‹‹ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፀገማት ትግራይ ኣይፈትሐን›› – ኣይተ ገብረጊዮርግስ ጊደይ

ግዝያዊ ምምሕዳር ኻሊእ ይትረፍ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተገበረ ውዕል’ውን 10 ምኢታዊ ውን ኣይተግበረን። ብዘይካ ትካላት ፌዴራል ዝኾና ባንኪ፣ ኤሌክትሪክ፣ ስልክን ዝበላ ወፃኢ ካሊእ መንግስታዊ ትካላት ብኣግባቡ ናብ ስራሕ ኣየእተወን ዘሎ።

ናይ ፀጥታ መሓውር’ውን ተራ ውልቀሰባት ‘ዮም ከምድልየቶም ዝገብርዎ ዘለው… ይብሉ ጋሻና ሓላፊ ፖለቲካ ክፍሊ ትግራይ ዲምክራሲ ፓርቲ(ትዴፓ) ኣይተ ገብረጊዮርግስ ጊደይ። ምስ ኣይተ ገብረጊዮርግስ ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ዘድሀበን ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ምሉእ ትሕዝትኡ ከምዚ ዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና፤ ሰናይ ንባብ:-

ወጋሕታ:-ከይዲ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ሰላም ከመይ ትርኢዎ? እቲ ስምምዕነት ንድሕሪት ከይምለስከ እንታይ ክስራሕ ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ገብረጊዮርግስ:– እቲ ኸይዲ ሰላም ስምምዕነት ፕሪቶርያ ከም ውልቀ ሰብ ኾነ ከም ውዳበ ፖለቲካ ዘለና ሪኢቶ ፅቡቅ ‘ዩ።

ከምዝፍለጥ ካብ ኹናት ኣውፂእና ኣሎ። እዚ ከምፅቡቅ ወሲድና፤ ካሊእ ድማ ምስ መንግስቲ ዘለዎ ርክብ ካብቲ ዝነበሮ ምፅልላም ወፂኡ ይንአስ ይዕበይ ኣብ ሰላማዊ መድረኽ ዝኾነ ምርኻቦም ባዕሉ ዓብይ ነገር ‘ዩ።

ምኽንያቱ ናይ ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ መንገዲ ስለዝኾነ። ይኹን ‘ምበር እቲ ኣብ ክልተ ዓመት ዝበፅሐ ጉድኣት ኣዝዩ ሰፊሕን ከቢድን ስለዝነብረን ብብርኪ ዓለም’ውን ተራእዩ ዘይፈልጥ ደም ምፍሳስ ዝነበሮ ኹናት ‘ዩ።

ስለዝኾነ ድማ ቀልጢፉ ናብ ዝሐሸ ናይ ሰላምን ምርግጋዕን ንክምለስ ንእሽተይ ናይ ህዝባዊ ተሳትፎ ይንእሶ ‘ዩ ዝብል ነቀፌታ ኣለኒ። እቲ ዝነብረ ኹናት ባዕሉ ህዝባዊነት ነይርዎ ‘ዩ። ስለዝኾነ ብኡ ልክዕ ድማ እቲ ማሕበረሰብ ገሊኡ ብቀጥታ ኢዱ ብምእታው ገሊኡ ድማ ብስክፍታ ሱቅ ኢሉ ብምርኣይ እቲ ኵናት ክሰፍሕን ክኸብድን ገይርዎ ‘ዩ።

ስለዝኾነ ሓዚ ‘ውን ኣብቲ ሰላም ብኡ ልክዕ ንክሰፍሕን ክቅልጥፍን ናብ ንብር ቀልጢፍና ንክንኣትው እንተተደልዩ እንተነኣሰ ኣብ ፓርትታት ዘሎ ከይዲ ከምዘሎ ኮይኑ ከምቲ ኣብቲ ኹናት ዝነብረና ኩሉ በቢብፅሒትና ወሲድና ርክብ ማሕበረሰብ ምስ ማሕበርሰብ ብፍላይ ኣብ ብዙሓት ኣዋሰንቲ ዘለው ከም ዓፋር ኣምሓራ ዘለው ማሕበረሰብ ክስራሕ ኣለዎ።

እቲ ዋና ዘተሓሳስበና’ውን ኣብ ሞንጎ ኣመራርሓ ዘሎ ዘይኮነስ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ዘሎ ጉዳይ ስለዝኾነ ህዝቢ ተኮር ዝኾነ ስራሕቲ ክስራሕ ኣለዎ። እቲ ማሕበረ ሰብ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ካብ ተፀብኦታት ነፃ ዝኾነ ሲቪክ ማሕበረሰብን ከምኡ’ውን ንናይ ሃገርን ሕዝብን ቀዳምነት ዝህቡ ሽማግለታት ዓዲ ኣልው ‘ዮም፤ ከምዚኦም ዝበሉ ኣካል ኣካል እቲ ከይዲ ሰላም ተዝኾኑ እብል።

እቲ ምሕደራ’ውን ንሳቶም ብከፊል ተዝሕዝዎ። ምናልባት ኣብ ፖለቲካዊ ጥራሕ ዝተንጠልጠለ ምሕደራ ብዙሕ ግዘ እምነት የስእነና ኣሎ። ብሓፈሻ በቲ እንደልዮ ብርኪ ናይ ህዝብና ፀገም ይፈትሑ’ዶ ዝብል ስግኣታት ከምዘለው ኾይኖም። እቶም ፅቡቃት ጎኒ ግና ክዕቀቡ ኣለዎም ኢለ የኣምን።

