ዓረፋ ባህሊ ምትሕስሳብን ምትሕግጋዝን ጎሊሁ ዝወፀአሉ በዓል

ብዙሕ ግዘ ምስ በዓላት ተተሓሒዙ በዓል መስቀል እንትልዓል ብፍሉይን ድሙቁን ኣከባብርኡ ጉራጌ ሓቢሩ ዝለዓለሉ ኩነታት ይስማዕ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ካብ በዓል መሰቀል ብተወሳኺ ብድሙቅ ዝኽበሩ በዓላት ኣለው። ካብኣቶም ድማ በዓል ዓረፋ (ኣልኣድሓ) ሕርዲን መስዋእቲን ጎሊሁ ዝርኣየሉ በዓል ኣብ ማሕበረሰብ ጉራጌን ስልጤን ፍልይ ብዝበለ በቢዓመቱ ብድምቀት ዝኽበር ዓብይ ሃይማኖታዊና በዓል ‘ዩ። እዚ ብፍሉይ ምድላው ዝኽበር በዓል ካብ መረበቶምን ዓዶምን ወፃኢ ዝርከቡ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ናብ ዓዶም ብምኻድ ምስ ወለዶምን ቤተሰቦምን ዘኽብርዎ ከምዝኾነ ‘ዩ ዝግለፅ። ነዚ በዓል ዝግበር ምድላው ዳርጋ ናይ ምሉእ ዓመት ዝግበር ምድላው ‘ዩ እንተተብሃለ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ከምዘይኾነ ‘ውን ተወለድቲ እቲ ከባቢ ይገልፁ።

ብፍላይ ኣብ ማሕበረሰብ ጉራጌን ስልጤን ብልዑል ድምቀት ዝኽበር በዓል ዓረፋ እቲ በዓል ቅድሚ ምብፃሑ ኣብ ሕድሕድ ቤተሰብ ናይ ስራሕ ክፍፍል ብምግባር ብልዑል ምድላው ‘ዩ ዝጅምር። ንኣብነት ደቂ ኣንስትዮ ጠስሚ፣ ቅመማ ቅመምን ቆጮ ዝብሃል ባህላዊ ምግቢ የዳልዋ፣ ኣቦታት ድማ ንሕርዲ ዝኸውን ሰንጋን ዕንጨትን የቅርቡ። ኣዋልድ ድማ ነቲ ገዛ ብዝተፈላላየ መፀባበቂን መመላኽዕን ቀለማት/ናዞ፣በርበሮን ፀለሎን ዝኣምሰሉ ብምጥቃም ይሕብፃ፣ ነቲ መረባ የፅርያን፡፡

እቲ በዓል እናቀረበ እንትመፅእ ኣብ ዝተፈላላዩ ከባቢታት ዝነብሩ ተወለድቲ እቲ ብሄረሰብ ንወለዶም ውህብቶ ብምሓዝ ናብ ትውልዲ ዓዶም ይኣትው። እቲ ብሄረሰብ ነቲ በዓል ዘለዎ ትርጉም ውህብቶ ብምሃብ ይገልፅ። ወለዲ ንደቆም ብናፍቆት ዝፅበዩሉ ዝፅበዩሉ ‘ዩ። ኣባል እቲ ብሄረሰብ ኣብ ከተማ ፀኒሑ ንበዓል ናብ ከባቢኡ ንዝመፅእ ሰብ “ፋኖ” ተባሂሉ ይፅዋዕ። በዚ በዓል ዓረፋ ናብ ቤተሰቡ ዘይመፅአ ድማ ብሂወት ከምዘየሎ ሰለዝቁፀር ቤተሰቡ ኣብ ስግኣትን ጭንቅን ንክኣው ይገብሮ፡፡

ብፍላይ በዓል ዓረፋ ኣብ ስልጤ ፍሉይ ድምቀት ዝህቦ ድማ ኣብ ሰሙን እቲ በዓል ንወደፊት ናይ ሓዳር መሻርኽቲ ዝኾኖም ዝተሓፃፀዩሉን ብብዝሓት መናእሰይ መርዓ ዝግብሩሉን እዋን ‘ውን ‘ዩ። ስለዝኾነ ብኣብዝሓ በዓል ዓረፋ ናይ ሕፀን መርዓን እዋን እቲ ማሕበረሰብ ‘ዩ ምባል ይክኣል፡፡

