት ንጥፈታት’ውን እዚ ወለዶ ትምህርቲ ወሲዱ ንሉኣላዊነት ዝተኸፈለ ሓርበኝነት ኣብ ኢኮኖሚያዊ ናፅነትን ሓርነትን ክደግም ይግባእ::

ቀዳሞት ሓርበኛታት ወለድና ብዝኸፈሉዎ ዋጋ ሎሚ ቅንዕ ኢልና ብናፅነት ክንስጉምን ኣብዚ ዘለናዮ ብርኪ ንክንበፅሕን ገይሮምና ‘ዮም። ናብዚ ዘብቅዑና ጀጋኑ ሓርበኛታትና ኽብርን ምስጋናን ድማ ይግብኦም::ናይ ሐዚ ወለዶ ድማ ብክህሎትን ፍልጠትን ማዕቢሉ ንሃገሩ ናብ ዕቤት ብምውሳድ ሓርበኛ እዚ ዘመን ክኸውን ኣለዎ::

ኣብዚ ዘመን ዘሎ ወለዶ ዓወታት ወለዱ ዘኽብር ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ወለዱ ነቲ ዘመን ዝምጥን ጀግንነት ዝሰርሕ ወለዶ ክኸውን ኣለዎ::ንዚ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ዲፕሎማሲያዊን ዓውዲታት ኣብ ዝህሉ ሰላማዊ ቓልሲ፣ ድኽነትን ድሕረትን ንምስዓር ኣብ ዝግበር ግጥም ዓወታት ብምምዝጋብ ናይዚ ዘመን ሓርበኝነቱ ከረጋግፅ ግድን ይኸውን።

ህዝቢ ኢትዮጵያ መሊኡ ካብ ድሕነት ኣይወፅአን::ሕቶታት ልምዓት ኣለዎ:: ኮይኑ ግና ኢትዮጵያ ኣብ ጎደና ልምዓትን ብልፅግናን ትርከብ:: ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ከም ግድብ ህዳሰ ዝበሉ ዓበይቲ ፕሮጀክታት እናሰርሐ ይርከብ::በዚ ልምዓትን ካልኦትን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለና ርክብ ብኣወንታዊ መልክዕ ኣብ ምልዕዓል ልዑል እጃም ኣለዎ::

ካልኦት’ውን ተመሳሳሊ ረብሓ ዘለዎም ዝተጀመሩ ስራሕቲ ‘ውን ኣለው::በቢ ዓመቱ ኣብ እዋን ኽረምቲ ዝካየድ ሓምለዋይ ዓሻራ ‘ውን ፍረ ‘ዩ:: ስለዚ ናይ ትማሊ ሓርበኛታታና ብዝሰርሕዎ ዓወት ብእንዝክሮም ልክዕ ናይ ሎሚን ፅባሕን ሓርበኛታት ‘ውን ቀፃሊ ወለዶ ንክልዕሎም ዝበረታትዑሉ ብዝበለፀ ዝልዓዓሉሉን ስራሕ ዝያዳ ክሰርሑ ትፅቢት ይግበር::

ሃገር ብዓወት ሓደ እዋን ጥራሕ ሉኣላዊነታ ተኸቢሩ፣ ሽማ ዓብዩን ኣብ ዓለም ውሩይ ኾይኑን ኣይዘልቕን። በቢዘመኑ ግዜ ዝሓቶ ዘፈር ብዙሕ ሓርበኝነት ካብ ዜጋታት ትፅቢት ይግበር::ከምቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንበዓል ሓርበኛታት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ‹‹ቀዳሞት ኣቦታትናን ኣዴታትናን ናፅነት ብደም ሓሊዮም ሃገር ኣውሪሶምና።

በዚ ድማ ንኾርዕ። እዞም ቀዳሞት ሓርበኛታት ብዝኸፈሉዎ ዋጋ ሎሚ ቅንዕ ኢልና ብናፅነት ኣብ ኣደባባይ ክንስጉም ገይሮምና ‘ዮም። ብምኽንያት ድኽነትናን ድሕረትናን ግን ናፅነትና ሙሉእ ክኸውን ኣይከኣለን›› ከምዝበልዎ ፤ እዚ ወለዶ ሃገሩ ካብ ድሕነትን ድሕረትን ብምንጋፍ ዝማዕበለትን ዝበልፅገትን ኢትዮጵያ ጋህዲ ክገብር ኣለዎ::

ናፅነት ኢትዮጵያ ዝተማለአ ንኽኸውን ሎሚ ናይ ካሊእ ዘበን ሓርበኛ ትደሊ ‘ያ። ናይዚ ዘበን ሓርበኛታት ንኢትዮጵያ ናብ ኩለመዳይ ምዕባለ ብምብፃሕ ናፅነታ ሙሉእ ምግባር ከምዝኾነ ምርዳእ ይግባእ:: ኣብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ዲፕሎማሲያዊን ዓውዲታት ኣብ ዝህሉ ሰላማዊ ቃልሲ፣ ድኽነትን ድሕረትን ተቓሊሶም ዝስዕሩ ሓርበኛታት ኣብዚ እዋን የድልዩ::እዚ ዘመን ዝጠልቦ ሓርበኝነት እዚ’ዩ::

ናይ ሐዚ ወለዶ ሓርበኛነት ዕጥቁ ፍልጠት፣ክእለትን ዲሲፕሊንን ‘ዩ።ወነኡ ፍቕሪ ሃገር፣ ቆራፅነትን ትግሃትን ‘ዩ። ሸቶኡ ድማ ምዕባለ ኢትዮጵያ ‘ዩ።ስለዚ እዚ ዕውት ኣብ ምግባር ኩሉ ክረባረብ ይግባእ::በዚ ድማ ኢኮኖሚያዊ ናፅነት ብምግሃድ ዝተማልአት ናፅነት ዘለዋ ሃገር ናብ ወለዶ ብምትሕልላፍ ሓርበኝነቱ ከረጋግፅ ይግባእ::

ናይዚ ዘበን ወለዶ ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ድኽነትን ድሕረትን ብምስዓር ተምሳሌት ብልፅግና ኣፍሪካ ዝኾነት ሃገር ናይ ምህናፅ ሓላፍነት ኣለዎ:: ጉዕዞ ለውጢ ሃገራት ዝውሰን ድማ ብበዝሒ ሃፍቲ ዘይኮነስ ብኣጠቓቕማ ሃፍቲ ብምዃኑ፣ ሃፍቲ ሃገር ብግቡእ ንምጥቓም ክእለት ወሳኒ ‘ዩ:: እዚ ክእለት ብምጥቃም ድማ ኢኮኖሚያዊ ናፅነት ምግሃድ ናይዚ ዘመን ወይ ወለዶ ሓርበኝነት ምዃኑ ምርዳእ ይግባእ::

ወጋሕታ 30 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You