“ሓምላዋይ ዓሻራ ሂወት ሰባት ወይ እዛ ፕላኔት በቲ ዘለዋ ስሩዕ ዑደታ ንክትቕፅል ዝግበር ምንቕስቓስ ‘ዩ” –  ዶክተር መሓሪ ግርማይ

ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ እፀዋትን እንስሳትን ከምኡ’ውን ረቂቅ ተህዋሲያን ዝርከቡሎም ናይ ዝተፈላለዩ ስነ ምሕዳራት ዝርከበላ ሃገር ‘ያ። ፅንሰ ሓሳብ ስነ ምሕዳር ካብ እንግሊዝኛ ዝመፅአ ‘ዩ ይብሃል።

እዚ ናይ ስነ ምሕዳር ፅንሰ ሓሳብ ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ ከባቢ 1930 ጀሚሩ ክልዓል ከምዝጀመረ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት የመላኽቱ። ከምዝፍለጥ ምድራዊ ስነ ምህዳር ኣብ መሬት ውሽጢ ዝርከቡ ተፈጥሯዊ ስርዓት ኮይኑ ኣብዚ ውሽጢ ድማ ዝተፈላለዩ ደንታት ፣ ከም ቆጥቋጥ ዝበሉ ዱራት ዝሓወሰ ‘ዩ።

ናይ ሎሚ ጋሻና ዝኾኑ ኣብ ትካል ምርምር እፅዋት ጉለሌ ላዕለዋይ ተመራማሪ ስነ እፅዋትን ስነ ምህዳርን ዶክተር መሓሪ ግርማይ ምስዚ ዛዕባ ተተሓዝነት ዘለዎን ኣብ ወፍሪ ሓምላዋይ ዓሻራ ሃገርና ትኹረት ዝገበረ ምስ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና፤ ሰናይ ንባብ፡፡

ሕቶ:- እፅዋት ንደቂ ሰባት ጥራሕ ዘይኮነስ ንኹሉ እንስሳት’ውን ዘለዎ ረብሓን ማሕበረሰብና ዘለዎ ግናዘበን እንታይ ይመስል?

ዶክተር መሓሪ:– ረብሓ እፅዋት ክንርኢ ከለና እፅዋት ኣብ መሬት ዘለው ወይ ኣብ ፕላኔት ዘለው ኩሎም ሂወት ንክቅፅል ዝገብር መሰረታዊ ነገር ‘ዩ። መብዛሕትኡ ሂወት ሰብ ይኹን ናይ እንስሳት ምትእስሳሩ ምስዙይ ‘ዩ።

ማሕበረሰብና’ውን ኣብዚ እኹል ግንዛበ ኣለዎ ምባል ይከኣል ‘ዩ። ምኽንያቱ እቲ ዝብዝሕ ማሕበረሰብና ኣብ ገጠር ‘ዩ ዝነብር፤ ብኣጋጣሚ ድማ ምስ ስነ ሕርሻ ዝትሓሓዝ ኣግሮ ፎረስተሪ እንብሎ ዘለና መብዛሕትኡ ምስ ዝህቦ ዝለዓለ ጥቅሚ እኹል ዝኾነ ፍልጥት ኣለዎ ኢለ ይሓስብ።

ይኹን ‘ምበር ኩሉ ሓደ ዓይነት ፍልጠት ኣለዎ ኢልካ ምውሳድ ኣይክኣልን፡፡ ስለዝኾነ ኣብዚ ሓደ ዓይነት ምርድዳእ ንክበፅሕ ጎስጓስ ከድሊ ክኸውን ‘ዩ።

ኣብዚ እዋን ድማ ከተማታት እናተስፋሕፍሐ ‘ዩ ዝመፅእ ዘሎ። 80 ሚእታዊ ህዝብና ኣብ ገጠር ‘ዩ ዝነብር እንብሎ ዘለና ብናይ ቀደም መረዳእታ ‘ዩ።

