‹‹ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ልዕሊ 50ሽሕ ነበር ዕጡቓት ምስናዩ ንተግባራዊነት ስምምዕ ሰላም ልዑል ትርጉም ኣለዎ›› -ኣይተ መስፍን ደሳለኝ

ኣይተ መስፍን ደሳለኝ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ከተማ ማይጨው ‘ዮም ተወሊዶም። ብቐዳማይ ዲግሪ ብኢንጅነሪንግ ዝተመረቑ ኮይኖም ቕድሚ ለውጢ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ኣብ ማይጨው ኮሎጅ ቴክኒክን ሞያን፣ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብሞያ መምህርነት ከምኡ ‘ውን ኣብ መቐለ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ሰሪሖም ‘ዮም።

ኣይተ መስፍን ሐዚ ኣብ ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ምክትል ኣቦ ወንበር ኮይኖም እናሰርሑ ይርከቡ። ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ኣብ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ኣድሂብና ዝገበርናዮ ቓለ መሕትት ከምዘስዕብ ኣዳሊውናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ!

 ወጋሕታ፡- ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ልዕሊ 50 ሽሕ ዕጡቓት ናብ ሕብረተሰብ ሰንይዎም ኣሎ። እዚ ምስ ምፍፃም ስምምዕነት ሰላም ተተሓሒዙ ዘለዎ ትርጉም ከመይ ይሪኢዎ?

ኣይተ መስፍን፡– ግልፂ ‘ዩ፤ ኣብዚ ሓለፈ ቐረባ መዓልትታት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ልዕሊ 50 ሽሕ ዕጡቓት ናብ ሕብረተሰብ ሰንዩ ኣሎ።

ምስናዩ ንተግባራውነት ስምምዕ ሰላም ዘጣናኽር ‘ዩ። ዕጥቖም ክፈትሑ ገይርካ ናብ ሕብረተሰብ ምስናይን ምጥያሽን (Disarmament, Demobilization and Reintegration (DDR)) ኣካል ነጥቢ ስምምዕነት ሰላም ‘ዩ።

ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብመንግስቲ ዝተጣየሸ ኮሙሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ብደረጃ ሃገር 371 ሽሕ ዕጡቓት ንምጥያሽ ምድላዋት እናገበረ ከምዝርከብ ኢና ንሰምዕ። ኮይኑ ግና ክሳብ ሕዚ ዝገበሮ ፋይናንሻል ሓገዝ የለን።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዚ ምግባሩ ኣብቲ ስምምዕነት ሰላም ዝተቐመጡ ነጥቢታት እናፈፀመ ምዃኑ ሓደ መርኣያ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ብኽልቲኦም ወገናት ብዙሓት ዝቐረዩ ነገራት ስለ ዘለዉ በቲ ስምምዕነት ሰላም መሰረት ክፍፀሙ ኣለዎም።

ብፍላይ ነዚኦም ኣብ ምትሕሓዝ ወይ ምጥያሽ ብመንግስቲ ፌዴራልን ግዝያዊ ምምሕዳርን ብሓደ ምስራሕ የድሊ። ነዚኦም ከተሓሕዝ ግዝያዊ ምምሕዳር ጥራሕ ዓቕሚ የብሉን። ብዘይ እኹል ገንዘብ ‘ዩ ሰንይዎም ዘሎ።

ዘይተሰነዩ ዝቐረዩ ‘ውን ኣለዉ ‘ዮም። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ትግራይ ናይ ፀጥታ ፀገም ስለ ዘለዋ ‘ዩ። ንሰላም ዘለዎ ትርጉም ከንርኢ እንተለና እዚ በቲ ስምምዕነት ሰላም መሰረት ይፍፀም ስለ ዘሎ ኣወንታዊ ትርጉም ኣለዎ ኢለ ‘የ ዝኣምን።

ናይ ሰላም ረብሓ ብዙሕ ‘ዩ፤ ዘጋጥሙ ፀገማት ብዝሰልጠነ መንገዲ ብዘተ ምፍታሕ ‘ዩ ዘድሊ። ምኽንያቱ ሰላም ንኹሉ ኣካል ተጠቓሚ ዝገብር ‘ዩ። እዚ ከም ትዴፓ ይኹን ከም ውልቐ ሰባት እቲ ዝነበረ ፀገም ብሰላም ንምፍታሕ ንንቐሳቐስ ነይርና ኢና።

