መበል ራብዓይን መዛዘምን ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብዕዉት መገዲ ተዛዛሙ

መበል ራብዓይን መዛዘምን ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብዕዉት መገዲ ምዝዛሙ ምኽንያት ብምግባር ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ዝተመርሐ ናይ ክልላት መራሕትን ዓበይቲ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዝተረኸብሉ ብዝተፈላለየ ምድላዋት ኣብቲ ቦታ ተኸቢሩ እዩ ።

ኣብቲ መድረኽ መበል ራብዓይን መዛዘምን ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብዕዉት መገዲ ምዝዛሙ ቀዳምይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣፍሊጦም እዮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፣ ንኢትዮጵያውያ ተሓባቢርና ብምስራሕ ፈጣሪ ሓጊዙና ‘ዩ ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ገሊፆም ‘ዮም።

ብገንዘቦም፣ ፍልጠቶም፣ ጉንበቶምን ፀሎትን ኣብቲ ስራሕ ዝተሳተፉ ኩሎም እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም። እቲ ምትሕብባር ኣብ ካልኦት ዓውድታት ክድገም ይግባእ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም።

ብዙሕ ፈተና ነይርዎ፤ ናብ ድሕሪት ንክንምለስ ብዙሕ ተጎቲትና ኢና ብምባል፥ ብውሽጢ ፈተና ብደገ ፅዕንቶ ነይሩና፤ ምስ ፈጣሪ ብምዃን ንኹሉ ተፃዊርና ነዚ በቒዕና፤ ይኹን እንበር እቲ ዓቐብ ኣብ ጫፍ በፂሕና እንበር ገና ኣይወዳእናዮን ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ ዝተለምናዮ ዛዚምና ፈጣሪ ከምእነመስግን እምነተይ ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም። ነቲ ግድብ ዝግበር ደገፍ ኩሉ ክሳብ ምዝዛም ንክንቅፅል በዚ ኣጋጣሚ ሓደራ እብል ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም ‘ዮም።

ብምኽንያት መበል ራብዓይን መዛዘምን ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላፎም ‘ዮም ።

በዚ መሰረት ድማ ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ክልላዊ መንግስቲ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር እንደሻው ጣሰው፣ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ራብዓይ ምምላእ ብዓወት ብምዝዛሙ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ብልፅግና ኹሎም ፀጋታትን ዓቕምታትን ብኣግባቡ ምጥቃም ኣድላይ ‘ዩ ኢሎም።

ብፓርቲ ብልፅግና ዝምራሕ መንግስቲ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ብቕልጡፍ መላእ ህዝብታት ንክሳተፉ ብምግባር ዝጀመሮ ፃዕሪ ብዝተለመደ ዓብይ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል እቶም ርእሰ ምምሕዳር ገሊፆም ‘ዮም። ኢትዮጵያ ሓበራዊ ልምዓት መሰረት ዝገበረ ንጎረባብቲ ሃገራት ቕድምያ ዝህብ ጉዳይ ወፃኢን ዲፕሎማሲን ኣንፈት ዝኽተል ‘ያ ኢሎም።

እዚ ኣንፈት መሰረት ገይሩ መንግስት ዝገበሮ ፃዕሪ ማእኸላዊ ክልል መንግስትን መለእ ናይቲ ክልል ህዝብታት ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ዝበሉ ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም ‘ዮም። ድሮ ሓዱሽ ዓመት ፅንብል ዓወት ዝኾነ ግድብ ህዳሰ ራብዓይ ዙር ምምላእ ማይ ብዓወት ምዝዛሙ እንኳዕ ደስ በለኩም ከምዝበሉ ናይቲ ክልል ኮሙኒኬሽን ገሊፁ ‘ዩ።

ከምኡ እውን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ሓጂ ኣወል ብወገኖም መበል ራብዓይ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብዓወት ብምዝዛሙ ንመላእ ኢትዮጵያውያን እንኳዕ ደስ በለኩም ድሕሪ ምባል እቲ ግድብ ብዓውይ ድፕሎማስያዊ ጥበብ ፣ ብስለት ብዘለዎ ኣመራርሓን ህዝብና ምትሕብባርን ኣብዚ ደረጃ ክበፅሕ ክኢሉ ‘ዩ ኢሎም፤ ኣብነት ሓድነትና ዝኾነ እዚ ግድብ እንኳዕ ደስ በለና ክሳብ ፍፃመ ንምብፃሕ ድማ ናይ ኹላትና ሓላፍነት ኣለና ኢሎም።