ኣብዚ እዋን እንድሕር ብትኽክል እስታቲክስ እንተተሰሪሑ ሓደሽቲ ናብ ከተማነት ዝቀየራ ኣለዋ ‘የን፤ እዙይ ኮይኑ’ውን ምስቲ ኣብ ገጠር ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ሓደ ዓይነት ግንዛበ ኣለዎ ማለት ኣይከኣልን፡፡ ስለዝኾነ ኣብዚ እኹል ዝኾነ ፍልጠት ንምምፃእ ተኸታታላይ ጎስጓስ ከድልየና ‘ዩ። ምኽንያቱ ኣብዝሓ ኣንሕና ኣብ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ዝተደረኸ ኢኮኖሚ’ዩ ዘለና።

ባሕሪ ገለ’ውን ስለዘይብልና መሬት ዝሃበትና ኢና ንቅበል። እቲ መሬት ኣድላይ ዝብሃል ንክህበና ድማ ነቲ መሬት ዝስማዕማዕ ንጥፈታት ክንገብር ኣለና። ካብዚ ኦም ሓደ ድማ ስነ ምሕዳር ምሕላው ‘ዩ። እቲ ተኽሊ ዘለዎ ምሕላው እቲ ዘይብሉ ድማ ንክህልዎ ምትካል የድልየና።

ሕቶ:- ብዙሕ ፀጋታት እንተሃለወና’ውን ብመንፅር ረብሓ ክእንሪኦ ከለና ማሕበረሰብና ካብ እፅዋት ዝረኽቦ ረብሓ ንምንታይ ‘ዩ እኹል ዘይኾነ?

ዶክተር መሓሪ:– ትኽክል ‘ዩ መብዛሕትኡ ናይ ኢትዮጵያ መሬት ንኣብነት ኣብዚ እዋን ብዙሕ ተኽሊ ይትከል እሞ ብዙሕ ከኣ ይጠፍእ።

ካሊእ ኸኣ ምስ ዘሎ ሰፊሕ ስነ ምሕዳር መንግስቲ ትኹረት ገይሩ ዘይምስርሑን፤ ኢትዮጵያ ምስቲ ዘለዋ ሰፊሕ መሬት ካብ ኣፍሪካ ካልአይቲ ምስ ምዃና ዘለዋ ተፈጥሮ ሃፍቲ ተጠቂማ ኻልኦት ሃገራት ክትሕግዝ ምተገብኣ ነይሩ፤ ይኹን ‘ምበር ተሓጋዚት ‘ያ ዘላ። እዚ ድማ ብሰንኪ ድሑርን ባህላውን ኣጠቃቅማ መሬት ‘ዩ። ኣብዚ ክስመረሉ ዝግባእ ድማ ናይ መሬት ፖሊሲ የብልናን።

ናይ መሬት ፖሊሲ ምህላው ማለት መሬት ከመይ ገይርካ ትጥቀመሉ ከም እትኽእል… ኣየናይ መሬት ንዓሳ ምርባሕ ይኸውን፣ ኣየናይ ንመኣድን፣ ንሕርሻ፣ ንኢንዱስትሪን ንከተማን ምስፍሕፋሕ ይጠቅም ተባሂሉ ናይ መሬት ኣጠቃቅማ ዘመላኽት የብልናን።

እዚ ድማ ፖለቲካል ኣንደምታ ኣለዎ። ውፂኢታዊ ዘይኮንናሉ ምኽንያቱ መብዛሕትኡ ናይ ኢትዮጵያ መራሕቲ መሬት ሓደ ሻዕ ናይ መንግስቲ ሓደ ሻዕ ናይ ሕዝቢ እንዳበሉ ከምድልየቶም እንዳሽጥዎን እንዳለውጥዎን ስለዝኾነ ኣብ መሬት ኣጠቃቅማ ፅዕንቶ ይፈጥር ኣሎ።

