‹‹ኢትዮጵያ ናይ ምውሳን ነፃነታ ኣረጋጊፃ ርክብ ወፃኢ’ውን በዚ መገዲ እትሃንፅ ‘ያ ›› – ኣይተ ያሲን ኣሕመድ ባዕጋይ

ትካል ዲፕሎማሲ ህዝቢ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ገፅታ ኢትዮጵያ ብፅቡቕ ንክርአን ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መድረኽ ንክኽበር ዝሰርሕ’ዩ። ፖለቲካዊ ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖምውን ዝኣመሰሉ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላው ዝሟገትን ንዚ ዕላማ ሒዙ ዝጓዓዝ ትካል ‘ዩ።

ናይዚ ትካል ፕሬዝዳንት ኣይተ ያሲን ኣሕመድ ባዕጋይ ኣልጀዚራ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ሚድያታት ብዛዕባ ግድብ ዓባይን ክንዲ ኢትዮጵያ ኾይኖም ረብኻ ኢትዮጵያ ንክኽበር ክሳብ ሐዚ ብሓሳብ እናተሟገቱ ይርከቡ።

ኣብ ሰሜን ክፋል ሃገርና ተፈጠረ ኣብ ዝነበረ ኹናት ሽም ኢትዮጵያ ብምፅላም ወፍሪ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ዓረብ ተዛረብቲ ኢትዮጵያውያን ተኣኪቦም ንዚ ትካል ከምዝመስረትዎ’ውን ኣይተ ያሲን ይገልፁ።

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር አብይ ኣሕመድ ግብፂ ሓዊሱ ካልኦት ሃገራትን ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ካብ ምጥንካር ሓሊፉ ንኢትዮጵያ ኢኮኖሚን ፖለቲካን ዘለዎ ረብሓ ኣመልኪቶም ኣይተ ያሲን ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- ትካል ዲፕሎማሲ ህዝቢ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ቀንዲ ስራሕቱ እንታይ ‘ዮም ?

ኣይተ ያሲን፡- ናይዚ ትካል ዋና ዕላማ መሰል ኢትዮጵያ፣ ድሌት(ኢንተረስት) ኢትዮጰያ መሰረት ብምግባር ፖለቲካ ይኹን ፣ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ዝኣመሰሉ ረብሓታት መሰረት ብምግባር ምምጓት ‘ዩ።

ናትና ዲጂታል ቃልሲ ዝነበረ ብፍላይ ድማ ግድብ ህዳሰ/ ኣባይ ብዝምልከት ኣብ ሚድያትት ዓረብ ንኣልጀዚራ ሓዊሱ ኢንተርናሽናል ዓረብ ሚድያታት ብምውፃእ ብፍላይ መሰል ግድብ ኣባይ ንምሕላው ከምኡ ‘ውን ኣብ ሰሜን ክፍሊ ሃገርና ዝነበረ ኹናት ምኽንያት ዝተፈጠረ ፅዕንቶ ትኽክል ከምዘይኾነ ብዝተፈላለየ ዓረብ ሚድያታት ንኢትዮጵያ ናይ ምክልኻል ስራሕ ሰሪሕና ኢና።

ኣብ መላእ ዓለም እንርከብ ዓረብኛ ተዛረብቲ ኢትዮጵያውያን ተኣኪብና እዚ ትካል መስሪትናዮ። ስለዚ ናይዚ ትካል ዋና ዕላማ መሰልን ረብሓን ኢትዮጵያ ንምሕላወ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ኢትዮጵያን ግብፅ ብምኽንያት ኢትዮጵያ እናሃነፀቶ ዘላ ግድብ ኣባይ ኣብ ዘይምስዕማዕ ውሽጢ ፀኒሐን ‘የን ኣብ ቀረባ ተራኺበን፣ እዚ ናይ ክልቲአን ሃገራት ርክብ ኣብ ምጥንኻር ዘለዎ ረብሓ ከመይ ይገልፅዎ ?

