
ሎሚዘበን ነባር 2015 ዓ.ም ኣፋኒና ሓዱሽ ወርሒ ሒዝና ንርከብ። ሎሚ መዓልቲ ሓዱሽ ወርሒ 3መስከረም 2016 ዓ.ም በፂሕና ኣለና።
ሓዱሽ ዓመት ብሓዱሽ መንፈስ ንምቕባል ኩሉ ሕብረተሰብ ዝተፈላለዩ ምድላዋት እናገበረ ፀኒሑ ‘ዩ። ማለት ካብ ርሑቕ ዝመፅእ ካብ ርሑቕ፣ ካብ ቐረባ ዝመፅእ ካብ ቐረባ ምስ ቤተሰቡ ተኣኻኺቡ ብሓባር ብድምቀትን ታሕጓስን ከሕልፎ ክኢሉ ‘ዩ።
ብኢትዮጵያውያን ወርሒ መስከረም ኣዝያ ተባሃጊትን ፍሊቲ ወርሒን ‘ያ። ኩሉ ብሃንቖውታ ድማ ይፅበያ። ዘመድ ኣዝማድ ካብ ቐረባን ርሑቕን መፂኡ ዝተኣኻኸበላ፣ ዝጠያየቀላ፣ እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት ኣብፀሐካ/ኪ/ኩም ዝበሃሃለላ ፈላመይቲ ወርሒ ‘ያ።
ወርሒ መስከረም ደበናን ዝናብን እናቀነሰ፣ ፀሓይ ብመጠኑ እናሞቐ ስለ ዝኸይድ ኣየሩ ኣዝዩ ምችው ‘ዩ። ተባሃጊትን ምችውትን ወርሒ ‘ያ። ብተፈጥሮ ዝወቀበት ብምዃና ኣዝያ ምዕርግትን ተሃራፊትን ‘ያ።
ዝተፈላለየ ሕብረተሰብ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ወይ ሃገራት ነናብ ቤተሰቦም ብምኻድ እናተጠያየቑ ዘሕልፍዎ ወርሒ ጥራሕ እንተይኮነስ ብዙሓት በፃሕቲ ዓዲ ‘ውን ዝመፁላ ‘ያ። ካብ ናይ ደገ ይኹኑ ካብ ናይ ውሽጢ ዓዲ ብዝመፁ በፃሕቲ ዓዲ እቶት ‘ውን ዝርከባላ ወርሒ ‘ያ።
ብምዃኑ ሙሉእ ወርሒ መስከረም በዓል ‘ዩ ዝመስል። እትፅገብ ኣይኮነትን። ኩሎም መዓልታት ከም ባሕቲ መስከረም ብፍሉይ ዝኽበሩ ዋላ እንተዘይኮኑ ዳርጋ ሙሉእ ወርሒ መስከረም በዓል ‘ዩ ዝመስል።
ወርሒ መስከረም እትምኖ ወርሒ ኣኮነትን። ዝተፈላለዩ ከም ገልገለ መስቀል ዕምበባታት ኣብ ወርሒ መስከረም ብጣዕሚ ደሚቖምን ማዕሪጎምን ስለ ዝረአዩ ኣዝዩ ተሓጓስ ‘ዩ ዝስመዓካ። ዝተፈላለያ ደስ ዝብላ ሕብሪ ዘለዎን ኣዕዋፍ ‘ውን ናብዚ ናብዚ ክብላ እትምልከት።
ማለት ጋሻ ዕምበባን ሰብን ጥራሕ እንተይኮንካስ ኣዕዋፍ ‘ውን ትሪኢ። ኣብ ካሊእ መዓልቲ ዘይትሪአን ፍጥረታት ኣብ መስከረም ትሪአን። ወርሒ መስከረም ካብተን ካልኦት ኣዋርሕ እትፍለየሉ ፈላሚት ወርሒ ጥራሕ እንተይኮነትስ ብተፈጥሮ ኣዝያ ዝወቀበትን ዝደመቐትን ‘ውን ‘ያ ምባል ይከኣል።
ብፍላይ ገልገለ መስቀል በቢከባቢኡ ዓምቢቡን ደሚቑን ክትሪኢ እንተለኻ እንኳን ንወዲሰብ ንኻልኦት ፍጥረታት ‘ውን ብጣዕሚ ‘ዩ ደስ ዝብል። ብምሒር ታሕጓስ ካብ ደቐቕቲ ክሳብ ዓበይቲ ፍጥረታት ካፍቲ ናፍቲ ክብሉ ከትርኢ እንተለኻ ልዑል ታሕጓስ ይስመዐካ።
ዝተፈላለዩ ጎበታን ሽንጥሮታትን ብገልገለ መስቀልን ካልኦትን ተሸፊኖምን መልኪዖም ከትርኢ እንተለኻ ብተፈጥሮ ትድነቕን ትሕጎስን። ኣብ ውሽጥኻ ዝፈጥረልካ ፍሉይ ታሕጓስን ተስፋን ቐሊል ኣይኮነን።
ኣብ ትግራይ ለብዘበን ሓዱሽ ዓመት ካብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣዝዩ ብዝሓሸ ተኸቢሩ ውዒሉ ኣሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከምዝፍለጥ ኣብ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ብዝተበፅሐ ቖራፅነት ዝተመልኦ ናይ ሰላም ስጉምቲ ‘ዩ።