ከምዝፍለጥ ኩሉ ሴክተራት ፖሊሲ ኣለዎ ‘ዩ፤ ኣብ መሬት ግና ስነ ምሕዳር መሰረት ዝገበረ ናይ ኣፍራይነት ዝሕግዝ ስርዓት ስለዘይብልና’ዩ።

ካሊእ ባህላዊ ዝኾነ ኣተሓራርሳን ኣተሓሕዛ መሬትን ኣለና። ከመቲ ቅድም ዝበልናዮ ኣብዚ ማዕረ ግንዛበ ስለ ዘይብልናን ዝብሉ እቶም ዋናታት ኮይኖም ብተወሳኺ ድማ ብኣየር ለውጢ ዝመፅእ ድርቂ፣ ፍግረ መሬትን ኲናትን ዝኣምሰሉ ተፈጥሮ ሃፍትና ብግቡእ ንከይንጥቀም ካብ ዝገብሩና ምኽንያታት ‘ዮም።

ሕቶ:- ብሰንኪ ኲናት ዝበረሱ እፅዋት ንምምላስ እንታይ ክግበር ኣለዎ?

ዶክተር መሓሪ:– እቲ ትማሊ ኣብ ነሃትና ወለዶ ዝረኣናዮ ኲናት ቀደም ኣብ ዝነብሩ ስርዓታት ኢትዮጵያ’ውን ከምኡ ‘ዮም ነይሮም።

ኣብዝሓ ድማ ኣብ ትግራይ ከባቢ ኹናት ‘ዩ ዝካየድ ነይሩ። እቲ ኲናት ዝካየደሉ ዝነብሩ ድማ ደኒታት ዝበዝሖም ከባቢታት ብምንባሮም ተፈጥሮ ሃፍቲ እናበረሰ ‘ዩ መፂኡ።

ናይ ሐዚ ኲናት ድማ ፍልይ ዘብሎ ብዙሓት ተዋሳእቲ ዝተሳተፍሉ ምስ ምዃኑ ኣብ ህዝቢ ካብ ዘውረዶ ጉድኣት ብተወሳኺ ኣብ ተፈጥሮ’ውን ብዙሕ ጉድኣት ኣብፂሑ ‘ዩ።

ናብ ሕውየት ክንኸድ ከለና ካብ 1983 ጀሚሩ ክሳብ 2008 ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ምሕዋይ ተፈጥሮ ውፅኢታዊ ዝኾነ ስራሕቲ እናሰራሕና ኢና ነይርና ። ብዙሓት ጎቦታት ትግራይ ጋህፃፅ ዝነብሩ ብዝተገበረ ዳግመ ግረባ ዓበይቲ ስነ ምሕዳራት ሓውዮም ነይሮም ‘ዮም።

ከም እኒ ደስአ፣ ቃፍታ ሸራሮ ሕጉም ብርዳ ዝኣምሰሉ ደኒታት ‘ውን ክዕቀቡን ክኢሎም ‘ዮም። በቲ ዝተሰርሐ’ውን ዓለምለኸ ኣፍልጦ ረኺቦም ሽልማታት ዝረኽብናሎም ነይሩ ‘ዩ። ሐዚ’ውን ካብ ትማሊ ዝመፅአ ልምዲ ስለዘሎ ብግቡእ እንተተሰሪሑ ዘይመሓየሸሉ የለን።

ህዝቢ ትግራይ ሃዋህው ሰላምን ምችው ኩነታትን እንድሕር ተፈጢሩሉ ናይ ትማሊ ልምዱ ተጠቂሙ በቲ ዝነበሮ ተሞክሮ ኣየነይቲ ኣበይ ትቦቅል ነይራ ኢሉ ነቲ ዝበረሰ ከባቢ ከሕውዮ ይኽእል ‘ዩ።

