
ሃገራት ርክብ ኽልትኣዊ ንምምስራት ብምትሕብባር እንትንሰርሕ ከመይ ዝበለ ናይ ሓፂርን ነዊሕን እዋን ጥቕሚ ክነኽብር ንኽእል ብዝብል መበገሲ ሓሳብ ብምግባር ከምዝኾነ ናይቲ ዘፈር ብያነ የመልክት። ኽልቲኣዊ ርክብ ካብ መንጎ ዝመስረታ ሃገራት እቲ ሓደ ክረኽቦ ዝደልዮ ጥቕሚ እንድሕር ዘይረኸበ ወይ ድማ ኣብ ምኽባር ጥቕሚ ዘይምርድዳእ እንተተፈጢሩ፤ኣብ ዝኾነ እዋንን ኹነታትን ርክቡ ክቋርፅ ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ፤መምርሒ ዓለምለኻዊ ርክብ ዘላቒ ጥቕሚ ‘ምበር ቀዋሚ ፀላኢ ይኹን ቀዋሚ ፈታዊ የብሉን ዝበሃል።
ሃገራት ዓለምለኸ ርክበን ዝመርሓሉ ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ ዝቐርፃ ነዚ መበገሲ ብምግባር እዩ። ኣብ ዓለምለኻዊ ርክብ እቲ ዋና መምርሒ ሂብካ ምቕባል እዩ። ነዚ እዩ ድማ ምሁራት ናይቲ ዘፈር ብዘይካ ሂብካ ምቕባል ርክብ ዓለምለኸ ጋህዲ ኣይኸውንን ዝብሉ።
ሃገራት ጥቕምና ኣይተኸበረን፣ንጥቕምና ዝፃረር ተግባር ተፈፂሙ እዩ ኢለን እንትሓስባ ወይ ድማ ዘይምርድዳእ እንትፍጠር ቕድም ክብል ዝምርሓሉ ዝነበረ ፖሊሲ ምልስ ኢለን ንኽግብጥኦን ሓደ ሓደ እዋን ድማ መምርሒ ዲፕሎማሲ ብምጥሓስ ዘለወን ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ልዕልነት ተጠቒመን ዝተፈላለዩ ፅልዋታት ብምሕዳር፤ኢድ ኻልኦት ንምጥዋይ ፃዕሪ እናገበራ ይርከባ። ነዚ ድማ ኣብ ትኽክለኛ መረዳእታ ዘይተደረኸ፣ንሓደ ወገን ዘዳሉን ናይ ሓሶት መረዳእታ ከም ፍልፍል ይጥቀማ።
ነዚ ድማ ኣብ ቐረባ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ማዕቀብ፤እገዳ ጉዕዞ ሰበስልጣንን ምኽንያት ናይቲ እገዳን ዓለምለኸ ተንታኒ ፊንላንዳዊ ሲሞ ፔካ ፓርቪያነን ‹<Tigrai Conflict,Homework Not Done by Western Counrties Has Led to Wrong Policy Action›› ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘሐተምዎ ፅሑፍ እንተብርሁ፣ኣብ ክልል ትግራይ ዝተገበረ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ መራኸብቲ ሓፋሽ ምዕራባውያን፤ብምኽንያት ኣብ መረዳእታ ሓቂ ከይተደረኹ ዝሰርሕዎ ግጉይ ፀብፃብ፤ ኣሜሪካ ግጉይ ውሳነ ንኽትውስን ከምዝገበራ ኣስፊሮም እዮም።
ኣብ ቐረባ እዋን ዑደት ስራሕ ዝገበሩ ሴናተር ጀምስ ኢንሆፍ፤ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘመሓላለፈቶ እገዳ ቪዛ ከም ዘመላኽቶ ‹‹ምምሕዳር ባይደን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገበሮ እገዳ ቪዛ ይቃወም›› ብምባል ኣብ ቕድሚ እቲ ሰኔት መብሪሂ ከም ዝሃቡ ይፍለጥ። ኣብዚ መብሪሂኦም ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ተመሳሳሊ መስርዕ ንምቕማጥ ምፍታን ተቐባልነት ከምዘይብሉ፤ኢትዮጵያ ኹሎም ሰላማዊ ፍታሓት ንምምፃእ እናሰርሐት ከምዝኾነትን፤ሰላምን ሓድነትን ካብ ምምፃእ ሓሊፋ ኻሊእ ኣካይዳ፤ከምዘይኸደትን በዚ ድማ እቲ ውሳነ ትኽክል ከምዘይኮነን ከምዝቃወሙ’ውን ምግላፆም ዝዝከር እዩ።
