ሕውነት ኢትዮጵያውነት ዘርኣዩ ዓወታት

ስፖርት ዝተፈጠረሉ ኣወንታዊ እሴታት ዝተልዓለ ንሓድነት ፣ ንሰላም ንልምዓት ትኽክለኛ መሳርሒ ተገይሩ ይውሰድ ‘ዩ። ብዙሓት ሃገራት እውን ‘ዚ ናይ ስፖርት ትርፊ ብኣግባቡ ከምዝተጠቐመሉ ብዙሕ ታሪኻት ከምዘለዉ ዝፍለጥ ‘ዩ።

ሃገራት ጥራሕ እንተይኾነስ ሕቡራት መንግስታት እውን ዝኣመሰሉ ዓለም ለኸ ትካላት ንህዝቢ ሓድነት ይጥቀምሉ ‘ዮም። ኣብ ደቡብ ሱዳን ሕድሕድ ኹናት ንምፍታሕ ተመድ ካብ ዝተጠቐመሎም ‘ቲ ዋና ስፖርት ‘ዩ።

ስፖርት ከም ፍታሕ ንምጥቃም ምኽንያት ዝነበረ ኣጋጣሚ ቅድሚ ዉሑዳት ዓመታት ንኣፍሪካ ዋንጫ መፃረይ ኣብ መንጎ ደቡብ ሱዳንን ጋቦን ዝተገበረ ፀዋታ ከምዝነበረ ብዙሓት ኸዚ ‘ውን ይስታወስ ‘ዩ። ደቡብ ሱዳን ተጋጣሚኣ 1ን0 ኣብ ዘሸነፈትሉ ፀወታ ብምኽንት ሕድሕድ ኹናት ዝተበላሸወ ሓድነት ተመሊሱ ወፂኡ ‘ዩ።

ኣብቲ ሃገር ብብሄር ብሄረሰባት ጉጅለ ፈጢሮም ሕድሕዶም ካብ ምቅትታል ብሓደ ስለ ሃገሮም ክዝምሩ ሓድነቶም ንጥንክር ዝገበረ ኣጋጣሚ ‘ዩ ነይሩ። ናይ ምፍልላይ ስምዒት ተረሲዑ ሓድነትን ሕውነታውን ዝፈጠረ ኣጋጣሚ ብተግባር ዝተርኣያሉ ‘ዩ ነይሩ።

ካብ ስፖርት ዓወታት ዝወፅእ ዝተሓበአ ብሄራዊ ስምዒት እንትፈጥር ምርኣይ ዘሐጉስ ነገር የለን። ኣብ ሃገርና ዝተኸበረ ናይ ሓድነት ማዓልቲ ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ዓለም ስፖርት ብዘረኸበቶም ዓወታት ብፖለቲካ ፣ ብብሄር ተኸፋፊሊሎም ኣብ ማሕበራዊ ዝውዕሉ ዝነበሩ ኣካላት ከይተረፉ ብስፖርት ዓወት ብዝተፈጠሩ ኣጋጣሚታት ናብ ሓድነት ስምዒት ከምዝመፁ ኣስተውዒልና ኢና።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተፈላለየ ኣብ መድረኻት ስፖርት ዓለም ዓወታት ዝተረኸበሉ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ብኹናት ኣብ ዝተፈተነትሉ እዋን ፣ ህዝብታት ‘ውን ኣብ ዝተመዛበልሉ ፣ ቅትለት ንፁሃን ዜጋታት ብናብራ ምኽባርን ፖለቲካ ውጥረትን ሓድነትና ንምፍራስ ፈተናታት እንተበዝሑ ‘ውን ብስፖርት ዝረኸብናዮ ዓወት ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ። እዚኦም ዓወታት ኣብ ኢትዮጵያ ተስፋ ዘምፅኡ ኾይኖም ሓሊፎም ‘ዮም።

ቅድሚ ኽልተ ሰሙን ኣብ ቡዳፔስት ኣብ ዝተኻየደ ቻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ከም ዓሚ ፅቡቕ ውፅኢት ኣመዝጊባ ‘ያ። ካብ ዓለም መበል ሻድሻይ ካብ ኣፍሪካ ድማ መበል ካልኣይ ኾይና ዛዚማ ‘ያ።

እዚኦም ዓወት ብፖለቲካን ካልኦት ጉዳያት ተፀሚዶም ዝፀንሑ መራኺቢ ሓፋሽ እንተይተረፉ ኣጀንዳኦም ስፖርት ንክኸውን ገይሩ ‘ዩ። ዘርኢ ፣ ሃይማኖት ፣ ፖለቲካ ኣመለኻኽታ ፣ ፆታን ዕድመ ኹሉ ክፋል ማሕበረሰብ ማዕረ ዝኾነሉ ኣጀንዳ ዝነበረ እዚ ዓወት ስፖርት ‘ዩ። እዞም ዓወታት ብሓድነት ዝተረኸቡ ‘ዮም።

ነዚኦም ዓወታት ዝኾነ ፖለቲካ ፓርቲ ኾነ ብሄር ማንም ተፀዋዒ ኣይኮነን። እዚኦም ዓወታት ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተወፃፅኡ ዕንቁታት ስፖርተኛታት ብሓባር ዘምፅእዎ ዓወት ‘ዩ። እዚ ዘሪአና ስፖርት ሃገራዊ ሓድነት ንምፍጣር፣ ሰላም ንምስፋን ዘለዎ ግድ ብውሑደ ዘሪአና ‘ዩ።

ስፖርት ንሓድነትን ሰላም ንምስፋን ዘለዎ ዓብይ ግደ ኢትዮጵያ ካብ ዘላቶ ብዙሓት ፀገማት ናይ ምቅላል ዓቕሚ ከምዘለዎ ተገንዚቡ መንግስቲ ንስፖርት ትኹረት ክህብ ይግባእ። ብፍላይ ኣብ መንጎ ህዝብታት ምክእኣልን ፣ ሓድነት ፣ ሕውነታዊ ዝገልፁ መድረኻት ስፖርት ብምፍጣር ናብ ተግባር ብምእታው ብሄራዊ ስምዒት ንምምላስ ከምዝካኣል ክንግንዘብ ይግባእ።

መሰረት ገብረዮሃንስ’  

ወጋሕታ 3 መስከረም 2015 ዓ.ም

Recommended For You