ከባቢ ኣብ ምሕዋይ ንትግራዋይ ‹‹ከምዚ ግበር ከምዚ ግበር…›› ክትብሎ ኣይትኽእልን እኹል ተሞክሮ ኣለዎ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር መንግስቲ ኣብ ምትሕብባር ናይ ወፍሪ ስራሕቲ፤ ሙሁራት ድማ ኣብቲ ዓውዲ ብዘለዎም ፍልጠት ተጠቂሞም ክሳተፉ ኢኻ ክትገብረሎም እትኽል።

መንግስቲ ቁርፀኛ ኮይኑ ኣብ ሓገዝ ዩ.ኤስ.ኤ ኤይድ ዘተኮረ ዘይኮነስ ኣብ ሕውየታት ስነ ምሕዳር፣ ኣብ ማሕበረሰብን ከባቢን ሕውየት ትኹረት ገይሩ ነቲ ማሕበረሰብ ኣንቐሳቒሱ እንተሰሪሑ ኣብዚ ዓውዲ ክሰርሑ ዝኽእሉ እኹላት ሙሁራትን ዩኒቨርስትታትን ኣለውና ‘ዮም።

ስለዝኾነ በዚ ዝተደገፈ ኣብዚ እንተተሰሪሑ ውፅኢታውያን ክንኸውን ንኽእል ኢና። እቲ ሕውየት’ውን ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ ኢለ ተስፋ ይገብር።

ሕቶ:- ኣብዚ ዓውዲ ዝነጥፍ ሙሁር ምስቲ ሓረስታይ ሓቢርካ ኣብ ምስራሕ ከመይ ይሪእዎ?

ዶክተር መሓሪ:– ኣብዚ ዓውዲ ዝነጥፉ ሙሁራን እቲ ሞያኦም ናብ መሬት ኣብ ምውራድ ብኢትዮጵያ ብርኪ ብዙሕ ኣይተሰርሖን ትሑት ‘ዩ።

ኣብ ትግራይ ዝተሰርሓ ይሓይሽ ክብሃል ይክኣል ‘ዩ። ንኣብነት ሓደ ተኽሊ ነዚ ይጠቕም ‘ዩ ኢልካ ንክትዛረብ ብፍላይ ምስቶም ኣብ ዘፈር መድሓኒት ዝሰርሑ ተቀራሪብካ ኣብ ምስራሕ’ውን ብዙሕ ይጎድለና ‘ዩ። ብፍላይ ከም ተመራማሪ ስነ እፀዋት ስነ ምሕዳርን እኹል ትኹረት ኣይተውሃቦን፡፡

ይኹን ‘ምበር ዋላ ውሑዳት ይኹኑ ጅማሮታት ግና ኣለው ‘ዮም። ንኣብነት “ ኢትኖቦታኒ” ኣብ ሰብን እፅዋትን ዝግበሩ መፅናዕትታት ኣለው ‘ዮም። ብባህላውን ብዘመናውን ኣየናይ መድሓኒት ናየናይ ይጠቅም ዝብል እቲ ቐማሚ ይፈልጦ ‘ዩ።

ብፍላይ እቲ ባህላዊ መድሓኒት ናብ ዘመናዊ ንምምፃእ እቶም ነዚ ዝውዕሉ እፅዋት ናይቲ ማሕበረሰብ ምስጢር ሓሊኻ (ምኽንያቱ እቲ ማሕበረሰብ ሓደ መድሓኒት ብኩሉ እንተፈሊጡ ኣይሰርሕን ዝብል ኣመለኻኻታ ስለዘለዎ) ኣብ ምግላፅን እዙይ ኣተሓሳስባ’ውን ኣብ ምስትኽኻልን ክስራሕን ቅድሚ ኹሉ ድማ እቶም እፅዋት ክህልው ስለዘለዎም ኣብዚ ክስራሕ ኣለዎ። ህውየት ክንፈጥር ኣለና።

ሕቶ:- ወፍሪ ሓምላዋይ ዓሻራ ብሚድያታት ብዙሕ ዝዝረበሉን ኣብ ማሕበረሰብ ድማ ተሳትፎን ዝበለፀ ኣፍልጦ ረኺቡ ዘሎስ ብምንታይ እዩ? ብመንግስቲ ስለ ዝግለፅ ከዓ ሓደ ሓደ ፖለቲካዊ ገይርካ ምርኣይ ኣሎ ‘ሞ ከመይ ገይርካ እዚ ኣተዓሪቕካ ጥቅምታቱ ንምርዳእ ከመይ ክኸይድ ኣለዎ?

