ኣሸንዳ ንሰላም፣ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን

 በቢ ዓመቱ ካብ ነሓሰ 16 ክሳብ 24 ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ/ማርያ/ዓይኒዋሪ ካብ ትግራይ ብተወሳኺ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዋግኽምራ(ሻደይ)፣ላስታ ላሊበላ(ኣሸንድየ)፣ ቆቦ(ሶለል) ተባሂሉ ይኽበር፡፡

እቲ በዓል መሰረቱ ሃይማኖታዊ እንተኾነ’ውን ብባህላዊ ፀወታ ደቂ ኣንስትዮ ደሚቑ ስለዝኽበር መስሕብ ቱሪዝም’ውን ይኸውን ኣሎ፡፡ምእታው ሓዱሽ ዓመት ዘርእይ ብምዃኑ’ውን ድባቡን ስምዒቱን ፍሉይ ዝበለ‘ዩ፡፡

እቲ በዓል ኣብ ትግራይ ካብ ነሓሰ 16 ጀሚሩ ክሳብ ነሓሰ 24 ዝኽበር እንትኾን ናይ ሎሚ ዘበን በዓል ኣሸንዳ ደሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ኹናት ዝኽበር በዓል ስለዝኾነ ፍሉይ ይገብሮ፡፡ደቂ ኣሸንዳ ብመጋየፅታት ማዕሪገን ዝወፅኣሉ እንትኾን እቶም መጋየፅታት ዝተፈላለዩ’ዮም፡፡

ኣብ ጨጉሪ ርእሲ ዝግበር ካብ ዕንቍ ዝስራሕ ጭጓጉሑት ፣ካብ ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዝዳለው ክሪ ኣብ ኽሳድ ዝእሰር፣ብተወሳኺ ድማ ኣብ ኽሳድ ዝእሰር ዝተፈላለየ መጋየፅታት ሕንቆ መስቀል፣ዓብዪ መስቀል ፣ጎባጉብ ካብ ንሃስን ብሩርን ዝተሰርሑ፣ኣብ ኣፃብዕቲ ዝእሰር ዝብጦ ዝበሃል ዓብዪ ብሩር ‘ዮም፡፡

እዞም መጋየፂታት ንቲ በዓል ካብ ምድማቕ ብተወሳኺ ንዚኦም ብምስራሕ ናብረኦም ንዝመርሑ ወገናት’ውን ፍልፍል እቶት ‘ዩ፡፡ ስለዚ እቲ በዓል ኢኮኖሚያዊ ረብሓ’ውን ኣለዎ፡፡

ናይ ሎሚ ዘበን በዓል ኣሸንዳ፤ ማርያ፤ ዓይኒ ዋሪ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ኹናት ዝኽበር ስለዝኾነ እቲ ኹናት ዝፈጠሮ ስነ ልቦናዊን ስነ ኣእምሯዊን ጉድኣት ኣብ ምሕዋይ ዓብይ እጃም ኣለዎ፡፡

በዚ መሰረት እቲ በዓል ተረባሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ምርግጋፅን ምሕዋይ ስነ ልቦናን ስነ ኣእምሮን ማእኸል ገይሩ ምኽባሩ ግድን ይኸውን።

ናይ ለሚዘበን በዓል ‹‹ኣሸንዳ ንሰላም፣ንሕውየትን ዳግመ ህንፀት ›› ብዝብል ቴማ ኣብ መላእ ትግራይ እናተኸበረ’ዩ፡፡እዚ በዓል ብኸምዚ ብርኪ ብሰላም ንክብዓል ዝተኽኣለ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ፕሪቶሪያ ብዝተፈረመ ስምምነት ሰላም መሰረት’ዩ፡፡

ስለዚ እቲ ሰላም ዘላቒ ንክኸውንን ንክፀንዕን ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ከስርሕ ይግባእ፡፡ሰላም እንተዘይሃልዩ በዓል ምኽባር ከምዘይከኣል ኣብቲ እዋን ኹናት ካብ ዝነበረ ኹነታት ትምህርቲ ምውሳድ ይግባእ፡፡ስለዚ ኣብ ትግራይ ኮነ ከም ሃገር ሰላም ዘላቒ ኣብ ምግባር ምስራሕ ግድን ይኸውን፡፡

እቲ ንክልተ ዓመት ዝነበረ ኹናት ኣብ መላእ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ኣብ ደቂ ኣነስትዮ ዓብይ በሰላ ዘዕረፈ፤ስነ ልቦናዊን ስነ ኣእምሯዊ ጉድኣት ዘስዐበ ስለዝነበረ ከም ኣሸንዳ ዝበሉ በዓላት ኣብ ሕውየት ስነ ልቦና ወዲሰብ ዓብይ እጃም ኣለዎም፡፡

ካብ ኹናትን ወረ ኹናትን ብምውፃእ ናብ ንቡር ህይወት ምምላስ ከምዝተኸኣለ መርኣያ ስለዝኾኑን ብሓባር ፀወታ ስለዝደምቑን ኣብ ስነ ኣእምሯዊን ስነ ልቦናዊ ሕውየት ኣወንታዊ ግደ ይፃወቱ፡፡ስለዚ ኣሸንዳ ኾነ ካልኦት ሃይማኖታዊ ባህላዊን በዓላት ብድምቀት ምኽባር ይግባእ፡፡

ሓደ ሓደ ወገናት የልዕልዎ ዝነበረ ‹‹ክኸበር ኣይነበሮን›› ዝብል ሞገት ትክክል ኣይኮነን፤ድሕሪ ፀልማት ብርሃን ተስፋ ከምዘሎ ምፍላጥ ግድን ይኸንው፡፡ኩል ግዘ እናቆዘምካ ምንባር ኣይግባእን፡፡ ትምህርቲ ወሲዲኻ ናብ ዝሓሸ ምስጓም’ዩ ምኻድ’ዩ ዘድሊ፡፡

ንክልተ ዓመት ዝነበረ ኹናት ኣብ ስነ ኣእምሮን ስነ ልቦናን ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ዘፈር’ውን ዓብይ ጉድኣት ኣብፂሑ’ዩ፡፡እዚ ዝተጉድአን ዝዓነወን ዳግም ምህናፅ ይግባእ፡፡

እቲ ዳግመ ህንፀት ድማ ኣብ ፅቡቕ ስነ ልቦናት ስነ ኣእምሮን’ዩ ኮይካ’ዩ ክስራሕ ዝከኣል፡፡እናቖዘምካ ስራሕ ኣይስራሕን፡፡ስለዚ ከም በዓል ኣሸንዳ ዝበሉ በዓላት ንኩለ መዳያዊ ሕውየትን መነቓቒሒ ቱሪዝም ብምጥቃም ምንጪ እቶት ዝኾንሉ ኩነታት ምፍጣር ይግባእ፡፡

ስለዚ እቲ በዓል ንዳግመ ህንፀት ትግራይ ምልዕዓል ንምፍጣር’ውን ዘለዎ ኣበርክቶ ዓብይ ኣለዎ፡፡ስለዚ ቅንያት ኣሸንዳ ማዕሪጉን ደሚቑን ብዝተፈላለየ ኣግባብ ንሰላም፤ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ብዝጠቕም ኩነታት ክኽበር ኣለዎ፡፡ሰናይ ቅንያት ኣሸንዳ፡፡

ወጋሕታ 18 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

Recommended For You

About the Author: wendimagegn