ካሊእ ተወሳኺ ክወፅእ ዝነበረ ናይ ገንዘብን ሓይሊ ሰብን ኢሉ ‘ውን ክጠፍእ ዝኽእል ዝነበረ ህይወት ሰብን ኣካልን ክቐሪ ክኢሉ ‘ዩ። ኩናት ጠጠው ካብ ዝብል ጀሚሩ መሰረታዊ ግልጋሎታት ክጅምሩ ተገይሩ ‘ዩ፤ እዚ ፅቡቕ ለውጢ ‘ዩ።

እዚ ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እንተይኮነስ ንኢትዮጵያ ‘ውን ከም ሃገር ጠቒምዋ ‘ዩ። ኣብ ኣመሰራርታ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ግና ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ኣይኮነን ተፈፂሙ።ኣብ ተወሰኑ ነጥቢታት ኣብ ኣፈፃፅማ ብዙሓት ፀገማት ኣለውዎ።

ማለት ካብ ስምምዕነት መሰረት ወፃኢ ሓደ ውድብ ‘ዩ እቲ ስልጣን ተቖፃፂርዎ ዘሎ። በቲ ስምምዕነት ሰላም መሰረት ኩሎም ተናሓናሕቲ ውድባት ብማዕረ ክሳተፉ ነይርዎም። ግና ከምዚ ኣይኮነን። ንሕና ኣብ ከምዚ ህልኽ ኣይንኣቱን ምኽንያቱ ህዝቢ ክጉዳእ ኣይንደልን።

መንግስቲ ህዝቢ ከይጉዳእ ክሕግዝ ኣለዎ፤ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዝነበሮ ፀገም ወፂኡ ተጠቓሚ ዝኾነሉ ስራሕ ምስራሕ ኣድላይ ‘ዩ። እቲ ሰላም ክጥንክርን ውፅኢታዊ ክኸውንን ‘ውን ብኽልቲኡ ወገን ልዑል ስራሕቲ ክስርሑ ኣለዎም።

ወጋሕታ፡- እዞም ናብ ሕብረተሰብ ክስነዩ ተገይሮም ዘለዉ ነበር ዕጡቓት ብዘላቕነት ክጣየሹ ካብ መንግስቲ ፌዴራል እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?

ኣይተ መስፍን፡– ናብ ሕብረተሰብ ተፀሚሮም ሰላማዊ ናብረኦም ክመርሑ መንግስቲ ፌዴራል ከጣይሾም ኣለዎ።

መንግስቲ ካብተፈላለዩ ትካላት ዓለም ይኹን ውሽጢ ዓዲ ገንዘብ ብምትእኽኻብ ብዘላቕነት ዝጣየሹሉ ባይታ ክፍጠረሎም ኣለዎ። ናብረኦም ክመርሕሉ ዝኽእልሉ ኩነታት ክፍጠረሎም እንተዘይክኢሉ ኣብ ፀገም ካብ ምውዳቕ ሓሊፎም ነታ ሃገር ‘ውን ካሊእ ፀገም ‘ዩ።

እቲ ኮሙሽን ብሄራዊ ተሃድሶ እንቐሳቀስ ኣለኹ እየ ‘ዩ ዝብል ግና ዓቕሙ ጠንካራ ኣይመስልን። ክሳብ ሕዚ ኣብ ምጥያሽ ዝሰርሖ ጭቡጥ ነገር የለን። እኹል በጀት ሒዙ ኣይኮነን ዝንቐሳቀስ ዘሎ ዝመስል። ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዘሎ ይመስል።

መንግስቲ ፌዴራል ነዚ እኹል ጠመተ ክህቦ ኣለዎ። እቲ ኮሙሽን ብዘላቕነት ንኽጥንክር ዓቕሚ ክፈጥረሉ ኣለዎ። መንግስቲ እንድሕር ዘይሓጊዝዎ ውፅኡታዊ ስራሕ ንምስራሕ ክፅገም ይኽእል ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝሓስብ።

እቲ ኮምሽን ብመሰረት ትልሙ ነቶም ዕጡቓት ብዘላቕነት ከተሓሕዞም እንተኾይኑ ብቐንዱ ወሳኒ ስራሕ ክሰርሕ ዘለዎ መንግስቲ ፌዴራል ‘ዩ። ምኽንያቱ እቲ ኮምሽን ከምዘቕርቦ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ዕንቕፋት እናኾኖ ‘ዩ። ሓቒ ‘ዩ ናይዚ ዓዲ ቐንዲ ፀገም ፖለቲካ ‘ዩ።