ዶክተር መሓሪ:- ሓቂ ንምዝራብ ወፍሪ ሓምላዋይ ዓሻራ ፖለቲካ ኣይኮነን።

ሓምላዋይ ዓሻራ ሂወት ሰባት ወይ እዛ ፕላኔት በቲ ዘለዋ ስሩዕ ዑደታ ንክትቕፅል ዝግበር ምንቕስቓስ ‘ዩ። እዚ ስራሕ ዝግበር ዘሎ ድማ ኣብ ሃገርና ጥራሕ ዘኮይነስ ኣብ ኩለን ሃገራት ከምዚ ዓይነት ምንቕስቓሳት ኣሎ ‘ዩ።

ኩሎም ስርዓታት ኢትዮጵያ’ውን በቢዓቕሞም እናሰርሑ ፀኒሖም ‘ዮም። ንምንታይ ኣብዚ እዋን ትኹረት ተገይርሉ እንተይልካ ከምቲ ዓንተዎ ክገክፆ ዝፀናሕኩ ኢኮኖሚ ሞዴልና ኣብ መሬት ዝተደረኸ ‘ዩ። እቲ መሬት ድማ ናይ ተፈጥሮ እፅዋት ዝሓዘት ‘ያ።

ንምስፍሕፋሕ ሕርሻን ከተማነትን ድማ ካብ እዋን ናብ እዋን እናሰፍሐ ብምምፅኡ እቶም እፅዋት እናበረሱ መፂኦም ‘ዮም። እዚ እናሃለወ እታ መሬት ድማ ዘድሊ ግልጋሎት ክትህበና እንተኾይና ስነ ህይወት ክሕለው ኣለዎ።

ስለዝኾነ ወፍሪ ሓምላዋይ ዓሻራ በዚ ተጀሚሩ ዘሎ እንተዘይቐፂሉ ካብ መሬት ዘድልየና ግልጋሎት ክንረክብ ኣይንኽእልን። ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ኣማራፂ ብሰንኪ ለውጢ ኣየር ዘምፅኡ ድርቂ፣ ውሕጅን ፍግረ መሬትን ‘ዩ ዝኸውን። ስለዝኾነ እዚ ከይመፅእ ተፈጥሮ ሃፍቲ ክሕብሐብ ኣለዎ። ክንሕብሕብ ከለና ተኽሊ ምትካል ምግዳብ ማለት ‘ዩ።

ውፂኢቱ ድማ ተመሊሱ ነዓና ግልጋሎት ይህበና ማለት ‘ዩ። ነዚ ግልጋሎት ንክንረክብ ድማ ምስቲ ዝውስኽ ዘሎ በዝሒ ህዝቢ ተዛሚዱ ናይ ግድን ብዝልዓለ ትኹረት ወፍሪ ሓምላዋይ ዓሻራ ከነቕፅል ኣለና። ነዚ’ውን ‘ዩ ትኹረት ተገይሩሉ ዘሎ።

ቅድም ክብል ቅድሚ እቲ ሐዚ ዘሎ ስርዓት ቅድሚ ምምፅኡ ትካላዊ ብዝኾነ ሓደ ሚኒስትር ከባቢን ደንን ኣየር ንብረትን ዝብል ንዕኡ ዝቆፃፀር ነይሩ ‘ዩ።

