‹‹ግልጋሎት ጥዕና ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ እናተሰርሐ ‘ዩ›› – ኣይተ ሙሉጌታ ተስፋይ

ኣይተ ሙልጌታ ተስፋይ ዳይሪክተር ርክብ ህዝብን መንግስትን ቢሮ ጥዕና ትግራይ ‘ዮም። ብምኽንያት ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ስዒቡ ብዝተወለዐ ኩናት ኣብ ብዙሓትን ዝተፈላለዩን መሰረተ ትካላት ትግራይ ከቢድ ጉድኣት ከምዝበፅሐ ኩሉ ዝፈልጦ ጉዳይ ‘ዩ። ካብዚኦም እቲ ሓደ ትካል ጥዕና ‘ዩ። ኣብ ውሽጡ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ መገልገልቲ ናውቲ ሕክምናታትን ተዘሪፎም፤ ዝዓነዉ ዓንዮም፤ ከቢድ ፀገም ከምዘጋጠመ ዝዝከር ‘ዩ። ኣብዚኦም ጉድኣት ብምብፅሑ ብዙሕ ፀገም ኣጋጢሙ ‘ዩ። ግልጋሎት ሕክምና ጠጠው ዝበለሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ። ከምዚ ብምዃኑ ህዝቢ ግቡእ ሕክምና ብዘይ ምርካቡ ብዝተፈላለዩ ተመሓላለፍቲ ሕማማት እናተጠቕዐ ምዃኑ ‘ውን ግልፂ ‘ዩ። ብምዃኑ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዙርያ ትካላት ጥዕና ትግራይ ዘሎ ኩነታት እንታይ ከምዝመስል ምስቶም ዳሪክተር ከምዚ ስዕብ ፃኒሕት ገይርና ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሕዚ እዋን ግልጋሎት ጥዕና ትግራይ እናሰርሖም ዘሎ ስራሕቲ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ሙሉጌታ፡– ኩላትና ከምንፈልጦ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብዝነበረ ኹናት ብዙሓት ህይወቶም ስኢኖም ‘ዮም።

ሞት ህፃናትን ኣዴታትን ካብ ካልእ ግዘ ንላዕሊ ከቢድ ነይሩ። ብፍላይ ከም ሕማም ዓሶን ዓባይ ሰዓልን ዝበሉ ሕማማት ቅድሚ ኩናት እናነከዩ ዝነበሩ ብምኽንያት እቲ ኹናት ግና ተስፋሕፊሖም ‘ዮም።

እቲ ኩናት ኣብ ጥዕና ትካላት ብዙሕ ጉድኣት ብምስዓቡ ቑፅሩ ዘይነዓቕ ህዝቢ ሞይቱ ‘ዩ። ዳርጋ ኣብ መብዝሓተኦም ጥዕና ጣብያታት ናውቲ ሕክምና ተዘሪፎም ብምዃኖም ብዙሕ ህዝቢ ሕክምና ክረክብ ኣይኸኣለን።

ሰራሕተኛ ሕክምና እንተሪእና ‘ውን ንኸባቢ ክልተ ዓመታት ብዘይ ደሞዝ ‘ዩ ነይሩ። ምስ እዚን ካልኦትን ፀገማት ተተሓሒዙ ግልጋሎት ሕክምና ዳርጋ ኣይነበረን ምባል ይከኣል። በዚ ምኽንያት ቕድሚ ስምምዕነት ሰላም ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቑ ዝነበረሉ እዋን ‘ዩ ነይሩ።

ብሓፈሻ ክንርኦ ከለና እቲ ዝነበረ ኩናት ኣብ ስርዓተ ጥዕና ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ጉድኣት ኣብፂሑ ‘ዩ። ሕዚ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ዝነበረ ርክብ ናብ ንቡር እናተመለሰ ‘ዩ። እቲ ርክብ ብፅቡቕ ኩነታት ይኸይድ ኣሎ። በዚ ምኽንያት ትካላት ጥዕና መሊአን ናብ ንቡር ንኽምለሳ ፃዕሪታት እናተገበረ ከምዝኾነን ፅቡቕ ተስፋታት እናርኣየ ‘ዩ።

መንግስቲ ፌዴራል ካብ ሰብ ሞያ ጥዕና ጀሚሩ ክሳብ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ናብ ትግራይ ብምልኣኽ ዕንወት ኣብ ዝበፅሐን ትካላት ጥዕና ትግራይ ዑደት ብምግባር ሓገዝ እናገበረ፣ ትካላት ጥዕና ትግራይ ናብ ንቡር ግልጋሎት ንምምላስ ሚኒስቴር ጥዕና ብኣካል ተዛዋዊሩ ብምዕዛብ ጠመተ ሂቡ እናሰርሐ ‘ዩ።

