‹‹ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ብምርዳእ ነቲ ክልል ዕብየት ምስራሕ ትፅቢት ይግበር ›› – ኣይተ ሚኪኤለ ገብረመድህን

ዝተፈላለየ መረዳእታ ከምዝሪእዎ ፣ ኣብ ዝተፈላላየ ትካላት ዘለዉ ኣመራርሓ ዝመርሕዎ ትካል ክሳብ 40 ሚኢታዊ ውፅኢታውነት ናይ ምዃን ዓቕሚ ኣለዎም ፤ እዚ ማለት ኣመራርሓ ኣብ ሓደ ኩነታት ዘለዎ ግደ ዓብይ ከምዝኾነ መርኣያ ‘ዩ፡፡

ኣመራርሓ ማለት ድማ ኣብ መንጎ ስራሕተኛታት ሓበራዊ ዝኾነ እምነት ንክፍጠርን ራእይ ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ምርድዳእ ብምፍጣር ስራሕቲ ውፅኢታዊ ናይ ምግባር ተግባር ክእለት ‘ዩ፡፡ ኣመራርሓ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ፅዕንቶ ብምሕዳር ንኽእልዎ ናይ ምግባር ከይዲ ከምዝኾነ ብፍላይ ድማ ዕላማ ንምስኻዕ ቕድሚት ብምዃን ሰባት ወይም ጉጅለ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ‘ዩ፡፡

ኣመራርሓ ሓደ ትካል ምስ ለውጢ ኩነታት ንምጥዕዓም ናይ ምግባር ከይዲ ከምዝኾነ ናይ ትካላት ናይ ቕድሚት ምስሎም እንታይ ከምዝመስል ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ሰራሕተኛታት ምስ ትካል ራእይ ዘተኣሳስርን እቲ ራእይ ተግባራዊ ንክኾን ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታት ምልዕዓል ዝፈጥር ከምዝኾነ መረዳእታታት የረድኡ፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣመራርሓ ኣካዳሚ‹‹ፀገም ፈታሕቲ ምርምራት ንከተማና ዝበለፀ ለውጢ ››ብዝብል ቴማ ዓመታዊ ናይ ፅንዓትን ምርምርን ዓውደ መፅናዕቲ ኣካይዱ ነይሩ፡፡

ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ እቲ ኣካዳሚ ብዝተፈለላዩ ጉዳያት ከተማ ትኹረት ገይሩ ዘፅነዖም ናይ ምርምር ውፅኢት ኣቕሪቡ ምኽክር ተገይርም ‘ዩ ፤ ኣብዚ መርሃ ግብሪ ካብ ዝተሳተፉ ሓደ ዳይሬክተር ኣመራርሓ መለስ አካዳሚ ክልል ትግራይ ኣይተ ሚካኤል ገብረመድህን ይርከብዎም፡፡

ኣይተ ሚካኤል ምስ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብፍላይ ድማ ድሕሪ እቲ ስምምዕነት ሰላም እናተሰርሐ ዝርከብ ተግባራት ኣብሪሆም ‘ዮም፡፡

ብፍላይ ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝጎደሉ ኣመራርሓታት ንምትካን ስራሕቲ ንምቅልጣፍን፣ ንቲ ክልል ኣመራርሓን ባዓል ሞያታትን ዝዋሃብ ስልጠና ምድላውን ፣ እቲ ክልል ብምኽንያት ኹናት ዝበፅሖ ጉድኣትን ፀገማት ከይድገሙ ክውሰዱ ዝግበኦም ጥንቃቐ ብምልዓል መብርሂ ሂቦም ‘ዮም፡፡

ካብዚ ብምልዓል ኣብቲ ክልል ዘሎ ወድዓዊ ኹነተት ኣብ ግምት ውሽጢ ዘእተወ ስራሕ ንምስራሕ ናይቲ ክልል ኣመራርሓ ኣካዳሚ ፍሉይ ትኹረት ከምዝሃበ ‘ውን ገሊፆም ‘ዮም፡፡ ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና፡፡ ሰናይ ንባብ!

 ሕቶ፡- ኣመራርሓ ኣካዳሚ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘዳለዎ ሃገርለኸ መድረኽ ተሳቲፍኩም ነይርኹም ፤ ካብቲ መድረኽ እንታይ ተገንዚብኩም?