ኣይተ ያሲን፡- ናይ ኽልቲኦም ሃገራት መራሕቲ ማለት ‘ውን ኽቡር ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ከምኡ ‘ውን ዝተኸበሩ ፕሬዝዳንት ግብፂ ኣብዱልፈታህ ኣልሲሲ ዝተረኸብሉ ዋና ምኽንያት ኣብ ሱዳን ብዘሎ ኹናት ‘ዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተመረፅሉ ኸባቢ ናብ ግብፂ ኣምሪሖም ከምዝነበሩ ዝፍለጥ ‘ዩ። እዚ ካልኣይ ዑደቶም ‘ዩ። ኾይኑ ግና ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝነበረ ጉባኤ ይራኸቡ ነይሮም ‘ዮም።

ግና ኽልቲኦም ብዘረኽቦም ጉዳይ ግና ተራኺቦም ኣይፈልጡን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ጉዳይ ኣባይ ግድብ ምትእምማን ኣይነበረን። እዚ ኣብ ሱዳን ዝተፈጠረ ኹናት ንዚአን ሃገራት ንምቅርራብ መንገዲ ኸፊቱ ‘ዩ ። ግብፂ ዝነበራ ፖሊስን ኣመለኻኽታን እናቐየረት ስለዝመፀት ‘ዩ፣ እቲ ሓደ ምኽንያት ‘ውን ዝኾነ እዚ ‘ዩ።

ግብፂ ኣባይ ብዝምልከት ኣብ ሰለስቲኦም ሃገራት ብኣፍሪካ ሃገራት ንክምራሕ ፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ኮፍ ኢለን ንክመርሓ ዝተወሰነሉ ግዜ ‘ውን ‘ዩ ነይሩ፣ እዚ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ምትእምማን ንክፈጥር ገይሩ ‘ዩ ፤ እቲ ካልእ ግብፅ ድልየት ኢትዮጵያ እናተረደአት መፂኣ ‘ያ ፤ ዝፍጠሩ ፀገማት ብሕብረት ኣፍሪካ ‘ዮም ክፍትሑ ዘለዎም ‘ምበር ብዓረብ ሊግ ኣይኮነን።

ናይል ጉዳይ ኣፍሪካ ‘ዩ ፣ ኣብ ኣፍሪካ ‘ዩ ዝርከብ። ስለዚ ናይ ኽልቲኦም ርክብ እቲ ሓደ ጉዳይ ሱዳን እንትኾን እንትቕፅል ድማ ኢትዮጵያን ግብፅን ናይ ሓደ ኣመለኻኽታ እናመፃ ስለዝኾነ ፀገማት ብሰላማዊ መገዲ ናይ ምፍታሕ ኣንፈት እናተርኣየ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ኢትዮጵያ፣ ግብፅና ሱዳን ኣብ ግድብ ህዳሴ ዙርያ ዝግበር ዝርርብ ንምጅማር ኣብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ውሽጢ ኣብ ምርድዳእ ንምብፃሕ ፃዕሪ ንክግበር ተስማዕሚዖም ‘ዮም፣ እዚ ዝርርብ ዝተሳኸዐን ተግባራውን ንክኾን ካብተን ሃገራት እንታይ ትፅቢት ይግበር?

ኣይተ ያሲን ፡- ግድብ ኣባይ ብዝምልከት ዝርርብ ኣብ ኣርባዕተ ወርሒ ከምዝጅርም ተወሲኑ ‘ዩ።

እዚ ንዝተሳኸዐ ንክኸውን ካብተን ሃገራት እንታይ ትፅቢት ይግበር ንዝብል ኣብዚ ዓብይ ቦታ ዝሕዝ ናይ ሰለስትኤን ሃገራት ሚድያ ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዝንሰምዖ ዝነበርና ኣወንታ(ፖዘቲቭ) ሓሳባት እንተነበሮ ‘ውን ኣብዝሓ ግን ኣሉታ(ነገቲቪ) ዝባሃል ሓሳብ ዝበዝሖ ‘ዩ ነይሩ።

ብፍላይ ናይ ግብፂ ሚድያን ዓረብ ሚድያታትን ሽም ኢትዮጵያ ኣብ ምጥፋእ ወፊሮም ነይሮም ‘ዮም። ኸዚ ግና ናይ እዚኦም ሃገራት ስምምዕነት ስዒቡ ፅቡቕ ዝባሃል ሓሳብ ‘ዩ ዘሎ። ስለዚ እዚ ስምምዕነት ቕድሚ ምጅማሩ ኣብ ሚድያ ሰለስቲኦም ሃገራት ኣወንታ(ፖዘቲቭ) ዝኾነ መልእኽቲ ክህልዎ ይግባእ።

