በዓል ናፅነት ኣዋልድ

ድሕሪ ምዝዛም ናይ 15 መዓልታት ፆም ፍልሰታ ብኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ኦርቶዶክሳውያን ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ዝኽበር በዓል እርገት ቅድስት ድንግል ማርያም ጀሚሩ ኣብ መላእ ትግራይን ኣብ ብዝሕ ከባቢታት ኣምሓራን ከምኡ’ውን ኣብ ጎሮቤት ሃገር ኤርትራን ብዝተፈላለየ ስማት ዝፍለጥን፤ ከም ኣሸንዳ፣ ማርያን ዓይኒዋሪን ኣብ ትግራይ ፤ኣሸንደየ፣ ሻደይን ሶለልን ኣብ ኣምሓራን ዝኣመሰሉ ኣብ መቓርብ ድሮ ሓዱሽ በዓል ዝኽበር ዓብይ በዓል ኣዋልድ ከምዝኾነ ይፍለጥ።


ኣብዚ ፍሉይ በዓል መናእሰያት ኣዋልድ በቢጉጅለ ተኣኪበን ፍሉይ ብዝበለ ነቲ በዓል መድመቒ ዝኸውን ከምጥልፊ ዝበሉ ባህላዊ ኣልባሳት፣ ከም ኣብ ክሳድ ዝእሰሩ መስቀላትን ኣብ እዝንን ኣብ ግንባርን ዝግበሩ ባህላዊ መጋየፂታት ከም ኩሕሊ ዝበሉ መፀባበቂን ካልኦትን ብምግባር ካብ ማንም እዋን ንላእሊ ፀቢቀንን ወቂበንን ኣብ ዙርያ ጎደናታት ከተማታተንን እናደረፋ፣ እንዳሳዕስዓን እናወደሳን የኽብራ። እተን ኣዋልድ በዓል ምኽባር ዝጅምርኦ ናብ ቤተ ክርስትያን ብምኻድ እንትኾን፤ ቐፂለን ድማ በቢገዝኡን በቢጎደናኡን እናዞራ በብዓመቱ ከምዘብዕላ ይፍለጥ።


ሎሚ ዓመት’ውን ከምቲ ኩሉ ዓመት ዝኽበሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እናተኸበረ ይርከብ። ከምቲ ቅድም ኢልና ዝገለፅናዮ ብስፍሓትን ብድምቐትን ከብ ዝክበረሉ ከባቢታት ትግራይ ሓደ ዝኾነ ብድምቐት እናተኸበረ ይርከብ።


ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንበዓል ኣሸንዳ ምኽንያት ብምግባር ቴሌቪዥን ትግራይ ነሓሰ 10 2015 ዓ.ም “ኣሸንዳ 2015 ዓ.ም ንሰላምን ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ፤ እንኾርዐሉ ሃይማኖታዊን ባህላውን ትውፊትና ጥራሕ ዘይኮነስ ሓድነትና እነጠናኽረሉን ዓብይ ቁጠባዊ ዓቕሚ እንፈጥረሉን ክኸውን ከምዝግባእ ገሊፆም ‘ዮም።


ብተመሳሳሊ ኣሽንዳ 2015 ዓ.ም ኣመልኺቶም ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶክተር ኣፅበሃ ገብረእግኣብሄር ከም ዝሓበርዎ፤ ኣብ ወፃእን ውሽጢ ዓድን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት በዓል ኣሽንዳ ከም ዝኽበር ብምሕባር፤ ኣሸንዳ/ማርር/ዓይኒዋሪ 2015 ዓ.ም ኣብ ወፃእን ውሽጢ ዓድን ብዝተፈላለዩ ምድላዋትን ብዝወፅአሉ መርሃ ግብሪ መሰረት እናተኸበረ ከምዝርከብ ገሊፆም ‘ዮም።

በዚ መሰረት ምርኢት ጎደናን ምብራህ ጥዋፍን ዝኽረ ሰማአታት ዝካያድ፣ ምርኢት ደቂ አሽንዳ፣ ማርያን ዓይነ ዋሪን ኣብ ኩሎም ከባቢታት ትግራይ፣ ኣሽንዳን ሃይማኖታዊን ክብሪታትን ብዝምልከት ዘተ ምካያድ፣ ውድድር ጉያ ደቂ ኣንስትዮ 5 ኪሎ ሜትሮ ብምትሕብባር ኣትሌቲክስ ፌደረሽን ትግራይን ገባሪ ሰናይ ትካል ፎሮም ኣክሽንን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካልኦት ከባቢታትን ኮንሰርት ብምክያድ እናተኸበረ ምዃኑ ድማ ይፍለጥ።

