
ሃገራት ወይ ህዝቢታት ብመንፅር ታሪኻዊን ባህላውን ኣመፃፅእኦም ነናይ ባዕሎም ስርዓታትን ልምድታትን የማዕብሉ ‘ዮም። እዞም ስርዓታት ሓደ ካብ ካሊእ ዘፈላለየሎም እንተሃለወ ‘ውን ብፍላይ ሐዚ ሐዚ ናይ ኣብዝሓ ባህግን ድልየትን ካብ ዝኾኑ ግና ከም ስርዓታት ዲሞክራሲ፣ ፍትሒ ዝበሉ ይርከብዎም።
ኣብ ሃገርና ‘ውን እቶም ሐዚ እንጥቀመሎም ዘለና ዝተፈላላዩ ስርኣታትን ሕግታትን ቅድሚ ምምፅኦም ኣብ ዝተፈላላዩ ከባቢታት ሃገርና ህዝቢ ዝመሓዳደረሎምን ነዞም ሎሚ እንጠቀመሎም ስርዓታት መሰረት ዝኾኑ ብዙሓት ከምዝነበሩ ታሪኻት ይሕብሩ ‘ዮም።
ንኣብነት ኣብ ትግራይ እንተርኢና ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝርከቡ ወጀረቶት ነባር ስርዓት ዲሞክራሲ ኣለዎም ‘ዩ። እዚ ስርዓት ቀንጪ ይብሃል። ቀንጭነት ሕዚ ዓለም እትዝምረሉ ዘላ ዓብዪ ናይ ዲሞክራሲ ስነ ሓሳብ ‘ዩ። እዚ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ኣብ ወጀራት ይትግበር ነይሩ። ሎሚ ‘ውን ከም ቀደም ዋላ እንተዘይኮነ ጠቕሊሉ ግና ኣይሃሰሰን።
ከምኡ ‘ውን ኣብቲ ስርዓት ከም ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ዝቑፀር “ደመር” ዝብሃል ኣለዎም። እዚ ድማ ውሳነ ዘሕልፍ ሕጊ ዘውፅእ ዳይነት ዝህብ ናይ ዓበይቲ ዓዲ እኩብ ‘ዩ። ምስዚ ተተሓሒዙ ዝሓለፈ ሰሙን እዚ ወርቃዊ ባህሊ “ደመር” ወጀረቶት 20 ዓዲ ንምዕቃብን ንምፍላጥን ዝዓለመ ንመበል ካልኣይ ዓመት ከምዝተኸበረ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብበዝሒ እናተዘዋወረ ቀንዩ ‘ዩ።
ተመራማራይ ቅርስታት ዝኾኑ ሓጎስ ኣብርሃ ኣባይ (ዶክተር) ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ድሕረ ገፆም ከም ዝሓበርዎ “ደመር ዕስራ ዓዲ ወጀራት” ማለት ኣብ ወጀራት ካብ ግራ-ገረቦ ንሰሜን ዓሰርተ እምባታት (መንደራት)፣ ኣብ ደቡብ ድማ ዓሰርተ እምባታት (መንደራት) ይርከባ። ካብተን ዕስራ እምባታት ልተውፃፅኡ ዕስራ ተወከልቲ ህዝቢ (ባይቶ/ቤት ምኽሪ ዓዲ) ተመሪፆም ኣብ ማእኸል እተን ዕስራ እምባታት ልገብርዎ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ‘ዩ።
ወጀራት ዕስራ ዓዲ ልበሃለሉ ምኽንያት ድማ በተን እምባታት ምኽንያት ‘ዩ። እዚ መቦቀላዊ፣ ባህላዊ ሥርዓተ- ምሕደራ (customary law and governance) ክዕቀብ ልግብኦ መኹርዒ ታሪኽ ከምዝኾነን ኣብ ትሕቲ ደመር ዕስራ ዓዲ ወጀራት፣ ልተፈላለዩ ምሕደራታት ይርከቡዎ። ብፍላይ ጉዳያት ወፃኢ (ኣቦ ገረብ)፣ ጉዳይ ደ.ኣንስትዮ (ድባርተ)፣ ጉዳይ ኃይማኖት (ርክበ ካህናት)፣ ጉዳይ ተፈጥሮ ሃፍቲ (ሥርዓት-ሕዛእቲ)፣ ጉዳይ ፍትሒ (ደይና)፣ ጉዳይ ፀጥታ (ኣቦ ጋዝ) ወዘተ ባህላዊ ትካላት ልሓዘ ‘ዩ።
ላዕለዋይ ወሳኒ ጉዳይ ዕርቂ፣ ፍትሒ፣ ጎንፂ ልኾነ ደመር ዕስራ ዓዲ ወጀራት ካብቶም መሰረታዊ ነገራቱ:-
- እቶም ተወከልቲ ልሓደ ዓመት ጥራሕ ይምረፁ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ብኻልኦት ይትክኡ። ስልጣን ምንዋሕ ኣይፍቀድን።
