
ኣብ ዓለም ቻምፒዮና መድረኽ ካብ 800 ሜትሮ ክሳብ ማራቶን ኣብ ዘለዉ ርሕቐት እትፎኻኸር ኢትዮጵያ ብዙሓት ሜዳልያ ክስብሰቡ ‘ዮም ተባሂሎም ትፅቢት ካብ ዝግበረሎም ሃገራት እታ ሓንቲ ኢትዮጵያ ‘ያ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣሜሪካ ኦሪጎን ኣብ ዝተኻየደ ቻምፒዮና 10 ሜዳልታት ዘመዝገበት ኢትዮጵያ ካብ ዓለም ካልኣይ ብርኪ ሒዛ ከም ዝዛዘመት ዝዝከር ‘ዩ።ድሕሪ ሒደት ማዓልትታት ዝጅምር ቻምፒዮና ‘ውን ኢትዮጵያ ዝውክል ጉጅለ ውፅኢት ንምምፃእ ዘኽእሎ ልምምድ ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ እናተለማማደ ፀኒሑ ‘ዩ።
ኣብ ቻምፒዮና ብፍላይ ብነዊሕ ርሕቐት ውድድራት ዕዉታት ካብ ዝኾኑ ሃገራት ሓንቲ ኾይና እትምደብ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ቻምፒዮና ካብ ሓደ ግዜ ወፃኢ ኣብ ኹሉ ተሳቲፋ ‘ያ። ኣብዚ ቻምፒዮና ድማ ብሄራዊ ጉጅለ ኢትዮጵያ ብ6 ርሕቐት 19ደቂ ኣንስትዮን 16 ደቂ ተባዕትዮን ብሓፈሻ 35 ኣትሌታት ክተሳትፍ ‘ያ።
እቲ ጉጅለ ጉዕዞ ዝገብር ብሸውዓተ ዙር እንትኸውን ከም ርሕቐቱን ናይቲ ውድድር መርሃ ግብሪ ዝከፋፈል ‘ዩ ዝኸውን። እዚ ስዒቡ ድማ ናይ መሰነይታ መርሃ ግብሪን ባንዴራ ርክክብን ተኻይዱ ‘ዩ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ፌዴሪኢ ቀጀላ መርዳሳ፣ ፕሬዝደንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ ፕሬዝዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮምሽነር ደራርቱ ቱሉ ከምኡ ‘ውን ስራሕ ፈፀምቲ ኣባላት እቲ ኮሚቴ ተረኺቦም ‘ዮም።
እቲ ጉጅለ ከም ቅድሚ ኸዚ ብልዑል ውፅኢት ከምዝምለስ ኣብቲ መድረኽ ዝተገለፀ እንትኾን ብምኽትል ፕሬዝደንትን ናይቲ ጉጅለ መራሒ ኣትሌት ገዛሀኝ ኣበራ ስለ ኣትሌት ኣመራርፃን ምድላውን ሓፈሻዊ መብራርሂ ሂቡ ‘ዩ።
ፅቡቕ ውፅኢት ከም ዝመፅእ ከምዝኣምን ድማ ገሊፁ ‘ዩ። እቶም ኣትሌታትን ኣሰልጣኒኦምን ስለ ዝነበሮም ምድላውን ፃንሒት ኣረዲኦም ‘ዮም።
በዚ ድማ ኣብቲ ቻምፒዮና ተሳተፍቲ ዝኾኑ ኣትሌታት ዝሓሸ ፈጣን ሰዓት ዘለዎምን ፅቡቕ ቅዋም ዝርከቡን ኮይኖም ብዝነበሮም ፃንሒት ተሓጊዞም ፅቡቕ ውፅኢት ከመዝግቡ ከምዝኽእሉ ተስፈኦም ገሊፆም ‘ዮም።
ፕሬዚደንት ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ሓጋዚት ኮምሽነር ደራርቱ ቱሉ ብወገና፣ ንቻምፒዮና ምድላው ኣስተዋፅኦ ዝነበሮም ኣካላት ድሕሪ ምምስጋን ነቲ ጉጅለ ሰናይ ትምኒት መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ ‘ያ።
ፕሬዝዳንት ኮሜቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ ናይ ሰናይ ትምኒት መደረ ዝገበሩ እንትኾን ምስ ሰዓርቲ ዝኾኑ ኣትሌታት ብምትሕብባር ዝጎዩ ኣትሌታት እቲ ሽልማት ተመሳሳሊ ከምዝኸውን ቃል ኣትዮም ‘ዮም።
ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ፌዴሪኢ ቀጄላ መርዳሳ ናይ መዕፀዊ ሰናይ ትምኒቶም ድሕሪ ምግላፅ ሓደራ ሃገር ምልክት ዝኾነ ባንዴራ ነቶም ኣትሌታት ኣረኪቦም ‘ዮም።
ቅድሚ እቲ መርሃ ግብሪ ምድላዉ እቲ ብሄራዊ ጉጅለ ልምምድ ኣብ ዝገብረሉ እዋን ነበር ናይቲ ፌዴሬሽን ፕሬዝዳንት ከምኡ ‘ውን ኣብ መድረኽ ዓለም ቻምፒዮና ብዙሓት ሜዳልያታት ብምእካብ ቀዳሞት ታሪኻዊ ኣትሌታት ሓደ ዝኾነ ሻለቃ ሃይሌ ገብረስላሴ ተረኺቡ ነቶም ኣትሌታት ኣበረታቲዑ ‘ዩ።
ኣብ ዝገበሮ መደረ ድማ ‹‹ኢትጵያውያን ኣትሌታት ብልሓታዊ ‘ዩ፣ ብብልሓት ድማ ኹሉ ክተሸንፉ ትኽእሉ ኢኹም ኣብዚ ኣካዳሚ በይንኹም ጎይኹም፣ ቀፂሉ ኣብ ብዙሕ ሰብን ካሜራን ፊት ለፊት ትጎዩ ኢኹም ካልእ ምንም ፍልልይ የብሉን።
ኹልግዜ ውድድር እንትበፅሕ ክትጭነቑ የብልኩምን፣ ንኢትዮጵያ ሃገርኹም ታሪኽ ስርሑ ፤ ጉያ ቆራፅ ምዃን ‘ዩ፣ በርትዑ ›› ብምባል ካብ ልምዱ ኣካፊልዎም ‘ዩ።
መሰረት ገብረዮሃንስ
ወጋሕታ 11 ነሓሰ 2015 ዓ.ም