“ከም ዕምበባ ብሓዱሽ ተስፋታት ዓንቢብና ዝመፅእ ዓመት ብተስፋ እንቅበለሉ ባይታ ክንፈጥር ኣለና” -ጋዜጠኛ ሲሳይ በሪሁ

ናይ ሎሚ ጋሻና ጋዜጠኛን ናይ ስነልቦና በዓል ሞያን ዝኾኑ ኣይተ ሲሳይ በሪሁ እንትኾኑ፤ ኣይተ ሲሳይ ሐዚ ብሞያ ጋዜጠኝነትን ከምኡ ‘ውን ብውልቆም ናይ ስነልቦና ፅሑፋት ብምድላው ኣብ ምስራሕ ዝርከቡ ኮይኖም ቀዳማይ ድግሪኦም ብሳይሎጂ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ማስተርስ ዲግሪኦም ድማ ብጆርናሊዝምን ኮሙኒኬሽንን ብተመሳሳሊ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ዝተመረቁ እንትኾኑ፤ ኣብ ሕውየት ህዝቢ፣ ሓዱሽ ዓመትን ተመሳሳሊ ዛዕባታትን ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ዝነበሮም ፃኒሕት ከምዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና፡፡ ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ:- ብተደጋጋሚ ዳግመ ሕውየት ዝብል ቃል ይስማዕ ‘ዩ ሕውየት እንታይ ‘ዩ?

ኣይተ ሲሳይ:- ሕውየት ክብሃል ከሎ ኣብዝ ሐዚ እዋን ብፍላይ ኣብ ትግራይ ክሓውዩ ዝግብኦም ብዙሓት ነገራት ‘ዮም ዘለው። እቲ ሓደ ሕውየት ክንብል ከለና ስነልቦናዊ ሕውየት ሓደ ‘ዩ። ካልእ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝተጎድኡ ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓታት ሓዊሱ ብሓፈሻ ኣካላውን ስነልቦናውን ‘ዩ።

ስነልቦናዊ ክንብል ከለና ከም ኣብ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተፈላለዩ ዕጡቃት ብዕስለ ይኹን ብውልቐ ዝበፅሐ ፆታዊ መጥቃዕትታት ስነልቦናውን ኣካላውን ጉድኣት ሰፋሕቲ ‘ዮም። ካብዚ ወፂኢ ኲናት ዘስዕቦ ብዙሕ ዓይነታት ጉድኣት ኣብ ውልቀ ኢሉ ‘ውን ኣብ መላእ እቲ ሕብረተሰብ በፂሑ ‘ዩ።

እዚኦም ክሓውዩ ዝኽእሉ ክሓዊ ኣለኒ ስለዝበልካ ጥራሕ ሕውየት ብቀሊሉ ክመፅእ ኣይክእልን፤ ብውልቐ ይኹን ኣብ ማሕበረሰብ ዝበፅሐ ጉድኣት ምቅባልን ካብ መበገሲኡ ምርዳእን የድሊ ‘ዩ። ምኽንያቱ ሕውየት ዝመፅእ መጀመርታ እቶም ዝተፈጠሩ ፀገማት ጉድኣታት ክትቅበሎምን ክትርዶምን ክትኽእል ከለኻ ኢኻ ነቶም ፀገማት መፍትሒ ክትናድየሎም እትኽእል።

ነዚኦም መፍትሒ ንምንዳይ ድማ ናይ ስነልቦና ምኽሪ ብበዓል ሞያታት ስነልቦና ከምኡ ‘ውን ብተወሳኺ ናይ ኣቦታት መራሕቲ ሃይማኖት ዝህብዎ ምኽሪ፣ ማዕዳን ሞራላዊ ሓገዝን ኣብ ሕውየት እቲ ዝተጎድኣ ማሕበረስብ ዘምፅኦ ኣበርክቶ ብቀሊል ዝርኣይ ኣይኮነን።