ኮይኑ ግና እቲ ዝበፅሐ ጉድኣትን ዝግበር ዘሎ ሓገዛትን ክነፃፀር እንከሎ ዝመጣጠን ብዘይምዃኑ ሕዚ ‘ውን እቲ ፀገም ሙሉእ ብሙሉእ ኣይተወገደን።

ኣብዚ እቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ኣዝዩ ሰፊሕ ካብ ምዃኑ ተላዒሉ ዝግበር ዘሎ ሓገዝ እኹል ስለ ዘይኮነ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ‘ውን ክረባረቡ ይግባእ፤ እቲ በፂሑ ዝነበረ ጉድኣት ኣዝዩ ልዑል ምስ ምንባሩ ተተሓሒዙ መንግስቲ ብዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ጥራሕ መሊአን ናብ ንቡር ክምለሳ ኣይተኸኣለን። ስለዚ ናይ ኹሉ ተሳትፎ ዝደሊ ‘ዩ።

ብምኽንያት እቲ ኩናት ጥዕና ትካላት ሓዊሱ ብሓፈሻ ዳርጋ ኩሎም ዘፈራት ዓንዮም ‘ዮም ነይሮም። ጥዕና ቢሮ ትግራይ ቅድሚ እቲ ኹናት ከምዝፍለጥ ብጣዕሚ ዝጠንከረን ንካልኦት ክልላት ‘ውን ኣርኣያ ዝነበረን ንብዙሕ ተሞክሮ ዝህብ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ‘ዩ። ሕዚ ግና ብምኽንያት እቲ ኹናት ምሉእ ብሙሉእ ብዝባሃል ብርኪ ዓንዮም ‘ዮም።

ድሕሪ እቲ ስምምዕነት ሰላም ናብ ትግራይ ብምኻድ መፃናዕቲ ብምግባርን እንታይ ክስራሕ ኣለዎ ብዝብል ምስ ኣብቲ ክልል ዘለዉ ጥዕና ቢሮን ብምኳን ብዋናነት ምስ ሰናይ ተግባራት ዝሰርሑ ትካላት ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝሰርሑ ወለንታያን ብምኳን እናሰራሕና ኢና።

እዚ ዝበፅሐ ዕንወት ብጥዕና ቢሮ ትግራይ ወይ ድማ ብሚኒስተር ጥዕና ተሳትፎ ጥራሕ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ኸቢድ ‘ዩ ዝኾን። ናይ ኹሉ ትኹረትን ተሳትፎን ዝደሊ እንተኾነ ‘ውን ማሕበረሰብ ንምግልጋል ብዘሎ መሰርሕታት ብምጥቃም እናተሰርሐ ‘ዩ ዘሎ።

ወጋሕታ ፡- ጥዕና ትካላት ትግራይ ፅገና ተገይርሎም ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ንምእታው ዘሎ ድልውነት እንታይ ይመስል ?

ኣይተ ሙሉጌታ፡- ልዕሊ ሰማንያ ሚኢታዊ ዝኾኑ ጥዕና ጣብያታት በቲ ኹናት ምኽንያት ዓንዮም ‘ዮም። ኣብ መቐለ ዝርከቡ ብፍላይ ድማ ኣብ ገጠር ዝርከቡ ጥዕና ትካላት ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኾይኖም ‘ዮም። በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ባዓል ሞያ ‘ውን ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብስደት ዝኸደሉ ኣጋጣሚ ‘ዩ ነይሩ።

ኣብ ስራሕ እናሃለወ ህይወቱ ዝሳአነ ባዓል ሞያ ‘ውን ኣሎ፤ እቲ ኩናት ኣብ ኢኮኖሚ ኾነ ስነልባና ሰብ ሞያ ሕክምና ዓብይ ፅዕንቶ ኣሕዲሩ ‘ዩ። ኣብዚ ኩነታት ኾይኑ እቲ ባዓል ሞያ ‘ውን ንምስራሕ ዝተፀገመሉ እዋን ‘ዩ ነይሩ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ እቲ ዝቀረየ ባዓል ሞያ ኣብ ዘይምቹ ኩነታት ኾይኑ ደሞዝ ከይተኸፈሎ ማሕበረሰብ ከገልግል ኣለኒ ዝብል ሞራል ሒዙ እናገልገለ ከምዝፀንሐ ኹላትና እንፈልጦ ‘ዩ። እዚ ድማ ካብ ብዙሓት ባዓል ሞያታት ምስጋና ረኺቡ ‘ዩ፤ እተን ዝተጎድአ ጥዕና ትካላት ፀጊንካ ናብ ስራሕ ሙሉእ ብሙሉእ ንምእታው ናይ ባዕሉ ዝኾነ ግዘ ዝወስድ እንኾነ ‘ውን ቀስ ብቀስ ኣብ ም ምሕያሽ ‘ዩ ዝርከብ።