ኣይተ ሚኪኤለ፡– ዝሓለፈ ኩነታት ብጣዕሚ ኸቢድ ‘ዩ ነይሩ:: ንኢትዮጵያ ኸቢድ ‘ዩ ነይሩ ፣ ብፍላይ ድማ ንክልል ትግራይ እቲ ኩነታት ብጣዕሚ ኸቢድን ሕልኽልኽ ዝበለ ‘ዩ ነይሩ:: ዝበፅሐ ጉድኣት ከቢድ ‘ዩ ነይሩ::

ኾይኑ ግና ዝሓለፈ ሓሊፉ ኸዚ ከም ሃገር እቲ ኣካዳሚ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ተረኺብና ኣብ ቀፃሊ ኣብ ሃገርና እንታይ ክንሰርሕ ከምዘለና ንምዝርራብ ፣ ንምዝታይ ምርኻብና ፅቡቕን ዝድለን ጉዳይ ‘ዩ:: ኣብዚ መድረኽ ዝቐረበ ሳይንስ ‘ዩ:: ካብቲ መድረኽ ብዙሕ ነገር ተማሂርና ኢና:: ንሕና ‘ውን ተግባራዊ ክንገብሮ ከለና ብምንታይ ኩነታት ክኾን ኣለዎ ንምባል ይሕግዘና ‘ዩ::

ሕቶ፡- በቲ ኹናት ምኽንያት ዝጎደሉ ናይ ኣመራርሓ ክፍተታት ንምምላእ እቲ ክልል እንታይ እናሰርሐ እዩ?

ኣይተ ሚኪኤለ፡- ከም ክልል ዝጎደለ ኣመራርሓ ኣሎ ‘ዩ ፤ ብዓቕሚ ፣ ብኣሓሳስባን ብዝተፈላለየ ምኽንያትን ዝጎደለ ኣመራርሓ ኣሎ:: ስለዝኾነ ድማ እቲ ኣመራርሓ ምሉእ ክኾን ይግባእ:: ብፍላይ ድማ ንልምዓት ኾነ ንሰላም ኣመራርሓ ምምላእን ምስራሕ ኣለዎ:

: ካብዚ መንፃር ናይ ኣመራርሓ ውሽጣዊ ኩነታት ብዝግባእ ርኢና ብቁዓት እናገበርናዮም ክንኸይድ ፣ ሲቪል ሰራሕተኛ ‘ውን በዚ ልክዕ እናብቃዕና እንኸደሉ ‘ዩ:: ብዙሕ ኣፀጋሚ ኩነታት ነይሮም ‘ዮም፣ ኸዚ እዚ ኹሉ ብምሕላፍ ንቕድሚት ክንራመድ ይግባእ::

ኣካዳሚ ስራሕ ኣመራርሓ መለስ ክልል ትግራይ ናብ ስራሕ እናተወ ‘ዩ ፤ ብስራሕና ‘ውን እቲ ዋና ትኹረት ኣብ ክልል ዓብይ ፀገም ዝተፈጠረ ከምዝኾነ ብምግንዛብ ምስትኽኻል ‘ዩ:: ኣብ ሓይሊ ሰብን እቶትን ዓብይ ዕንወት በፂሑ ‘ዩ::

በዚ ድማ ናብ ዝነበሮ ንምምላስን ናብ ካልእ ልምዓት ንምእታው ኣመራርሓን ባዓል ሞያን ዓብይ ግደ ኣለዎ:: ካብ ሳይኮ ሶሻል ክፍተትን ማሕበረሰባዊ ፀገም ወፂኦም ናብ ስሩዕ ከይዲ ስራሕ ናብ ምእታው ምንቅስቃስ እናተሰርሐ ‘ዩ:: ንሕና ‘ውን ከም ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ናብ ስሩዕ ስራሕ ዝምለስሉ ኩነታት ንምፍጣር ይካኣል ‘ዩ ኢልና ክንሰርሕ ኢና:: ፕሮግራም ተዳልዩ ስልጠናታት ተጀሚሮም ‘ዮም::