እቲ በዓል፣ “ኣሽንዳ 2015 ዓ.ም ንሰላም ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን” ብዝብል ህልው ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ቁጠባዊ፣ ባህላዊ ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊ ብዝገልፅ መልክዑ ከም ዝኽበር ዝጠቐሱ እቶም ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ፣ኣብ ትግራይ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብዝተፈጠረ ኲናት፣ ኣሸንዳ/ማርያ/ ዓይኒዋሪ ብዕሊ ከም ዘይተኸበረን ሰብ ዋና እዚ በዓል ዝኾና ኣዋልድ ትግራይ ሞት፣ ኣካላውን ስነ ልቦናዊ ሃስያ ከም ዝበፅሐንን ብምዝኽኻር፤ እንተኾነ ግና ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ በዙይ እንተይተሰኮና ስነ ልቦነአን ብምሕዋይ ኣብ ልምዓት ክረባረባን ዳግመ ህንፀት ትግራይ ከረጋግፃን ፀዊዖም።


ብተመሳሳሊ ናይ ክልል ኣምሓራ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ርክብ ህዝቢ ሓላፊ አበበ እምቢአለ ከምዝበልዎ፤ ኣብ እዋን ክረምቲ በቲ ክልል ብዙሓት በዓላት ይካየዱ ‘ዮም ፤ ብፍላይ ክዓ ናይ ቡሔ ብዓል ወይ ክዓ ደብረታቦር ኣብ ደብረታቦር፣ ሻደይ ኣብ ዋግኽምራ፣ኣሸንድዬ ኣብ ላስታ ላሊይበላ፣ሶለል ኣብ ራያ ቆቦ፣ ኣብ ምብራቕ ጎጃም ኽዓ እንገጫ ነቐላን ከሴ ኣጨዳ ብደምቀት ይኽበር ‘ዩ ብምባል፤ እቶም ክብረ ብዓላት ናይቲ ህዝቢ ባህላዊን ሃይማኖታዊን ኽብሪታት መግለፅታት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።


ናይ ሻደይ፣ አሸንድዬን ሶለል በዓላት ናይ ደቂ ኣንእስትዮ ነፃነት ዝግለፀሉ ብዓል ከምዝኾኑን እቶም ብዓላት ብዙሓት ናይ ውሺጢ ዓዲን ወፃኢን ጎብነይቲ ከምዝስሕቡን፤ ዓቕሚ ቱሪዝም ዘበርትዕ ከምዝኾነ ‘ውን ገሊፆም ‘ዮም።


ኣብ ክልል ኣምሓራ ብ2015 ዓ.ም በጀት ዓመት ሊዕሊ 15.1 ሚሊዮን ጎብነይቲ ኣብቲ ክልል ከምዝጎብኒነዩን፤ በቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 5 ነጥቢ 3 ቢሊዮን ብር ኣታዊ ተረኽቡ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፤ ብሚሊዮን ዝቑፀሩ ጎብነይቲ ዝጎብነይዎ ብቢልዮን ዝቑፀር ኣታዊ ዝተረኸበሉ ኣብቲ ክልል ሰላም ስለዝነበረ ብምዃኑ ኣብሪሆም ‘ዮም።


ብሓፈሻ በዓል ኣዋልድ ኣሸንዳ/ሻደይ… ዝመሳሰሉ ዘለዎም ባህላውን ሃይማኖታውን ክብርታት ከምዘሎ ኮይኑ ቱሪዝም ሃፍቲ ኣብ ምዕዛዝ ዘለዎም ግደ ቐሊል ኣይኮነን። ንዚ ድማ ሰላም ጣዕሚ ኣድላይ ‘ዩ።

ኣብዚ ወርሒ ዝኽበሩ በዓላት ጥራሕ ኣብ ክልላትን ብሓፈሻ ድማ ከም ሃገር ዝርከብ ኣታውን ኣብ ምህናፅ ገፅታ እታ ዓዲን ዝልዓለ ኣበርክቶ ክህልዎም ከምዝኽእል ብምዝካር፤ ዘተኣማምን ሰላም ንክሰፍን ኩሉ ናይ ባዕሉ ግደ ክፃወት ይግባእ።


ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 18 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

Recommended For You