ኣብዝ ሐዚ እዋን ተኽሊ ንክትከል ወፍሪ ዝግበር ዘሎ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ‘ዩ። እዚ ኣብቲ ስርዓት ፅልኣት ዘለዎ ዘይክተክል ይኽእል ‘ዩ ፤ክነቅሎ’ውን ይኽእል ‘ዩ። ኣብዚ ትካል ‘ዩ ክህነፅ ዘለዎ።ሃገር ሃገር ዘብሎ’ውን ትካል ‘ዩ።

ነዚ ዝምልከቶ ትካል ከምቲ ቅድም ኢሉ ኣህጉር ወኪልና ኣብ ኮፐን ሃገን ኣብ G8 እንገብሮ ዝነበርና ኣብ ናይ ኣየር ንብረትን ሓለዋ ከባቢ ተታሒዙ ሽልማት’ውን ዝረኽብናሉ ከምኡ ዝበለ ሚኒስትር ‘ዩ ዘድልዮ ነይሩ።

ንምንታይ ይጠቅም እንተይልና ሞያዊ ብዝኾነ ቐፃልነት ዘለዎ ስራሕ ንምስራሕ። ከምኡ ስለዝነብረ’ውን ‘ዩ ውፅኢታዊ ስራሕ ዝተሰርሐ። ኣብዝ ሐዚ እዋን ግን ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ኣብ ኽረምቲ ጥራሕ ምንቕስቓስ ይገብር ኣብ ካሊእ ግዘ እኹል ክትትል ኣይህልውን።

ካብ ብቤት ፅሕፈት ጠቅላይ ሚኒስትር ብሚኒስትር ሕርሻን ተፈጥሮ ሃብቲ ሓለዋን ሞያዊ ብዝኾነ ተዝስራሕ ምበለፀ። ሞያዊ ትካላዊ ብዘይኮነ ዝምራሕ ስለዘሎ’ውን ‘ዩ ፖሊቲሳይዝ ዝገበር ዘሎ ‘ምበር ሃፍቲ ተፈጥሮ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ተገይሩ ‘ዩ ክውሰድ ዝግብኦ።

ሕቶ:- በቢኽረምቱ እቲ ማሕበረሰብ ተኽሊ ይትከል ‘ዩ። ኣብ ምፅዳቕ ክንድቲ ዝድለዶ ይኸውን? እንተዘይ ኮይኑ ንኽፀድቅ እንታይ ክግበር ኣለዎ?

ዶክተር መሓሪ:- ፅቡቅ ሕቶ። ምትካል ጥራሕ ዕላማ ክኸውን ኣይኽእልን ፡፡ሓደ ፕሮጀክት ክቅረፅ ከሎ ክሳብ ውፅኢቱ ‘ዩ።

ክንድቲ ዝድለይ ንምንታይ ኣይፀድቅን እንተይልና ሓደ ከምቲ ቅድም ኢለ ዘልዐልክዎ እዚ ዓውዲ ፖለቲካውያን ስለዝመርሕዎ ‘ዩ። እዚ ዓውዲ ክመርሖ ዝግባእ ብናይ ባዕሉ ትካል ‘ዩ። ሞያዊ ብዝኾነ ብስነ እፅዋትን ስነ ምሕዳርን ምርምር ዝገብሩሉ ኣበይ እንታይ ክቦቕል ኣለዎ መዓዝ ብዝብል ስነ ምሕደራ መሰረት ገይሩ ክትከል ዘለዎ።

ብከምኡ ስለዘይትከል’ውን ‘ዩ ዘይፀድቅ ዘሎ። ንኣብነት ሓንቲ ናይ ውሽጢ ዓዲ ተኽሊ ኣውሊዕ እንተወሲድና ንክትዓቢ ሓሙሽተ ዓመት የድልያ፤ ነዚ ምንክብኻብ ድማ ብዙሕ ነገር የድልዮ ኣትክልተኛ፣ ድኽዒን ማይን የድልዮ። ሐዚ ግና ወርሒ ሰነ ተኺልና ኣይንሕብሕቦን ዘለና።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ ሞያዊ መሰረት ተገይሩ ስለ ዘይስራሕ። ብበዓል ሞያ ዋላ እንተተኸለ’ውን ኣየናይ ተኽሊ ኣበየናይ ስነ ምሕዳር ይምቸዎ ዝብል መፅናዕቲ የድልዮ። ብሓፂሩ ሞያን ስነ ምሕዳርን ተገይሩ ስለዝይስራሕ ዘሎ ‘ዩ ክንድቲ ዝድለይ ዘይፀድቅ ዘሎ።

