ናብ ፍረ እናተቃረበ ዝመፅእ ዘሎ ተስፋ ወለዶ ግድብ ኣባይ

 ኢትዮጵያ ንሩባ ኣባይ ንዘመናት ዝኣክል እንተይተጠቐመትሉ ፀኒሓ ‘ያ። እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ኻልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ግና እናተጠቐማሉ መፂአን ‘የን።

ሕዚ ‘ውን እናተጠቐማሉ ይርከባ። ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ መገዛ ማያ ከትጥቐመሉ ዘይከኣለትሉ ምኽንያት ድማ ዝተፈላለዩ ናይ ገንዘብን ዲፕሎማስያዊ ፅዕንቶታት ስለ ዝነበራ ‘ዩ።

ኣብ ንጉስ ሃፀይ ሃይለስላሴ ንምግዳብ ተሓሲቡ ዋላ እንተነበረ ኣብቲ እዋን ንምግዳብ ዘኽእል ገንዘብ ስለ ዘይነበረ ዝመፅእ ወለዶ ዓቕሚ ገንዘብ ኣጥርዩ ክሳርሖ ‘ዩ ኢሎም ሓሳብ ኣቐሚጦም ሓሊፎም ‘ዮም።

ከምዝበልዎ ድማ ብነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ መለስ ዜናዊ ተጀሚሩ እናተሰርሐ መፂኡ ‘ዩ። ኣብ 2010 ዓ.ም ለውጢ ምስ መፀ ‘ውን ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብልዑል ዲፕሎማሲያዊ ጥበብ፤ በሳል ኣመራርሓን ብናይ ብርቱዕ ምትሕብባር ህዝብን ኣብዚ ብርኪ እዚ ክበፅሕ ኽኢሉ ‘ዩ።

ግድብ ኣባይ ብበሳል ኣመራርሓን ምትሕብባር ህዝብን እናተሰርሐ መፂኡ ሕዚ ናብ ከባቢ መወዳእታ እናበፅሐ ይርከብ። ለብዘበን መበል ራብዓይ ምልኢት ማይ ተኻይዱ ብዓወት ተዛዚሙ ‘ዩ። ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ ድሮ ሓዱሽ ዓመት 2016 ዓ.ም ንህዝብና ዓብዪ ብስራት ኣበሲሮሞ ‘ዮም።

ኣብዚ እዋን ኣብቲ ቦታ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ተረኺቦም ምልከታ ኣካይዶምን ጠቕላላ ገለፃ ተገይሩን ‘ዩ።

ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብዓብዪ ተሓጓስን ወነን ተላዒሉ ዝጀመሮ ግድብ ኣባይ ሕዚ ከባቢ 12 ዓመታት ኮይንዎ ኣሎ። ዝተፈላለዩ ጉዕዞ ፈተና ብምሕላፍ ብናይ ወለዶ ቕብብል ሕዚ ናብ መመዳእታ ከባቢ በፂሑ ይርከብ።

ኢትዮጵያውያን ነቶም ዘጋጥሙ ዝነበሩ ፈተናታት ብፅንዓት ብምሕላፍ ተሓባቢርና ብምስራሕና ‘ዩ መበል ራብዓይ ዙር ምልኢት ማይ ግድብ ኣባይ ብዓወት ዛዚምና ዘለና።

ኣብዚ ደረጃ እዚ ክብፃሕ ዝተኸኣለሉ ምኽንያት ህዝቢ ኢትዮጵያ ልዕሊ ኩሉ ብፍልጠቱ፣ ገንዘቡ ልዑል ኣስተዋፅኦ ብምግባሩ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ዝቐርዮ ነገር ስለ ዘሎ ኩለመዳየዊ ርብርር ከድሊ ‘ዩ። ክሳብ መወዳእታ እዚ ወለዶ እዚ በቲ ዝተለመደ ተሳትፎ ክቕፅል ኣለዎ።

እቲ ዝቐረየ ተመሊኡ ዝተሓሰበ ፍረ ንምርካብ ተሳትፎ ህዝቢ ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ፤ ክሳብ ሕዚ ብርቱዕ ተሳትፎ ብምህላዉ ‘ዩ ኣብዚ ደረጃ እዚ ክብፃሕ ተኻኢሉ ዘሎ። ሕብረተሰብ ኣብቲ ግድብ ዘለዎ ጠንካራ እምነትን ድጋፍን ብዝበለፀ ተጣናኺሩ ክቕፅል ይግባእ።

ግድብ ህዳሰ ምስ ሓምላዋይ ዓሻራ ብምትእስሳር ዝስራሕ ዘሎ ኣዝዩ ጠቓሚ ብምኳኑ ልዑል ጠመተ ከንህቦ ይግባእ። ልክዕ ኣብ ኣባይ ግድብ ዝረኣይ ዘሎ ምጥሕብባር ኣብ ሓምላዋይ ዓሻራ ፕሮጀክት ዝረአ ዘሎ ምትሕብባር ‘ውን ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ።

ምኽንያቱ ክልቲኦም ፕሮጀክትታት ነፃፂልካ ዝረአዩ ኣይኮኑን። ጎቦታት፣ ሽንጥሮታት ብኣግራባት ምሽፋን እቲ ግድብ ብሓመድ ከይመልእ ስለ ዝከላኸለሉ። ኢትዮጵያ ብፍይ ድሕሪ ለውጢ ብርክት ዝበሉ ፈተናታት ብምሕላፍ ብዙሓት ነገራ እናሳኸዐት ‘ያ ትርከብ። ኣብ ሓምለዋይ ዓሻራ ይኹን ግድብ ኣባይ ከምኡ ‘ውን ፓርክታት ኣብ ምስራሕ እተሳኸዖም ዘላ ዓወታት ዝተባብዑ ‘ዮም።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያ ድማ ጠንካራ ኣመራርሓን ተሳትፎ ህዝብን ብምህላዉ ‘ዩ። እዚ ተጣናኺሩ ክቕፅል ይግባእ። መንግስቲ ሕዚ ‘ውን ነቲ ግድብ ዝግበር ኩሉ ዓይነት ድጋፍ ተጣናኺሩ ክቕፅል ሓደራ እናበለ ‘ዩ።

ስለዚ በቲ ዝተጀመረ መሰረት ተወዲኡ ህዝቢ ፍረ ፃምኡ ክረክብ ኩለመዳያዊ ሓገዙ ከም ናይ ትማሊኡ ኣጣናኺሩ ክንቕፅል ይግባእ።

ወጋሕታ 3 መስከረም 2015 ዓ.ም

Recommended For You