ኣብ ሕውየት ስነልቦና ዝሳተፉ ውሱናት ትካላት ኣብ ትግራይ ኣለው ‘ዮም። ዋላ እኳ እቶም ኣብዚ ዝሳተፉ ዘለዉ ቁፅሮም ውሕድ እንተኾነ ‘ውን ስርሖም ግና ቀሊል ዝብሃል ኣይኮነን። ስለዚ ነዚኦም ምድጋፍ ብጣዕሚ ‘ዩ ዘድሊ።

ንኣብነት ከም እኒ ‹‹መሰረት ሓዱሽ›› ንሕውየት ደቂ ኣንስትዮ ዝብል ትካል ፆታዊ ዓመፅ ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ሞራላውን ኢኮኖምያውን ብምሕጋዝ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ናብ ዝሐሸ ሂወት ንክመፅኣን ንክሓውያ እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ብጣዕሚ ዝድነቅ ስራሕ ‘ዩ።

ብተመሳሳሊ ማሕበር ኣጣይሾም ናይ ስነልቦና ማዕዳን ሓገዛትን ዝገብሩ ዝተፈላለዩ ትካላት ‘ውን ኣለው ‘ዮም። ነዚኦምን ካልኦትን ‘ውን ዓቅሚ ስለዝሓፅሮም ፋይናንሳዊ ይኹን ንዋታዊ ሓገዛት የድልዮም ‘ዩ።

ወጋሕታ:- ድሕሪ ኲናት ዝፍጠሩ ባህርያት ፀገም ስነልቦናን ኢኮኖሚያውን እንታይ ይመስሉ? ብኸመይከ ናብ ንቡር ሂወቶም ክምለሱ ይኽእሉ?

ኣይተ ሲሳይ:– ድሕሪ ኵናት ዝፍጠሩ ብዙሓት ናይ ስነልቦና ፀገማት ኣለው ‘ዮም።

ወይ ከዓ ድሕሪ ኲናት ዝፍጠር ናይ ኣእምሮ ምዝባዓትን ምጭንናቃትን ዝበሉ ይርኣዩ ‘ዮም። ናብዚ ናይ ስነልቦና ፀገም ዘብፅሑካ ድማ ኣብ እዋን ኲናት ዝበፅሑኻ ብዙሓት ፀገማት ‘ዮም። ንኣብነት ናይ ቀረባ ቤተሰብካ ምስኣን ናብ ሓዘን የውድቀካ።

ምሕዛን ድማ ናብ ጭንቀት ዓቅሊ ፅበት ከምርሕ ይኽእል ‘ዩ። ካብኡ ሓሊፉ ውን ብዙሓት ስድርኦም ብሓደ እዋን ዝሰኣኑ ሰባት ኣለው። ‘ዞም ሰባት እዚኦም ድሕሪ ዝፈትዎም ስድርኦም ሂወት ምቅፃል ከፅልኦም ይኽእል ‘ዩ። እዚ ከዓ ክሳብ ብሂወት ምንባር ናይዘይምድላይ ብርኪ ክበፅሕ ይኽእል ‘ዩ።

ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብንዋታዊ ክንሪኦ ከለና እቶም ንእዋናት ፅዒሮም ብዙሕ ዘፍርይዎ ሃፍትን ንብረት ዝዓነዎምን ዝተወረሮምን ሰባት ጥራሕ ኢዶም ክተርፉ ከለዉ፤ ዝፈጥረሎም ናይ ምጭንናቕ መንፈስ ብጣዕሚ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ኣብ ማሕበረሰብ ዓርሶም ዘጥፍኡ ሰባት ብዝወሰኸ ቁፅሪ ንባዕሎም ካብ ምጉዳኦም ብተወሳኺ ንኻልኦት ‘ውን ሞት ከለማምዱ ይኽእሉ ‘ዮም።

ስለዝኾነ ዓርሱ ዘጥፍእ ሰብ እንተበዚሑ ዓርሰ ምጥፋእ እናተልመደ ንክኸይድ ይገብር ‘ዩ። እዚ እናተለመደ እንተኸይዱ ድማ መሰረታዊ ፀገም እናኾነን ከም ማሕበረሰብ ድማ ዓብይ ፀገም እናኾነ ይመፅእ። ናይ ማሕበረሰብ ውድቅት ምልክት ‘ውን ‘ዩ ዝኸውን።

