መበል 14 መድረክ ‹‹ምእንተ ኢትዮጵያ›› ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ኣውደ-ርእይ ፎቶግራፍ “ምእንተ ኢትዮጵያ” ኣብ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ዝሓለፈ ሶኑይ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ምስ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምትሕብባር ዘዳለዎ መበል 14 ኣውደ-ርእይ ፎቶግራፍ “ስለኢትዮጵያ” ብከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ኣይተ ጌትነት ታደሰን ተመሪቑ ንምርኢት ኽፍቲ ተገይሩ ‘ዩ።

እቲ ኣውደ-ርእይ ፎቶግራፍ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓመታት ዝነበሩ ምስልታት፣ ፍሉያት ስራሕቲ እታ ከተማ፣ ሜጋ ፕሮጀክትታት፣ ንሰብ ዝጠመቱ ስራሕቲ ሓዊሱ ፍሉያት ዝኾኑ ስራሕቲ ዘርእዩ ፎቶግራፋት ተኻቲቶምሉ ዝነበረ ‘ዩ።

ነቲ ኣውደ-ርእይ ፎቶግራፍ ሚኒስትራት፣ ሓለፍቲ ስራሕ እታ ምምሕዳር ከተማ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ሽማግለታት ዓድን ዝተፈላለዩ ነበርቲ እታ ከተማን ዑደት ገይሮም ‘ዮም።

ኣብቲ ምድላው ዝተረኸባ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ መድረኽ ስለኢትዮጵያ ንሃገራዊ ምኽክር እታዎት ዝኸውን ሓሳብ ዝርከበሉ መድረኽ ‘ዩ ትፕኢ ዘዳልዎም መድረኻት “ስለኢትዮጵያ” ንሃገራዊ ምኽክር እታዎት ዝኸውን ሓሳብ ዝርከበሎም መድረኻት ‘ዮም ክብላ ገሊፀን ‘የን ።

ከምኡ ድማ “ኣዲስ ኣበባ ተምሳሌት ኢትዮጵያ” ብዝብል ቴማ ዝተዳለወ መበል 14 ዘተ ፓናልን ኣውደ-ርእይ ፎቶግራፍን “ስለኢትዮጵያ” ኣብ ሳይንስ ሙዚየም ተሳሊጡ ‘ዩ። ናይ ክብሪ ጋሻ እቲ መርሃ ግብሪ ዝኾና ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሃገርና ብ13 ዙር ውፅኢታዊ ዘተ ብምስላጥ ተስፋ ዝህቡ ምኽረ ሓሳባት ዝተረኸብሉ ‘ዩ ኢለን ‘የን ።

ስለኢትዮጵያ እንትንዛተይ ኩሉ ዜጋ ይምልከቶ ‘ዩ ኢልና ክንሓስብ ይግባእ። መድረኽ ስለኢትዮጵያ ንሃገራዊ ምኽክር እታዎት ዝኸውን ሓሳብ ዝሓዘ ‘ዩ ኢለን። እቲ መድረኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተሳለጠ ዝርከብ ተምሳሌት ኣፍሪካ ብምዃና ‘ዩ ፣ናብ ሃገራዊ ምርድዳእ ኣብ ዝብፅሐሉ ጉዳይ እናሰርሐት ከምዝኾነት ሓቢረን ‘የን።

“ስለኢትዮጵያ እንትነልዕል ስለሩባታታ እምባታታን ተፈጥሮኣን ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ መሬታ ስለዝነብሩ ሰባት ክኸውን ይግባእ” ዝበሉ ድማ ኣይተ ኣሸኔ ኣስቲን ኣባል ኮሚቴ ኣማኻሪ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢን ኣባል ፓርላማ ፓን ኣፍሪካኒዝምን ‘ዮም።

ኣብቲ መድረኽ “ንኹሉ ዘካትት ዴሞክራሲያዊ ኩነታት ፖለቲካ ኣብ ህንፀት ስርዓተ መንግስቲ ኢትዮጵያ” ብዝብል ርእሲ መዛተዪ ሓሳብ ኣቕሪቦም ‘ዮም። ኣብዚ ፅሑፎም ‘ውን፤ ስለኢትዮጵያ እንትነልዕል ንዛረቦ ስለእምባታታን ስለኣእዋማን ‘ዩ፤ ነዚ ሓሳብ ክንቕይሮ ኣለና ኢሎም።

ጠመተ ክንገብር ዘለና ኢትዮጵያ ኣብ ዝቐየሩ ሰባት ‘ዩ፤ ጎቦታታን ታሪኻዊ ወሓዝቲ ማያታን ክትፍለጥ ዝገበርዋ ሰባታን ብምፍላይ ትውልዲ ክፈልጥ ምግባር ይግባእ ክብሉ ሓሳብ ሂቦም። ብዙሓት ብዛዕባ ጋምቤላ እንትሓቱኒ ዝፈልጥዎ ብዛዕባ ሩባ ባሮን ብዛዕባ ተፍጥሮኣን ‘ዩ እምበር ኣብ ጋምቤላ ስለዝነብሩ ኣኝዋክ፣ ኑዌርን ኣብ ጋምቤላ ስለዝርከቡ ካልኦት ህዝብታትን ኣይኮነን” ኢሎም።