ሕቶ:- ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ እቲ ሕብረተሰብ ሕወየት ከምዘድልዮ እቲ ተፈጥሮ ሃፍቲ’ውን ምሕዋይ የድልዮ ‘ዩ እሞ፤ንምሕዋይ እንታይ ክግበር ኣለዎ?

ዶክተር መሓሪ:- ኣብ ትግራይ ኣብዚ እዋን ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ኣብ ዝተፈላለዩ መዕቆቢታት ዝርከቡ ብዙሓት ‘ዮም።

ህዝቢ ንብዙሓት ክቕልብ ካብ ዝኽእል መሬቱ ተፈናቒሉ ሐዚ ለማኒ ‘ዩ ኮይኑ ዘሎ። ስለዚ ሐዚ ብዛዕብኡ ምዝራብ ገና ‘ዩ ዝኸውን ይኹን ‘ምበር ኣብቲ ካሊእ መሬት እንታይ ክስራሕ ኣለዎ እንተይልና ግና ሕውየት ንክመፅእ ሰለስተ ዓበይቲ ተዋሳእቲ ክነሳትፍ ክንኽእል ኣለና።

ሓደ ተዋሳኣይ መንግስቲ ‘ዩ። እቲ ኻልኣይ ኣብዚ ዓውዲ ዝነጥፍ በዓል ሞያ ‘ዩ። እቲ ሳልሳይ ድማ ህዝቢ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ኣብዝ ሐዚ እዋን ህዝቢ ናብዚ ብርኪ ዝበፅሐሉ ዘይኮነስ ኣብ ዝምፅወተሉ ብርኪ ‘ዩ ዘሎ። ፅባሕ እንታይ ክበልዕ ዘይፈልጥ ማሕበረሰብ ‘ዩ ዘለና።

ኮይኑ ግና ሂወት ክትቕፅል ‘ያ፤እቲ ዝነብረ’ውን ናብ ዝነበሮ ክምለስ ‘ዩ ኢልና እንተሓሲብና። እዞም ሰለስተ እዚኦም ተቐናጅዮም ንክሰርሑ መንግስቲ መጀመርያ ኣብ ሕውየት ንክሰርሕ ፖሊስኡ ከነፅር ክኽእል ኣለዎ።

ኣብዚ መንግስቲ ትግራይ ዝሕመየሉ ኣይኮነን ቅድም ኣብ ዘበሉ ዓመታት ብዙሕ ኣብ ናይ ምሕዋይ ስራሕቲ ፅቡቅ ተሞክሮ ኣለዎ ‘ዩ። ብዙሕ ውፅኢት’ውን ተረኺብዎ ‘ዩ። ኣብዚ ብዝበለፀ ኣበርቲዑ ንምስራሕ ድማ ማሕበረሰብ ክሳትፍ ኣለዎ።

ሳልሳይ ኣብዙ ዓውዲ ዝነጥፍ ሙሁርን ናይ ዩኒቨርስቲ ተመራመርትን ክሳተፉ ክኽእሉ ኣለዎም። እዚኦም ሰለስቲኦም ተቐናጅዮም እንተሰሪሖም እቲ ሕውየት ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ ኢለ ይሓስብ።

ንዝነበረና ፃንሒት የቐንየልና

ዶክተር መሓሪ፡-ኣነ ውን ጋሻ ስለዝገበርኩምኒ የመስግን።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 18 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

Recommended For You