ሚድያታት ካብዚ ነፃ ኾይነን ተዝንቀሳቐሱ ተመራፂ ‘ዩ። ንሕና ከም ሃገራት ናይል ረብሓ ኣለና። ሰለስቲአን ሃገራት እንድሕር ተስዕሚዐን እቲ ረብሓ ንህዝቢ ‘ዩ ፤ እዚአን ሃገራት ዘራኽበን ናይል ጥራሕ ኣይኮነን። ካብዚ ንላዕሊ ኣብ ሓድነት ፣ ኢኮኖሚ ፣ፀጥታን ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካ ምትሕብር ኣድላይ ‘ዩ። ስለዚ ብጉዳይ ኣባይ እንድሕር ተስማዕሚዖም ኣብ ካልእ ጉዳይ ቀሊል ‘ዩ ዝኾን።

ናዚአን ሃገራት ርክብ ኣብ ሓባር ረብሓ ዝተሞርከዘ ክኸውን ኣለዎ ፤ ናይ ኽልቲአን ሃገራት ህዝብታት ድማ ብዙሕ ዘራኽቦም ጉዳት ኣለዎም። ስለዚ መንግስታት እዚኦም ሃገራት ቀዳምነት ክህብዎ ዘለዉዎ ናይ ህዝቦም ረብሓ’ዩ። ንረብሓ ክልቲኦም ህዝብታት ትኹረት ብምሃብ ‘ዩ እቲ ዝርርብ ክጅመር ዘለዎ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ጣልያን ዝተኻየደ ዓለምለኸ ልምዓትን ፍልሰትን ጉባኤ ናይቲ ፀገም ኣተሓሳሳቢነት ብግልፂ ተቐሚጡ ‘ዩ። ነዚ ድማ ኣብ ዕብየት ዘለዋ ሃገራት ዕዳ ምስራዝ ሓዊሱ ድኽነት ንምቕናስ ዝገብርዎ ስራሕቲ ሓገዝ ክግበረሎም ከምዝግባእ ተላዒሉ ‘ዩ ፣ ኣብዚ ዘለዎም ሓሳብ እንታይ ይመስል ?

ከምኡ ‘ውን ኣብ ምዕባይ ዘለዋ ሃገራት ፀገም ንምፍታሕ ሓድሽን ኣካታትን ሓገዛት ፋይናንስ ስርዓት ንክህሉ ሓሳብ ቐሪቡ ‘ዩ እዚ ተግባራዊ እንድሕር ተገይሩ መሰረታዊ ዝኾነ ፀገማት ክፈትሕ ይኽእል ዶ ?

ኣይተ ያሲን፡– ሕጋዊ ዘይኾኑ ስደተኛታት ናብ ኣውሮፓ ብፍላይ ድማ ንዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ክንርኢ ከለና ብዕፅፊ እናወሰኸ መፂኡ ‘ዩ ፤ ሐዚ ከም ሓድሽ ዝረአ ዘሎ መሰረታዊ ምኽንያት ዘይሕጋውያን ስደተኛ ፀገም ኢኮኖሚ ‘ዩ። እዚ ፀገም ንምፍታሕ ዝተልዓሉ ሓሳባት ስደተኛታት ዝላዓልሉ ሃገር ብፍላይ ኣፍሪካ ንዓኣቶም ሓገዝ ምግባር ‘ዩ ።

ኣብዝሓ ካብ ኣፍሪካ ዝመፁ ፀገም ኢኮኖሚ ከምኡ ‘ውን ፀገም ዲሞክራሲን ስእነት ሰላምን ዝነበሮም ሃገራት ዝተረጋጋዐ ስለዘይኾነ ‘ዩ ፤ ከምኡ ‘ውን መሳገሪ ዝተብሃላ ሃገራት ከም ሱዳን ፣ ግብፂ ፣ ሊብያ ዝኣመሰሉ ሃገራት ‘ዮም።

ስለዚ ናይዚ ፀገም ተጋለፅቲ ዝኾኑ ሃገራት ወይም መሳገርቲ ሃገራት ኢሎም ዝፈለይወን ሓገዝ ብምግባርን ዕደኦም ብምስራዝ ተግባራዊ እንድሕር ተገይሩ ካብዚአን ሃገራት ዝወፅእ ስደተኛ እናቐነሰ ‘ዩ ዝኸድ ማለት ‘ዩ ።

ኾይኑ ግና እዚ መሰረታዊ ፍታሕ ኣይመስለን ፣ ስደተኛ ንክቕንስ ክገብር ይኽእል ‘ዩ። ስደተኛ እንትመፅእ ክንደይ ፀገም ኣሕሊፉ ከመዝመፅእ ኣይርደኦምን። ሓበሬታ ዘይምንባሩ ንባዕሉ ስደተኛ ንክበዝሕ ‘ዩ ዝገብር። ካብ ሃገሩ እንትላዓል ኹሉ ዝተመቻቸወ ስለዝመስሎ’ዩ ።

ካልእ ድማ ናይዘን ሃገራት መሰረታዊ ፀገም እንድሕር ዘይተፈቲሑ ማለት ‘ውን ናይ ኢኮኖሚ፣ ዴሞክራሲን ፍትሕን እንድሕር ዘይተፈቲሑ ስደት ጠጠው ኣይብልን። ስለዚ እዚ ናይ ሮማ ኣኼባ መልዓሊ ሓሳቡ ፅቡቕ ‘ዩ ፤ ግና እቲ ፀገም ገንዘብ ጥራሕ ዝፈትሖ ኣይኮነን።

ገንዘብ ዋና መሰረታዊ ፀገም ዝባሃል ክፈትሖ ኣይኽእልን። ዋና እቲ ፀገም ክፈትሖ ዝኽእል ሃገራት ኣፍሪካ ፍትሕን ፣ዲሞክራሲን ኢኮኖሚያውን ዕድል ስራሕን ክፍጠር ኣለወን። ሰብ ዝተስተኻኸለ ናብራ እንድሕር ዘይብሉ ስደት ‘ዩ ዝመርፅ ፤ ስለዚ እቲ ሓሳብ ፅቡቕ እንተኾነ ‘ውን መሰረታዊ ዝኾነ ፀገም ዝፈትሕ ተዝኾን ተመራፂ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሩስያ-ኣፍሪካ ዝተሳፈት ኢትዮጵያ ካብ ኢኮኖሚ ኣንፃር ረብሕኡ እንታይ ይመስል ?

ኣይተ ያሲን፡– ኣብዚ ካልኣይ ናይ ሩስያ -ኣፍሪካ መራሕቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ዓብይ ርክብ ዲፕሎማሲ ዝነበራ ሃገር ‘ያ።

ምስ ሩስያ ብዝተፈላለየ ንግዲ ጥንክር ዝበለ ርክብ ከምዘሎ ዝፍለጥ ‘ዩ። እዚ ርክብ ንግዲ ብሰፊሑ ከምዝቕፅል ኣብ ጉባኤ ተገሊፁ ‘ዩ። ካልኦት ሰፊሕቲ ስራሕቲ ‘ውን ሓቢሮም ከምዝሰርሑ ገሊፆም ‘ዮም።

ኢትዮጵያ ሃገራዊ ናይ ምውሳን ነፃነታ ኣረጋጊፃ ናይ ወፃኢ ርክብ ‘ውን በዚ መገዲ እትሃንፅ ‘ያ ፤ ወፃኢ ርክብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ብምቕዳም ካብ ኹሉ ንላዕሊ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተመስረተ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ዝተረኸበትሉ ናይ ሩስያ-ኣፍሪካ መራሕቲ ጉባኤ ኣብ ኣፍሪካ ኣህጉር ዘሎ መሪሕነት ግደ ዘረጋገፀ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሑል ኹናት እዋን ዝነበራ ዝተፈላጢ ቅዋም ሚዛናዊ ርክብ ነይርዋ ‘ያ። ፌዴሬሽን ሩስያ ዓብይ ሃፍቲ ኢኮኖሚ ስለዘለዋ ኢትዮጵያ ናይ ኽልቲአን ሃገራት ረብሓ ብምሕላው ዕድላት ኢንቨስትመንት ዕድላት ዕሽሽ ክትብሎ ኣይትኽእልን።

ሩስያ ስርናይ ፣ ዘይትን ጋዝን ካብ ወፃኢ ካብ ዝልእኹ ሃገራት እታ ሓንቲ እንትኾን ዘይትን ጋዝን ኣብ ምውፃእ ዓብይ ልምዲ ኣለዋ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ዘለዋ ናይ ነዳዲን ጋዝ ካብ ትሕቲ መሬት ንምውፃእ ድልየት ስለዘለዋ ናይ ሩስያ ቴክኖሎጂ ልምዲ የድልያ ‘ዩ ፤ ብኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ድማ ሓቢሮም ንክሰርሑ ኣብ ስምምዕነት በፂሖም ‘ዮም።