ኣነ እንተኾንኩ ‘ውን ብዛዕባ ውሕጅ ሩባ ኣባይ ‘ምበር ብዛዕባ ነባራይ እቲ ከባቢ ብዙሕ ኣይሰማዕኹን። እዚ ዘርእዮ ኣብ ሰብ ዘይኮነስ እናተተረኸልና ንዝፀንሐ ብዛዕባ ተፈጥሮ ጥራሕ ከምዝኾነ ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ነቲ ንደልዮ ንኹሉ ኣካቲትካ ምኻድ ምምፃእ ኣይተኽኣለን” ኢሎም።

መብዛሕቲና ንደቅና ክነምህሮም ዘለና ኢትዮጵያ ማለት ኣብ ጎኖም ዘሎ ሰብ ማለት ከምዝኾነ ‘ዩ፤ ነዚ እንተገይርና ሃገርና ንቕድሚት ክነፅንዕ ንኽእል ኢና” ክብሉ መልእኽቶም ኣሕሊፎም ‘ዮም።

ነበር ፕሬዝዳንት ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሃና ብወገኖም ‹‹ ኢትዮጵያ ንቕድሚት ምቕፃል ዝካኣል ኣብ ህፃናት ክስራሕ ከሎ ‘ዩ፣ ነዚ ድማ ኣዲስ ኣበባ ኣብነት ‘ያ›› ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም።

ኣብ መበል 14 ‹‹ስለኢትዮጵያ ›› ዘተ ፓናል ፅሑፍ ዘቕረቡ ነባር ፕሬዝዳንት ኣዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሃና ከምዝገለፅዎ፤ ቀፃሊት ኢትዮጵያ ምርኣይ ዝካኣል ኣብ ተተካኢ ወለዶ ብኣግባቡ ክስራሕ ከሎ ‘ዩ። ኣዲስ ኣበባ ናይ መመገቢ ማእኸላት ብምህናፅ እቲ ወለዶ ንክማሃር ኣብ ምግባር ትርከብ ።

ኣብ ህፃናት ቤት ትምህርቲ ዝተሰርሐ ስራሕ ንካልኦት ክልላት ኣብነት ክኾን ዝኽእል ተግባር ‘ዩ ኢሎም። ኣዲስ ኣበባ ናይ ፖለቲካ ጥራሕ እንተይኾነትስ ማእኸል ኢኮኖሚ ሃገር ‘ያ ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ በቢ ዓመቱ ብሸሞንተ ነጥቢ ሸሞንተ ሚኢታዊ እናዓበየ ‘ዩ፣ ዓመታዊ ዝተጠቓለለ ምህርቲ ልዕሊ ሓደ ነጥቢ ትሻዓተ ትሪሊዮን ብር በፂሑ ‘ዩ ‘ሎም።

ኣዲስ ኣበባ ናይ ወፃእን ሃገር ውሽጥን ትራንስፖርትን ንግዲን መሰጋገሪት ‘ያ፣ ሰለስተ ዓበይቲ ዩኒቨርሲቲ መንግስትን ልዕሊ ሚኢቲ ሓምሳን ውልቀ ኮሌጅ ዝሓዘት እንትትኸውን ኣዲስ ኣበባ ናይ ዓለም ዲፕሎማቲክ መቐመጢት ከምዝኾነትን፣ ኣብ ምስራቅ ኣፍሪካ ቐዳሚ ዝኾነ ቤተ መፅሓፍቲ ግልጋሎት ዝዋሃባ ከተማ ‘ያ ።

እንጠጦን ኣንድነት ፓርክን መዘናግዒ ቦታ ዝሓዘት ፈጣን ግልጋሎት ትራንስፖርት ዘለዋ ፣ ማእኸል ኢኮኖሚን ብዙሓት ግልጋሎት ባንኪ፣ ፋብሪካታት፣ ትካላት ትምህርቲ ፣ፓርክታት ኢንዱስትሪን ዝሓዘት ከተማ ከምዝኾነት ገሊፆም ‘ዮም።

ማእኸል ዲፕሎማሲ ሃገር ንምጥንኻር መድረኽ ስለ ኢትዮጵያ ዓብይ ዕድል ከምዝፈጥር ዝገለፁ ድማ ኣይተ ልኡልሰገድ ታደሰ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ጀነራል ዳይሬክተር ጉዳያት ዓለምለኸ ትካላት ‘ዮም።

‹‹ስለኢትዮጵያ›› ዝተብሃለ መድረኽ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ማእኽልነት ዲፕሎማሲ ንምጥንኻር ዓብይ ዕድል ዝፈጥር ‘ዩ። ኣብቲ መድረኽ ‹‹ከተማ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ዲፖሎማሲ ምኳና ኣጠናኺራ ንምቕፃል ክግበር ዘለዎ ቀፃሊ ኣንፈት ›› ብዝብል ርእሲ ፅሑፍ ዘተ ኣቅሪቦም ‘ዮም።

