‹‹ህዝቢ ትግራይ ካብ ተፀባይነት ረድኤት ንኽወፅእ ኢኮኖሚ ኣብ ምድንፋዕ ጠመተ ሂብካ ክስራሕ ኣለዎ›› -ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ገብረመስቀል

ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ገብረመስቀል ካብ 1968 ዓ.ም ጀሚሮም ናብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተፀመሩን ሙሉእ ሂወቶም ዳርጋ ክባሃል ዝከኣል ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘሕለፉ ‘ዮም።

ወታደራዊ ግቡኦም ብዝግባእ እናተዋፅኡ ዝመፁ እንትኾኑ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንኸባቢ ኣርባዕተ ዓመታት ሓላፊ ዓቃቢ ሰላም ኮይኖም ኣገልጊሎም ‘ዮም። ከምኡ ’ውን ብ2005 ዓ.ም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነበረ ዘይምርግጋዕ ናብ ንቡር ንምምላስ ንኽልተ ዓመት ሰሪሖም ‘ዮም።

ናብ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እንትፅንበሩ ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቶም ምስወድኡ ነይሩ። ሐዚ ግን ብሰላምን ፀጥታን(peace and security) ማስትሬት ዲግሪ ተመሪቆም ጥሮታ ክሳብ ዝወፁ ሃገራዊ ግቡኦም ብዝግባእ እናተዋፅኡ መፂኦም ‘ዮም።

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ንትግራይ ምስተቖፃፀረ ኣብቲ ክልል መተሓባበሪ ኮማንድ ፖስት ኾይኖም ሰሪሖም ‘ዮም:: ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ምስ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ብዝምልከት ምስ ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ገብረመስቀል ዝገበርናዮ ፃንሒት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ!

 ወጋሕታ፡- ቐዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ ኣብ ዝሓለፈ ብ29ሰነ2015 ዓ.ም ኣብ መበል 28 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ምስ ሰላምን ፀጥታን ከምኡ ‘ውን ካልኦት ምስ ኩነታት ትግራይ ተተሓሒዞም ንዝተለዓሉ ሕቶታት መልስን መብርህን እንትህቡ፣‹‹መንግስቲ ድሕሪ እቲ ስምምዕነት ሰላም ዝኣተዎ ቓል ንምፍፃም ብጣዕሚ ብቅልጣፈ እናተጎዓዘ ‘ዩ ኢሎም›› ነይሮም:: ንሶም ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ ተዝገልፁልና?

ሌተናል ጀነራልዮሃንስ፡- ከምዝፍለጥ በቲ ዝነበረ ኩናት ህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ተጎዲኡ ‘ዩ፤ ብዙሕ ሰብ ኣደዳ ሞትን ምምዝባልን ኮይኑ ‘ዩ::

ኣብዚ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ‘ውን ኣጋጢምዎ ‘ዩ:: ድሕሪ እቲ ስምምዕነት ሰላም ግና ብዝተወሰነ ደረጃ እቲ ፀገም ዝተፈትሐሉ ኩነታት ኣሎ ‘ዩ:: ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ እንተናእሰ ኩናት ጠጠው ክብል ገይሩ ‘ዩ፡፡ኮይኑ ግና ዝቐረዩ ነገራት ስለ ዘለዉ ሙሉእ ምግባር የድሊ::

በቲ ውዕል መሰረት እቶም ዘይተፈፀሙ ተሪፎም ዘለዉ ነገራት ኣዝዮም ዘስክፉ ‘ዮም:: በቲ ውዕል መሰረት ዘይተፈፀሙ ነገራት ኣለዉ:: ሕዚ ‘ውን ኣብ ወሰና ወሰን ትግራይ ናይ ፀጥታ ፀገማት ኣለዉ ‘ዮም:: ምስ ተፈጥሮ ተላዚቡ ዝነብር ዝነበረ ሓረስታይ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ሕርሽኡ ከካይድ ኣይከኣለን:: እቲ ህዝቢ ንኽምለስ ኣብ ትፅቢት ‘ዩ ዘሎ::

