ሓዱሽ ዓመት መግለፂ ሓዱሽ ተስፋ

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣዋርሕ መጀመርያ ወርሒ መስከረም ‘ዩ፡፡ ከምዝፍለጥ ናይ ኣዋርሕ መጀመርያ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ እዚ ወርሒ ድማ ነባር ሓደ ዓመት ተወዲኡ ሓድሽ ዓመት ምምፅኡ ዘበስር ወርሒ ‘ዩ፡፡

እዚ ሓድሽ ወርሕን ዓመትን ሓድሽ ዓመት ፣ እንቁጣጣሽ ፣ ቅዱስ ዮሃንስ እናተብሃለ ይፅዋዕ፡፡ ሓዱሽ ዓመት ማሕበረሰብ ዘቀራርብ ፣ ጎረቤት ንጎረቤት ፣ ቤተሰብ ንቤተሰብ ኣተኣኻኺቡ ሰላምን ፍቕርን ተስፋን ሒዙ ዝመፅእ ፅቡቕ ትምኒት መግለፂ ካብ ዝኾኑ ባዓላት እቲ ሓደ ‘ዩ፡፡

ኣብነት ፀልማት ተገይሩ ዝውሰድ እዋን ክረምቲ ሓሊፉ ቀትርን ለይትን ዝዘንብ ዝነበረ ዝናብ ጠጠው ኢሉ ዝኣረገ ዓመት ንድሕሪት ገዲፍና ሓድሽ ዓመት ንምቕባል ሃንሰይ መስቀለይ መፂኻ ዶ እናተብሃለ ዝድረፈሉ ከምኡ ‘ውን መንደራት ቆልዑ ተኣኪቦም ሆያሆየ ዝብልሉ ወርሒ መስከረም መጀመርያ ‘ዩ፡ ፡

ሓድሽ ዓመት ብሓድሽ መንፈስ ንምቕባል ዝግበር ምርብራብ ገና ካብ ሓደ ሰሙን እንትተርፎ ምፅራይ ገዛ ፣ ሓድሽ ኽዳን ንምግዛእ ዕዳጋ ምዛር ፣ እንድሕተር ዘይተገዚኡ ድማ ዘሎ ሓበሻ ኽዳውንቲ ወፂኦም ንክሕፀቡ ዝግበረሉ ካብቲ በዓል ቅድም ኢሉ ‘ዩ፡፡

ኣብ ድሮ እቲ በዓል ድማ ዕድጊት ደርሆ በጊዕ ፣ ሳዓሪ ፣ ዕጣን ቡን ፣ ሕንባሻ እንትስንከት፣ ጨና ሽንኩርትን ደርሆን እቲ ድሮ ባዓል ዓብይ ድምቀት ካብ ዝኾኑ ምንቅስቃሳት ‘ዮም፡፡ ሰገናት ደቂ ኣንስትዮ ኣበባዮሆሽ እንትብላ ፣ ሰገናት ደቂ ተባዕትዮ ድማ ስእሊ ስኢሎም በቢ ገዝኡ እናዞሩ እንኳዕ ኣብፀሐኩም እንትብሉ ናይ ሓድሽ ዓመት ትዝታና ከምዝኾነ ዝፍለጥ ‘ዩ፡፡

ሓድሽ ዓመት እንትመፅእ ኸባቢና ብዑደት ተፈጥሮ እንትቕየሩ ፣ ሜዳ ኾነ ጎቦ ብቢጫ ኣበባ ዝመልአሉ እዋን ‘ዩ፡፡ እዚ እዋን ግዘ ክረምቲ ሓሊፉ ሓድሽ ዓመት ምምፅኡ ዝብሰረሉ እዋን ‘ዩ፡፡ ተምሃሮ ንኽልተ ወርሒ ካብ ትምህርቲ ተፈልዮም ብምፅንሖም ቤት ትምህርቲ ንምኻድ ብሓድሽ መንፈስ ንምጅማር ብሃንቀውታ ዝፅበይሉ እዋን ‘ውን ‘ዩ፡፡

ሓደ ዓመት ሓሊፉ ካልእ ዓመት ብዝመፀ ቑፅሪ ኹሉ ሓድሽ ነገር ይምነ፡፡ ትልሚ ‘ውን የውፅእ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተተለመ ተሳኸዐ ኣይተሳኸዐ ንቕድሚት ዝመፅእ ሓድሽ ዓመት ግና ብሓድሽ ትልሚ ምጅማር ግድን ‘ዩ፡፡

ኣረጊት ዓመት 2015 ዓ.ም ንምስንባትን 2016 ዓ.ም ንምቕባል ዉሕዳት መዓልትታት ተሪፈናና ኣለዋ፡፡ እዚ በዓል ኣብ ዝተፈላለየ ኸባቢ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ ገዛ ዘፍረዮ ኣዳልዩ ንምቕራብ ኣብ ምድላው ኣሎ፡፡ እዚ ሓድሽ ዓመት ከም ውልቀኻ ትልሚ ከምትገብር ኹሉ ከም ሃገር ድማ ሰናይ ትምኒት ‘ውን እትገልፀሉ ወርሒ ‘ዩ፡፡ ሃገር ሰላም እንትኾውን ‘ዩ ከም ውልቀ ዝተተለሙ ተግባራዊ ክኾኑ ዝኽእሉ፡፡

ሃገር እንትረጋጋዕ ‘ዩ ባዓል ክኽበር ዝኽእል ፣ ሰላማዊ ሃገር ከምዘለና እንድሕር እምነት ሃልዩና ‘ዩ ኣውደ ኣመት ምኽባር ሕብረት ከምዝፈጥር ክንርዳእ እንኽእል፣ ‹‹እንኳዕ ኣብፀሓካቱም›› እንትበሃል ሕድሕድና እንትንከባበር ‘ዩ፡፡ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተፈጠሩ ፀገማት ንከይድገሙ ናይ ኹላትና ጥንካረ የድሊ፡፡

እዚ ሓድነትና፣ ባህልናን ሃይማኖትናን ባዓል ንከይሃስስ ኣብ ሕድሕድ ገዛና ኣብ ቅድሚ ተረከብቲ ወለዶ ዝኾኑ ሰገናት እነሪኦ ምክብባርን ፍቕርን ፅባሕ ከም ሃገር ዝምለሰልና ‘ዩ፡፡ ሎሚ እነንፀባርቖ ፍቕርን ሓድነትን ፅባሕ ኣብ ተረከብቲ ዓዲ ዝኾኑ ወለዶ እነስተውዕሎ ተግባር እዩሞ ሕድሕድና ሓላፍነት ኣለና። ርሑስ ቅነ ሓድሽ ዓመት፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 2 ጳጉሜን 2015 ዓ.ም

Recommended For You