እቲ ስምምዕነት ህዝባዊነት ይጎድሎ ኣሎ ዝብል ከምዘሎ ኮይኑ ብኻሊእ ወገን ድማ ከም እንሰምዖ ኣብቲ ዓዲ ስርዓት ኣልቦነት ይርኣይ ኣሎ። ሐዚ’ውን ሕጊ ኣይነገሰን ዘሎ።

ክሳብ 25 ሽሕ ዝኣክሉ ዜጋታት ሐዚ’ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለው ብስልኪ ይሕበረና ኣሎ። እዞም ሰባት ፀገም እንተልይዎም እቲ ናይ ፍትሒ ስራሕቲ ብዕሊ ምስ ጀመረ ብሕጋዊ መገዲ ናብ ቤት ፍርዲ ከይዶም ብግቡእ ብሕጊ ይሕተቱ ‘ምበር፤ ብዘይ ፍርዲ ዝግበር ዘሎ ምእሳር ኣግባብ ኣይኮነን።

ከምዚ ዝበሉ ስራሕቲን ኣብ ውሽጢ ዘለው ፀገማት ‘ውን ነቲ ሰላም ናብ ድሕሪት ከይመልሶ ዝብል ሃሳብ ኣለኒ። እዚ ዝፍፀም ዘሎ ተግባራት እቲ ሕዝቢ’ውን ብምንታይ ዓይኒ ይሪኦ ከምዘሎ ክገልፅን እዚ ሓቂ እንተኾይኑ ሓቂ ይበሎ ጌጋ እንተኾይኑ’ውን ጌጋ ‘ዩ ክብል ኣልዎ።

እቲ ኻልእ ናይ ሰላምን ፀጥታን በዓል ሞያ’ውን እቲ ዝግበር ዘሎ ማእሰርቲ ናይ ዓፈና ድዩ ወይስ ናይ ሰላም ‘ዩ ዝብል ክግምገምን ከፅንዖን እንተዘይኽኢሉ ተዓፊኑ ተዓፊኑ ናይ ሰላምን ልምዓትን ጥንቂ ከይኸውን ክርአ ‘ዩ ዘለዎ ይብል።

ወጋሕታ:- ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝሰርሖም ዘለው ስራሕቲ ጠንካራን ደካማን ጎንታቶም እንታይ ይመስሉ? እንታይ ክገብር ኣለዎ ብኸመይኸ ክድገፍ ይግባእ ትብሉ?

ኣይተ ገብረጊዮርግስ:- መብዛሕትኡ ናብቲ ናይ መንግስቲ ዋና ስራሕቲ እንድዩ ዝወስደና መንግስቲ ክብሃል ከሎ ይሕመቅ ይፀብቅ ሕጋዊ ግዝያዊ ምምሕዳር እንድዩ ኣብዚ ብዙሕ ጠንካራ ጎኒ ኣሎ ንምባል ይሽገር ‘የ። ዘይሩ ዘይሩ ግና ዝተወሰነ ምስ ከተማ ምምሕዳራትን ክልላት መንግስትን ዘርአይዎ ዝምድና እንታይ ትሕዝቶ ኣለዎ ዝብልን ዘለዎ መጠኑ ብዘየግድስ ክምስገን ‘ዩ ዝግባእ።

እቲ ትማሊ እምባይ እምባኻ እናተበሃሉ አይትመፅአኒ ዝብሃሃሉ ዝነበሩ ናብዚ ምምፅኦም ከም ሓደ ፅቡቅ ነገር ወሲድና፤ ይኹን ‘ምበር ናብ ህዝቢ ናብ ባይታ ዝወረደኸ እንታይ ኣሎ እንተይልና እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዕብይ ዝበለ ጎሊሁ ዝርአ ህዝባዊ ምርግጋዕ ዝፈጠረን ናብ ልምዓት ዝአትው ኩነታት ከምዘይፈጠረ ብጭቡጥ’ውን ዝርአን ብስልኪ’ውን ተደዊሉ ዝንገረናን ኮይኑ፤ ናይ ዘይምርግጋእ ምልክት ዝኾነ ድማ ብዙሕ ስደት ይርአ ኣሎ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ እኳስ በቢጎደንኡ ኣምሓርኛ’ውን ዘይኽእላ ሎሚ ክምሃሩ ዝግብኦም ደቂ ሽዱሽተን ሸውዓተን ዝኾኑ ህፃናት ሒዘን ብቁሪን ንፋስን ፍቃድኡ ከርተት ዝብላ ይበዝሓ ኣለዋ። ብደቂ ተባዕትዮ’ውን ጥቅዓታት ክበፅሐን ንርኢ ኣለና።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ በቢጎደንኡ ወዲቐን ዘለዋ ትማሊ እቲ ዘሎ ሰላም ዘየዕገበንን እቲ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ፀገመን ክስመዓን ስለ ዘይኸኣለን ተስፋ ስለ ዝሰኣናን ‘የን ናብዚ ተሰዲደን ‘ምበር ኣምሓርኛ ‘ኳ ኣይኽእላ፣ ዘመድ የብለን ትምህርቲ የብለን ