‹‹ተጋሩ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓና ብሓባር ንስራሕ›› – ኣይተ መሓመድ ብርሃን

ኣይተ መሓመድ ብርሃን ይባሃሉ፡፡ ነባርነቶም ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ እንትኾን ለውጢ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝደልዩ ኣካላት እቶም ሓደ ‘ዮም፡፡ እዚ ስዒቡ ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር እዚ ዕድል ተጠቒሙ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ከቃልል ‘ዩ ኢሎም ተስፋ ይገብሩ፡፡

ከም ኣይተ መሓመድ ገለፃ ‹‹ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ፍትሕን ሰላምን ክስፍን ይግባእ፣ ጉዳይ ፀጥታ ኸዚ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘልዕሎም ሓሳባት እቲ ሓደ ‘ዩ፣ እዚ ድማ በቲ መንግስቲ ‘ዩ ክሕልወሉ ዘለዎ ፣ እዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ናብራ ህዝቢ ምምሕያሽ እንድሕር ዘይኽኢሉ ኸዚ’ውን ምትእምማን ኣይህልውን ማለት ‘ዩ ፤ እዚ ምትእምማን እንድሕር ዘየሎ ድማ ህዝቢ ትግራይ ናይ ልምዓት ምውፋር ፣ደቅኻ ናብ ቤት ትምህርቲ ምስዳድ ኣይኽእልን፡፡

ስለዚ ነፃ ዝኾነ ፖለቲካ ኣካይዳ ብምጥቃም ምስቲ ህዝቢ ክዛተ ክኽእል ኣለዎ፤ ብነፃነት ዝተዛረቡ ምኽንያት ተገይሩ ዝተኣሰሩ ድማ ክፍትሑ ይግባእ›› ይብሉ፡፡ ምስ ኣይተ መሓመድ ብርሃን ዝገብርናዮ ቃለ መሕተት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕርብናዮ ኣለና፡፡ ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ከይዲ ትግባርኡ ከመይ ሪአምዎ ?

ኣይተ መሓመድ፡– እቲ ስምምዕነት ሓደ ጎንፂ ምስ ተፈጠረ ናብ ስምምዕነት እንድሕር ትኸይድ ኾይንካ ኣብ ዝተሰማዕምዕሉ ዝተደረኸ ‘ዩ ዝኾን።

ምንም ‘ኳ ጥልቕ ኢልና እንተዘይፈሊጥናዮ ግና በቲ ዝኸድዎ ዘለዉ መንዲ ክሪኦ ከለና ግና መንገዲ ምኽፋት ፣ ሓገዛት ክኣትዉ ምግባር ፣ባንኪ ‘ውን ስራሕ ምጅማሩ እቲ ህዝቢ ‘ውን ካብ ድምፂ ኹናት ወፂኡ ብሰላም ክሓድር ደቁ ‘ውን ብሰላም ንክነብሩ ተገይሩ ‘ዩ በዚ ስምምዕነት ምኽንያት ‘ዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ግና ኸዚ እንሪኦ ዘለና ነገራት ግና ንህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ዝቕይር ነገር ኣይኮነን፤ እዚ ንክመፅእ ዝገበሮ እቲ ሓደ ኣብ ስምምዕነት እዋን ዝነበረ ስምምዕነት ከመይ ከምዝነበረ ንህዝቢ ዘይምርዳ ‘ዩ። እዚ ድማ ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ስራሕ ‘ዩ። እንትጅመር ከሎ እዚ ኹሉ ቅድሚ ምዃኑ ዝተፈጠረ ነገር ናብ ኹናት ዘምፅእ ኣይነበረን።

ብዙሕ ‘ውን ግልፂ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ትግራይ ሓደ ናይ ኢትዮጵያ ክልል እንድሕር ኾይና ከምተን ካልኦት ክልላት ዝወሃን ቦታ ተዋሂብዋ ‘ዩ ክትኼድ ዘለዋ ‘ምበር ካልእ ዝተፈለየ ንትግራይ ዝዋሀባ ዘሎ ነገር ኣይኮነን።