ኣብ መናእሰይ ‘ውን ስልጠናታት ተጀሚሮም ‘ዮም:: ድሕሪ ኸዚ እቲ መንእሰይ እንታይ ክኾን ኣለዎ ፣ ኸባቢኡ ከመይ ከልምዕ ኣለዎ ኣብ ዝብል እናሰርሐ ‘ዩ ፤ ስለዚ ትግራይ መፃኢ ዕብየት ኹሉ ግድኡ ከዋፅእ ኣለዎ :: እዚ ንምግባር የግድ ብቅዓት የድሊ ‘ዩ ፣ ታሪኽ ‘ውን ክፈልጥ ኣለዎ::

ውሽጣውን ወፃእን ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ብምፍላጥ ነቲ ክልል ዕብየት ክስራሕ ኣለዎ:: ኣብ ቀፃሊ ዘጋጥሙ ፀገማት ‘ውን ብዝግባእ ክፈልጥ ይግባእ:: ስለዚ ምስ እዚ ተደሓሒዙ ሰፊሕ ናይ ስልጠና መርሃ ግብሪ ዝተድሓዘ ስለዝኾነ ብትኹረት ዝስራሕ ጉዳይ ‘ዩ ዝኾን::

ሕቶ፡- እቲ ኣመራርሓ እቲ ክልል ዝገጠሞ ፀገማት ንምስትኽኻል እንታይ ክመስል ኣለዎ?

ኣይተ ሚኪኤለ፡- ኣብ ‹‹ትራንስፎርሜሽናል ሊደርሽፕ›› ዙርያ እቲ ኣመራርሓ እንታይ ክመስል ኣለዎ ዝብል ትኹረት ይህብ ‘ዩ::

ብተመሳሳሊ እቲ ኣመራርሓ እንታይ ክሕዝ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ዘካተተ ‘ዩ:: ዝጀመርናዮ ነገር ከመይ ኢሉ መስመር ክሕዝ ኣለዎ ከምኡ ‘ውን ኣፍራያይ ዝኾነሉ መገዲ ብጥልቀት ክንሰርሕ ኢና:: ስለዚ እንሰርሖ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ክኾኑ ዝኽልሉ ኩነታት ኹሉ ብዘለና ዓቕሚ ተግባራዊ እንገብር ‘ዩ ዝኾን::

ሕቶ፡- ነቲ ኹናት ምጅማርን ምዝዛምን እቲ ኣመራርሓ ዓብይ ግደ ኣለዎ ፤ ኣብ ቀፃሊ ፀገማት ብዘተ ንምፍታሕ መንእስይ ሓዊሱ ብቁዕ ኣመራርሓ ንምፍራይ እንታይ ክግበር ኣለዎ ?

ኣይተ ሚኪኤለ፡- ከም ሃገር እንሪኦ ዘለና ኹናት ትርጉም የብሉን:: ካብ ኹናት ዕንወት ‘ምበር ምንም ዝርከብ ነገር የለን ፤ ከም ሃገር ኢኮኖሚና ዘለዎ ኩነታት ኹላትና እንፈልጦ ጉዳይ ‘ዩ ፤ከም ክልል ትግራይ ድማ ብኹሉ ብርኪ ዓብይ ዕንወት በፂሑ ‘ዩ ፤ ስለዚ ካብዚ ንምውፃእ እቲ ኣመራርሓ ክሓስብ ኣለዎ::ሕድሕድ ፀገማት ኮፍ ኢሉ ክዘራብ ኣለዎ::

ካብ ዘተ ወፃኢ ዝመፅእ ጎንፂ ናብ ዝገደደ ፀገም’ዩ ዘእቱ:: ነቲ ሕብረተሰብ ዕንወት ‘ዩ ሒዝሉ ዝመፅእ:: እዚ ጠጠው ናይ ምባል ግደ ኣመራርሓ ዓብይ’ዩ:: ፀገማት ብዘተ ምፍታሕ ‘ዩ ዘድሊ:: ነዚ ግን ድልው ምዃን ትፅቡት ይግበር ‘ዩ ፤ እቲ ኣመራርሓ ዝተሃፀ እንተኾይኑ፣ ንውልቀ ጥቕሙን ስልጣኑን ዘይሓስብ እንድሕር ኾይኑ ሕብረተሰብ ማእኸል ዝገበረ ናይ ጎንፂ ዝኸደሉ ኣጋጣሚ የለን::