ምስ መንግስቲ ፌዴራል ይኹን ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከፍ ኢልካ ብምዝርራብ እዞም ዝተሰነዩ ኣካላት ተመሊሶም ሸኽሚ ሕብረተሰብ ዘይኾንሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ‘ውን ዓቕሙ ብዝፈቐዶ ክሕግዞም ኣለዎ። ስኽኢልካ ወረቀት ጥራሕ እናፀሓፍካ ምስናይ ክኸውን የብሉን። በርግፅ ምስቲ ዘሎ ኩነታት ትግራይ ብዙሕ ፀገም ‘ዩ ዘለዋ።

ብሽዱሽተ ሽሕ ክሳናበቱ ምግባር ፍትሓዊ ‘ዩ ኢለ ኣይኣምንን። እዚ ካሊእ ቕሬታ ‘ዩ ዝፈጥር። ብዝግባእ ክሕሰበሉ ኣለዎ። እኹል መፅናዕቲ ብምግባር ብዘላቕነት ክፍታሕ ዝግባእ ነገር ‘ዩ። መንግስቲ ፌዴራል ኣብዞም ኣካላት እዚኦም ብዙሕ ስራሕቲ ክሰርሕ ኣለዎ::

ናይ ስነ ልቦና ይኹን ናይ ገንዘብ ሓገዝ የድልዮም ‘ዩ፤ ኣብቶም ዕጡቓት ብዙሕ ሕቶ ‘ዩ ዘሎ፤ እቶም ናይ ኣካላት መጉዳእቲ ዝበፅሖም እንተሪእና ‘ውን ብዙሕ ዝጎደሎም ነገር ስለ ዘሎ ብተደጋጋሚ ሰላማዊ ሰልፊ ብምውፃእ ክማለአሎም ዝደልይዎም ነገራት ይሓቱ ‘ዮም። እዚኦም ናብ ካሊእ ስምዒት ከይኣትዉ ክስራሕ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ነበር ዕጡቓት ጉድኣት ኣካላት ብተዳጋጋሚ ኣብ መቐለ ሰላማዊ ሰልፊ ብምውፃእ ዝተፈላለዩ ሕቶታት የቕርቡ ‘ዮም። ኣብዚ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ይኹን መንግስቲ ፌዴራል ክገብርዎ ዝግባእ እንታይ ‘ዩ ኢሎም ይኣምኑ?

ኣይተ መስፍን፡- ኣብዚ ክግበር ዝግበኦ ግልፂ ‘ዩ፤ ዩኒቨርሳል ‘ዩ፤ ምስቲ ውግእ ተተሓሒዙ ናይ ስነ ልቦና ኽንክን ክረኽቡ ኣለዎም።

ካብ ተሃድሶ ጀሚርካ ብስራሕ፣ ፋይናነስ፣ ወይ ብተፈላለዩ መገዲ ክሕገዙ ኣለዎም። ካብቲ ዝነበርዎ ሂወት ወፂኦም ዝሓሸ መነባብሮ ክምስርቱ ክሕገዙ ኣለዎም። ኣብዚ እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ካብ ናይ ቕድሚ ሕዚ ጌጋታት ተማሂሩ ዝኽእሎ ኩሉ ስራሕ ክሰርሕ ኣለዎ። ናይዚኦም ፀገም እንድሕር ዘይተፈቲሑ ናይ ፀጥታ ፀገም ከጋጥም ይኽእል ‘ዩ።

ኣብዚኦም ዝፍጠር ጉድለት ኣብቲ ካሊእ ሰራዊት ‘ውን ፅልዋ ስለ ዘሕድር ብዝግባእ ክሕሰበሉ ኣለዎ። እዚ ድማ ነታ ክልል ከምኡ ‘ውን ከም ሃገር ጎዳኢ ስለ ዝኾነ መንግስቲ ፌዴራልን እቲ ክልልን ብዝግባእ ተመኻኺሮም ዘላቒ ፍታሕ ከቐምጥሉ ኣለዎም።

ቕድሚ ስምምዕነት ሰላም ብምኽንያት መጉዳእቲ ተሰንዮም ዘለዉ ነበር ዕጡቓት ዓርሶም ዝኽእልሉ ኩነታት ብምምችቻው ኣብ ልምዓት ሃገሮም ‘ውን ተሳተፍቲ ክኾኑ መንግስቲ ፌዴራል ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኑ ኩነታት ህይወቶም ከማቻችዎሎም ኣለዎ። እቶም ዝስነዩ ዘለዉ ኣካላት ኣብ ሃገሮም ናይ በዓልቶም ኣስተዋፀኦ ንኽገብሩ መንግስቲ ጥጡዕ ባይታ ክፈጥረሎም ኣለዎ።

እቶም ኣካሎም ዝተጎድኡ ድማ መሰረታዊ ነገር ከቕርበሎም ኣለዎ። ይኹን ‘ምበር ክሳብ ሕዚ እኹል ጠመተ ኣይረኸቡን ዘለዉ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ገንዘብ ብምትእኽኻብ ብፍላይ ነቶም ጉድኣት ኣካላት ክሕግዞም ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ምስ ተወለድቲ ተጋሩ ዘተ ገይሮም ነይሮም። ኣብዚ ዘለዎም ሓፈሻዊ ርኢቶ እንታይ ይመስል?

ኣይተ መስፍን፡– ምስ ተወለድቲ ተጋሩ ምዝታይ ክፍኣት የብሉን። ግና ዕላማ ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ። ናይ ሰባት ድሌት ሒዝካ ንቕድሚት እትስጉመሉ ኩነታት ክኸውን ኣለዎ።

ፅቡቕ ዝተዛረብዎ ነገር ኣሎ፤ ማለት ዋላ ለሚንና ‘ውን እንተኾነ ሰላም ኢና ንደሊ፤ ድሕሪ ሕዚ ክንዋጋእ ድሌት የብልናን፤ ዘካራኽሩ ናይ ግዝኣት ነገራት ብሰላም ክፍትሑ ኢና ንደሊ ኢሎም ነይሮም። እዚ ፅቡቕ ሓሳብ ‘ዩ።

ኮይኑ ግና ፅንሕ ኢሎም ድማ ናይ ፌዴራል ሓይሊ ከውፅኦም ኣለዎ፤ ዝብል ነንርእሱ ዝዋቓዕ ሓሳብ ዝተዛረብዎ ዘረባ ነይሩ።

ምስ ሻዕብያ እንተኾነ ‘ውን ከንዕረቕ ኢና ንደሊ ፀገማት ብሰላም ክፍትሑ ኢና ንደሊ ይብሉ ነይሮም። ፅንሕ ኢሎም ድማ እኹል ሓይሊ ኣለና ዝብል ዘረባታት ይዛረቡ ነይሮም። ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት ንእሽተይ ዝተሓዋወሱ ነገራት ‘ዮም።

ብሓፈሻ ከምቲ ንሪኦ ዘለና እቲ ፀገም ብሰላም ኣብ ምፍታሕን ጥቅሚ ህዝቢ ኣብ ምርግጋፅን ድሌት ዘለዎም ይመስለኒ። ግና ምስቲ ዝነበረ ኩናት እቲ ፀገም ንምፍታሕ ክኸብድ ዝኽእል ይመስለኒ። እቲ ክልል ብስነ ልቦና ይኹን ብኢኮኖሚ ተጎዲኡ ‘ዩ።

ብዙሓት ግዝኣታት ‘ውን ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ የለዉን። ስለዚ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ፀገም ንምስትኽኻል ዝኸበደ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝሓስብ። ብፍላይ ኣብዚ መንግስቲ ፌዴራልን ካልኦት ኣካላትን እንተዘይሓጊዞም ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ እናሰርሖም ዝመፀ ስራሕቲ ከም ፖለቲከኛ ከመይ ይገልፅዎ? ማለት ጥንካረኡን ድኽመቱን ኢሎም ዝገልፅዎ እንተሃልዩ?

ኣይተ መስፍን፡– ጠንካራ ጎኒ ዝብሎ ንሰላም ቕሩብ ብምዃን ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ማለት በቲ ስምምዕነት ሰላም መሰረት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣለዉ።

እዚም ጠንካራ ክባሃሉ ዝግበኦም ‘ዮም። ተጣናኺሮም ድማ ክቕፅሉ ይግባእ። ሰላም ‘ዩ ዘዋፀአና ዝብል ኣተሓሳስባ ምፍጣሩ ከም ኣወንታ ስራሕ ኢለ ‘የ ዝወስዶ።