ምንቅስቓስ ዲፕሎማሲ ዓለም ተቐያያሪ ከምዝኾነን ብፍላይ ዓለም ለኸ ሓይሊ ኣሰላልፋ እናተቐየረ ብምምፅኡ ልክዕ ከም ‹‹ስለኢትጵያ ›› ዝበሉ መድረኻት ብምድላው ሰፊሕ ዘተ ብምግባር ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ዲፕሎማሲ ምኳና ኣጠናኺርካ ምቕፃል ይግባእ ‘ሎም። ዲጂታል ኢትዮጵያ ፣ ሰላምን ብልፅግናን ብምጥንኻር ኣዲስ ኣበባ ናይ ብዙሕ ወገን መድረኽ ምኽክር ኣዳላዊት ንክትኾን ምግባር ከምዝግባእ ‘ውን ኣፍሊጦም ‘ዮም።

ኣዲስ ኣበባ ብዓለም ለኸ ብርኪ ሳልሳይቲ ከተማ ዲፕሎማሲ ከምዝኾነትን ልዕሊ ሚኢቲ ሃገራት ኤምባሲታት፣ ስሳን ሸውዓተን ዓለም ለኸ ትካላትን ልዕሊ ሽድሽተ ሚኢቲ መንግስታዊ ዘይኾኑ ትካላት ዝርከብዋ ከምዝኾነት ገሊፆም ‘ዮም። ኢትዮጵያ ናይ ብዙሓት ወገን መገዲ ዲፕሎማሲ ዝኸፈተ ዓወት ዓድዋ ‘ዩ። ኣብ ቐረባ ኣባል ብሪክስ ምኳና ድማ ናይ ባዓል ብዙሕ ወገን መድረኻት ንምድላው ዝበለፀ ዝሕግዝ ‘ዩ ‘ሎም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ዶክተር እዮብ ተካልኝ ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ “ፕሮጀክትታት ጀሚርካ ምውዳእ ዘይኾነስ ወዲእኻ ምጅማር ዝተርኣየሉ እዋን ሕዚ ‘ዩ” ክብሉ ገሊፆም ዮም።

“ኣዲስ ኣበባ ተምሳሌት ኢትዮጵያ” ብዝብል ርእሲ እናተሳለጠ ኣብ ዝርከብ ዘተ ፓናል መዛተዪ ፅሑፍ ዘቕረቡ ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ዶክተር እዮብ ተካልኝ ከምዝገለፅዎ፤ ፕሮጀክትታት ጀሚርካ ፣ ምውዳእ ዘይኾነስ ወዲእኻ ምጅማር ዝተርኣየሉ እዋን ሕዚ ‘ዩ ‘ሎም።

ኣብ ሃገር በቀል ኢኮኖሚታት ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ዘበረታትዕ ምዃኑ ዝተዛረቡ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ፤ ፕሮጀክትታት ኣብ ዝተትሓዘሎም ግዜን ብዝተመደበሎም በጀትን ምዝዛም እናተኸኣለ ‘ዩ።

ቅድሚ ሕዚ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣይነበረን። ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ዝዓበየት ኢኮኖሚ ክትኸውን ‘ያ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ፕሮጀክትታት ናይ ምፍፃም ዓቕምና ካብቲ ሕዚ ዘለዎ ንላዕሊ ክነዕብዮ ኣለና ክብሉ ሓሳቦም ኣብሪሆም ‘ዮም።

ኣብ መስቀል ኣደባባይ ንህዝቢ ክፍቲ ዝኾነ ዓውደ-ርእይ ፎቶግራፍን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝገበረቶም ስራሕቲ ለውጥን ናብራ መነባብሮ ህዝቢ እታ ከተማ ንምምሕያሽ ዝተሰርሑ ስራሕትን ብፍላይ ሰብሃፍትን ነባራይ እታ ምምሕዳር ከተማ ኢድን ጓንትን ብምኳን ኣብ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ኸይድታት ዝሰርሕዎም ዓወታት ከምኡ ‘ውን ኣብ ዓለም ለኸ ዲፕሎማሲ ዝተሰርሑ ውፅኢታዊ ስራሕቲ፣ ንሰብ ዝጠመቱ ፕሮጀክትታትን ካልኦትን ኣብቲ ዓውደ-ርእይ ብዋናነት ዝድህሰሱ ‘ዮም።

እቲ ዓውደ-ርእይ ፎቶግራፍ ስለኢትዮጵያ ክሳብ 6 ጳጉሜን 2015 ዓ.ም ብነፃ ንምርኢት ኽፍቲ ኮይኑ ከምዝፀንሕ ምፍላጥ ተኻኢሉ ‘ዩ።

 መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 2 ጳጉሜን 2015 ዓ.ም

Recommended For You