ሓደ ኣመራርሓ ህዝባዊ ኣተሓሳስባ እንድሕር ሃልይዎ ናብ ዝኸፍአ ነገር ክኣቱ ኣይኽእልን:: ካብ ህዝባዊ ኣተሓሳስባ እንድሕር ወፂኡ ግና ውልቃዊ ኣተሓሳስባ እንድሕር ሒዙ ናብ ጎንፂ ምእታው ኣይተርፍን:: ስለዚ ካብዚ ኣተሓሳስባ ክወፅእ ይግባእ::

ብሓፈሻ ነቲ ሕብረተሰብ ምሕሳብ እንድሕር ጀሚሩ ጎንፂ ዝፍጠረሉ ዕድል ኣይህሉን:: በዚ ‘ውን ተጎዳይ ማሕበረሰብ፣ መንእሰይ ፣ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ‘ዮም:: ዝበሰለ ኣመራርሓ ፀገማት ብሰላማውን ብዘተን ንምፍታሕ ክኣምን ኣለዎ:: በቢ ከባባኡ ፀገማት ኣለዉ ‘ዮም::

እቲ ዋና ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልካ ብምዝታይ ፀገማት ምፍታሕ ‘ዩ ፤ ፀገማት ብዘተ ምፍታሕ ድማ ምልክት ስልጣነ ‘ዩ:: እቲ መንእሰይ ድማ ብሰላማዊ መገዲ ሓሳቡ ክገልፅ ኣለዎ:: ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘሎ መንእሰይ ሰላም ደላይ ‘ዩ::

እቲ ማሕበረሰብ ሰላም ደላይ ‘ዩ ፤ ቅድሚ ኹናት ምጅማሩ’ውን ህዝቢ ትግራይ ሰላም ደላይ ‘ዩ ነይሩ:: ግና ብኹሉ ተቐባልነት እንድሕር ዘይረኺቡ ዋጋ የብሉን:: ኸዚ ‘ውን እተኾነ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ‘ዩ ዝደሊ::ንዘበናት ብዙሓት ኹናት ተመላሊሰምዎ ‘ዮም::

ብዙሕ ፀገማት ዘሕለፈ ማሕበረሰብ ‘ዩ:: እቲ ህዝቢ ብዛዕባ ኹናት ሕማቕ ገፅታ ይፈልጥ ‘ዩ:: ስለዚ ጥቕሚ ሰላም ብዝግባእ ዝፈልጥ ህዝቢ ‘ዩ:: ኾይኑ ግና ህዝባዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ብሰላም ናይ ምዝርራብ ዓቕሚ እንድሕር ዘይብሉ ኣመራርሓ ፀገም ይፈጥር ‘ዩ ::

በቲ ዝተፈጠረ ኹናት ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ሰብኣዊ ፍጡርን ጉድኣት በፂሑ ‘ዩ:: ድሕሪ ኸዚ ክሕሰብ ዘለዎ ኣብ ቀፃሊ ዝግበር ነገር ‘ዩ ፤ ዕብየት ከመይ ይመፅእ ዝብል ክስራሕ ኣለዎ:: ዝተፈጠረ ሰላም ዝፀንዐሉን መገዲ ምሕሳብን ምዕባይን ግቡእ ‘ዩ::

ኣብዚ መንእሰይ ዓብይ ግደ ኣለዎ ፤ እቲ ማሕበረሰብ ‘ውን ከምኡ:: ስለዚ እቲ መንእሰይ ኾነ ማሕበረሰብ ኣብዚ ትኹረት ክገብር ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ:: ስለዚ ብዛዕባ ሰላም ክዝምር ኣለዎ:: ጎስጓሱ ብዛዕባ ሰላም ክኾን ኣለዎ::

ሕቶ፡- ዝፀንዐ ሰላምን ቀፃልነት ዘለዎ ዕብየት ንምምዝገብ ከም ክልል ትግራይ እንታይ እናተሰርሐ ‘ዩ ?