እዚ ድማ ብዋናነት ክፍታሕ ዝኽእል በቲ ማእኸላይ መንግስቲ ‘ዩ:: ዝለዓለ ዓቕሚ ዘለዎ መንግስቲ ፌዴራል ስለ ዝኾነ:: ትግራዋይ ናብ ውሽጥን ካብ ሃገር ወፃኢን ብፍላይ ናብ ሱዳን ዝተፋናቐለ ቑፅሪ ህዝቢ ቐሊል ዝባሃል ኣይኮነን:: እዚ ብቕልጡፍ ንምፍታሕ ጠመተ ክግበረሉ ኣለዎ:: ብዝዘንገዐ ቑፅሪ እቲ ፀገም እናበኣሰ ‘ዩ ዝኸይድ::

ኣብቶም ካልኦት ነገራት ግና ስሉጥ ስራሕቲ እናተሰርሑ ‘ዮም ዘለዉ:: ንኣብነት ከም ኣብ ግልጋሎት፣ ባንኪ፣ መንገዲ ኣየር፣ ኤሌክትሪክ፣ ቴሌ፣ መንገዲ ዝበሉ ብፅቡቕን ፍጥነት ተሰሪሖም ‘ዮም:: እናተሰርሑ ‘ውን ይርከቡ::

ወጋሕታ፡- ‹‹ዘዋፅእ ኣብ ክንዲ ኲናት ሰላም፤ ኣብ ክንዲ ሕነ ምፍዳይ ይቕሬታ፤ ብሕሉፍ ጌጋ ካብ ምቑዛም ንመፃኢ ምጥማት የድሊ:: ብዛዕባ ኲናት ዝዛረቡ ሰባት ከይዶም ዝዋግኡ ኣይኮኑን። ንወዲ ድኻ ንምውዳእ እንተዘይኮይኑ ኩናት ዘላዓዕል ሰብ ኣብ ጥቓ ግንባር ከምዘይረአ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክፈልጥ ይግባእ›› ‘ውን ኢሎም ነይሮም ምስ እዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብዚ ዘለዎም ሓሳብ እንታይ ይመስል?

ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡– እዚ ሓቒ ‘ዩ፤ እቶም ኩናት ዝሰብኩ ዘለዉ ኣካላት ኣብ ሜዳ ኩናት ዝሳተፉ ኣይኮኑን:: ኣብ ርሑቕ ኮይኖም ካብ ምስባኽ ሓሊፎምን ኩናት ምልዕዓልን:: እዚኣቶም ብሂወት ድኻ ዝፃወቱ ኣካላት ‘ዮም::

ኣብ ርሑቕ ኮይኖም ብዛዕባ ኩናት ስለ ዝሰብኩ ነዚኦም እቲ ፀገም ዝረኽቦም ኣይኮኑን:: እዚኦም ስነ ስርዓት ክሕዙን ናብ ውኒኦም ክምለሱን ኣለዎም:: ካብ ከምዚ ዓይነት ንሃገርን ህዝብን ዝጎድእ ኣካይዳ ክወፁ ኣለዎም::

እንተኽኢሎም ብዛዕባ ልምዓትን ሰላምን ጥራሕ ክሰብኩ ኣለዎም:: ጌጋ እንተሃልዩ ናብ ጠበንጃ ዘየምርሕ ክኸውን ኣለዎ:: ናይ ሓባር ርድኢት ክህሉ ኣለዎ:: ቕንዕና ዘለዎ ዜጋ ንምፍጣር ከቢድ ስራሕ ምስራሕ የድሊ:: ኮይኑ ግና እዚ ብሓደ ግዜ ዝመፅእ ኣይኮነን::

 እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ከምዝገለፅዎ ኣብ ሕነምፍድዳይን ቕርሕንትን ምንባር እንተይኮነ ዘዋፅእ ይቕረ ይቕረ ተባሂልካ ንቕድሚጥ ምርኣይ ‘ዩ ዘድሊ:: ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሰባት ናብ ጎንፂ ክኣትዉ ይኽእሉ ‘ዮም:: ንሃገር ዝጠቕም ሓዱሽ መገዲ ምጅማርን ምትሕግጋዝን እንተዘይኮይኑ ሓደ ግዜ ዝፈሰሰ ማይ ስለ ዘይምለስ ንድሕሪት ምርኣይ ኣየድልን::