ወጋሕታ፡- ኢትዮጵያ ብልምዓት መስኖ፣ ሌማት ትሩፋት፣ ሓምለዋይ ዓሻራ ውሕስነት ምግቢ ካብ ምርግጋፅ ዝሓለፈ ስርዓት ምግቢ ንምምሕያሽ እናሰርሐት ከምዝኾነትዝፍለጥ ‘ዩ፤ እዚ ብምግቢ ባዕልካ ናይ ምኽኣል ስራሕቲ ናይ ወፃኢ ሃገራት ሓገዛት ምግቢ ከለላ ብምግባር ፖለቲካዊ ፅዕንቶ ንምቕናስን ካብ ፅዕንቶ ሓራ ንምውፃእን ዘለዎ ረብሓ ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ያሲን፡– ቀዳማይ ሚኒስትር ዘምፅእዎ ሓሳብ ፅቡቕ ‘ዩ ፤ ሃገራት ኣፍሪካ ብሃፍቲ ተፈጥሮ ሃፍታማት ‘ዮም።

ቅድሚ ክብል ኣብ ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ፅቡቕ ምምሕዳር ኣይነበረን። ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ምስተመረፀ ብዙሕ ለውጥታት ርኢና ኢና። ካብቶም ለውጥታት ሓደ ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ሓገዝ ምግቢ ካብ ወፃኢ እናእተወት ከምዝነበረት ዝፍለጥ ‘ዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኢትዮጵያ ንባዕላ ክኢላ ንወፃኢ ኤክስፖር ጀሚራ ‘ያ። እዚ ንባዕሉ ዓብይ ለውጢ ‘ዩ ። ሓንቲ ሃገር ነፃ ክትኸውን እትኽእል እቲ ዋና ነገር ብምግቢ ዓርሳ እንተኽኢላ ‘ዩ ክንብል ንኽእል ኢና።

ግና ብምግቢ ውሕስና ንባዕላ ምኽኣል ተዘይኽኢላ ነፃ ክትኾን ኣትኽእልን፣ ንምንታይ እንተይልና ካብ ወፃኢ እኽሊ እንትልእኹ ሓገዝ ጥራሕ ኣይኮኑን ዝልእኹ፤ እታ ሃገር ‘ውን ምቁፅፃር ‘እዮም ዝደልዩ።

ንሳቶም ‘ውን ዝደልዎ ምቅባል ይድልዩ ‘ዮም። እዚ ሐዝ ዝተጀመረ ብምግቢ ባዕልኻ ምኽኣል ምትሕብባር ኣፍሪካውያን የድሊ ‘ዩ። እዚ ሓበራዊ ረብሓ ስለዝኾነ ኣፍሪካውያን ብሓባር ክተሓባበሩ ኣለዎም።

ዶክተር ኣብይ ዝጀመርዎ ናይ ምግቢ ባዕልኻ ምኽኣል መገዲ ሃገራት ካብ ፅግዕተኛ ኣብ ምውፃእ ዓብይ ግደ ኣለዎ ፤ እዚ ሃገራት ኣፍሪካ ክኽተትልኦ ዝግባእ ኣካይዳ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ኸዚ እናሰርሐቶ ዘላ ሓምለዋይ ዓሻራ (ግሪን ለጋሲ) ብብርኪ ኣፍሪካ ኣብነት ኾይና ‘ያ፤ ከምኡ ‘ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተን ኣርባዕተን ዓመታት ዝረአናዮ ምህርቲ ስርናይ ባዕላ ካብ ምኽኣል ሓሊፋ ናብ ወፃኢ ምልኣኽ ክትጅምር ዝገበረ’ዩ።

እዚ ድማ ዓብይ ዕብየት ‘ዩ። ሃገራት ኣፍሪካ እዚ መንገድ ምኽታልን ነኒባዕለን ናይ ምድግጋፍን ኩነታት እንተዝፍጠር ነፃነትን ከም ምእዋጅ ‘ዩ ፤ ንናይ ሓንቲ ሃገር ልማዓት ንጎረቤት ሃገራት ፅዕንቶ ይፈጥር ‘ዩ ።

ስለዚ ኣብ ኢትዮጵያ እናተገበረ ዘሎ ሓምላዋይ ዓሻራ ኾነ ውሕስና ምግቢ ባዕልኻ ምኽኣል ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንሃገራት ኣፍሪካ ኣብነት ክኸውን ዝኽእል ፕሮጀክት ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ክልል ትግራይ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ምንታይ ዓበይቲ ጉዳያት ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ይብሉ ? ሰላም ዘላቕነት ንክህልዎ ካብ መን እንተይ ትፅቢት ይግበር?