ጉዳይ ጥዕና ስለዝኾነ ‘ውን ብቕልጡፍ ተፀጊኑ ናብ ግልጋሎት ንክኣቱ ንሕና በወገና እናሰራሕና ኢና ንርከብ። በዚ ኹናት ምኽንያት ባዓል ሞያ ጥዕና ቐኒሱ ‘ዩ። እቲ ዘሎ ሰብ ሓይሊ ዝተደራረበ ስራሕ እናተውሃቦ ዝሰርሕ ‘ዩ።

ኾይኑ ግና እዚ ንህፁፅ ዘድልዩ መሳርሒ ሕክምና መድሓኒትን ብጣዕሚ ሕፀረት ‘ዩ ዘሎ። እዚ ድማ ዓብይ ፀገም እናፈጠረ ‘ዩ። ርግፅ ጥዕና ቢሮ ኾነ መንግስታዊ ዘይኾኑ ትካላት ሓገዝ እናገበሩ ‘ዮም። ግና ካብ ዝበፅሐ ፀገም ኣንፃር ክንሪኦ ከለና እኹል ‘ዩ ክንብል ኣይንኽእልን።

ቅድሚ እቲ ኹናት ኣብ ትግራይ ሎሎ ኹሉ ሕብረተሰብ እኹል ዝኾነ ጥዕና ግልጋሎት ይዋሃቦ ነይሩ ‘ዩ። ገዛ ንገዛ እናኸዱ እናተኸታተሉ ኩነታት ወሊድ ዝቆፃፀሩ ዝነበሩ ሰረሕተኛታት ሕዚ የለዉን። ስለዚ እዚ ስምምዕነት ሰላም ተጠቒምና ናብ ዝነበሮ ንምምላስን ፃዕሪ እናተገበረ ‘ዩ።፡

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብኣንፃራዊ እኹል ግልጋሎት ሕክምና እናረኸበ ‘ዩ ክንብል ንኽልዶ?

ኣይተ ሙሉጌታ፡– ብሓፈሻ ንኹሉ ሕብረተሰብ ግልጋሎት ይዋሃብ ኣሎ ምባል ኣይንኽእልን። እቲ ቅድሚ ኹናት ዝዋሃብ ዝነበረ ግልጋሎት ኸዚ ‘ውን ይዋሃብ ኣሎ ንምባል ከቢድ ‘ዩ ። ሕዚ ‘ውን እኹል ኣይኮነን ‘ዩ።

እቲ ሕብረተሰብ ክረኽቦ ካብ ዝግባእ ግልጋሎት ንታሕቲ ‘ዩ ዝረክብ ዘሎ። እዚ እቲ ሕብረተሰብ እውን ይፈልጥ ‘ዩ። እዚ ንምቕራፍ ድማ ጥዕና ሚኒስትር ኣብቲ ቦታ ብምኻድ ፅንዓት ብምግባርን ናብ ዝነበረሮ ንምምላስ ጥራሕ እንተይኾነ ብዝሓሸ ኣጠናኺርካ ንክስራሕ ፃዕሪ እናተገበረ ‘ዩ ዝርከብ።

እዚ ድማ እቲ ስራሕ እናተጀመረ ‘ዩ። በዚ እንኸዶ ዘለና መገዲ እንተቀፂልና ግልጋሎት ጥዕና ትግራይ ኣብ ኹሉ ኸባብታት ተበፃሒ ንምግባር ግዜ ዝወስድ ኣይኮነን።

ወጋሕታ፡- ኣብ ቀፃሊ ዓመት ከም ጥዕና ቢሮ ትግራይ ዝተትሓዘ ትልሚ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ሙሉጌታ፡- ኣብ ቀፃሊ ክንሰርሕ ዘለና እዚ ጥዕና ግልጋሎት ህዝብና ንክረክብ እዚ ዝበፅሐ ፀገም መሊስካ ነቲ ሕብረተሰብ ንምክሓስ ሓይሊ ሰብ ክጠናኸር ከምዘለዎ ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ባዓል ሞያ ስነልቦናን ኢኮኖሚን ዝበፅሐ ፀገም መጀመርያ ክቕረፍ ኣለዎ።

