ህዝብኻ ንምግልጋል ክሳብ መስዋእትነት ምኽፋል

ኣብ መወዳእታ ዓመት 2015 ዓ.ም መበል 13 ወርሒ ጳጉሜን ንርከብ። መብዛሕተአን ሃገራት ዓለም ብኣቋፃፅራ ጎርጎርዮስ (Gregorian calendar) ዝጥቐማ እንትኾና እዚ ብ12 ኣዋርሕ ዝተመስረተ ‘ዩ። ጳጉሜን ዝበሃል ወርሒ ስለ ዘይብለን ካብ 28-31 መዓልትታት መሰረት ዝገበረ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ግና ከምዝፍለጥ ናይ በዓላ ፊደልን ኣቋፃፅራን ዘለዋ ኮይና ካብዚ ዝተፈለየት ‘ያ። ብናይ ኢትዮጵያ ኣቋፃፅራ ዓሰርተ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣለዉ። ብጀካ መበል 13 ወርሒ ኩሎም ኣዋርሕ 30 መዓልትታት ዝሓዙ ‘ዮም።

መበል 13 ወርሒ እትርከብ ወርሒ ‹‹ጳጉሜን›› ትበሃል። ወርሒ ጳጉሜን መብዛሕትኡ ግዜ ሓሙሽተ መዓልታት ዝሓዘት ‘ያ። ኮይኑ ግና 6 መዓልትታት እትኾነሉ ‘ውን ኣሎ። እዚ ዝኾነሉ ብኣኳፃፀራ ግዝእ ‹‹ባህረ ሃሳብ›› ብዝብል ቀመር ዝስራሕ ‘ዩ። ስለዚ ሎሚ ዘበን ዘመነ ዮሃንስ ዝበሃል ኮይኑ 6 መዓልታት ዝሓዘ ‘ዩ።

ወርሒ ጳጉሜን ድሮ ሓዱሽ ዓመት ከምምዃና መጠን ሓዱሽ ብርሃንን ተስፋን እተስንቕ ፍሊቲ ወርሒ ‘ያ። ወርሒ ጳጉሜን ከምተን ካልኦት ኣዋርሕ ደሞዝ ዝኽፈለላ ወርሒ ኣይኮነትን።

ህዝብኻ ብናፃ ወይ ብዘይ መሃያ እተገልግለላ ወርሒ ‘ያ። ኣይክፈልን ኢልካ እትልገመላ ወርሒ እንተይኮነትስ ኩሎም መዓልትታት እናተሓጎስካን እናሰራሕኻን እተሕልፎም መዓልትታት ‘ዮም።

ሎሚ ዘበን ሽድሽቲኦም መዓልታት ጳጉሜን መንግስቲ ነኒሕድሕዲኦም መዓልቲታት ንስራሕ ብዘበራታትዕ ዝተፈላለየ ስያሜታት ሂብዎም ኣሎ። ምኽንያቱ ብዝተሰየመሎም ስያመ መሰረት ኩሎም መዓልትታት ብፍቕርን ሓድነትን ፍሉይ ትኹረት ተገይርሎም ዝኽበሩን ዝስረሐሎም መዓልታት ክኾኑ ኣብ ውሽጢ ግምት ብምእታው ‘ዩ።

በዚ መሰረት መንግስቲ ንናይ ሎሚ ዘበን ነኒሕድሕዶም ሽድሽቲኦም መዓልታት ጳጉሜን ከምዝስዕብ ዝተፈላላዩ ስያመታት ሂብዎም ኣሎ።

1ጳጉሜን ‹‹መዓልቲ ኣገልግሎት››

2ጳጉሜን ‹‹መዓልቲ መስዋእትነት››

3ጳጉሜን ‹‹መዓልቲ ሰናይ ተግባር››

4ጳጉሜን ‹‹መዓልቲ ኣፍራያይነት››

5ጳጉሜን ‹‹መዓልቲ ትውልዲ››

6ጳጉሜን ‹‹መዓልቲ ሓበራዊ›› ‘ዮም።

ሎሚ መዓልቲ ድማ 2ጳጉሜን ‘ዩ። 2ጳጉሜን ‹‹መዓልቲ መስዋእትነት›› ተባሂላ ተሰይማ ኣላ። መዓልቲ መስዋእትነት ከንብል እንተላና ኩሉ ሰብ ብዝተዋፈረሉ ዓውደ ስራሕቲታት ንህዝቡን ሃገሩን ንምግልጋል ብቖራፅነት ተላዒሉ መስዋእቲ ምኽፋል ማለት ‘ዩ።

ምእንተ ሃገር ክብል መስዋእቲ እናኸፈለ ዝርከብ ካብ ምንሻ እስካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልዑል ክብሪ ስለ ዘድልዮ ‘ዩ ለብዘበን መዓልቲ መስዋእትነት ተባሂሉ ዝተወሰነ። ብፍላይ መዓልቲ ዝኽሪ ምክልኻል ሰራዊት ሃገር ንሃገርና ልዑል መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን ኣብ መላእ ሃገር ቕድሚ ሕዚ ይኹን ሕዚ ንሃገር ህይወት ዝኸፈሉን እናኸፈሉ ዝርከቡን ብምዝካር ምድናቕን ምኽባርን ስለ ዘድሊ ‘ዩ።

እዞም ደቒ ህዝቢ ዝኾኑ ጀጋኑ ንሓንቲ ህይወቶም እንተይሰስዑ ንሃገሮም መስዋእቲ ዝኸፈሉን ሕዚ ‘ውን እናኸፈሉ ዝርከብሉ ምኽንያት ንሃገሮም ኣዝዮም ስለ ዝፈትዉ ዮም። ከምዝፍለጥ ለውጢ ክመፅእ እንተኾይኑ መስዋእቲ ምኽፋል ናይ ግድን ‘ዩ። ዝኾነ ሕብረተሰብ ንሃገሩ ብዝተዋፈረሎም ዓውደ ስራሕቲታት ውፅኢታዊ ስራሕ ክሰርሕ ኣለዎ። መስዋእቲ እንተይከፈልካ ዝመፅእ ዕቤትን ለውጥን የለን።