ስለዚ ተስፋ ሙቁራፅ ኣብ ብዙሓት መናእሰይ ክርኣይ ዝኽእል ፀገም ስነልቦና ዝፈጥሮ ‘ዩ። እዚ ስነልቦናዊ ፀገም ካብ ምንታይ ክነቅል ይኽእል እንተኢልና ድማ ሓደ ኣብ ባዕልቶም ዝበፅሖም ኣካልዊ ጉድኣት ክኸውን ይኽእል። ኣካል እንተዘይተጎድአ ‘ውን ስነልቦና ክጉዳእ ተስፋኻ ዝፅልምተሉ ኩነታት ‘ውን ክፍጥር ይኽእል ‘ዩ።

ኣብነት ኣብ ትግራይ እንተወሲድና ብዙሓት መናእሰይ ናብቲ ኲናት ኣትዮም ነይሮም ‘ዮም። ‘ዞም መናእሰይ እዚኦም ቅድም ኢሉ ክንልወጠሉ ኢና ኢሎም ተስፋ ዝገብሩሉ ዝነብሩ ሞያ ስራሕ ገዲፎም ‘ዮም ናብቲ ኲናት ኣትዮም። ድሕሪ ‘ቲ ኲናት ተመሊሶም ናብቲ ዝነበርዎ ስራሕ፣ ተስፋን ናይ ለውጢ ብርክን ንምምላስ ግዘ ክወስዱ ይኽእሉ ‘ዮም።

ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ኣብቲ ዝሓሰብዎ ሰዓት ናብ ልምዓት ስራሕ ተመሊሶም ክኣትው እናደለዩ፤ ብዙሓት ስራሕ ኣይረኽቡን። ናይ ባዕሎም ስራሕ ፈጢሮም ክጅምሩ እንተደለዩ ‘ውን መጀመሪ ስራሕ ዝኸውን ገንዘብ ዘይክረኽቡ ይኽእሉ።

መበገሲ ገንዘብ እንተዘይረኺቦም ድማ ፅባሕ ክንልወጥ ኢና ኢሎም ተስፋ ከይገብሩ ስለዝገብር ዘለዎም ኣማራፂ ካሊእ ዓይነት ኣማራፂ ንክወስዱ ይግደዱ ማለት ‘ዩ። እዚ ማለት ስራሕ ረኺብካ ክትልወጥ እንተዘይክኢልካ ናብ ካሊእ ዘየድልዩን ንገበናት ክትቃላዕ ትኽእል ኢኻ።

ገበናት ምስራሕ ማለት ሰብ ምኽታር ክኸውን ይኽእል ‘ዩ፤ ገዛ ምፉጋር ክኸውን ይኽእል ወይ ኣብ ከተማ ይኹን ኣብ ገጠር ምሽፋት፤ ናብ ከምዚ ዝበሉ ውሳነታት ክኣትዉ ዝኽእሉ መናእሰይ ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም።

ስለዚ እቲ ሓፈሻዊ ናይ ስነልቦና ፀገማት ክንሪኦ ከልና፤ ኣብ ኣእምሮ መሰረት ገይሮም ዝፍጠሩ ናይ ምጭንናቃት፤ ናይ ኣእምሮ ምርባሽ። ናይ ኣእምሮ ምርባሽ ዝፈጠሮም ድማ ተፀባይ ምዃን ክኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም። ‘ዚ ድማ ናይ ስነልቦና ምኽርታትን ማዕዳታትን ስለዘድልዮም ናይ ኣእምሮ ፀገም ዘለዎም ሰባት ብዙሕ ምሕብሓብ ዘድልዮም ሰባት ክፍጠሩ ይኽእሉ ‘ዮም።

 ብሓፈሻ ከምዚ ኦም ዝበሉ ፀገማት ‘ዮም ናይ ስነልቦና ፀገማት ክብሃሉ ዝኽእሉ። ካብዚ ወፃኢ ድማ ኣብ መሰረተ ልምዓታት ብዝፍጠር ዕንወት ክርኣዩ ዝኽእሉ ‘ዮም። ብኡ ልክዕ ኣብ ልዕሌኻ ዝፈጥሮ ሕርቃን ድማ ናይ ስነልቦና ፅዕንቶ ክፈጥር ይኽእል ‘ዩ።

ወጋሕታ:- ኣብ ውሽጢ ፀገም ስነልቦና ዘለው ወገናት ካብዚ ፀገም ንክወፅኡ ከመይ ዝበሉ ተግባራት ከዘውትሩ ይምከሩ?

