ግድብ ሩባ ኣባይ ናብ ፍፃመ ክሳብ ዝበፅሕ ክልላት ሓገዘን ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላ ተገሊፁ -መበል ራብዓይ ዙር ምምላእ ማይ ብምዝዛሙ ናይ እንኳዕ ኣሐጎሰኩም መልእኽቲ ተመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፡- ግድብ ሩባ ኣባይ ናብ ፍፃመ ክሳብ ዝበፅሕ ዝተፈላለያ ክልላት ሓገዘን ኣጠናኺረን ከምዝቅፅላ ኣፍሊጠን። መበል ራብዓይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ኣባይ ብምዝዛሙ ናይ እንኳዕ ኣሐጎሰኩም መልእኽቲ ኣሕሊፈን።

መበል ራብዓይ ዙርን ናይ መወዳእታን ምምላእ ማይ ግድብ ኣባይ ብምዝዛሙ ዓቢዪ ሓጎስ ከምዝተሰምዖም ናይ ክልላት ርእሳነ ምምሕዳር ኣብ ማሕበራዊ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቶም ኣፍሊጦም። ክልላት ዓፋር፣ ሶማሊ፣ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ሲዳማ፣ ሃረሪን ኦሮሚያን ከምኡ ‘ውን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ኣዲስ ኣበባን መበል ራብዓይ ዙርን ምምላእ ማይ ግድብ ኣባይ ብምዝዛሙ ናይ እንኳዕ ደስበለኩም መልእኽቲ ኣሕሊፎም።

ናይ መበል ራብዓይ ዙር ምምላእ ማይ ናይ ምዝዛም ብስራት ሓዱሽ ዓመት ብታሕጓስ ንምጅማር ዝሕግዝን ዝተተሓዙ ትልምታት ብቆራፅነት ንምፍፃም ዘለዓዕል ‘ዩ ኢሎም።

ግድብ ኣባይ መርኣያ ኣይሰዓርን በሃላይነት፣ ዐሻራ ሓባር ታሪኽን ዓቢዪ ሓወልቲን እዚ ትውልዲ ብምዃኑ፤ ክሳብ ዝዛዘም ዝግበሩ ሓገዛት ተጠናኺሮም ከምዝቅፅሉ ኣፍሊጦም።

ኣባይ ካብ ሕምብርቲ ኢትዮጵያ ወፂኡ ንዘመናት ረብሓ ባዕዳውያን ኮይኑ ብምፅንሑ ዋላ እናጠዓሰና እንተፀንሐ ‘ውን ኣብ መወዳእታ ፍረ ኣባይ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ሓቂ ንምግባር ኣንሕና ኢትዮጵያውያን ቆሪፅና ተላዒልና ክንሰርሕ ፀኒሕና ኢና ክብሉ መልእኽታቶም ገሊፆም።

እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ‘ውን ካብ ፅባሕ ለውጢ ጀሚሩ ንፕሮጀክት ግድብ ሩባ ኣባይ ዓቢ ትኹረት ብምሃብ ካብ ላዕላዋይ ክሳብ ታሕታዋይ ብርኪ ናይ ኣመራርሓን ኣሰራርሓን ለውጢ ብምግባር፤ ነቲ ሕዝቢ ብምንቅቃሕን ብምትሕብባርን፤ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝተተለመሉ እዋን ንከይዛዘም ዕንቅፋት ዝኾኑ ብልሽዋት ኣሰራርሓ ብምቅናዕ፤ እቲ ግድብ ጋህዲ ንከይኸውን ዝደልዩ ፅዕንቶ ወፃኢ ፀላእትና ብምፅዋር፤ ሕቡእ ተንኮላት ኣምኪኑ፤ እቲ ግድብ ንረብሓ ህዝብታትና ንክውዕል ህልኽ ዘውድእ ቃልሲ ተገይሩ ሐዚ ንዝመፅአ መበል ራብዓይ ዙር ምምላእ ማይ ምብፃሑ ገሊፆም።

ኢትዮጵያውያን ንግድብ ኣባይ ዝገበርናዮ ሕብረት፤ ሓድነትን ጥንካረን ንወፃኢ ፀላእትና መርኣያ ኣይምብርከኽን ብምባል ዘርኣናዮ ናይ ዓላማ ፅንዓት፤ ግድብ ኣባይ ንምግሃድ ጥራሕ ዘይኮነስ ቀፃሊ ዕላማ ሰኒቅና ንዝተለዓልናሉ ብልፅግና መርኣያ ብሩህ ጉዕዞ ‘ዩ። ስለዝኾነ ዕላማ ብልፅግናን ትንሳኤ ኢትዮጵያን ርሑቅ ከምዘይኸውን ምርግጋፅ ዝክኣል ‘ዩ ኢሎም።

ተተሓባቢርናን ብሓድነት ደው እንተልና ታሪኽ ካብ ምስራሕ ሓሊፍና ብዓለም ፖለቲካ ኾነ ብኢኮኖሚ ልዑል ተፅዕኖ ምዕራፍ ከምእንኽእል ግልፂ ገይሩ ዘርአየና መንገዲ ብልፅግና ኾኾብና ‘ዩ። ብፅንዓትን ሓድነትን ህዝባን ብመንግስታዊ ለውጢ ዝኾነ ይኹን ናብ ድሕሪት ከምዘይጎትታ ብተግባር ምርኣያ ቀፂላ ኣላ።

ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ክንሰርሖም ዝተለምናዮም ብዙሓት ስራሕቲ ብምፍፃም ናብ ብልፅግና እንገብሮ ጉዕዞ ንምቅልጣፍ ልዑል ናይ ሞራል ስንቂ ብምዃን ብርተዐ ዝውስኽ ፅቡቅ ኣጋጣሚ ‘ዩ።

እቲ ግድብ ብልዑል ዲፕሎማሲያዊ ጥበብ፤ ብበሳል ኣመራርሓን ብናይ ህዝብና ምትሕብባርን ኣብዚ ብርኪ ክበፅሕ ኽኢሉ ‘ዩ። ዝተረፈ ስራሕቲ እቲ ግድብ ክላትና ነናይ ባዕልና ሓገዝ ብምግባር ናብ ፍፃመ ከምነብፀሖ እምነትና ‘ዩ ኢሎም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 3 መስከረም 2015 ዓ.ም

Recommended For You