ኣይተ ሚኪኤለ፡– ክልል ትግራይ እቲ ዋና ኣጀንዳ ገይርና ዝወሰድናዮ ኣብ ሰላም ምስራሕ ‘ዩ::

እዚ ኸዚ ኾነ ኣብ ቀፃሊ ብትኹረት እንሰርሐሉ ጉዳይና ‘ዩ ፤ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ክልል ትግራይ እቲ ዓብይ ትኹረት ‘ውን ዘላቒ ሰላም ንክሰፍን እናሰርሐ ‘ዩ ፤ ብሰላም ምስኣን ዝተፈጠሩ ፀገማት ኣለዉ ፤ ካብዚ ፀገም ንምውፃእ እንታይ ክስራሕ ኣለዎ ዝብል ብትኹረት እናተሰርሐ ‘ዩ::

ሕቶ፡- ኣብቲ ኣካዳሚ ዝሓለፈን መፃእን ኩነታት መሰረት ተገይሩ ፅንዓትን ምርምርን ናይ ምግባር ጅማሮ ኣሎ ዶ?

ኣይተ ሚኪኤለ፡– ኣብ ቀፃሊ ኣብ ፅንዓትን ምርምርን ዝድግፉ ስራሕቲ ናይቲ ፀገም መልዓሊ እንታይ ‘ዮም ፣ ካብዚ ፀገም ንምውፃእ ፍትሑ እንታይ ክኾን ይግባእ ነይሩ? ናይቲ ፀገም መሰረታዊ ፀገም እንታይ ‘ዩ? ናይቲ ኣመራርሓ ፀገም እንታይ ነይሩ?

ዝብል ኣብ ቀፃሊ ብፅንዓትን ምርምርና እናተሃነፀ ናይ ፍታሕ ኣንፈት እናተቐመጠ ዘላቒ ሰላም ከረጋግፅ ዝኽእል ኣተሓሳስብ ዝሃንፅ ሰነድ ዝዳለወሉ ኩነታት ክህሉ ‘ዩ:: ኣብዚ ዙርያ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘለዉ ክፍተታት ዝማሃርሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ ብዝብል ኣተሓሳስባ እናተሰርሐ ‘ዩ:: እዚ ዓብይ ነገር ‘ዩ ፤ ዋና ናይቲ ፀገም መልዓሊ ክፍለጥ ኣለዎ::

ካብዚ መንፃር ብኣና ወገን ክፍተታት እንድሕር ሃልዩ ክእረሙ ኣለዎም:: ብኻሊእ ወገን ድማ ክፍተታት እንድሕር ሃልዮም ክእረሙ ኣለዎም ኢልና ንኣምን:: ኣብዚ ‘ውን እናሰራሕና ኢና:: ኹላትና ንሓባር ረብሓ ክቀሳቐስ ኣለና::

ሕገ መንግስትና ግልፂ ‘ዩ ፤ ስርዓቱን ኣሰራርሕኡን ‘ውን ግልፂ ‘ዩ:: ብጭቡጥ መንገድ እንድሕር ኼድና ናብ ጎንፂ ዘኽደና ነገር ኣይህሉን:: ስለዚ ሕግን ስርዓትን ዝኽተል ኣመራርሓ ክንኽተል ኣለና:: ሕግን ስርዓትን ዝኽተል ማሕበረሰብ ክፍጠር ኣለዎ::

ንሕና ካብዚ መንፃር ዘለዉ ክፍተታት ብፅንዓትን ምርምርን ብስልጠና እናገበርና እነምሀረሉ ኩነታት እናፈጠረ ‘ዩ ፤ እቲ መንእሰይ ‘ውን ታሪኹ ክፈልጥ ኣለዎ:: ብዛዕባ ታሪኽ ኢትዮጵያን ትግራይን ታሪኽ ጠንቂቑ ክፈልጥ ኣለዎ:: እዚ እንድሕር ፈሊጡ ድማ ዝነበሩ ክፍታት እንታይ ‘ዮም ኢሉ ክሓትት ትፅቢት ይግበረሉ ‘ዩ::

