ኢትዮጵያ ስዒራ

 ኣብ ኢትዮጵያ 14 ሰነ 2013 ዓ.ም ኣብ ተኻየደ ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ናይ 46 ፖለቲካዊ ፓርቲታትን ናይ ውልቀ ህፁያት ተወዳዳርቲ ተሳቲፎም እዮም። ልዕሊ 38 ሚሊዮን መረፅቲ ኣብ ልዕሊ 48 ሽሕ መረፃ ጣቢያ መመረፂ ካርዲ ወሲዶም እዮም። ኣብ ዕለት መረፃ ድማ ነዋሕቲ ሰልፍታት ተሰሊፎም ክመርፁ ዉዒሎም እዮም።

ከም ሓበሬታ ብሄራዊ ቦርዲ መረፃ ኢትዮጵያ ንቲ መረፃ ንምፍፃም ኣብ እዋን ምዝገባ መረፅቲ 152 ሽሕ 700 ኣብ እዋን ዕለት ደምፂ ምሃብ ድማ 240 ሽሕ ሰባት ተሳቲፎም እዮም። ንቲ መረፃ ንምዕዋት ንመረፅቲ ምዝገባ ዝተዳለው ናውቲ ድማ በኣርባዕተ ቋንቋታት 50 ሽሕ 900 ናይ መረፅቲ መመዝገብቲ ጥራዛት ዝተዳለው እንትኾን፣305 ሽሕ 400 ጥራዛት ድማ ናይ ዝተመዝገቡ መረፅቲ መለለይ ካርዲ፣55 ሽሕ ሰማያዊ ሳፁን(ኪት)፣6 ሚሊዮን 108 ሽሕ ናይ ደህንነት መሐለዊ ቁልፊ፣ምኽፋቶም ዘፍልጥ 712 ሽሕ 600 ቦርሳታት ከምኡ’ውን 50 ሽሕ 900 ናይ ጠረጴዛ ባትሪ ኣብ ስራሕ ውዒሎም እዮም።

ኣብ ዕለት መረፃ ድማ 207 ሽሕ ናይ ድምፂ መውሀቢ ሳፁን፣156 ሽሕ600 ናይ ሚስጥር ድምፂ መውሀቢ መኸለሊ፣መረፃ መፈፀሚ ናውቲ ዝሓዙ 50 ሽሕ 900 ሰማያዊ ሳፁን(ኪት)፤ምኽፋቶም ዘፍልጥ 712 ሽሕ 600 ቦርሳታት ከምኡ’ውን 101 ሽሕ 800 ናይ ጠረጴዛ ባትሪ ኣብ ስራሕ ውዒሎም እዮም።

እዞም ኩሉ ናይ መረፃ ናውቲ ምቕራብን ምስርጫውን ዓብይ ስራሕ ዝደሊ፣ብዙሕ ገንዘብን ናይ ምምራሕ ክእለትን ብቕዓትን ዝሓትት ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። እዚ ኩሉ ስራሕ ቐንዲ ዕላማ ኢትዮጵያ መሪፃ ንክትስዕርን ንክትዕወት እዩ።

ናይቲ መረፃ ዋና ዕላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዴሞክራሲያዊ መረፃ ተምሳሌት ክኾን ዝኽእል መረፃ ምክያድ እዩ። ንዚ’ውን መንግስቲ ዘይሻራዊ ቦርዲ መረፃ ካብ ምጥያሽን ሰባት ካብ ምሿም ኣትሒዙ ሕግታት መረፃ ናይ ምምሕያሽ ስራሕቲ ሰሪሑ እዩ። እዚ ዝተገብረ ኣብቲ መረፃ ኢትዮጵያ ንክትመርፅን ንክትስዕርን ነይሩ። እዚ’ውን በተግባር ኣብ ዕለት 14 ሰነ 2013 ዓ.ም ህዝቢ ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ስጋብ ምሸት ብትዕግስቲ ብምፅባይ መረፃ ብምክያድ ሰዓርነት ኢትዮጵያ ኣመስኪሩ እዩ።