ኣብቲ ማሕበረሰብ ኩናት ናይ ምፅያፍ ኣራኣእያ ተፈጢሩ ኣሎ፤ እዚ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስ መንግስቲ ፌዴራል ኮይኑ ብዝገበሮ ፃዕሪ ‘ዩ፤ እዚ ፅቡቕ ‘ዩ። ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ ሕዚ ኣዝዩ ዝተፈለየ ኣተሓሳስባ ኣሎ። እዚ ዓብዪ ነገር ‘ዩ።

ብሓይሊ ምንም ዝመፅእ ረብሓ ይኹን መፍትሒ ከምዘየለ እቲ ህዝቢ ይርዳእ ኣሎ። እታ ዝተረኽበት ሰላም ክንደየናይ ጠቓሚት ምዃና ህዝቢ ይርዳእ ኣሎ ‘ዩ። እቲ ህዝቢ ብዛዕባ ሰላም ንኽርዳእ እቲ ውድብ ናይ በዓሉ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ‘ዩ። እዚ ጠንካራ ስራሕ ተባሂሉ ክውሰድ ይከኣል ‘ዩ።

እቲ ፀገም ወይ ድኽመት ዝበሃል ኣብቲ ውድብ ዓፈና ዝለመዱ ኣባላት ኣለዉ፤ እዚኦም ዲሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ዘይብሎም ኣካላት ‘ዮም። እዚ ድማ ንህዝብና ዋጋ ኣኽፊሉዎ ‘ዩ። በዚ ኣተሓሳስባ እዚ ህዝቢ ካብ ሓደጋ ክተውፅእ ኣይትኽእልን።

ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዝዓግቱ ኣካላት ኣለዉ። ከምዚ ዝኾነሉ ኩነታት ድማ ሕዚ ‘ውን ኣብቲ ውድብ ብኣተሓሳስባ ዘይተቐየሩ ኣካላት ስለ ዘለዉ ‘ዮም። ሕዚ ‘ውን ጉጅላዊ ኣተሓሳስባ ኣሎ ‘ዩ። እዚ ክስተኻኸል ኣለዎ።

ኣብ ኩነታት ፀጥታ እንተሪእና ‘ውን ድኽመት ኣሎ ‘ዩ፤ ስርቒ ብሰፊሑ ኣሎ፤ ህዝቢ ኣብ ስግኣት ‘ዩ ዘሎ። ናይ ፀጥታ መሓውር ኣይተጣናኸረን፤ ስርቒ ተስፋሕፊሑ ኣሎ፤ ብቀትሪ መዓልቲ ከይተረፈ ሰባት ይዝረፉ ኣለዉ ‘ዮም።

ኣብ መሓውር መንግስቲ እንተይቀረየ ኮይኖም ንረድኤት ዝመፀ ከም እኽሊ ይኹን ካሊእ ዝሰርቑ ኣለዉ ‘ዮም። እዚ ንምስትኽኻል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም።

ኣይተ መስፍን፡– ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ጥሜት ሰብ ይመውት ኣሎ ‘ዩ።

ክሕግዙ ዝኽእሉ ኣካላት ከም ዲያስፖራ ትግራይ ብምትሕብባር ህዝቢ ዝሕገዘሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ። ዘለዉ ፀገማት ብቕደም ሰዓብ ንምፍታሕ ክስራሕ ኣለዎ። ሰብ ብጥሜት እናሞተ ኣስፋልቲ ምምራቕ ትርጉም የብሉን። ቐዳምነት ዘድልዮም ነገራት ክቕድሙ ኣለዎም።

እዚ ንምፍታሕ ምርብራብ የድሊ። ረድኤት እኽሊ ዝሰረቑ ኣካላት ‘ውን ክሳብ ሕዚ ዝተወሰደሎም ስጉምቲ የለን። እቲ ፀገም ጥሜት ካብ ቑፅፅር ወፃኢ ከይኸውን መንግስቲ ፌዴራል ይኹን እቲ ክልል ኣብዚ ጉዳይ እዚ ጠመተ ሂቦም ክሰርሑ ኣለዎም። ኩነታት ጥሜት ቐዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ጉዳይ ‘ዩ።

ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣተሓባቢርካ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥሜት ሓደጋ ክወፀሉ ዝኽእል ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ። ህዝብኻ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ምውፃእ የድሊ። ነዚ ዓብዪ ጠመተ ተዋሂብዎ ክስረሐሉ ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ከመሓላልፍ ይደሊ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሒት ኣዚና ነመስግን።

ኣይተ መስፍን፡– ኣነ ‘ውን ኣዝየ ‘የ ዘመስግን።

 መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 11 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

Recommended For You