ዝፈጠርናዮ ክፍተታት እንተሃልዮም ንሱ ዓፂና ብሓዱሽ ምዕራፍ ንቕድሚት እንስጉመሉ ኩነታት ክንፈጠር ይግባእ:: ብፍላይ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኢትዮጵያ ዘበሉ ነገራት ንቕድሚት ብምውሳድ ከመይ ገይርና ክነዕብይ ኣለና ዝብል ኣጋጣሚ ምጥቃም ኣድላይ ‘ዩ:: እቲ ዋና ነገር ብፍላይ ኣብ ታሪኽ ዘለዉ ክፍተታት ነቒስና ምውፃእ ግቡእ ‘ዩ::

ዝደጋገሙ ክፍታታት ንምንታይ ይደጋገሙ? ንምንታይ ጠጠው ምባል ዘይተኽኣለ? ዝብል ኣተሓሳስባ ምህናፅ ‘ዩ ፤ ብፍላይ እቲ መንእሰይ እዚ ጉዳይ ብምርዳእ እዚ ፋይል ዝዓፁ ምንቅስቃስ ክገብር ይግባእ:: በዚ ድማ ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ወሳኒ ግደ ክህልዎ ‘ዩ ኢልና ንሓስብ::

ሕቶ፡- ብፀገማት ውሽጢ ዝሓለፈ ክልል ብምዃኑ ከም ኣካዳሚ ፈተና ዝኾነኩም እንታይ ‘ዩ?

ኣይተ ሚኪኤለ፡- ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዓብይ ኣካዳሚ ‘ዩ::

ካብ መላእ ኢትዮጵያ ብዙሕ ኣመራርሓ እናሰልጠነ ዝመፀ ትካል ‘ዩ ፤ ኣመራርሓ ዝስልጥን ዝነበረ በቢክልሉ እናተንቀሳቐሰ ‘ዩ:: ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ድማ ከም ሓደ ማእኸል ኾይኑ እናገልገለ ነይሩ ‘ዩ:: ናይ ባዕሉ ህንፃ እናሃነፀ ይርከብ:: እቲ ህንፃ 80 ሚኢታዊ ዝበፅሐ እንትኾን 850 ሚልየን ብር በጀት ተመዲብሉ ‘ዩ::

በቢ ዓመቱ ፅቡቕ ለውጢ ‘ውን የርኢ ነይሩ ‘ዩ:: በቢ ዓመቱ ፅቡቕ ለውጢ እናምፀአ ነይሩ:: ኸዚ እዚ ሙሉእ ብሙሉእ ዓንዩ ‘ዩ:: ኣብቲ ኹናት ብዙሕ ጉድኣት በፂሑ ‘ዩ:: እዚ ‘ውን ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣካዳሚ ፣ ፌደራል ልህቀት ማእኽል ዝተውፃፅኡ ባዓል ሞያታት መቐለ መፂኦም ተመልኪቶም ‘ዮም::

ኣብዚ ኸዚ ምንም ዓይነት ንብረት የለን:: ስለዚ እዚ ኣካዳሚ ከም ሓድሽ ዝሕደሰሉ እዋን ኢና ዘለና:: እቲ ክልል ካብ ዝሓለፈሉ ጭቡጥ ኩነታት ስልጠናታት ኣድላይ ‘ዩ:: ስለዚ ምድላው ምግባር ኣለዎ:: እዚ ንምግባር ድማ ርብርብ የድሊ ‘ዩ::

ኩነታት በጀት ትግራይ ይፍለጥ ‘ዩ:: በቢ ከባቢኡ ዝመዛበል ሕብረተሰብ ንምሕጋዝ ዝውዕል ‘ዩ:: ኸዚ ዘሎ ኣፀገሚ ኩነታት ‘ዩ:: ስለዚ ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ናብ ዝነበሮ ስራሕ ብትኽክል ንክምለስ ካልኦት ኣካዳሚታት ሓገዝ አንተዝገብሩ ፅቡቕ ‘ዩ:: ነቲ ህንፃ ህንፀት መንግስቲ ትኹረት ተዝህቦ ፅቡቕ ይመስለኒ::

ኣብዚ ሐዚ ዘሎ እዋን ምቸው ስለዘይኾነ እዚ ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ምትሕብባር ኣድላይ ‘ዩ:: ኣብ ኣካዳሚ መለስ ዝሰርሑ ዝነበሩ ባዓል ሞያታት መምህራን ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ካብ ስራሕ ተፈናቒሎም ‘ዮም ፀኒሖም:: ፅቡቕ ስምዒት ኣይነበሮምን፣ ኣብ ፀገም ውሽጢ ‘ዮም ፀኒሖም::

ሕቶ፡- ሐዚ ክንደይ ዝኣኽሉ ናብ ስራሕ ተመሊሶም?