እዚ መረፃ ዴሞክራሲያዊ ንክኾን ዘይደልዩ ሓይልታት ነይሮም። እዞም ሓይልታት ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለው እዮም። ዕላምኦም ድማ ኢትዮጵያ ከይትመርፅን ከይትስዕርን እዩ። ኮይኑ ግና ህዝብን መንግስትን ብምትሕብባር ኣፍሺሎሞ እዮም። ኢትዮጵያ መሪፃ ንክትስዕር’ውን ገይሮም እዮም።

ናይ ሎሚ ዘበን መረፃ ንሰላምን ደሕንነትን ሃገርና ወሳኒ እዩ። ዴሞክራሲ ንለማመደሉ፣ብዝመረፅናዮ ፓርቲ እንመሓደረሉ፣ሐዚ ካብ እንሰምዖምን እንርእዮምን ፀገማት ንናገፈሉ ቐንዲ መገዲ እዩ። ኮይኑ ግና እዚ መረፃ ንከይዕወት ዝሰርሑ ሓይልታት ድሕሪ ድምፂ ምሃብ’ውን እታ ሃገር ናብ ናዕቢ ንክትኣቲ ዝሓለምዎ ሕልሚ ቅሂሙ ተሪፉ እዩ። ንዚ ድማ ህዝቢ መሰሉ ተጠቒሙ ብምምራፅ ድሌቶም ከይዕዎት ገይርዎ እዩ። ሐዚ’ውን ንዚ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ።

ቦርዲ መረፃ ኣብ ሕትመትን ኤሌክትሮኒክስ መራኸቢ ሓፋሻት ተፎኻኸርቲ ፓርትታት ሓሳቦም ንክገልፁ ዘኽእሎም ዕድል ፈጢሩሎም እዩ። መድረኽ ክትዕ ተዳልዩ’ውን ዕላማኦም ንህዝቢ ንከፋልጡ ተገይሩ እዩ። ኣብ ጎደናታትን ኣዳራሻትን ‘ውን ጎስጓስ ኣካይዶም እዮም። ናይ ገንዘብ ሓገዝ’ውን ተገይሩሎም እዩ። እዚ ኩሉ ዝተገብረ ኢትዮጵያ መሪፃ ኢትዮጵያ ንክትስዕር ነይሩ። ኣብ ዕለት መረፃ ድማ ብተግባር ተራእዩ። ቅድሚ መረፃ ኮነ ኣብ ዕለት መረፃ ሰላማዊ ከይዲ መረፃ ምሕላፍ ተኻኢሉ እዩ። ሐዚ’ውን ሃገራዊ ቦርዲ መረፃ ውፂኢት ዕላዊ ስጋብ ዝገብር ብትዕግስቲ ምፅባይ የድሊ።

ህዝቢ ኮነ ተፎኻኸርቲ ፓርቲታት ሰላም ሃገር ካብ ማንም ንላዕሊ ምዃኑ ክርድኡ ኣለዎም። ኩሉ ህጋዊ መገዲ ተኸቲሉ ከካይድ ይግባእ። ኩሉ ሰላም ከባቢኡ ክሕልው ይግባእ። ምስ ሓይልታት ፀጥታ’ውን ምንባብን ምትሕብባርን ግድን እዩ።

ተፎኻኸርቲ ፓርትታት ድማ ድምፂ ህዝቢ ከኽብሩ ኣለዎም። ውፂኢት እቲ መረፃ ምንም ይኹን ምንም፤ዝሰዓረ ይስዓር ክሕሰብ ዘለዎ ሃገር እዩ። ስዓሪት ኢትዮጵያ ስለዝኾነት ቐዳምነት ክውሃቦ ዘለዎ ንሃገርን ንህዝብን እዩ። ሃገርን ህዝብን ምምራሕ ዝህሉ ሃገር እንትህሉ፤ሰላም እንትሰፍን እዩ። ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ክህነፅ ዝኽእል ሃገር እንትህሉ እዩ። ከይዲ ድህረ መረፃ’ውን ብሰዓራይነት ኢትዮጵያ ክዛዘም ኣለዎ። ሐዚ ኢትዮጵያ ስዒራ ኣላ። ቐፃሊ’ውን ክትስዕር እያ።

17 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You