ኣይተ ያሲን፡– ክልል ትግራይ ናብ ዝነበሮ ንክምለስ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ምምፅኡ ዓብይ ለውጢ ‘ዩ። ስለዚ ናብ ዝነበሮ ንክምለስ ኣነ ከም ኢትዮጵያዊ ትግራዋይ እቲ ፀገም ኾነ ፍታሑ ኣብ ተወላድቲ ትግራይ ‘ዩ ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ እዚ ህዝቢ መስዋእትነት ኸፊሉ ‘ዩ። ዝተፈጠረ ፀገም ብሰላም ምፍታሕ ኣብ ዝነበረሉ ሰዓት ኹናት ብምክያዱ ዘየድሊ መስዋእትነት ተኸፊሉ ‘ዩ ። ኸዚ ዝሓለፈ ሓሊፉ ሰላም ምምፅኡ ንባዕሉ ዓብይ ዕድል ‘ዩ ።

ኸዚ ብኣይተ ጌታቸው እናተመርሐ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትፅቢት ከምዝተገበረሉ ለውጢ ኣየምፅእን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ዕንቅፋት ስለዝበዝሕ ‘ዩ ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር በይኑ ‘ምበር ካልኦት ውድባት ዘካተተ ኣይኮነን። ካልኣይ ኣብ ትግራይ ነፃ ዝኾነ ትካል ሚድያ የለን።

ግዝያዊ ምምሕዳር ብፌደራል መንግስቲ ገምጋም ተዝግረሉ ፅቡቕ ይመስለኒ ፤ ግዝያዊ ምምሕዳር ትፅቢት ከምዝግበረሉ እናስርሐ ድዩ ዝብል ገምጋም ኣድላይ ‘ዩ። ኣብዚ ኸዚ ናይ ጉድኣት ኹናት ሕቶ ኣይተመለሰን ፤ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ምሉእ ብሙሉእ ኣይተፈትሑን ።

ስለዚ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኹሉ ዘካተተ ክኸውን ይግባእ ከምኡ ‘ውን ነፃ ትካላት ሚድያ ክህልዉ ይግባእ። ኣብ ትግራይ ዘለዉ ተቃዋሚ ፓርታት ሚድያ ተጠቒሞም ሓሳቦም ክገልፁ እናተርኣዩ ኣይኮኑን። እቲ ህዝቢ ደፊሩ ወፂኡ ሓሳቡ ዝገልፀሉ ሚድያ የለን።

ስለዚ እዚ ዘርኤና ኸዚ ‘ውን ነፃነት የለን፤ ስለዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ግልፅነት ዝሰፈኖ ኣመራርሓ ክኾን ይግባእ። ሚድያታ ትግራይ ናይ ህዝቢ ሚድያ ‘ምበር ናይ ፓርቲ ሚድያ ኣይኮኑን። ናይ ኹሉ ድምፂ ብማዕርነት ክስማዕ ኣለዎ ፤ ናይ ሓደ ድምፂ እናሰምዐ ናይ ሓዲኡ እናዓፈነ ለውጢ ክመፅእ ኣይኽልን።

እቲ ካልእ ልዕል ኢለ ከምዝገለፅኾ ፀገሙ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ዘሎ። ህወሓት ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጠሮ ኣመለኻክታ ክቕየር ኣለዎ ። ፕሮፖጋንዳ ህወሓት ኣብቲ ህዝቢ ፅዕንቶ ኣሕዲሩ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ሓደ ኣካል ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ዩ።

ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ፀገም ካብ ጎረቤት ፍታሕ ምድላይን ምኽንያት ምግባር ትኽክል ኣይኮነን። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ፀገሙ ዝፈትሓሉ ቁልፊ ኣብ ኢዱ ‘ዩ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ ኸዚ ናይቲ ፀገም ግዳይ ነይሩ ዩ ኸዚ ‘ውን ኣካል እቲ ፍታሕ ክኾን ይኽእል ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን ።

ኣይተ ያሲን፡- ኣነ እውን የመስግን።

 መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 04 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

Recommended For You