እቲ ባዓል ሞያ እቲ ስራሕ ጀሚርዎ ‘ዩ። ካብዚ ብዝበለፀ ብሞራል ንክስራሕ ኣብቲ ሰብ ሓይሊ ባዓል ሞያ ዓብይ ስራሕ ትፅቢት ከምዝግበር ብትልሚ ሒዝና ንምስራሕ እናተንቐሳቐስና ኢና። ቅድሚ እቲ ኹናት ዝነበሩ ትካላት ጥዕና ንምምላስ ከምኡ ‘ውን ኣብ መፃኢ ካብ ዝነበረ ብዝበለፀ ንምስራሕ ከም ትልሚ ዝሐዝናዮ ነገር ‘ዩ ።

እቲ ዋና ነገር ድማ ቅድሚ እቲ ኹናት ተቋፃፂርናዮም ዝነበርና ከምኒ ዓሶን ካልኦት ተመሓላለፊቲ ሕማማት ተስፋሕፊሖም ‘ዮም። ሕዚ እዚ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅርና ንምእታው ዓብይ ትኹረት ተገይርሉ እናተሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ። እዚ ከም ሓዱሽ ወፍሪ ተኻይዱ ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ክንሰርሕ ከም ትልሚ ሒዚና ኣለና።

ደቂ ኣንስትዮ ብወሊድ ምኽንያት ክጉዳኣ የብለንን ኢልና ኣብ ዝመፅእ ዓመት ናይ መጀመርያ ስራሕና ‘ዩ ዝኾን። ተመሓላላለፍቲ ዝኾኑ ሕማማት ቀዲምካ ኣብ ምክልኻል ድማ ኣብ ትልምና ዘሎ ስራሕ ‘ዩ።

ናብ ታሕቲ ሕብረተሰብ ብምውራድ ክንሰርሕ ይግባእ፤ ናይቲ ሕብረተሰብ ስነልቦናዊ ልውጢ ንምምፃእ ድማ ስራሕቲ ኮሙኒኬሽን ኣጠናኺርና ክንሰርሕ ኣለና። እዚ ንምስራሕ ብዝሕ ዝበለ ባጀት ከምዘድሊ ዝፍለጥ ‘ዩ። እዚ እንትፀድቕ ድማ ዝሐሸ ምንቅስቃስ ንክህሉ ዝገብር ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ሃገር ውሽጢ ኾነ ካብ ሃገር ወፃኢ ንዘለዉ ባዓል ሞያታት ሓገዛት ክገብሩ ዝደልዩ ኣካላት ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ?

ኣይተ ሙሉጌታ፡- ኣብ ዝሓለፈ ዝበፅሐ ፀገም ብፍላይ ድማ ኣብ ጥዕና ብትግራይ ጥዕና ቢሮ ወይ ድማ ባዓል ሞያ ሓላፍነት ጥራሕ ዝቕረፍ እንተይኾነስ ኹሉ ኢትዮጵያዊ ክሳተፈሉ ዝግባእ ስራሕ ‘ዩ።

ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለዉ ባዓል ሞያታት ‘ውን እንተኾኑ ናብ ትግራይ ብምኻድ ሓገዝ ግልጋሎት ንክገብሩ ፃውዒት የቕርብ። ካብ ባዓል ሞያ ወፃኢ ዝኾነ ድማ ብዘለዎ ዓቕሚ ኣብ ግልጋሎት ጥዕና ትግራይ ተሳትፎ ክገብርን ክተሓባበርን ፅቡቕ ውፅኢት ንምምፃእ ይሕግዝ ‘ዩ።

እዚ እንድሕር ተሓጋጊዝና ሰሪሕና ጥዕና ግልጋሎት ትግራይ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ኾነ ብዝሓሸ መገዲ ንምቕፃል ቀሊል ‘ዩ ዝኾን። መንግስቲ ድማ ኣብዚ ትኹረት ብምግባርን ካብቲ ዝነበረ ኩነታት ኣንፃር እናተርኣየን ካልኦት ነገራት ዝቕፅሉ ድሕሪ ጥዕና ብምኳኖም ቅድምያ ንጥዕና ትኹረት ክዋሃቦ ፃውዒት የቕርብ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን ።

ኣይተ ሙሉጌታ፡- ኣነ ‘ውን የመስግን።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 3 መስከረም 2015 ዓ.ም

Recommended For You