ምስላታትን ኣተሓሳስባን ክብርታትን ሕብረተሰብ

ትርሓስ ፍቃዱ

ምስላታት ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ኣተሓሳስባ፣ ኣረኣእያ፣ እምነት፣ ፍልስፍና፣ ርእዮተ-ዓለም ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት የንፀባርቑ:: እዞም ምስላታት ዋላ’ኳ ነናቶም መበገሲታት ዝህልዎም እነተኾኑ ንነዊሕ ዘበናት እናተመመዩን እናተመሓየሹን ዝመፅኡን ነዊሕ ሰረት ዘለዎምን ኢዮም::

ምስላታት ናይ’ቲ ዝውንኖም ሕብረተ-ሰብ ክብርታት የንፀባርቑ ኢዮም፣ እንተኾነ ግን ኣወንታዊ ጐኒ ጥራይ የብሎምን:: ገሊኦም ንተራ፣ ኣበርክቶን ህላወን ገለ ክፋል ሕብረተሰብ ዝጐስዩን ዘነኣእሱን እዮም፣ ብሓፈሻ ክርአ ከሎ ግን ኣቀራርባ ምስላታት ንዅሉ ክፋላት ህይወት ደቂ ሰብ ዝገልፁን ብዛዕባ ዝሓለፈ ተመክሮ ዘቕስሙን እዮም::

ምስላታት መስትያት ናይቲ ዝነብሮም ሕብረተሰብ ኢዮም:: ምስላታት ኣኪብካ ክትምርምሮም ኣብ እትጅምረሉ ግዜ መኣዝ ግዜን ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታትን ፈሊሞም ክትፈልጦም ብዙሕ መፅናዕቲ ዝሓትትን ዝተሓላለኸን ድኣ ክኸውን ይኽእል ኢዩ’ምበር ኣብቲ ዝበቘልሉ እዋን ዝነበረ ኣተሓሳስባ፣ ኣረኣእያ፣ኣመለኻኽታን እምነትን ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበረ-ፖለቲካዊን ቍጠባዊን ጉዳያት ከም ዘንፀባርቑ ይገሃደልካ:: ገሊኦም ኣተሓሳስባታት፣ ኣረኣእያታት፣ ኣመለኻኽታታትን እምነታትን ምስ ግዜን ደረጃ ንቕሓትን ናይ’ቲ ሕብረተሰብ ይበልዩ ኢዮም::

ነዚ ፅሑፍ ንምድላው ምርኩስ ዝኾነትኒ መፅሓፍ ‘ናይ ኣቦታት ጥንታዊ ምሳሌ‘ ዘርእስታ ብሊቀ መዘምራን (መ.ገ.) ሞገስ ዑቈበጊዮርጊስ ዝተፅሓፈት ኢያ:: እታ  ፅሕፍቲ ንኤርትራ መሰረት ገይራ ዝተፀሓፈት እኳ እንተኾነት ባህልን ያታታትን ህዝቢ ኤርትራን ትግራይ/ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ስለዝኾነ እተን ምስላታት’ውን ኣብ ትግራይ/ኢትዮጵያ’ውን ዝፍለጣ እየን::

1. ርእስኻ ምኽኣልን ፍቕሪ ስራሕን፡-

እዘን ሎሚ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወተን (ማሕበራዊ፣ ቍጠባዊን ፖለቲካዊን) ደንፊዐን ብኽልተ ኣእጋረን ደው ኢለን ዘለዋ ሃገራት ንርእሰ-ምርኮሳ ከም መትከል ስለዘርዓምኦን ስለዝሰርሓሉን ኢየን:: ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጥንቲ ርእስኻ ምኽኣል እቲ ዝበለፀ ኣማራፂ መርሓ ህይወት ምዃኑ ነዚ ንምትግባር ድማ ፍቕሪ ስራሕ መሳርሒኡ ምዃኑ ተገንዚቡ ይነብር ከም ዝነበረ ምስላታቱ ህያው ታሪኽ ኢዮም:: በኣንጻሩ። ትህኪትን ዘይናትካ ምድላይን ነውሪ ጥራይ ዘይኮነ ሰብኣዊ ክብረትካ’ውን ከም ዘጕድሉ ካብ ፍጥረቱ ኢዩ ተረዲኡዎም:: ገለ ካብ’ቶም ምስላታት፡-