እዚ ድማ ባዕሎም ብዘውፅእዎ ምሕደራ ብሄር ብሄረሰብ እሱ ‘ዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ሓደ መግስቲ እንትቕየር ወይም ለውጢ እንትመፅእ ድማ ነቲ ዓዲ ይሓይሽ ‘ዩ ዝብል ሓድሽ ሓሳብ ሒዙ ‘ዩ ዝምፅእ ግና እቶም ሽዑ ዝነበሩ መራሕቲ ህወሓት ከይተቐበልዎ ተሪፎም ‘ዮም።

እዚ ስለ ዝኾነ ግን ሉኣላውነትና ተተንኪፉ ተባሂሉ ናብ ኹናት ዘሕኽይድ ኣይነበረን። መሰል ህዝቢ ትግራይ ተጣሒሱ ‘ዩ ዝብክ ፕሮፖጋንዳ ብምንዛሕ መረፃ ‘ውን ከምዝተኸልለ ገይሩ ነቲ ህዝቢ ተዘሪብዎ ‘ዩ።

እዚ ዘይኾነ ፖሮፖጋንዳ ተጠቒምካ ህዝቢ ናብዚ በፂሕዎ ዘሎ ፀገም ምምፃእ ኣይግባን ነይሩ። እዚ ኹሉ ኾይኑ እቲ ኸዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም ንህዝብና ፅቡቕ ‘ዩ ።ብሰላም ይሓድር ኣሎ ከምቲ ቕድም ኢለ ዝበልክዎ ደቁ ብሰላም ወፂኦም ብሰላም ይኣትዉ ኣለዉ።

እዚ ኹሉ ዝፈጠረ ፓርቲ ህወሓት ኸዚ ‘ውን ናብ ስልጣን ምምፅኡ ‘ዩ። ተመሊሱ እሱ ስልጣን ስለዝሓዘ ኣብቲ ህዝቢ ዘሎ ስምዒት ‘ውን ፅቡቕ ኣይኾነን። ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ ናብዚ ፀገም ዝኣተወ በዚ መሪሕነት እዋን ስለዝኾነ ‘ዩ።

ተመሊሱ መፂኡ ኣነ ‘የ ዝምረሐካ እንትብል ፅቡቕ ኣይኮነን፣ ኣነ ‘ውን ከምዚ ኣይተፀበኽዎን ነይረ ። ግዝያዊ እንትባሃል ግዝያዊ ስግግር መንግስቲ ምፍጣር ‘ዩ ነይሩ ‘ምበር ባዕሎም እቲ ምሕደራ ክሕዝዎ ‘ዮም ዝብል እምነት ኣይነበረናን። ንሶም ኣብ ዝሓዝዎ እዋን ሓገዝ ‘ውን ክከፋፈል ኣይካለን።

እቲ ዝተልኣኸ ሓገዝ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዘይምብፅሑ ምስ ፈለጡ ዓለማት ሓገዝ ወሃብቲ ‘ውን ጠጠው ከምዘበሉ ዝዝከር ‘ዩ። ስለዚ በዚ ዝኣመሰሉ ምኽንያት ኸዚ ‘ውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገም ‘ዩ ዘሎ ክብል ንኽእል ።

ሰላም ተባሂሉ ‘ምበር ምሉእ ብምሉእ ሰላም ኣይኮነን፣ ምስ ጎረባባቲ ሰላም ፈጢሩ ናብ ስራሕ ንእቶ ኻሊእ ትልሚ ካልእ ዕዮ ገዛ ዘድልዮ ‘ዩ፤ እዚ ንክኾን ድማ እቲ ህዝቢ ናይ ምዝራብን እቲ ሓቂ ናይ ምውፃእን ድፍረት ክህልዎ ኣለዎ ባሃላይ ‘የ። እከለ መፀካ፣እከለ ፀላኢኻ ‘ዩ እናተብሃለ ኸዚ ‘ውን ትግራይ ኣብ ትሕቲ ህወሓት ቁፅፅር ‘ያ ዘላ።