እንተዘይኮይኑ ሃገርና ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ፀገም ከትወፅእ ኣይትኽእልን:: ናብ ናይ ሰላም ሃዲድ ክምፃእ እንተኾይኑ ኩሉ ሓላፍነቱ ብኣግባቡ ክዋፃእ ኣለዎ:: ስለዚ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ናብ ሰላም ከንምለስ ኣለና ምባሎም ትኽክል ‘ዩ ኣብ ቒምን ሕነ ምፍዳይን ከትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ::

ኮይኑ ግና ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ርድኢት ስለ ዘይህልዎ ንፁር ዝኾነ ፖሊሲ ክህልው ኣለዎ:: ሓደ ሓደ ሰባት ሰላም ከም ሲኦል ዝርእይዎ ኣለዉ:: ንኹሉ ብማዕረ ዝገዝእ ሕጊ እንተዘይተቐሚጡ ነገራት ክማሓየሹን ክስተኻኸሉን ኣይኽእሉን:: ናይዛ ሃገር ኩነታት ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ልጓም የድሊ ‘ዩ::

ወጋሕታ፡-‹‹ ህዝቢ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ሓድነታ ክትዕቅብ ኣለዋ። ምግንፃል ኣይፍቀድን፤ ክንግንፀል ኣየድልን ኢና ንብል፤ እዚ ፅቡቕ ሓሳብ ‘ዩ፤ ምግንፃል ዘይንደሊና እንተኾይና ህዝቢ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ እንተኾይኑ ከም ኩሉ ኢትዮጵያዊ ናይ ምንባር መሰል ክህልዎ ኣለዎ ኢልና ክንሓስብ ይግባእ፤ ከም ካልኣይ ዜጋ ኮይኑ ክነብር ኣይክእልን፤ ምሳና ንበር ክንብል ከለና መሰሉ ክነኽብር ኣለና፤ ናይዚ ቀዳማይ ተዛረብቲ ክንከውን ዘለና ድማ ሓደ ከንኸውን ኣለና እንብል ሰባት ኢና›› ክብሉ መኺሮም ነይሮም:: ኣብዚ ሓሳብ እዚ ንሶም እንታይ ርኢቶ ኣለዎም?

ሌተናል ጀነራልራል ዮሃንስ፡– እወ፤ እቲ ሓሳብ ትኽክል ‘ዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይኑ ነዛ ሃገር እዚኣ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ‘ዩ::

ስለዚ ከም ማንም ህዝቢ ኢትዮጵያ ማዕረ ክረአ ኣለዎ:: ንህዝቢ ትግራይ ከም ካልኣይ ዜጋ ቖፂርካ እናደፋእኻ ሓድነት ከትሰብኽ ኣይትኽእልን ኢኻ:: ሓድነት እናበልካ ህዝቢ ተግልል እንተኾይንካ ካሊእ ትርጉም ‘ዩ ዘለዎ:: ንህዝቢ ትግራይ ብኢትዮጵያውነት ኣብ ሕቶ ዘአቱ እንተሃልዩ ንበዓሉ ፀገም ዘለዎ ኣካል ‘ዩ::

ዝኾነ ኣካል ስለ ምግንፃል ከልዕል ይኽእል ‘ዩ:: ኮይኑ ግና ናይ ህዝቢ ድሌት ከምዘለዎ ኮይኑ ሕግን ስርዓትን መሰረት ዝገበረ ክኾን ኣለዎ:: በርግፅ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓለምና ናብ ሓደ ኣብ ትመፀሉ እዋን ምግንፃል ዘዋፅእ ኣይኮነን:: ሓደ ኮይንካ ተደጋጊፍካ ምዕባይ ‘ዩ ዘድሊ::