ኣብ ትግራይ ምልስ ኢልና ናይ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ከንርኢ እንተለና ኣብ ሰላም ዝነበረ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድ ብምንባሩ ንህዝቢ ትግራይ ዳርጋ እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት ኣብፀሐካ ዝበሃለሉ ኩነታት ኣይነበረን። ለብዘበን ግና ዋላ ሙሉእ ኣይኹን እዚ ታሪኽ ተቐይሩ ብታሕጓስን ምትሕግጋዝን ተኸቢሩ ሓሊፉ ‘ዩ።
ዋላ ሙሉእ ኣይኹን ክብል እንተለኹ ክሳብ ሕዚ ብዙሕ ህዝቢ ተፋናቒሉ ናብ መረበቱ ኣይተመለሰን። እዚ ህዝቢ እዚ ሕዚ ‘ውን ኣብ ከቢድ ፀገም ኣሎ። ኮይኑ ግና እንተነኣሰ በቲ ስምምዕ ሰላም መሰረት ካብ ድምፂ ኩናት ድሒኑ ‘ዩ።
ከም ህዝቢ መንፈሳዊ፣ ማሕበራውን ባህላውን ክብርታትና ክነኽብር እንተኾይና ብቐንዱ ሰላም ወሳኒ ‘ዩ። ብዝተረኽበ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ከም ኣሸንዳን ሓዱሽ ዓመትን ብሰላም ምኽባር ምጅማሩ ቐሊል ዝበሃል ኣይኮነን።
ሎሚዘበን ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ከምዝፍለጥ ንኸባቢ ክልተ ዓመታት ትግራይ ኣብ ከቢድ ኩነታት ስለ ዝነበረት ህዝቢ ነዚ ዕድል እዚ ኣይረኸበን ነይሩ። ሕዚ ‘ውን ሰላም ከይዝረግ ጠመተ የድልዮ። ብዙሓት ናይ ፀጥታ ፀገማት ኣለዉ። እዚኦም ብኣግባቡ ፈቲሽካ ክስተኻኸሉ ይግባእ።
ኣብ ቐልቐል ዘሎ ህዝቢ ተመሊሱ ናብ ፀገም ከይኣቱ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ምሕላው ሰላም ልዑል ግደ ክፃወት ይግባእ። ቐፂሎም ንዝመፁ ከም በዓል መውሊድን መስቀልን ‘ውን ብተመሳሳሊ ብምትሕግጋዝን ብታሕጓስን ክነሕልፎ ይግባእ።
ካብኦም ዝርከቡ እቶት ‘ውን ንዳግመ ሕውየት ትግራይ ከንጥቐመሉ ይግባእ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ካብ ኣቦታቱ ዝወረሶ ናይ ምትሕግጋዝ ባህልን ልምድን ዘለዎ ርህሩህ ህዝቢ ‘ዩ። ናይ ምትሕግጋዝ ባህልና ዓቒብና ከንጓዓዝ ኣለና።
ብቕድሚ ትማሊ ሓድሽ ዓመት ብሓድሽ መንፈስ ተቐቢልና ብድምቀት ኣኽቢርናዮ ኣለና። ብተወሳኺ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ዝተታሕዙ ትልምታት ንምስኻዕ ሰላማ ዝተሓለወት ትግራይ ስለ ተድልየና ኩልና ንሰላም ጠጠው ከንብል ኣለና።
ዝተፈላለዩ ልምዓታት ዝሳለጠላ ስልጥንትን ምዕብልትን ትግራይ ንምፍጣር ኩልና ተጋሩ ብሓድሽ መንፈስን ወነን ተላዒልና ለይትን ቀትርን ክንሰርሕ ይግበአና። በቲ ኩናት ስዒቡ ኣብ ትግራይ ኣዝዮም ብዙሓት ናይ ኢኮኖሚ ፀገማት ኣለዉ ‘ዮም።
ነዚኦም ተቓሊስና ክንስዕሮም እንተኾይና ፖለቲካዊ ኣፋላላይና ከምዘለዎ ኮይኑ ከምኡ ‘ውን ናይ በዓልትና ጥቕሚ እንተየቐደምና ኩልና ንረብሓ ህዝቢ ክንሓስብን ክንሰርሕን እንተለና ኢና እሞ ኩልና ንዳግመ ሕውየት ትግራይ ንለዓል።
ርሑስ ቕንያት ሓዱሽ ዓመት!
እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 3 መስከረም 2015 ዓ.ም