ወጋሕታ፡- እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክሳብ ኸዚ ዝሰርሖም ስራሕቲ ከመይ ይሪእዎ? እቶም ዝገለፅዎም ፀገማት ንክፍትሑ ኣብ ምንታይ ዓበይቲ ጉዳያት ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ መሓመድ፡– እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ዘለዎ እቲ ሓደ ኣብ ባዕሉ ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ይግባእ ፤ በቲ ቅድሚ ኸዚ ዝኸዶ ዝነበረ መንዲ ክኸይድ የብሉን፤ እቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ፓርትታት ነፃ ኾይኖም ሓሳቦም ክገልፁ ቅሬተኦም ከቕርቡ ክግበር ኣለዎ።

እንድሕር ተኻኢሉ እውን ንዓኣቶም ኣብቲ ምምሕዳር ከሳትፎም ክኽእል ኣለዎ። እዚ እዩ እቲ ቀንድ እቲ ህዝቢ ከተኣማመን ዝኽእል። ፍትሒ ክህሉ ይግባእ። ኣብ ትግራይ ፍትሒ ክሰፍን ይግባእ። ኸዚ ኣብ ትግራይ ምምሕዳር የለን እኮ።

ንሽሙ ‘ዩ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣሎ ዝባሃል ‘ምበር ዘዋቐሮ መዋቕር መሓውር የለን ፣ ፖሊስ የለን ዝኸዶ ፍርድቤት ‘ውን የለን። እዚ ክኾን ዘይኻኣለ ኣብ ውሽጦም ምትእምማን ስለዘየለ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝሓሰብ ኣነ። ‘ምበር ከም ሓደ ግዝያዊ ምምሕዳር ኾይንካ እንድሕር ተቐሚጥቃ እቲ ዘሎ መሓውር ከተቐምጦ ‘ዩ ዝግባእ ፤ ግና ኣይተቐመጠን ፍትሒ ‘ውን የለን።

ቅድሚ ኸዚ ተኣሲሮም ዝነበሩ ንኣብነት ካብ ዴምህት ዝመፁ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ኣብ ትግራይ ተቐቢሎም ‘ዮም ዝኣሰርዎም። ብዙሕ ፖለቲከኛታት ዝተኣሰሩ ‘ውን ኣሎው ኣብ ትግራይ ፣ ነቲ ፖለቲካ ዝተቓዎሙ ነቲ ኹናት ዝተቃዎሙ ብዙሓት ተኣሲሮም ‘ዮም።

እዚኦም ኣይተፈትሑን፤ ኣበ ቀረባ እኮ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ቴሊቪዥን ቐሪበን እኮ ሰውእትና ኣሕዋትና ጠፊኦምና እናበላ ጥርዓን እናቕረባ ነይረን ‘የን። እዚ ኹሉ ዘምፀኦ ኸዚ ‘ውን ኣብ ትግራይ ነፃነት የለን። ኸዚ ‘ውን እቲ ህዝቢ ነፃ ዝኾኑ ሓሳብ ዝገልፀላ ትግራይ እንድሕር ዘይተፈጠረት እቲ ህዝቢ ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እምነት ከሕድር ኣይኽእልን።

ሓደ ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ ኣብ ህዝቢ እምነት እንድሕር ዘይረኺቡ እቲ ህዝቢ ኣብ ፍርሕን ሰቐቐን ‘ዩ ዝነብር። ስለዚ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ፍትሕን ሰላምን ክስፍን ይግባእ። ጉዳይ ፀጥታ ኸዚ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘልዕሎም ሓሳባት እቲ ሓደ ‘ዩ።