ኣይተ ሲሳይ:- ፅቡቅ እቶም ፀገማት ከከም እቲ ፀገም ነናይ ባዕሉ መፍትሒ የድልዮም እንድዩ፤ ገሊኦም እቶም ክብድ ዝበሉ ፀገማት ናይ ሰብ ሞያ ሓገዝ ከድልዮም ይኽእል ‘ዩ። ካብኡ ብዝሓለፈ ግና እቶም ቅልል ዝበሉ ከም ጭንቅን ተስፋ ምቁራፅን ዝበሉ ነገራት ዓርስኻ ንምልቃቅ ክልተ ሰለስተ ተግባራት ምግባር የድሊ ‘ዩ።

ሓደ ቅልል ዝበሉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስፖርታዊ ምንቅስቃሳት ምግባር ፣ ካብዚኦም ብበዓል ሞያ ዝምከሩ ክኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም። ገሊኦም ድማ ቅልል ዝበሉ ኣብ ገዛ ባዕልና እንሰርሖም ናይ ስፖርቲ ዓይነታት ክኾኑ ይኽእሉ። ካሊእ ከም ኣብ ዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ውድድራት ምስታፍ ‘ውን ተመረፅቲ ‘ዮም።

ካሊእ ከም ዝተፈላለዩ ዓይነታት መፅሕፍቲ ምንባብ ካብቲ ዘለካ ናይ ምጭንናቅን ምርባሽን መንፈስ ስምዒት ከውፅኡኻ ስለዝኽእሉ፤ ከምኡ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ድሕረ ገፃትን ማሕበራዊ ሚድያን ዝርከቡ ስነልቦናዊ፣ ምራላውን መነቃቅሕቲ ማዕዳታት እናደለኻ ምክትታል ፅቡቕ ‘ዩ።

ካብኡ ሓሊፉ ከዓ ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ሃይማኖት ኣቦታት ዝህብዎም ማዕዳታት ምክትታል ናይ ባዕሉ ዝኾነ ረብሓ ክህብ ስለ ዝኽእል ናብ ከምዚ ዝበሉ ብምኻድ ናይ ምኽርን ማዕዳን ምስማዕ ፅቡቅ ኣማራፂ ‘ዩ።

ወጋሕታ:- ሐዚ ኣብ ዝሓለፈ ዝተፈላለዩ ተዝክሮታትን ውሽጢ ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ፅገማት ዝርከቡ ከም ተመዛበልቲ፣ ኣካል ጉዱኣትን መሰል ካልኦት ወገናት ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ሓዱሽ ተስፋን ሓዱሽ ራእይን ንክሪኡ እተሕልፎም መልእኽቲታት ወይ ተግባራት ከመይ ክኾኑ ኣለዎም?

ኣይተ ሲሳይ:- ፅቡቅ እቲ ሓዱሽ ዓመት ባዕሉ ሓዱሽ ክብሃል ከሎ ሓዱሽ ነገር ሒዙ ዝመፅእ እንድዩ ዝኸውን ዘሎ፤ ስለዚ ኮሉ ግዘ ንሓዱሽ ነገር ዓርስኻ ድልው ገይርካ ምፅናሕ ኣድላይ ‘ዩ።

እቶም ዝሓለፍናዮም ከበድቲ እዋናት ብዙሓት ሕማቃት ነገራት ዘሕለፍናሎምን ከምዝኾነ ‘ዩ ዝፍለጥ። ኾይኑ ግና ኩሉ ግዘ ኣብ ሓደ ነገር ተሽኺልካ ኣይትነብን ኢኻ። ስለዚ ካብቲ ዘለኻዮ ሕማቅ ኩነታት ወፂኻ ሓዱሽ ነገር ክፈጥር ኣለናኢ ኢልካ ክትብገስ ኣለካ።

ንሓዱሽ ነገር ዝኸውን ናይ ባዕልኻ ትልሚ ኣውፂኻ ከትዳለው ኣለካ። ምናልባት ዓቢዪ ትልሚ ዓቢዪ ለውጢ ዘይክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ንኣብነት ካብዝ ሐዚ ዘለኽዎ ስነልቦናዊ ፀቅጢ ከመይ ክወፅእ ኣለኒ? ክትብል ትኽእል ኢኻ።

ስለዚ ሐዱሽ ዓመት ክመፅእ ከሎ፤ ብሓዱሽ መንፈስ ክንቅበሎ ይግባእ። እቲ ዝሓለፈ ሕማቅ ነገር ዘጥፍአለይን ሓዱሽ ነገር ሒዙለይ ዝመፅእ ዓመት ‘ዩ ኢልካ ዓርስኻ ምእማን የድሊ።

ዓርስኻ ኣእሚንካ ኮፍ ኢልካ ምፅባይ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ብተግባር ‘ውን ዓርስኻ ክትልዓዓል ኣለካ። ምስ መን ተራኺበ እንታይ ዝሐሸ ነገር ክሰርሕ ኣለኒ ኢልካ ነገራት ናብ ዝሐሽ ንምልዋጥ ተበግሶታት ንክህልወካ ክትንቐሳቐስ ኣለካ።

ሐዚ ዓርስና ከመይ ንልወጥ ካልኦትከ ከመይ ይልወጡ ኣለዉ? ኢልካ ምዝርራብን ናብቶም ዝተለወጡ ሰባት ከይድኻ ‘ውን ልምዲ ምውሳድ ከድሊ ‘ዩ። እዚ ከምዚ እናሃለወ ዓመት በዓል ብዝመፅአ ቁፅሪ ፅቡቅ ዝፀንሐ ናይ ምትሕግጋዝ ልምዲ ‘ዩ ዘለና። ብፍላይ ሓዱሽ ዓመት በይንኻ ኣይብላዕን ተሓባቢርካ ተሓጋጊዝካ ‘ዩ ዝሕለፍ።

ስለዚ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዘለው ተጋሩ ኣብ ሓዱሽ ዓመት ክመፅእ ከሎ ካብኦም ዝገደደ ዝተመዛበለ ክሕግዝ ክኽእል ኣለዎ። ከምቲ ሓምሳ ሎሚን ንሓደ ሰብ ሽኽሙ ንሓምሳ ሰብ ግና ገይፁ ዝብሃል፤ ፀገማት ንሓደ ሰብ እንተሓዲግናሉ ሽኽሚ ‘ዩ ዝኾን እንተተኸፋፊልናዮም ግና ቀለልቲ ‘ዮም ዝኾኑ።

እና በዓላት ብዝመፅኡ ቁፅሪ እታ ኣነ በይነይ ዝበልዓ ዝነበርኩ ደርሆ ንክልተ ሰለስተ እንተተኻፊልናያ፤ ሓደ ዝበልዓ ዝነበረ በጊዕ ንኣርባዕተ ዝሓሙሽተ እንተተኻፍልናያ ዝቀለለ ይኸውን። ብስሩ ተኻፊልካ ምብላዕን ብሓባር ኮይንካ ምሕላፍ ‘ውን ታሕጓስ ስለዝፈጥርን ሰባት ብዝኸኣልዎ መጠን ናይ ምትሕግጋዝ ባህልና ተጠናኺሩ ክቅፅል ኣለዎ ይብል።

ወጋሕታ:- ኣብዚ ቕነ ሓዱሽ ዓመትሓዊሱ ብዙሓት በዓላት ዝኽበርሉ ምስምዃኑ እዞም በዓላት ኣብ ሕውየት ስነልቦናዊ እንታይ ኣወንታዊ ግደ ይህልዎም?