- እቶም ልምረፁ ዕድሜኦም ዓበይቲ(ኣዳልት) ልኾኑ ‘ዮም።
- ብኣቀማምጣ ኣብታ ማእኽል ፈግዒ ገረብ እተን ዓሰርተ ዓዲ ‘ዮም ተኣኪቦም ልውስኑ።
- ኣብ ደመር ዕስራ ዓዲ፣ ምስጢር ከይባኽን፣ ሽርሒ ከይሰፍሕ፣ ኣጀንዳ ምሕዳር ኣይፍቀድን።
- ኣብቲ ደመር/ቤት ምኽሪ ልተፈለየ ቦታ/ወንበር ኣይፍቀድን፣ ኹሉ ብዕርያ/ማዕረ ይቐ መጥ። እቲ ደመር ኣቦ ወንበር ልበሃል የብሉይ። ዒስርኦም ማዕረ ውክልና ማዕረ ስልጣን ኣለዎም።
- ቀዋሚ መግለፂ ደመር ዕስራ ዓዲ “ባንዴራና ባንዴራ ኢትዮጵያ፣ ምምሕዳርና ግና በቢ ገረብና” ልብል ኣንፈት ፌዴራሊዝም ልሰብኽ ‘ዩ ነይሩ።
- ውሳነ ደመር ዕስራ ዓዲ ኹሉ ክፋል ሕብረተሰብ የኽብሮ፣ የተግብሮ።
- ቐ ልፊ ሥነ-ስርዓት ደመር ወጀራት ምድምማፅ ‘ዩ። ሓደ ትናገር ተሎ ኻሊእ ፀጥ ኢሉ የዳምፅ። ምስጢር ምሕላው፣ ውዕሎ ምትግባር፣ ማዕርነት ወዲ ሰብ ካብቶም ተጠቀስቲ እሴታት ደመር ‘ዮም።
ብተመሳሳሊ ውዕላት ወጀረቶት ብኣርዋዕተ ይኽፈሉ። ንሳቶም ዶማ፦ ውዕሊ ከረን፣ ውዕሊ ኣርዉዓ፣ ውዕሊ ገረብ፣ ውዕሊ ግራ-ጎሮዎ ዝበሃሉ ኮይኖም፤
ውዕሊ ከረን፦ ዝኾኑ ሰባት ሰለስተ ሰብ ወይ ልዕሊ ሰለስተ ሰብ ዘለውዎ እማናት ወይ ምስክራት ገብሮም ኣብ ዝኾነ ቦታ ኾይኖም ዝኾነ ይኹን ውዕሊ ዝወዓዓሉዎ ውዕሊ ‘ዩ። ውዕሊ ኣርዉዓ ድማ፦ ሓዳር ብዝምልከት ብመርዓ ክኾን ይኽእል ወይ ብዘይመርዓ ስብኣይ ሰበይቲ እማናት ወይ ምስክራት ብዘለዉዎ ገይሮም ዋሕስ ብምቑፃር ወይ ውዕሊ ምእሳር ‘ዩ።
ውዕሊ ገረብ፦ ወጀረቶት ምስ ጎረባብቶም ህዝቢታት ምስ ህዝቢ ራያ፣ ህዝቢ ዓፋር፣ ህዝቢ ኣላጀ ምላሽ፣ ህዝቢ ሰብዓ እንደርታ፣ ህዝቢ ኣፅቢ ወንበርታ ብተናፀል ክኾን ይኽእል ኹሎም ብሓደ ብሰላም ንምንባር ዘኽእሎም፤ ምሳቶም ጎረባቢቲ ህዝቢታት ስሪታት ዘውፅኡሉ ዝግበር ውዕሊ ‘ዩ። እቶም ተዋዓዐልቲ ህዝቢታት ዝመሓደርሉን ዝዳነዩሉን ናይ ባዕሎም ናይ ውሽጢ ስርታቶምይ ሕጊታቶምን ከምዘለዎ ኮይኑ ነቲ ናይ ሓባር ጉዳዮም ዝምልኸት ግና በቲ ብሓባር ዝትስማምዖምን ዘቕመጡዎምን ብናይ ሓባር ውዕሊ ዝመሓደሩሉ ‘ዩ።
ውዕሊ ግራ-ጎሮዎ፦ ወጀረቶት ድስርዓት ቓንጪ-ሓቂ ልክዕ ከም ሕገ መንግስቲ ኾይኑ ንባዕሎም ዝመሓደሩሉ ዝርዝር ሕግታት ዝሓዘ ውዕሊ ኮይኑ እዚ ውዕሊ እዚ ወጀረቶት ጥራሕ ዝመሓደርሉ ወይ ዝዳነይሉ ‘ዩ። ነዞም ኹሎም ውዕላት ዕርያ ተቓባልነትን ሕጋውነትን ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ማእኸሎም ዘይምርዳእ እንተኣጋጢሙ ድማ ብውዕሊ ግራ-ጎሮዎ ላዕላዋይነት ይዳነዩ።
ብሓፈሻ ብውሑዳት ዝተጀመረ በዓል ደመር ዕስራ ዓዲ ወጀራት (ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ) ብግቡእ ንክዕቀበን ንክፋለጥን ዘኽእል ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ እኹል ቆላሓታ ተዋሒብዎ ክስርሓሉ እንተኻኢሉ፤ ሓደ ኣካል መስሕብ ቱሪዝም ኮይኑ ካብ ቱሪዝም ዝርከቡ ረብሓታት ኣብ ምምፃእ ናይ ባዕሉ ግደ ክፃወት ዝኽእል ‘ዩ። ስለዚ ካብዚ ተጀሚሩ ዘሎ ብዝበለፀ ንክስርሓሉ ዝምልከቶም ኣካላት ተዋዲዶም ክሰርሕሉ ዝግባእ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 5 ሰነ 2017 ዓ.ም