ብባህሊ እቲ ሕብረተሰብ ድሮ እቲ በዓል ዝኽበር ናይ ደቀንስትዮ ዓረፋ እንትኾን ናይ ኣወዳት ድማ ናይቲ በዓል ስግደት ኣብ ዝግበረሉ ዕለት ይኸውን። ኣብ ዓረፋ ደቂ ኣንስትዮ ክልፋን (ዝተቆረፀ ሓምሊ) ኣተካና (ቡላ፣ ኣጅቦን ጠስምን) ናይቲ ዕለት ዝተለመዱ ባህላዊ ምግብታት ‘ዮም። ኣብቲ ዋና በዓል ድማ ዓበይቲ ምርቃት ድሕሪ ምግባሮም መሐረዲ ይካየድ፡፡

ኣብ በዓል ዓረፋ ናይቲ በዓል ፀሎት ወይ ሶላትን ስግደትን ከምኡ ‘ውን ናይ ኣልድሓ ሕርዲ ብምግባር ብምቅፃል ዘመድ ኣዝማድ ጎሮቤት ሓቢሩ ብምብላዕ፣ ዘለዎ ንዘይብሉ ብምክፋልን ብምትሕግጋዝን ብምሕጓስን፣ ነቲ ዕለት ሓዊሱ ንተኸታታሊ መዓልታት ብድምቀት ይኽበር።

ብተመሳሳሊ እዚ በዓል ኣብ ትግራይ ብማሕበረሰብ ሞስሊም ብድምቀት ዝኽበር ኮይኑ፤ ነኒባዕሉ ዘለዎ ንዘይብሉ ብምክፋል ብምትሕግጋዝ ይኽበር። ኣብ ከምዚ ዝበሉ በዓላት ዝዝውተሩ ከም ህብሽቲ ሕምባሻን ዝበሉ ባህላዊ ምግብታትን ከምኡ ‘ውን ካብ ኣልኮል ነፃ ዝኾኑ ካብ መዓር ዝስራሕ ብርዚ፣ ካብ ካብ ኣባዕኸን እንጣጢዕን ካልኦት ኣእኻልን ዝለዳው ጥዑማት ባህላዊ መሰተታት ብምድላው ናይቲ ሃይማኖት ተኸተልቲ ዘይኮኑ ጎረባብቶም ‘ውን ከይተረፉ ብምፅዋዕ ብፍቅርን ብሰላምን ዝኽበር በዓል ‘ዩ።

ምዚ ተተሓሒዙ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ወልቂጤ ከም ቤት ፅሕፈት ሰላምን ፀጥታን ቤት ፅሕፈት መንገድን ትራንስፖርትን ዝበሉ ቤት ዕዮታት እቲ በዓል ብሰላም ንክኽበር ብዝተዋደደ ስራሕቲ ቅድመ ምድላዋት ንምስራሕ ናይ ሓበር ዘተ ብምግባር ናይቲ በዓል ዕዱም ብሰላም ኣኽቢሩ ንክምለስ እቲ ሕብረተሰብ ምስ ኣካለት ፀጥታ ብምውዳድ ከምዝሰርሕ ዝገሊፀ ኮይኑ፤ ናይቲ ከተማ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰላምን ፀጥታን ኣይተ አስቻለው ገብሬ ከምዝበልዎ፤ እቲ በዓል ብሰላም ንክኽበር ኣድላይ ዘበለ ስራሕቲ ቅድመ ምክልኻል ተሰሪሑ ‘ዩ።

ከምኡ ‘ውን ነባሪ እቲ ከተማ ናይቲ ከተማ ሰላምን ፀጥታን በዓል ዋና ብምዃን ነቲ በዓል ምኽንያት ብምግባር ዝኾነ ይኹን ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣድላይ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ ብዘይ ምግባርን ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ጥንቃቀ ብምግባር ንክሓልፍ ኣተሓሳሲቦም።

ብሓፈሻ ከምዚ ዝበሉ በዓላት ሃይማኖታዊ ትእዛዛትን ግቡእን ካብ ምፍፃም ሓሊፉ ምስ ወለዲ፣ ሓውን ሓፍትን ምስ ጎረቤትን ምትሕስሳብ፣ ምትሕግጋዝን ምጥይያቅ ወይ ምዝያርን ዝካየደሉን ኣብ ሞንጎ ቤተሰብን ማሕበረሰብን ፍቅርን ሰላምን ዝጠናኸሩሉ ብምዃንም ክጠናኸሩ ዝግባእ ‘ዩ። ፍልፍል ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ጉዳያት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ምምሕዳር ከተማ ወልቂጤን ዞባ ስልጤ ወረዳ ኣለቶ ወሪሮን።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 28 ግንቦት 2017 ዓ.ም

Recommended For You