እቶም ሴናተር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት እኹል ግንዛበ ክጭብጡ ከምዝከኣሉን፤ኢትዮጵያ ኣብ እትሰርሖም ስራሕቲ ድጋፍ ንምግባር ቖራፅ ከምዝኾኑ ምግላፆም ኣሜሪካ ሓበራዊ ጥቕሚ ኣኽቢራ ኣብ ክንዲ ምኻድ ናይ ውልቃ ጥቕሚ ጥራሕ ንምኽባር ዝተለመቶ ግጉይ መስመር ከምዝኾነ ዘመላኽት እዩ።
ዲፕሎማሲ ወይ ድማ ኽልትኣዊ ወይ ባዓል ብዙሕ ዘፈር ርክብ፤ሃገራት ብዘለወን መትከል ሓበራዊ ጥቕሚ ተመስሪቱ ዝፍጠር ርክብ እዩ። ብመንፅር እዚ ‹‹ኣሜሪካ ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ትግራይ ተደሪኻ፤ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ቕድመ ኹነት ብምቕማጥ ዝብለኪ እንድሕር ዘይትሰምዒ ስጉምቲ ክወስድ እየ ምባላ ኣብ ሉኣላውነት ሃገር ምእታው ከምዝኾነ ፓርትና ይኣምን›› ክብሉ ኣመራርሓ ፓርቲ የኢትዮጵያ ዜጎች ለማህበራዊ ፍትህ (ኢዜማ) ዝኾኑ ኣይተ ግርማ ሰይፉ ኣብ ቐረባ ገሊፆም እዮም።
ብሓደ ወገን ዓቕሚ ምፍፃምን ንኽፍፀም ምግባርን መንግስቲ ዘዳኽም ተግባር እናሰርሑ፤ብኻልእ መዳይ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ፀገም ንኽፍታሕ ምሕታት ዝፃረሩ ጉዳያት ከምዝኾኑ ይዛረቡ። መንግስቲ እቲ ፀገም ንኽፈትሕ ድጋፍ ምግባር እናኸኣሉ ዓቕሙ ንኽዳኸም ምግባር ግና ብድሕሪት ኾይኖም ከሳኽዕ ዝደልይዎ ኻሊእ ድሌት ከምዘሎ ንምርዳእ ዕድል ዝህብ እዩ ይብሉ።
ሐዚ ኣሜሪካ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኢትዮጵያ ንዘላቶ ኹነታት ኣብ ግምት ውሽጢ ዘየእተወ ከምኡ ‘ውን፤ጥቕሚ ኣሜሪካ ከኽብር ዘይኽእል ከምዝኾነ ዝዛረቡ ኣይተ ግርማ ብኽልቲአን ሃገራት ዝተመስረተ ብምዃኑ ፈፂሙ ግቡእ ከምዘይኮነን ይገልፁ። ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ንዘሎ ራዕዲ ንምክልኻል ዘይትካእ ኽቡር ሰራዊት ክተሰማርይ ኸላ ኣሜሪካ ግና ህይወት ሰብ ዘይዕድግ ዶላር እናለኣኸት ከምዝፀንሐት የዘኻኽሩ።
ኣመራርሓ ፓርቲ ህብር ኢትዮጵያ ኢንጂነር ይልቃል ጌትነት፤ኣብ ቴሌቪዢን ኣርትስ ምድላው ‹‹ኣብይ ጉዳይ›› ኣብዝገበርዎ ፃንሒት ከምዝበልዎ፣ ኢትዮጵያ ብምድኻማ ጥቕማ ትስእን ትኸውን ‘ምበር እትረኽቦ ነገር የለን፤ንመርኣያ ቕድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝተረጋገዐ መንግስቲ፤ጥንኩር ወተሃደራዊ ዓቕምን ሓባራዊ እሴትን ኣፍቲ ከባቢ ዝስተውዓሉ ንዝነበሩ ምንቅስቓስ ራዕዲ ክዕገሱ ንምግባር ዕድል ፈጢሩ እዩ። በዚ መዳይ ድማ ኢትዮጵያ ኣጋር ከምዝነበረት ብምግላፅ ኢትዮጵያ እንተዘይተረጋጊዓ ተጎዳኢት ባዕላ ኣሜሪካ ከምእትኸውን ይገልፁ።
ኣሜሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘለዋ ጥቕሚ ንምሕላው ክትብል ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ሱዳንን ግብፅን ኣብ ዙርያ ግድብ ህዳሰ ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ብዘይኮነ ስምምዕነት ንኽዛዘም ድፍኢት እናገበረት ከምዝፀንሐት ዝዝከር እዩ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ብምፍጣር ነዚ ስምምዕነት ንኽትፍርም ካብ መንጎ እትጥቀመሉ ምኽንያት እቲ ሓደ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኹነታት ተጠቃሲ እዩ። እቲ ኹነታት ከም ዘተሓሳስባ ብምግላፅ ብህፁፅ ፍታሕ ንኽወሃቦ ብምትሕስሳብ፣ስምምዕነት ተኹሲ ጠጠው ምባል ንኽግበርን ምስ ራዕዳዊ ጉጅለ ድርድር ንኽግበር ብምድፍፋእን ሉኣላውነት ናይዛ ሃገር ብቐጥታ ዝዳፋእ ሕቶ ብምቕራብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምሕዳር እናፈተነት ከምዘላ ይገልፅ።
እዞም ወሃብቲ ርኢቶ ኣሜሪካ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘለዋ ብሄራዊ ጥቕሚ ንኽትሕሉ ክትብል ጥቕሚ ኢትዮጵያ እናረገፀት ከምዝኾነት ንምርኣይ ኣብ ቐረባ እዋን እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤም ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲን ዝበፅሐ ሰብኣውን ንዋታውን ማህሰይቲ ብዝምልከት ኣብ ዘውፀአቶ መግለፂ፣እስራኤል ዓርሳ ንምክልኻል ዝወሰደቶ ስጉምቲ ከምዝኾነን ግቡእ ከምዝኾነ ምምስካራ፤ኾይኑ ግና ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መከላኸሊ ሰራዊታ ንዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ፈፃሚ ጉጅለ ንዝወሰደቶ ስጉምቲ ምኽባር ሉኣላውነት ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ፈፂሙ ዘይመስል ተደራደሩ ዝብል ሕጫጨ ዝመስል መግለፂ ምውፅኣ ከም መርኣያ የቕርብዎ።
‹‹How to wreck a Black Nation In the Age of “Black Lives Matter“›› ብዝብል ርእሲ ዝተሓተመ ሓደ ፅሑፍ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ናይ ጉዕዞ እገዳን ኻልኦት ማዕቀባትን ኣብ ትኽክለኛ መረዳእታ ዝተመስረተ ከም ዘይኾነ ይዝርዝር። በዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ን30 ዓመታት ብርክት ዝበሉ ገበናት እናፈፀመ ዝነበረ ጉጅለ ድሕሪ እዘን ሰለስተ ዓመታት ኣብዛ ሃገር ዝተኸሰተ ለውጢ ብዘይምቕባልን ብርክት ዝበሉ መገዲ ጥፍኣት እናወሰኸ ፀኒሑ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ መከላኸሊ ሰራዊት ዘብፀሖ መጥቃዕቲ ስዒቡ ብዝተገበረ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ቕድም ክብል ናብ ዝነበሮ ስልቲ ውግእ ከምዝኣተወ ይገልፅ።
እዚ ኣብ ልዕሊ ሃገር ክሕደት ዝፈፀመ ጉጅለ ቕድም ክብል ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ትካላት ዝሓብኦም ኣባላቱ ከምኡ’ውን ብዝተረፎ ገንዘብ ዝዓደጎም መራኸብቲ ሓፋሽ ምዕራባውያን፣ ኣክቲቪስታት፣ ፖለቲከኛታት ከም ማሽን ፕሮፖጋንዳ ከም ዝጥቀመሎም እቲ ፅሑፍ ይገልፅ።
ብተወሳኺ ድማ ን27 ዓመታት ኣግዚፎም እናርኣይዎ ዝነበሩ ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ብዝተወሰደሉ ስጉምቲ ድምፁ ምጥፍኡ ስዒቡ፤ኒውዮርክ ታይምስ፣ዋሽንግተን
ፖስት፣ሲ ኤን ኤን፣ሮይተርስ፣ኤፒ፣ቢቢሲን ኻልኦት መራኸብቲ ሓፋሽ ምዕራባውያን እቲ ጉጅለ እናፈፀሞም ዝነበሩ ገበናት ብምሕባእ ኣጋርነቶም ብግልፂ ከምዘርኣዩ ኣፍቲ ዝርዝር ተገሊፁ እዩ።
ኣሜሪካ ንዝገበረቶ እገዳ ናይዞም ኣካላት ግጉይ መረዳእታ ምሃብ ጥራሕ ዘይኮነስ ዲፕሎማት ኢትዮጵያ ክሰርሕዎ ዝግባእ ዕዮ ገዛ ብኣግባቡ ብዘይ ምስርሖም ከም ዝኾነ ይዝረብ። እዚ ን27 ዓመታት ዝተሰርሐ ብልሽው ኣሰራርሓ ከምዝኾነ መምህራን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ሲቪል ሰርቪስ ኢትዮጵያን ዝኾኑ ዶክተር ከይረዲን ተዘራን ዶክተር ካሳ ተሻገርን ይገልፁ።
ዓለምለኸ ርክብ ኢትዮጵያ ምብልሻው ዝጀመረ ቕድሚ 30 ዓመታት ከምዝኾነ ዝገልፁ ዶክተር ከይረዲንን ዶክተር ካሳን ነዚ ዘምፅኦ ድማ መንግስቲ ኣብ ኣወሃህባ ሹመት ኣምባሳደር እናተመርሐሉ ዝነበረ ዝተበላሸወ ኣሰራርሓ ንምቕያር ተሓሲቡ ዝተጀመረ ስራሕቲ ሪፎርም እቲ ዘፈር ብህፁፅ ተግባራዊ ምግባርን ሙሉእ ብሙሉእ ብብዓል ሞያ ንኽስራሕ ምግባር ኣድላዪ ከምዝኾነ ይገልፁ።
ኣሜሪካ እቲ እገዳ ዘሕለፍክዎ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ንዘሎ ጉዳይ ክተስተኻኽል ዝሃብክዋ ናይ መአረምታ ምኽረ ሓሳባት ብዘይምቕባላ እዩ ትበል ‘ምበር ብዋናነት ዓለምለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ግና እቲ ጉዳይ ግቡእን ትኽክለኛ ብዘይኮነ መገዲ እናፀብፀቡ ኣየር ሰዓት ብምቁፅፃሮም፤ኣሜሪካ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘለዋ ጥቕሚ ንኽትሕሉ ንኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ግድብ ህዳሰ መስዋእቲ ንምግባር ብምድላያ ከምዝኾነ፤እዚ ድማ ሐዚ ዝተጀመረ ዘይኮነስ ኣብ ዘበነ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተጀመረ ከምዝኾነ እቶም ሙሁራን ይገልፁ።
ነበር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ጥቕሚ ሃገሮም ንኸሐልዉ ክብሉ ስምምዕነት ብምድላው ኢትዮጵያ ብግዲ ንኽትፍርም ንምግባር ብዝተፈላለየ መልክዕ ንምትእትታውን ፅዕንቶ ንምፍጣር ካብ ምፍታኖም ንላዕሊ ነቲ ስምምዕነት እንተዘይፈሪማ‹‹ግብፂ ነቲ ግድብ ክተፈንድኦ ትኽእል እያ›› እስካዕ ምባል ዝበፅሐ ዓይኒ ዘውፀአን መድልዎ ዝተመልኦን ከምኡ ‘ውን ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ዝዳፈር መልእኽቲ ምምሕልላፎም ከም መርኣያ የቕርብዎ።
ነዚ እዩ ድማ እቶም ሙሁራን ኢትዮጵያ እቲ ዘሎ ጋህዲ ዘርእዩን ፀብፃብ ምድላው ዝኽእሉን መራኸብቲ ሓፋሽ ምህናፅ፣ኣፍቲ ዘፈር ልምዲ ዘኻዕበቱ ኣምባሳደራትን ኣማኸርትን ኣፍርያ ተትኸውን ኣሜሪካ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ነቲ ቀጠና ሕልፍ እንትብል ድማ ንሃገራት ኣውሮፓን ንባዕላን ከም ዝጎድእን ከረድእዋ ምኽኣሉ ነይሮም ይብሉ። ምኽንያቱ ኣሜሪካ ዝገበረቶ እገዳ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዝጎድእ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንዘዕቖቡ ስደተኛ ዜጋታት 26 ሃገራት ‘ውን እዩ፤ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘይምርግጋዕ እንተተፈጢሩ ነዞም ስደተኛታት ሓዊሱ ልዕሊ 120 ሚሊየን ስደተኛታት ፀቕጢ ዝፈጥሩ ንሃገራት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ከምዝኾነ ክትርዳእ ምግባር ምተኽኣለ ነይሩ ይብሉ።
ኣሜሪካ ኣብ ግጉይ መረዳእታ ተደሪኻ ንዝወሰነቶ ግጉይ ውሳነ ብግጉይ መገዲ ኸይዳ ንኢትዮጵያ ዝሃበታ ምላሽ ናብ ተወሳኺ ጌጋ ከምዘእትዋን፤ዘይተደለየ ዋጋ ከኽፍላ ከምዝኽእል ዝገለፁ እቶም ሙሁራን እዚ ዝመፀ ጌጋ ድማ ብመሰረት ድኹም መምርሒ ዓለምለኸ ርክብን ልምድን ከምዝኾነ የረድኡ።
መንግስቲ ነዚ ፀገም ብምርዳእ ርክብ ኽልትኣዊ ንኽሕርፍፍ ድሌት ከምዘይብሉን እቲ ፀገም ንምፍታሕ ምስ ፈተውቲ ሃገራት እናተዘራረበ ከም ዝርከብ ብሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣቢሉ ምፍላጡ ኣብ ህድኣት ዝተመርኮሰ ኣካይዳ ከምዝኾነ እቶም ሙሁራን ይሰማምዑ።
እዚ ግጉይ ኣካይዳ ኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብ መላእ ሃገር ንዘለዉ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማትን ከምኡ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ፈተውቲ ሃገሮም ዝኾኑ ዜጋታት ከደራጅዉን ከተሓባብሩን ብዘይምኽኣሎም፤ጥንክር ዝበለ መራኸቢ ሓፋሽ ውሽጢ ዓዲ ብዘይምህናፆምን ሙሁራን ናይቲ ዘፈር ኣፍቲ ጉዳይ መብሪሂ ብዘይምሃቦም ከምዝኾነ እቶም ሙሁራን የልዕሉ።
ተመሳሳሊ ፀገም ንኸይኽሰት እንተተኸሲቱ ድማ ብህፁፅ ምዕራይ ንኽከኣል ነዛ ሃገር ወኪሎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማትን ዓቕሚ ከሐይሉን፣ሓደ ሓዲኦም ድማ መሰረታዊ ምምዕርራያት ምግባር፣በብኸባቢኡ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ምድርጃውን ንሃገሮም ፅቡቕ ኣስተዋፅኦ ንኸበርክቱ ምብርትታዕን፤ ካብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዝወፁ ዘረባታት ምሩፃትን ዝተመጠኑን ንክኾኑ እቶም ሙሁራን ይመኽሩ።
ብተወሳኺ ድማ ሃገር ንኢድ ኣታውነት እትቃላዕ ውሽጣዊ ሓድነታ ተናዊፁ ወይ ድማ ፀገም ገጢምዋ ተባሂሉ እንትግመት ስለዝኾነ፤ፓርትታት ፖለቲካ ኣብ መንጎ ጥቕሚ ፖለቲካን ሃገርን ዘሎ ኣፈላላይ ብምርዳእ ኣብ ጉዳይ ሃገር ሓበራዊ ቅዋም ብምሓዝ ኣፈላላይ እንተሃልዩ ‘ውን ብዲሞክራሲያዊ መገዲ ምዝታይ፣ኣብ ውሽጢ ሓደ ፓርቲ ፖለቲካ ዘለዉ ኣፈላላይ ሓሳብ ጉዳዮም ኣብ ውሽጢ ዝውዱኡሉ ኣሰራርሓ ተዘርግሑ፤ሙሁራን ድማ ሃገር ኣብ ከምዚ ዝበለ ፀገም እንትትወድቕ ሱቕተኦም ገዲፎም ትፅቢት ዝግበረሎምን ዝኽእልዎን ጥንኩር ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ ተመሳሳሊ ፀገማት ንምምካት ከምዘኽእል ይገልፁ።
ትርሓስ ፍቃዱ
17 ሰነ 2013 ዓ.ም