
2015 ዓ.ም እናተወደአ ናብ ሓዱሽ ዓመት እናተሰጋገርና ንርከብ። ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዓበይቲ ተጓንፎታት ኣጋጢሞማ ‘ዮም። ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኩናት ኣብ ሰብን ናውትን ብዙሕ ክሳራ ዘስዐበ ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን።
እዚ ንኽልተ ዓመታት ክካየድ ዝፀንሐ ኩናት ብሰላም ክጠናቐቕ ምኽኣሉ ሓደ ዓብዪ ዓወት ‘ዩ። እቲ ዝነበረ ኩናት ብሰላም ምፍትሑ ካብ ኢኮኖሚን ህይወት ሰብን ምብላዕ ሓሊፉ ሃገራዊ ሓንድነትን ልኣላውነትን ዘረጋገፀ ነይሩ። እዚ ካብ ምብትታን ዘድሐነ ‘ውን ብምዃኑ ናይዚ ዓመት እዚ ዓብዪ ዓወት ተባሂሉ ክውሰድ ዝኽእል ‘ዩ።
እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ምስ እዚ ጎኒ ንጎኒ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ዓወታት ኣሳኺዓ ‘ያ። ብፍላይ ኣብ 2015 ዓ.ም ካብ ዘሳኸዐቶም ዓበይቲ ዓወታት ውፅኢት ሕርሻን ዲፕሎማሲን ቐንዲ ተጠቐስቲ ‘ዮም።
ስርናይ ብምቕባል እትፍለጥ ዝነበረት ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ሕርሻ ቴክኖሎጂ ብምጥቓም ጠመተ ሂባ ብምስርሓ ስርናይ ብምፍራይ ናብ ደገ ሰደድ ገይራ ‘ያ። እዚ ክተሳኽዖ እያ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይመስልን ነይሩ። ኮይኑ ግና ዝተለመቶ ናብ ተግባር ብምቕያር ታሪኽ ሰሪሓ ‘ያ።
እዚ ዓወት እዚ ካብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ እታ ሃገር ሓሊፉ ምስሊ እታ ሃገር ‘ውን ብኣወንታ ደረጃ ክቕይር ክኢሉ ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ብፍላይ ድሕሪ ለውጢ ብዙሓት ፕሮጀክትታት ብምንዳፍ ኣብ ምስራሕ ፓርክታት ዕዙዝ ስራሕቲ ሰሪሓ ‘ያ። እዚ ብቐሊሉ ዝረአ ኣይኮነን።
ካሊእ ንዝሓለፉ ተካታታሊ ኣርባዕተ ዓመታት መላእ ህዝቢ ብምትሕብባር ዝተተኽሉ 25 ቢልዮን ፈልሲታት ዓብዪ ዓወት ኮይኑ ተመዝጊቡ ‘ዩ። እዚ ኣብ ከባብያዊ ኣየር ኣወንታዊ ለውጢ ብምምፃእ ንሃገርና ልዑል ክብሪ ዘጓናፀፈ ‘ዩ።
ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ብዓውዲ ዲፕሎማሲ ብዘርአየቶ ብቑዕ ስራሕቲ ኣባል ብሪክስ ከትኸውን ክኢላ ‘ያ። እዚ ውፅኢት ብቕዓት ዲፕሎማሲ ኮይኑ ዓብዪ ዓወት ‘ዩ። ቐሊል ዝበሃል ዓወት ኣይኮነን። ክብሪ ኢትዮጵያ ልዕል ዘብል ‘ዩ። ኢኮኖሚያዊ ፀገም ብዝተኸኣለ መጠን ክፈትሕ ይኽእል ‘ዩ ተባሂሉ ይእመን።
መንግስቲ ኣብ ሓዱሽ ዓመት 2016 ዓ.ም፣ ቕድሚ ሕዚ ንዝነበሩ ድኽመታት ንምፍታሕ፣ ዝነበሩ ጥንካረታት ድማ ንምቕፃል ተሓሳቢ ገይሩ እናተንቐሳቀሰ ይርከብ። ኣብ 2015ዓ.ም ዝተሳኽዑ ስራሕቲ ኣብ 2016 ንዝስርሑ ስራሕቲ ስንቒ ኮይኖም ከገልግሉ ዝኽእሉ እንትኾኑ እቶም ጉድለታት ድማ ጠመተ ሂብካ ንምቕረፍ ከምዝስራሕ መንግስቲ ገሊፁ ‘ዩ።
ሎሚዘበን ሽድስቲኦም መዓልቲታት ጳጉሜን እንትኽበሩ ነዚ ተሓሳቢ ብምግባር ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተሳኽዑ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተጣናኪሮም ክቕፅሉ፤ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከይተሳኽዑ ዝቐረዩ ድማ ካብ ዝሓለፈ ተሞክሮን ልምድን ብምውሳድ ንምቕራፍ ጠመተ ዝግበረሎም ምዃኑ መንግስቲ ነንሕድሕዲኦም መዓልታት ጳጉሜን ብኸመይ ክኽበሩ ከምዘለዎም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዝሃቦ መግለፂ ኣብሪሁ ‘ዩ።
መዓልትታት ጳጉሜን ነዚ ተሓሳቢ ብምግባር ክኽበሩ መንግስቲ ዝወሰነ እንትኸውን፤ ብዛዕባ ሓባራዊ፣ ኣገልጋይነት፣ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ወዘተ ብዘጣናኽር መልክዕ ክበዓሉ ወሲኑ ‘ዩ።
መንግስቲ ፀገማት ንምቕራፍ ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ እዚ ትውልዲ እዚ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ክነጥፍ ይግባእ። መንግስቲ ንሕድሕድ መዓልትታት ጳጉሜን ዝተፈላለየ ስያመታት እንትህብ ሃገራዊ ሓድነት ንምጥንኻርን ኣብ ሓዱሽ ዓመት ብሓዱሽ መንፈስ ተለዓዒልካ ንስራሕ ድልዊ ንምዃን ‘ዩ። በዚ ዝሓሸት ሃገር ንወለዶ ንምርካብ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ መንግስቲ ብቖራፅነት እናሰርሐ ‘ዩ ዘሎ። ኣብ ሓዱሽ ዓመት ሕድሕድ ዜጋ ድማ ነዚ ተሓሳቢ ብምግባር ብፍላይ ኣብዚ መፃኢ ሓዱሽ ዓመት ብሓዱሽ ተስፋ ተላዒሉ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ይግባእ። እዚ ትውልዲ ሓዱሽ ናይ ብርሃንን ተስፋን መንፈስ ሒዙ ንስራሕ ክለዓል ይግባእ።
እዚ ትውልዲ እዚ ብፍላይ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረሰባት ዝነብሩላ ሃገር ከምምዃና መጠን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ኣብ ምጥንኻር ክሰርሕ ኣለዎ። ዘተኣሳስር ስራሕቲ ኣብዝስርሑ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ይግባእ።
መንግስቲ ናይ ምድማር መርህ ተኽቲሉ ትውልዲ ከም ናይ ትማሊኡ ሓድነቱ ዘጣናኽረሉ ስራሕቲ እናሰርሐ ‘ዩ። እዚ ትውልዲ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ሓዱሽ ተስፋን ብርሃንን ሰኒቑ ልክዕ ከምናይ ቕድሚ ሕዚ ኣብ ሕማቕን ፅቡቕን ብሓባርን ብፍቕርን ንቕድሚት ክጎዓዝ ኣለዎ።
ወጋሕታ 2 ጳጉሜን 2015 ዓ.ም