51 ፕሮጀክትታት መዘውተሪ ስፖርት ተመሪቖም

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብብር ሓደ ቢሊዮን ወፃኢ ዝተሃነፁ 51 ፕሮጀክትታት መዘውተሪ ስፖርት ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ተመሪቖም፡፡

ካብቶም መዘውተሪ ስፖርት ናይ ፈረንሳይ ጨፌ፣ናይ ኣፍንጮ በር ሁለገብ መዘውተሪ ስፖርትን ናይ ራስ ሃይሉ ዘመናዊ ዓለምለኸ መሐመሲ ገንዳ ንግልጋሎት ክፍቲ ኮይኖም ኣለው፡፡

ንቶም ፕሮጀክታት ዝመረቓ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ከምዝገለፅኦ፣ እተን ፕሮጀክትታት ኣብ እነመርቐሉ ግዜ ንመረፃ ኢልና ዘይኮነስ መንግስቲ ልዕሊ እዚ ብምስራሕ ናይ ዜጋታት ናይ ምልማዕ ድሌት ክምልስ ግቡኡ ስለዝኾነ እዩ ኢለን፡፡

እናተመረቑ ዘለው ፕሮጀክትታት ንመረፃ ተባሂሉ ሓደ ግዜ ዝበቖሉ ዘይኮኑስ ኣብዚ በጀት ዓመት በጀት ተታሒዙሎም፣ሓይሊ ሰብ ተመዲቡሎምን ቦታ ተዳሊዩሎምን ብትልሚ ዝተሰርሑ እዮም፡፡ሕቶን ድሌትን ህዝቢ ምዃኖም ተረጋጊፁ ዝለዓለ ክትትል ተገይሩሎም ብፍጥነት ንክዛዘሙ ዝተገበሩ ምዃኖም ወይዘሮ ኣዳነች ገሊፀን እየን፡፡

እቶም ፕሮጀክትታት ክትትል ብምግባር ብፅሬትን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ተዛዚሞም ንህዝቢ ክፍቲ ከምተገበሩ ዝገለፃ ወይዘሮ ኣዳነች፣እቶም ናይ ስፖርት መዘውተሪ ስፍራታት ተሓፂሮም ዝተቐመጡን ብጅምር ጠጠው ዝበሉን ብምዃኖም ስሚዒት ስድራ ስፖርትን መንእሰይን ዝጎድኡን፣ ምላሽ ዘይረኸቡ ሕቶ ህዝቢ ከምዝነበሩን ኣዘኻኺረን፡፡ ንግልጋሎት ክፍቲ እንትኾኑ ዝተረአየ ሓጎስ ህዝቢ ንዚ ጭቡጥ ምስክር ከምዝኾነ’ውን ገሊፀን፡፡

ናይ ራእሲ ሃይሉ ዘመናዊ መሐመሲ ገንዳ ብልዕሊ ብር 109 ሚሊዮን ወፃኢ ዝተሃነፀ እንትኾን፣ዓለምለኸ ውድድራት ንምክያድ ዘኽእል ከምዝኾነ ዝገለፃ ወይዘሮ ኣዳነች፣ብጉያን ኩዕሶ እግርን ጥራሕ ዘይኮነስ ብምሕማስ’ውን ሓዱሽ ታሪክ ንምስራሕን ዓለምለኸ ውድድራት’ውን ንምክያድ ሰፊሕ ዕድል ከምዝፈጥር ኣመልኪተን፡፡

ናይ ፈረንሳይ ጨፌ መዘውተሪ ስፖርት ስፍራ ብኣርባዕተ ወርሒ ብዝለዓለ ፅሬት ተሰሪሑ ንግልጋሎት ክፉት ምዃኑ እንተተሓባቢርናን እንተተሓጋጊዝናን ብዙሕ ዓቅሚ ከምዘለና ዘርእይ እዩ ኢለን፡፡

 ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 2500 ፕሮጀክትታት ሎሚ ዘበን ከምዝተመረቑ ዘዘኻኸራ ወይዘሮ ኣዳነች፣ካብ ዝተመረቑ 51 መዘውተሪ ስፖርት እቶም 46 ኣብ 2013 በጀት ዓመት ተጀሚሮም ዝተዛዘሙ እንትኾን እቶም ዝተረፉ ድማ ቅድም ኢሎም ተጀሚሮም ከይተዛዘሙ ዝፀንሑ እዮም፡፡

ወጋሕታ 10 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You