ኣይተ ሲሳይ:– ተጋሩ ወይ ኢትዮጵያውያን ብሓፈሻ ሓዱሽ ዓመት ክመፅእ ከሎ ብሓዱሽ ተስፋ ኢና ንፅበዮ።

‘ዚ ኣባና ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ካልኦት ህዝብታት ሓዱሽ ዓመት ብሓዱሽ ትልሚ ኢና ንፅበዮ። ንብዙሕ ዓመታት ክትገብሮን ዝትደልዮን ዝነበረካ ዘይገበርካዮ ነገራት ሓዱሽ ዓመት ክመፅእ ከሎ ሓዱሽ ትልሚ ብምውፃእ ንክትተግብሮ ናይ ምንቅስቃስ ልምዲ ኣሎ።

ብተፈጥሮ ‘ውን ሓዱሽ ዓመት ሓዱሽ ነገር ‘ዩ ዝመፅእ። ልሙዕ ከባቢ ዝርኣየሉን ዕምበባ ገልገለ መስቀል ዝወፅአሉ ምስ ምዃኑ፤ ‘ቲ ፀልማት ዝነበረ ናይ ክረምቲ ደበናን ሓያል ዝናብን ውሕጅን ወፂኡ ልሙዕን ብሩህን ከባቢ ዝርአየሉ እዋን ብሙዃኑ እቲ ተፈጥሮ ባዕሉ መንፈስ ዘሕድስ ‘ዩ።

ስለዝኾነ ‘ዚ ናይ ተፈጥሮ ምስሊ ምስ ሂወትና ኣተሓሒዝና ቅድም ክብል ዘይነበረ ምስሊ ሐዚ ለሚዑ ዓምቢቡ ክትሪኦ ከለኻ ሂወትና ‘ውን ብተመሳሳሊ ክምኡ ከምዝኸውን ኣሚንና ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ኣነኸ ንክልወጥ እንታይ ክገብር ኣለኒ ክንብል ኣለና።

ወጋሕታ:- ኣነ ዝነበራኒ ሕቶታት ውዲአ ኣለኹ ብኣኻ ወገን ክግለፅ ዘለዎ ከይተገለፀ ዝተረፈ ኣሎ ዝትብሎ እንተሃልይካ ናይ መወዳእታ ዕድል ክሕበካ?

ኣይተ ሲሳይ:- ዘየልዐልናዮ ጉዳይ ዘሎ ኣይመስለንን ይኹን እምበር ኣብዚ ኣነ ዝብሎ ንትሓጋገዝ ‘ዩ።

ገንዘብ ዘለዎ ብገንዘብ፣ ሞያ ዘለዎ ብሞያ፣ ሓሳብ ዘለዎ ብሓሳብን ብሞራልን እዚ ናይ ምትሕግጋዝ ባህልና እንተኣጠናኺርና፤ ሎሚ ኣብ ፀገም ዘሎ ሰብ ፅባሕ ክቅየር ይኽእል ‘ዩ። ሎሚ ሓደ ሰብ እንተቀይርና ፅባሕ ድማ ንሱ ካልእ ሰብ ክቅይር ስለ ዝኽእል፤ ሕውየት ክንብል ከለና ብኩሉ ነገር ክንሐዊ ክንተሓጋገዝ ኣለና ዝብል ክስመረሉ ይግባእ።

ኩሉ ብዝኽእሎ መጠን ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስናን ባህልናን እንተኣጠናኺና ካብ ኣቲናዮ ዘለና ፀገም ዘይንወፀሉ ምኽንያት ኣይህልውን። ሐዚ ኣብ ፀገም ዘለው ኣሕዋትና ክልተ ሰለስተ እንተቀይርና ንሶም ከዓ ክልተ ሰለስተ ሰባት ካብ ፀገም ከውፅኡ ስለዝኽእሉ ብዝተኽኣለና መጠን ንተሓጋገዝ ዝብል መልእኽቲ ‘ዩ ዘለኒ የቐንየለይ።

ወጋሕታ:– ኣነ ‘ውን ንዝሃብኩምኒ ጠቃሚ ሓበሬታን ምኽርን የቐንየለይ፡፡  

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 2 ጳጉሜን 2015 ዓ.ም

Recommended For You