ርእሰ ምምሕዳር ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ እንኳዕ ደስ በለኩም ብምባል ናይ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዓሻራ ዝዓረፎ እዚ ዓብይ ግድብ ብዓወት ብምዝዛሙ ኣብ ድሮ ሓዱሽ ዓመት ምኳኑ እዚ ሓድሽ ዓመት ብሩህ መንፈስ ንክንቕበሎ ዝገብር ‘ዩ ኢሎም።

ናይ ደቡብ ክልል ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ጥላሁን ከበደ እዚ ግድብ ብዓወት ብምዝዛሙ እንድሕር ተሓባቢርናን ብሓደ ጠጠው እንድሕር ኢልና ታሪኽ ካብ ምስራሕ ጀሚርና ኣብ ዓለም ፖለቲካውን ኢኮኖምውን ፅዕንቶ ምሕዳር ከምንኽእል ዘመልክተናን ብልፅግና ምልክት ኮኾብና ‘ዩ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታ ዕንቅርፋት ዝኾኑ ፈተናታት እንተበፅሕና እውን ህዝባን ናይዚ ለውጢ ኣካል ዝኾነ መንግስትን ብፅንዓትን ሓድነትን ማንም ንድሕሪት ከምዘይጎትት ብተግባር ዘርኣናሉ ‘ዩ ኢሎም።

ህዝብንና ብናይ ባዕሉ ፃዕሪ ጥራሕ ካብ ድኽነት ብምውፃእ ንቀፃሊ ወለዶ ዘኹርዕ ታሪኽ ምውራስ ከምዝኽል እናረጋገፁ ‘ዩ።

ካብዚኦም ብርቂ ዝኾኑ ተስፋታት ዓብይ ዝኾነ ግድብ ህዳሰ ራብዓይን ናይ መወዳእታ ምምላእ ብዓወት ምዝዛሙ ንዓና ጥራሕ እንተይኾነስ ፀላእትና እውን ዘገረመ ከምዝኾነ ከይተሓለመ ዝተፈትሐ ሕልሚ ‘ዩ ኢሎም። ኣብዚ ግድብ እንገብሮ ሓገዝ ክሳብ ፍፃመ ኣጠንኪርና ክንቕፅል ኢና ኢሎም ‘ዮም።

ከንቲባ ድሬዳዋ ከድር ጁሃር ብወገኖም ግድብ ህዳሰ ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ ብስራታዊ ደወል ከምኡ እውን ብስራት ሓዱሽ ዓመት ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም። እዚ ግድብ ልምዓት ብምፍጣን ንመፃኢ ወለዶ ዝሓሸ ሃገር ንምርካብ ዝተጀመረ ኩሉመዳያዊ ጉዕዞ ኣብ ቦትኡ ንምብፃሕ ወሳኒ ከምዝኾነ እቶም ከንቲባ ገሊፆም ‘ዮም።

እዚ ምምላእ ማይ ምዝዛም ኢትጵያውያን ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ተደሚሮም ብሓባር ብፅንዓት ሰሪሖም ዘምፅእዎ ውፅኢት ‘ዩ እውን ኢሎም። ኣብ ቀፃሊ ኢትዮጵያውያን ሕብረትን ሓድነትን ፀኒዖም እንድሕር ሰሪሖም ዝሓሰብዎ ምስኻዕ ከምዝኽእሉ ፅቡቕ መርኣያ ‘ዩ አሎም።

ነበረት ድሬዳዋ ንዘላቒ ልምዓትን ሰላም ምርግጋፅን ዝገብርዋ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ብምቕፃል ንዝመፅ ወለዶ ዝሓሸት ሃገር ንምውራስ ንክሰርሑ እቶም ከንቲባ ፃውዐት ኣቕሪቦም ‘ዮም።