እዚ ድማ በቲ መንግስቲ ‘ዩ ክሕልወሉ ዘለዎ። እዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ለውጢ ህዝቢ ምምሕያሽ እንድሕር ዘይኽኢሉ ኸዚ ‘ውን ምትእምማን ኣይህውን ማለት ‘ዩ ፤ እዚ ምትእምማን እንድሕር ዘየሎ ድማ ህዝቢ ትግራይ ናይ ልምዓት ምውፋር ፣ደቅኻ ናብ ቤት ትምህርቲ ምስዳድ ኣይኽእልን።

ስለዚ ነፃ ዝኾነ ፖለቲካ ኣካይዳ ብምጥቃም ምስቲ ህዝቢ ክዛተ ክኽእል ኣለዎ ብነፃነት ዝተዛረቡ ምኽንያት ተገይሩ ዝተኣሰሩ ድማ ክፍትሑ ይግባእ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ግደ ተወለድቲ ትግራይ እንታይ ክመስል ኣለዎ ይብሉ ?

ኣይተ መሓመድ፡- መጀመርያ እቲ ተሳትፎ ትግራይ ብኸመይ ክመፅእ ኣለዎ ኢልና ኢና ክንጅምር እንኽእል ፣ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ትግራዋይ ብሓባር ክሰርሕ እንድሕር ኾይኑ መጀመርያ እቲ መንግስቲ ኣካይዳ ‘ዩ ዝረአ ዘለው። መንግስቲ ኣብ ትግራይ ብኸመይ መንገዲ ‘ዩ ዝኸድ ዘሎ ‘ዩ።

ምኽንያቱ እዚ ናይ ኽልተ ዓመት ኹናት ንተጋሩ ፈላሊይዎም ‘ዩ ፤ ትግራዋይ ኹሉ ተፈላሊዩ ‘ዩ ዘሎ ኣሽንኳይዶ ብትግራዋይነቱስ ኣብ ቤተሰብ ‘ውን ተፈላልዩ ‘ዩ ዘሎ። ምኽንያቱ እዚ ዝመፀ ኹናት ትኽክል ስለዘይኾነ ገሊኡ እዚ ኹናት ንዓና ከጥፈአና ‘ዩ መፂኡ ይብል፣ ገሊኡ ድማ ንባዕሎም ዝጠቕም ‘ምበር ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም ኹናት ኣይኮነን ዝብል ህዝቢ ኣሎ።

ገሊኡ ድማ ስሚዒታዊ ኾይኑ ንሕና ብዘምፃእናዮ ነፃነት ንምንታይ ከምዚ ይብሉና ኢሉ መስቲ ህወሓት ብምዃን ዝደገፈ ኣሎ ፤ በዚ ምኽንያት እቲ ትግራዋይ ተኸፋፊሉ ስለዘሎ ነቲ ህዝቢ መጀመርያ ናብ ሓዳ ናይ ምምፃእ ስራሕ ክስራሕ ይግባእ። ህዝቢ ትግራይ ናብ ሓደ እንድሕር መፂኡ ‘ዩ ንትግራዋይ ኾነ ንትግራይ ክጠቅም ዝኽእል ፤ እቲ ቀንዲ ድማ ዝእመን መንግስቲ ክህሉ ኣለዎ።

እዚ ኸዚ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝእመን ኣይኮነን። ኣብ ኹናት ውሽጢ ዝነበረ ‘ዩ ፤ ስለዚ እቲ ህዝቢ እምነት ክህልዎ ኣይካኣላን። ስለዚ እምነት ዘለዎ መንግስቲ መጀመርያ ክፍጠር ኣለዎ ንኹላትና ዘተሓባብር። ግና ኸዚ ‘ውን ዝረአ ዘሎ እቲ ትግራዋይ ናብ ሓደ ዘመፅእ ኣይኮነን።