ኣይተ ሚኪኤለ፡– ብሓፈሻ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ሓገዝ ወሃብቲ ሓዊሱ 185 ‘ዮም:: ኸዚ ኹሎም ናብ ስርሖም ተመሊሶም ‘ዮም::

ኾይኑ ግና ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብዘይ ስራሕ ኮፍ ዝበሉን ብዙሓት ጉድኣት ስነ ልቦና ጉድኣት ዝበፅሖም ‘ዮም:: ናይ ምንባብ ስራሕ ‘ውን ጠጠው ዘበለ ሰብ ክህሊ ይኽእል:: ኣብዚ ሐዚ ናብ ሓደ እናተሰብሰበ ‘ዩ:: እዚ ባዓል ሞያ ስልጠና የድልዮ ‘ዩ::

ካብዚ ኣንፃር ቀሊል ዘይባሃል ስራሕ ትፅቢት ይግበረልና ‘ዩ ፤ ብተወሳኺ ‘ውን ሰፊሕ ሓገዝ የድሊ ‘ዩ ፤ ህዝቢ ትግራይ ዝሕደስ ስነ ልቦና ዘለዎ ህዝቢ ‘ዩ:: ኾይኑ ግና ዝተወሰነ ናይ ሞራል ስልጠና ሓገዝ ይደሊ ‘ዩ ፤ ኸዚ ዝረአ ዘሎ ጅማሮ ‘ውን ቀሊል ኣይኾነን::

ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ፀገማት እንተሃለዉ ‘ውን ዝተፈላለየ ፃዕርታት እናነበረ ‘ዩ:: ኣብዚ ኸዚ እዋን ድማ ዝተፈላለየ ስልጠናታት እናሃበ ‘ዩ:: እዚ ዝበረታታዕ እንተኾነ ‘ውን ንዝበለፀ ጠንኪሩ ንክወፅእ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ:: ንኽና ‘ውን እዚ ተቐቢልና ምስራሕ ኣለና ዝብል እምነት ኣለኒ::

ሕቶ፡- እቲ ኣካዳሚ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ እንታይ ክግበር ኣለዎ?

ኣይተ ሚኪኤለ፡– ብክልል ኾነ ብሃገር ዕብየት ንምምዝጋብ ኾነ ብቁዕ ኣመራርሓ ንምፍጣር ኣካዳሚ መለስ ዓብይ ግደ ነይርዎ::

ብዝተፈላለየ ዙር ካብ ሓፀርቲ ክሳብ ነዋሕቲ ስልጠና ዝህብ ዝነበረ ትካል ‘ዩ:: ካብ ክልላት ‘ውን ይመፁ ነይሮም ‘ዮም:: ንኣብነት ካብ ዓፋር ክልል ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ኣመራርሓታት በዚ ኣመራርሓ ሰልጢኖም ‘ዮም:: እቲ ኣካዳሚ ናይ ሞያን ኣመራርሓን ስልጠና ይህብ ‘ዩ:: ኣብ ዓመት ክሳብ 40ሽሕ ሰልጠንቲ ብዝተፈላለየ ዘፈር ስልጠና እናሃበ ዝፀንሐ ‘ዩ::

ኣብዚ ሐዚ እዋን ‘ውን ኣብ ክልል እቲ ዓብይ መሰልጠኒ ማእኸል እዚ ‘ዩ:: ኾይኑ ግና ብዘጋጠመና ፀገም ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ክልላት ‘ውን ተዝሕግዙና ብሓባር ተንሰርሕ ንዕብየት ሃገር ጠቓሚ ‘ዩ ኢልና ንሓስብ:: ስለዚ ምትሕግጋዝ ክህሉ ይግባእ ኢልና ንኣምን::

ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን ::

ኣይተ ሚኪኤለ፡- ኣነ ‘ውን የመስግን::

 መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 27 ሓምለ 2015 ዓ.ም

Recommended For You