ዓወታት ኢትዮጵያ ኣብ ቡዳፔስት

ኣብቲ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ውድድር ፍፃመ 10 ሽሕ ሜትር ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ሒዘን ብምዝዛም ታሪኽ ሓምለዋይ ውሕጅ ደጊመንኦ። በዚ ርሕቐት ብደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተመሳሳሊ ታሪኽ እንትሰርሓ እዚ መበል ሳልሳይ ‘ዩ።

ቅድሚ ሕዚ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2001 ኣብ ሻምፒዮና ኤድመንተን ደራርቱ ቱሉ፣ ብርሃኔ ኣደሬን ጌጤ ዋሚን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኮይነን ዝዛዘማ ኣትሌታት እንትኾና ኣብ 2005 ኣብ ሄልሲንኪ ጥሩነሽ ዲባባ፣ ብርሃኔ ኣደሬን እጅጋየሁ ዲባባን ነዚ ታሪኽ ሰሪሐን ‘የን።

ኣብ ዝሓለፈ ሻምፒዮና ብ10 ሽሕ ሜትር ለተሰንበት ዝረኸበቶ ወርቂ ሜዳልያ ኣብ ታሪኽ ሻምፒዮና ንኢትዮጵያ መበል ሻምናይ ወርቂ ሜዳልያ ‘ዩ ነይሩ። ሎሚ እዚ ኽብረወሰን ብጉዳፍ ፀጋይ ቐፂሉ።

እቲ ወርቂ ሜዳልያ ካብታ ትውልደ ኢትዮጵያዊት ኔዘርላንዳዊት ኣትሌት ሲፈን ሃሰን ንምቕዳም ህክኽካ ዘወድእ ቓልሲ ኣወዳድኣ ዝገበረት ጉዳፍ ብ31:27.18 ቐዳመይቲ ኮይና።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሻምፒዮና ዝተዓወተት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ብ31:28.16 ኻልአይቲ፣ ብ31:28.31 ሰዓት እጅጋየሁ ታዬ ሳልሰይቲ ኾይነን ወዲአን።

እዚ’ውን ኣብ ፈላማይ መዓልቲ ሻምፒዮና ቡዳፔስት ኢትዮጵያ ብሓደ ርሕቐት ጥራሕ ሰለስተ ሜዳልያታት ብምእካብ ኣብታ ማእኸላዊት ኣውሮፓ ደሚቓ ንኽትረኣይ ገይሩዋ።

በዚ ርሕቐት ጌጤ ዋሚ ብ1999፣ ደራርቱ ቱሉ ብ2001፣ ብርሃኔ ኣደሬ ብ2003፣ ጥሩነሽ ዲባባ ብ2005፣ ብ2007ን ብ2013 ከምኡ ‘ውን ኣልማዝ ኣያና ብ2017 ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ሸውዓቲአን ወርቂ ሜዳልያታት ረኺበን።

ሸውዓተ ብሪ ሜዳልያታት ብርሃኔ ኣደሬ ብ2001ን ብ2005ን፣ ወርቅነሽ ኪዳኔ ብ2003፣ መሰለች መልካሙ ብ2009፣ ገለቴ  ቡርቃ ብ2015፣ ጥሩነሽ ዲባባ ብ2017 ከምኡ ‘ውን ለተሰንበት ግደይ ብ2019 ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ረኺበን።

ኣርባዕተ ነሓስ ሜዳልያታት ድማ ጌጤ ዋሚ ብ2001፣ እጅጋየሁ ዲባባ ብ2005፣ ውዴ ኣያሌው ብ2009ን በላይነሽ ኦልጅራ ብ2013ን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ተጎናፂፈን።

ኣብቲ ሻምፒዮና ብ ሓደ ሽሕን 500 ሜትር ፍርቂ ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ ብርቄ ሓየሎም ብ4:02.46 ሰዓት ኻልአይቲ ብምዃን ናብ ፍፃመ እንትሓልፍ ካብ ካልእ ምድብ ድርቤ ወልተጂ ‘ውን ኻልአይቲ ብምዃን ናብ ፍፃመ ሓሊፋ።

ኣብ ኻልኣይ መዓልቲ መበል 19 ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ዓለም ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሜትር ደቂ ተባዕትዮ ብሰለሞን ባረጋ ነሓስ ሜዳልያ እንትረክብ በሪሁ ኣረጋዊ ድማ መበል ራብዓይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ።

ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ብደቂ ኣንስትዮ ሓደ ሽሕን 500 ሜትር ውድድር ፍፃመ ድርቤ ወልተጂ ሜዳልያ ብሩር ረኺባ።

ብሰለስተ ሽሕ ሜትር ውድድር ፍፃመ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ለሜቻ ግርማ ሜዳልያ ብሩር ረኺቡ ኣሎ።

 በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 18 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

Recommended For You