ንበዓልኻን ቐፃሊ ወለዶን ዝሓሸ ህይወት እትምነ እንተኾይንካ ናይ ስራሕ መስዋእትነት ዝሓተካ ምዃኑ ግልፂ ‘ዩ። ካብ ድኽነት ወፂእኻ ፅቡቕ ህይወት ከትነብር እንተኾይንካ መስዋእትነት ንምኽፋል ድልዊ ከትኸውን ኣለካ። ቐዳሞት ወለዲ ብዝተኸኣለ መጠን መስእቲ ከፊሎም ሃገር ኣረኪቦምና ‘ዮም።

ኮይኑ ግና ካብ ድኽነትን ድንቑርናን ኣየውፁኡናን። ይኹን እምበር ግዚኡ ዝምጥኖ ስራሕ ሰሪሖም ሓሊፎም ‘ዮም። ሕዚ ካባና ዝግበር ትፅቢት ሃገር ንቐፃሊ ወለዶ ምርካብ ጥራሕ ኣይኮነን። ግዜ ዝጠልቦ ስራሕ ምስራሕ ‘ውን የድሊ። ሰሪሕኻ ካብ ድኽነት ምምላጥን ንወለዶ ምዕብልቲ ሃገር ምርካብ የድሊ።

ብፍላይ ድማ ንሕና ተጋሩ ምስቲ ንኽልተ ዓመታት ዘጋጠመና ኩናት ስዒቡ ዝበፅሐ ኩለመዳያዊ ክሳራታት ንምክሕሓስን ንምሕያውን ብዙሕ ከንሰርሕ ትፅቢት ይግበረልና። ትግራይ ክልል ብዙሓት ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕባራዊን ፖለቲካዊን ክሳራታት ስለ ዝበፅሓ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ስቃይን መከራን ዝርከብ ምዃኑ ግልፂ ‘ዩ።

ነዚ ብምክሕሓስ ንቅድሚት ከንስጉም እንድሕር ኮይና ናይ ግድን ከም ሰራዊት ሃገር መስዋእቲ ከንከፍል ይግበአና። መስዋእቲ ከንከፍል ኣለና ክብል እንተለኹ ሰሪሕና ክልልና ከንልውጥ ሌትን ቐትርን ከንሰርሕ ኣለና መለት ‘ዩ። መስዋእቲ ማለት ንበዓልኻ ኮይንካ ንኻልኦት ‘ውን ምዃን ማለት ‘ዩ።

ንሕብረተሰብና ወይ ነታ እንፈትዋ ክልልና ንምሕጋዝ ከንረባረብ ኣለና። ብሰንኪ ኩናት ተፋናቒሉ ዘሎ ህዝብና ከንሕግዝ ኣለና። ብፍላይ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ነዚ ተሓሳቢ ብምግባር ብገንዘብ ይኹን ብጉልበት ክንተሓጋገዝ ይግባእ።

ብፍላይ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ካብ ፀገም ንምውፃእ ብሓዱሽ ተስፋ ከንለዓል ኣለና። ፀገማት ንምስዓር መስዋእቲ ምኽፋል የድሊ። መስዋእቲ ብዙሕ መልክዕ ክሕዝ ይኽእል ‘ዩ፣ ከም ግዜ፣ ሃፍቲ፣ ጉልበት ከይሰሳዕኻ ንህዝብኻ ምግልጋል ‘ውን ማለት ‘ዩ።

መስዋእቲ ንምኽፋል መጀመርታ ርእሰ-ምትእምማንን፣ ርህራሄን ልዕሊ ድሌታትካ ንኻልኦት ዘድልዮም ነገራት ቀዳምነት ንምሃብ ፍቓደኛ ምዃንን ዝመሳሰሉ የጠቓልል። መዓልቲ 2ጳጉሜን ንኻልኦት መዓልትታት ‘ውን ኣብነት ከትኸውን ኣለዋ። ኣብ ኩሎም ሴክተራት መስዋእቲ ከንኸፍል ኣለና።

መስዋእቲ ንምኽፋል ቖራፅነት ከትኸውን ይግባእ። ፍቕሪ ዓድኻን ህዝብኻን ክሓድረካ ይግባእ። ልዑል ፍቕርን ሓልዮትን እንትህልወካ ኢኻ መስዋእትነት ክሳብ ምኽፋል ንህዝብኻ መገልገሊ ከትኸውን እትኽእል።

መጀመርታ ንህዝብኻ ክተግልግል ርእስኻ ክተአምኖ ኣላካ፤ ህዝብኻ ክጥቐም እንተሎ ንበዓልኻ ተጠቓሚ ምዃንካ ምርዳእ የድሊ። ህዝቢኻ ክጥቐም እንተሎ ‘ዩ ዘላቒ ጥቕምኻ ‘ውን ክረጋገፅ ዝኽእል።

መጀመርታ ትርጉም ሃገርን ህዝብ ብምርዳእ ብቖራፅነት ምስራሕ። እንተይሰራኽኻ ብተኣምር ዝመፅእ ለውጢ ወይ ዕቤት የለን። ስለዚ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ተስፋን ብርሃንን ሰኒቕና መስዋእቲ ክሳብ ምኽፋል ንሓዱሽ ለውጢ ንለዓል።

 እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 2 ጳጉሜን 2015 ዓ.ም

Recommended For You