መጀመርያ ምስቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ፖለቲካ ፓርታት ክስማዕማዕ ኣለዎ ምስ ህዝቢ ትግራይ ምስምዕማዕ እንድሕር ደልዩ ፤ እስቲ መጀመርያ ንዓኣቶም ሰብሲቡ ብዛዕባ ትግራይ ይዘትይ፤ ድሕሪኡ ‘ዩ እቲ ህዝቢ ብሓባር ክኾን ዝግባእ።

ግና ባዕልኻ እትቆፃፀሮ ሚድያ ሒዝካ ፣ ናይ ባዕልካ ኣጀንዳ ዝዝረበሉ መድረኽ ሒዝካ ናይ ካልኦት ሓሳብ እንድሕር ዘይተተኣናግድ ኾይንካ ሐዚ ‘ውን ህዝቢ ትግራይ ብሓደ ኾይኑ ክሰርሕ ኣይኽእልን ‘ዩ።

ስለዚ እንተኽአሉ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ናይ ፖለቲካ ኣካይዳ ከስፍሖ ክኽእል ኣለዎ። ነፃነት ኸዓ ክህሉ ኣለዎ ፤ ‘ምበር ኹልግዜ ናይ ኹናት ኸበሮ እናወቃዕኻ ክንበር ኣይካኣልን ‘ዩ ፤ ዝሓለፈ ይኣክል ስለዚ እቲ ህዝቢ ብሰላምን ዘተን ትኹረት እንድሕር ተገይሩ ‘ዩ እቲ ህዝብ ሕብረት ክፈጥር ዝኽእል።

ወጋሕታ፡- መበል 49 ዓመት ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝተረኽብሉ ፌስትቫል እናተኻየደ ይርከብ። እቲ ማሕበር ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ እንታይ ግደ ከበርክት ይግባእ ይብሉ ?

ኣይተ መሓመድ፡- እዚ ማሕበር ቅድሚ እቲ ኹናት ጀሚሩ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ማሕበር ‘ዩ ፤ እቲ ማሕበር ኣብ ትግራይ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ዝገበረ ‘ዩ ፤ ቤት ትምህርት ብምህናፅ ሓገዛት ብምግባርን ቅድሚ እቲ ውድብ ምፍጣሩ ይሰርሕ ነይሩ ‘ዩ ፤ ድሕሪ እቲ ውድብ ምስተፈጠረ ድማ ምስኡ ብምዃን ስራሕ ጀሚሩ ‘ዩ ክሳብ ኸዚ ኣብዚ በፂሑ ኣሎ ። ግና ጭፍን ብዝኾነ ተኸታሊ ካብ ምዃን ገዲፉ ብምስትውዓል ክርኢ ኣለዎ ‘የ ዝብል ።

ኸዚ እንተሪእና በቲ ቕድም ዝኽበሮ ዝነበረ ኣይኮነን ተኸቢሩ ፤ ምንም ‘ኳ ጋሻ ተባሂሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ እንተመፀ ቅድሚ ኸዚ ኣብ ሰለስተ ዓድታት ‘ዩ ዝኽበር ነይሩ። ኸዚ ግና ኣብ ሓንቲ ስቴት ካብ ኹሉ ዝተኣኻኸበ ‘ዩ ‘ምበር እቲ ሰብ የለን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እቲ ዝሓለፈ ኹናት ብዙሕ ኣምሂርናን ኣገማጊሙና ‘ዩ።

እቲ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፀገም ስለ ዘምፀአ ኸዚ ‘ውን ዝኸየደሎ ዘሎ መገዲ ፅቡቕ ስለዘይኾነ ‘ዩ። ግና እቲ ማሕበር ዝነበረን ዝቕፅልን ‘ዩ ዝፈርስ ኣይኮነን። ግዝያዊ ምምሕዳር እንድሕር ምስ እዚ ማሕበር ዝሰርሕ እንተኾይኑ ኣብቲ ማሕበር ዝላዓል ሕቶታት ምምላስ ኣድላይ ‘ዩ።