ምስ እዚ ተደሓሒዙ ድማ ማለት እውን መበል ራብዓይን መዛዘምን ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ምኽንያት ብምግባር ዝተፈላለዩ ምሁራን ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ‘ዮም። ግዜኢ ዘዛረቦም ምሁራን ከምዝበልዎ ኢትዮጵያ ናይ ሓባር ፕሮጀክት ዝኾነ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብዚ ብርኪ ምብፅሑ ናይ ሓባር ፃዕሪ ‘ዩ ኢሎም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ፖለቲካል ሳይንስ ዝኾኑ ዮናስ ኣሽኔ፣ ኣባይ ማንነት ኢትዮጵያ ፣ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ድማ ናይ ሎሚ ዓሻራ ወለዶ ናይ ፅባሕ ወለዶ ገፀበረከት ‘ዩ ኢሎም። እዚ ግድብ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንሃገራት ዘተሓባብር ዘተኣሳስርን ሓበራዊ ልምዓት መርኣያ ከምዝኾነ ዶክተር ዮናስ ተዛሪቦም ‘ዮም።

መምህር ኮተቤ ዩኒቨርሲቲ ፕሬዝዳንት ዶክተር ብርሃነመስቀል ጠና ብወገኖም ፣ ግድብ ህዳሴ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ዝዘራርብሉ ሓበራዊ ቋንቖኦም ከምዝኾነ እዮም ገሊፆም። ድኽነት ብምሽናፍ ንመፃኢ ወለዶ እነውርሰሉ ኣሻራ ሓድነትና ፣ ምልክት ሰዓሪነት ‘ዩ ኢሎም።

ትማሊ ዝገጠሙና ፈተናታት ብዓወት ሓሊፍና ናይ ሎሚ ፈተና ሓሊፍና ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ከምነምፅእ ዝሓለፍናዮ መገዲ መርኣያ ‘ዩ ኢሎም። ስለዚኾነ ድማ እዚ ግድብ ካብ ልመና እንወፀሉ ፣ ድኽነት እነሸንፈሉ ፕሮጀክት ብምኳኑ መላእ ኢትዮጵያውያን ነዚ ህንፀት ምዝዛም ፃዕሮም ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ ኣለዎም ኢሎም።

ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰ ንታሕተዎት ተተፋሰስቲ ሃገራት እኹል መጠን ማይ ክሓልፍ ብምግባር ዝተሳለጠ ከምዝኾነ ዝገለፁ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተማራማሪ ሃይድሮ ፖለቲክስን ኣባል ጉጅለ ተደራዳሪ ግድብ ህዳሰን ያእቆብ ኣርሳኖ (ዶ/ር) እዮም ።

ከምኡ እውን ራብዓይን ናይ መወዳእታን ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰ ብዓወት ምዝዛሙ ዕላዊ ብምኻኑ ምኽንያት ብምግባር ዘመሓላላፍዎ መልእኽቲ ኣባል ጉጅለ ተደራዳሪ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ያእቆብ ኣርሳኖ (ዶ/ር)፣ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ከይጅመር ብዙሓት ፅዕንቶታት እናተገበሩ ከምዝነበረ ኣልዒሎም።

እቲ ግድብ ህንፀቱ ካብ ዝጅመር ንደሓር ዝነበሩ ፈተናታት ኢትዮጵያ ብፅንዓት ከምዝሓለፈቶም ብምግላፅ ፣ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ምልኢት ማይ ምዝዛሙ ዝነበረ ፅዕንቶ ሙሉእ ብሙሉእ ዘቅልል ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ሰፊሕ ወፍሪ እናተገበረ ከምዝነበረ ብምግላፅ፣ ኢትዮጵያ ብዝሓዘቶ ትልሚ መሰረት ብምግባር ምልኢት ማይ እቲ ግድብ ብምዝዛማ መሰረት ዓብይ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ከምዘመዝበገት ኣብሪሆም ‘ዮም።

ናይ መወዳእታ ምልኢት ማይ እውን ንታሕተወት ተፋሰስ ሃገራት እኹል መጠን ማይ ክሓልፍ ብምግባር ከምዝተወገነ ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ኣብ ሉኣላዊ ግዝኣታ ዝርከብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ናይ ምጥቃም መሰል ከምዘለዋ ብዝግባእ ምግንዛብ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 3 መስከረም 2015 ዓ.ም

Recommended For You