ተባታቲንካ ለውጢ ክመፅእ ኣይኽእልን:: ብፍላይ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ርድኢት ህዝበን ትሑት ስለ ዝኾነ ምግንፃል ጎንፂ ካብ ምስዓብ ሓሊፉ ጥቕሚ የብሉን:: ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ‘ዩ ዘምዝን:: ምግንፃል ተተደልዩ ድማ ብሓይሊ እንተይኮነስ ብስርዓትን ሕግን ‘ዩ ክፍፀም ዘለዎ:: ደም ምፍሳስ ኣየድልን:: ንኹሉ ነገር ሕግን ስርዓትን ተኸቲልካ ምኻድ ‘ዩ::

እቲ ሕቶ ናይ ፖለቲከኛ፣ ውልቀሰባት፣ጉጅለታት ድዩስ ወይስ ናይ ህዝቢ ‘ዩ ብምባል ምርዳእ የድሊ:: ኣብ ዲሞክራስያዊ ሓደነት፣ ኣድልዎ ኣብ ዘይብሉ ሃገር ኮይንካ ሓድነት ዝመስልዎ የለን:: ናይ ምግንፃል ሕቶ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ግና ብዙሕ ዘዋፅእን ዝምረፅን ኣይኮነን:: እዚ ዋዒ እዚ ሰብ ስራሕ ‘ዩ፤ እዚ ድማ ክፍታሕ ዝኽእል ዩ፤ ካብ ቑፅፅር ወፃኢ ክኸውን ኣይኽእልን::

ከም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝበልዎ ናይ መሬት ፅበት የለን:: ፀገሙ ናይ ቕንዕና ፀገም ‘ዩ:: በቲ ተጀሚሩ ዘሎ ኩነታት እናተፈትሐ ‘ዩ ዘሎ:: ኮይኑ ግና ትግራዋይ ከምቲ ካሊእ ኢትዮጵያዊ መሰሉ ክሕለወሉ ኣለዎ::

ኣብዚ እቲ ኩናት ገዲፍዎ ዝኸደ በሰላ ክሕከም ክኽእል ኣለዎ:: ብፍላይ ኣብ ትግራዋይ ዝበፅሐ ማሕሰይቲ ከቢድ ስለ ዝኾነ እዚ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ብምትሕብባር ትግራይ ካብቲ ዝኣተወቶ ፀገም ንምድሓን ክስራሕ ኣለዎ::

ኩሉ በብፅሒቱ እንተወሲዱ ክሕከም ዝኽእል ነገር ዘይሕከም ኣይኮነን:: ክሕከም ዘይኽእል ዘዝጠፍአ ሂወትን ዝጎደለ ኣካልን ‘ዩ:: እቲ ዝበፅሐ ጉድኣት እንታይ ከምዝመስል ብምግላፅ ህዝቢ ሓገዝ ዝግብረሉ ኩነታት ምምችቻው የድሊ::

እቲ ናይ ፀጥታ ኣካል ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከብ፤ ዕጥቑ ኣረኪቡ ናብ ሕብረተሰብ ተመሊሱ ናብርኡ ዝመርሕ ዘሎ፤ ናብ ፌዴራል ፀጥታ ዝኣተወ እንተሃልዩ ወዘተ በቲ ስምምዕነት መሰረት ክግለፅ ኣለዎ፡፡ህዝቢ ትግራይ ልክዕ ከምቲ ካሊእ ህዝቢ መሰሉ ክሕለወሉ ኣለዎ:: ከምዚ እንተኾይኑ ምትእምማን እናጎልበተ ይኸድ:: ሓደ ድምፅን ርድኢትን ሒዝካ ክኽየድ ኣለዎ::

ህዝቢ ትግራይ ሓድነታ ዝተሓለወት ሃገር ‘ዩ ዝደሊ፤ ነዛ ሃገር እዚኣ ከም ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ‘ዩ:: ብሓድነት፣ ማዕርነት፣ ልክዕ ከም ካልኦት ህዝቢታት ብማዕረ መሰሉ ተሓልይሉ ምንባር ‘ዩ ዝደሊ:: ተገንፂልካ ምንባር ዝመርፅ ኣይኮነን::

ወጋሕታ፡- ዓለም ለኸትካል ተራድኦ ኣሜሪካን ውድብ ምግቢ ዓለምን ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ምባሎም ስዒቡ፤ ደረጃ ጥሜት ትግራይ ናብቲ ዝኸፍአ ብርኪ ከም ዝዓበየን ናብ ስግኣት ኣምሪሑ ምህላዉን ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት(ኦቻ) ፀብፂቡ ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይ ካብ ተፀባይነት ረድኤታ ንምውፃእ እንታይ  ክግበር ኣለዎ ይብሉ? እቲ ትካል ዝወሰዶ ስጉምቲ ኸ ከመይ ሪኦሞ? ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ ተዝገልፁልና?

ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡– ስርቒ ኣጋጢሙ ተባሂሉ ዝተወሰደ ስጉምቲ ዘደንግፅ ‘ዩ:: ስርቒ ከጋጥም ይኽእል ‘ዩ፤ ካልኦት ፀገማት ‘ውን ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም::

ኮይኑ ግና እቲ ዝተወሰደ ስጉምቲ ኣብቶም ንፁሃት ‘ምበር ኣብቶም ዝሰረቑ ኣይኮነን:: ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተመዛበለን ኣብ ኣፍ ሞት ዘሎ ህዝብን ‘ምበር ኣብቶም ለያቡ ዝተወሰደ ስጉምቲ ስለ ዘይኮነ እዚ ጌጋ ‘ዩ::

ልዕሊ ኩሉ ግና ሰብኣዊ ረድኤታ ምንካእ ዓብዪ ገበን ‘ዩ:: እቶም ለገስቲ ኣካላት ሂወት ንምድሃን ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብልሉ ኣብ ክንዲ ምሕጋዝ ምስራቕ ማለት ብጣዕሚ ኣፀያፍን ከቢድን ገበን ‘ዩ:: ነዚ ተኸቲሉ እቲ ሓገዝ ጠጠው ብምባሉ ዝሞተ ሰብ ብዙሕ ‘ዩ::

ኣብዚ እቶም ሰብኣዊ ሃገዝ ጠጠው ዘበሉ ኣካላት ሕግን ደንብን እቲ ትካል’ውን ‘ዮም ጥሒሶም:: ህዝቢ ኣብ ኣፍ ሞት እናሃለወ ጠጠው ምባል እናረአኻ ሰብ ንሞት አሕሊፍካ ምሃብ ዩ::

ሰብኣዊ ረድኤት ኣብይሽንካይዶ ኩናት ጠጠው ኢሉ እናሃለወ ኩናት እናተኸየደ እናሃለወ ‘ውን ነብሲ ንምድሓን ብዙሕ ነገር ተፃዊርካ ይስራሕ ነይሩ ‘ዩ:: እቲ ከቢድ ኣብ መንጎ ኩናት ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ ‘ዩ ከቢድ ‘ምበር ሕዚ ዝኸብድ ኣይኮነን::

ሓገዝ ዘድልዮ ምስ መንግስቲ እናተዛራረብካ ክሕገዝ ኣለዎ:: እቲ ሓገዝ መድሓኒት፣ እኽሊ ወይ ካሊእ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ:: ናይ ፀጥታ ፀገም

ኣብዘለዎ ዓዲ ብዙሕ ዕንቕፋታት ከጋጥሙ ይኽእሉ ‘ዮም:: ኮይኑ ግና ካሊእ መማረፂ ስጉምቲ ምውሳድ ‘ምበር ሰብኣዊ ሓገዝ ጠጠው ምባል ትኽክል ኣይኮነን:: ተመዛባሊ ብዙሕ ፀገም ‘ዩ ዘለዎ:: ስለዚ እቲ ዝኸድዎ ስጉምቲ ምስ መሰል ሰብኣዊን መምርሕታትን እቲ ትካል ዝኸይድ ኣይኮነን::

ህዝቢ ትግራ ዙርያ መለስ ሓገዝ የድልዮ ‘ዩ:: ናብ መረበቱ ተመሊሱ መተሓሓዚ ክረክብ ኣለዎ:: መንግስቲ ኣብዚ ቐዳምነት ሂቡ ክሰርሕ ኣለዎ:: ህዝቢ ‘ውን ክደጋገፍ ኣለዎ:: ሂወት ናይ ምድሓን ጉዳይ ስለ ዝኾነ መንግስትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ቐዳምነት ሂቦም ክሕግዙ ኣለዎም:: ሕዚ ዝግበር ዘሎ ሐገዝ ሂወት ንምድሓን ‘ዩ::