እዚ ማሕበር ጥራሕ ኣይኮነን ካልኦት ማሕበራት ‘ውን ኣለዉ ‘ዮም ፤ እዚ እንድሕር ኾይኑ መፂኻ ጥራሕ ፎኪርካን ጨሪሕኻን እትምለስ እንተኾንካ ኣብ ባይታ ዘይርከብ እንድሕር ኾይኑ ትርጉም የብሉን። ስለዚ ካብ ተስፋ ብዝሓለፈ ኣብ ተግባር ናይ ምርኣይ ስራሕቲ ክስርሑ ይግባእ።

መጀመርያ ግና እቲ ህዝቢ ትግራይ ክረኽቦ ዝግበኦ ነገራት ምስ ፌደራል መንግስቲ ምርኻብን ምዝታይን ስለዝጀመረ ሓገዛት ኾነ ካልኦት ዘድልዮ መሰረታዊ ነገራት ብቕልጡፍ ብምሕጋዝ ብተግባር ከርኢ ይግባእ። ተዘይኾኑ ግና ብሽም ህዝቢ ትግራይ ኣዋፅኡ ምባል ዝኾን ኣይመስለንን ፣ እቲ ህዝቢ ከም ቐደም ኣይኮነን።

እቲ ዘሎ መሪሕነት ክቕየር ዶ ይኾን ዝብል ተስፋ ኣለና። ኣይተ ጌታቸው ረዳ ቅሩብ ካብቶም ሓደሽቲ ወለዶ ስለዝኾነ ዝብል እምነት ኣለኒ ፤ግና ክሳብ ኸዚ ከምቲ ዝድለ እናኸደ ኣይኮነን ፣ እንታይ ከምዝዓግቶ ዘሎ ኣፈልጥን ።

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ንህዝቢ ትግራይ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ?

ኣይተ መሓመድ፡– ከም ተጋሩ መጀመርያ ናይ ሓባር ረብሓና ብሓባር ኾይና ንስራሕ ‘የ ዝብል ። ኣብ ዘፈላልይና ነገር ግዜና እንተዘይነሕልፍ ፅቡቕ ይመስለኒ። መጀመርያ ብዛዕባ ትግራይ ፣ ረብሓ ትግራይ እንታይ ‘ዩ ? ትግራይ ናብይ ‘ያ እትጉዓዝ ዘላ? ዝብል ብትኹረት ክንሪርኦ ኣለና። እቲ ሓቂ ክንዛረብ ኣለና ፣ መን ‘ዩ ፀላኢና ፈታይና ክንፈልጥ ይግባእ።

እንድሕር እናሸፋፈና እንኸድ ኾይና ግና እቲ ሓቂ ምውፅኡ ኣይተርፍን ‘ዩ ፤ እቲ ጌጋ ዝኾነ ነገር ጌጋ ክንብሎ ይግባእ ፤ክሳብ ኸዚ ብዝተፈጠረ ፀገም እዚ ውድብ ተሓታታይ ክንገብር ኣለና ። ህዝቢ ትግራይ ካብ መሰረቱ ፀገም ዘምፅእ ህዝቢ ኣይኮነን። ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሰሪሑ ኾሪዑ ዝነብረሉ ኣጋጣሚ ‘ዩ ነይሩ። ስለዚ ናብዚ ፀገም ዘእተዎ ኣካል ክሕተት ይግባእ።

እዚ ድማ ከም ተጋሩ ሓተቲ ክንኾን ይግባእ። ኹልግዜ ዝንገረና ጥራሕ እናሰማዕናን እናኣመናን ክንኸይድ ኣይግበአናን ፤ ፍታሕ እንድሕር ደኣ ክመፅእ ኾይኑ ፀላኢና ብትኽክል ክንፈሊ ይግባእ። እዚ እንድሕር ኾይኑ ድማ ተጋሩ ተሓባቢርና ሃገርና ንሕግዝ ኢና።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

ኣይተ መሓመድ ፡- ኣነ እውን የመስግን።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 20 ሓምለ 2015 ዓ.ም

Recommended For You