• ኣብ ቅድሚ ስራሕ ኣይትፅናሕ። ኣብ ቅድሚ ኣንበሳ ኣይትግናሕ

• ተመርኰስ ዘንግኻ። ተኣንገብ ዋልታኻ

• ሕማቕ ናትካ ወሆይ ይብለካ

• ሰብ ይነብር ከም ቤቱ። ኣይከውንን ከም ጐረቤቱ

• ብዕላል ኣይንገስ። ብዀኵዓዳ ኣይሕረስ

• ዘየሓኻ ነየቒሓኻ

• ግዜ ከሎካ ግዜ ኣየትጸበ

• ፈታው ስራሕ። ተጸልኣኒ ኢልካ ኣይትፍራሕ

ትህኪት፣ ዘይናትካ ምድላይን ስርቂን

• ሰሪቕካ ካብ ምሕሳብ። ኢድካ ምእካብ

• ሰራቒ መደቀሲኡ መሬት። መእሰሪኡ ሰንሰለት

 • ስሱዕ ክበልዕ ይሕነቕ። ሓሳዊ ኪዛረብ ይስርነቕ

• ብዘይ ክዳንካ ወለል። ብዘይ ጠስምኻ ፀረር

• ዘይናቱ ዝደሊ ከም ስእኒ ይበሊ

• ሃበኒ ህበይ ይገብር

• ካብ ሰብ ዝደሊ። ከም ሳእኒ ይበሊ

• ዓሳ ጐርጓሪ ተመን የውፅእ። ዘይናቱ ዝደሊ ሰበብ የምፅእ

2. ሓድነት፣ ምሕላውን ሓድነት ምስኣንን፡-

ሓድነት መሰረት ሓባራዊ ህላወን ዓወትን ኢያ፣ ዝሰመረ ሓፋሽ ዓጋቲ ከም ዘይብሉ። ዓወት ሰውራ ኤርትራ ህያው ኣብነት ኢዩ:: እዚ እናተወራረሰ ዝመፅአ። ካብ ጥንቲ ዝሰረተ ርድኢት ምዃኑ ዝስዕቡ ምስላታት ብውሕዱ የርእዩ፣ ውልቃውነትን ስስዐን ድማ ኣዕነውትን ረብሓ ከም ዘይብሎምን ሓተታ ብዘየድልዮ መገዲ ቀሪቦም ንረኽቦም፣

• ስኒት ዘለዎም ኣናህብ መዓር ይዅለሱ። ስኒት ዘይብሎም ፀናፁ ገንቢ ይልሕሱ

• ሃመማ እንተበዝሑ መኽደን ኣልባ ነይከፍቱ

• መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ። ተዘርዚሩ ይስንዶ

• ኣሕዋት ብምስማር። ዕንፀይቲ ብምጥማር

• ኣሕዋት ምስ ዚሰምሩ። ፀላእቲ የባርሩ። ከውሒ ይሰብሩ

• ኣፍትልቲ ምስ ዝሓብራ። ኣንበሳ ይኣስራ

• ዓዲ ምስ ሰመረ። ንህቢ ምሰ’ምዓረ። ይሃብካ እምበረ

ስስዐን ውልቃውነትን

• ንስሱዕ ሓደ ይወድቆ። ሓደ ይሓንቆ

• ሓባእ ቍስሉ። ሓባእ ፈውሱ

• በይኑ ዝበልዕ። በይኑ ይመውት

 • ንህሩፍ ሰብ ፍትፍት ኣርኢኻ ዒባ ኣዀልሶ

• ኣነ እንድሕሪ ሞይተላ። ዳንዴር ኣይትብቈላ

• ኮፍ በለለይ ክብለጸልካ

• ክልተ ዚርኢ ሓደ’ኳ ነይረክብ

• ዝምድና ኣድገ በቕሊ ኣብ ሰውሒ

• ፍትፍት ዝረኣየ ስሱዕ። ስቡር ሒላብ እንተ ርኣየ ይስዕስዕ

3. ፍቕሪ ሓቂ፡-

ሓቂ ኣብ ሕምብርቲ ባህሊ ኤርትራውያን ቀንዴል’ያ:: ቈልዓ ካብ ህፃንነቱ ብሓቂ ኢዩ ተኾስኵሱ ዝዓቢ፣ ኣብ ባህልና ከም ሓሳዊን ሓሶትን ጌሩ ዝፅላእ የለን፣ ገለ ካብ ምስክራቱ።

• ሓቂ ይፀንሕ ንደቂ። ፅቡቕ ግብሪ ይኸውን ንፅድቂ

• ሓቂ እናሓደረ ይኹላዕ ከም ወርቂ

• ሓቂ ብርእሳ እንተ ቐበርካያ ብእግራ ትወጽእ

• ሓቅን ወጋሕታን እናፀንሐ ይግለጽ

• ብሓቂ ምፃእ። ብኣፍ ደገ ውፃእ

• ንሓቂ ዓድጋ`ምበር ኣይትሽጣ

• ዘንጊ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበር

• ጉድለትካ ንዚነግረካ። ርኣዮ ክንዲ ሓውካ

• ምስክር ንነብስኻ። ዕላል ንሻራኻ

ሓሶትን ሕሜትን

• ሓሳውን ስንቅን እናሓደረ ይፈዅስ

• ሓሲኻ ኣይቅያሕ። ኣብ እምኒ ደይብኪ ኣይንዋሕ

• ሓሶት ንሓደ ሰዓት ኣሶት (ዋጋ)። ንዘለኣለም ፍዅሰት

• ሓሜትን መላለስን ድሕሪት ምዓሎም

• ክልተ ሳዕ ተዛረብካ ከፋእካ። ክልተ ሳዕ በላዕካ ተፋእካ

ወጋሕታ 10 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You