ናብ መረበቱ ምስተመለሰ ድማ መተሓሓዚ የድልዮ ‘ዩ:: ሓደ ዓዲ ክሳብ ዘለኻ ድማ ሓደ ልቢ ኮይንካ ምትሕግጋዝ የድሊ:: እዚ ናይ ትግራዋይ ሓላፍነት ጥራሕ እንተይኮነስ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ሓላፍነት ‘ዩ:: ፀገም ፅባሕ ኣብ መን ከምዘጋጥም ኣይፍለጥን:: ስለዚ ሓደ ክሳብ ዝኾንካ ምትሕግጋዝን ምትሕስሳብን ክህሉ ኣለዎ::

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ?

ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡- ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ግዜ ኣብ ሓገዝ ክነብር ስለ ዘይኽእል ካብ ሓገዝ ዝወፀሉ ኩነታት ክስራሕ ኣለዎ::

በርግፅ ሕዚ ብዙሕ ፀገም ስለ ዘሎ ካብ ሓገዝ ናፃ ንምግባር ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ:: ኮይኑ ግና ነዊሕ ትልሚ ብምትላም ንቐፃሊ ብዙሕ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ:: ሓገዝ እናተፀበየ ምንባር ዘዋፅእ ኣይኮነን:: ንግዚኡ ‘ምበር ብዘላቕነት ሂወት እተድሕነሉ ኣይኮነን:: ሐገዛቲ ኣካላት ኣብ ደስ ዝበሎም ገዲፎምካ ዝኸዱ ‘ዮም::

ኣብዚ ብዋናነት እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ብዕቱብ ክሰርሐሉ ኣለዎ:: ብፍላይ ኩሉ ትግራዋይ ሓለፍነት ተሰሚዕዎ ክሰርሕን ክተሓጋገዝን ኣለዎ:: እዚ ምስ ፖለቲካ ዘራኽብ የብሉን:: እቲ ዝተጀመረ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ሰላም ሙሉእነት ክህልዎ ኣለዎ:: መንግስቲ ፀገም ህዝቢ ተረዲኡ ዝተመዛበለ ህዝቢ ቐልጢፉ ናብ መረበቱ ክምልሶ ኣለዎ::

ፀገም ህዝቢ ትግራይ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፀገም ማለት ‘ዩ:: መንግስቲ ነቲ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ምፍፃም ዝኸዶ ዘሎ ክያዶ ዝታባባዕ ‘ኳ እንተኾነ ዝተረፉ ነገራት ስለ ዘለዉ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ዝቐረየ ክምለኦ ኣለዎ:: ብፍላይ ህዝቢ ናብ መረበቱ ኣብ ምምለስ::

መንግስቲ ሰላም ንምርግጋፅ ዝኸዶ ዘሎ ክያዲ ዝበረታታዕ ‘ዩ:: ፃዕሩ ከጣናኽር ኣለዎ:: ሰላም መሰረት ኩሉ ስለ ዝኾነ ጠመተ ክህቦ ኣለዎ:: ሰላም እንተዘይ ሃልዩ ኢኮኖሚ፣ ዲፕሎማሲ፣ ትምህርቲ ዝመሳሰሉ ምንቕስቓስ የለን::

ሰላም ዘይምህላው ጉድኣቱ ብዙሕ ስለ ዝኾነ መንግስቲ ዝጀመሮ ፃዕሪ ክሳብ መወዳእታ ክኸዶ ኣለዎ:: ሰላም ኣብ ምርግጋፅ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ግደ ‘ኳ እንተኾነ ብዋናነት ግና ናይ መንግስቲ ስለ ዝኾነ መንግስቲ ፃዕሩ ከሓይል ኣለዎ:: ኣብዚ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብፅሒቱ ክፃወት ኣለዎ::

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና::

ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 6 ሓምለ 2015 ዓ.ም

Recommended For You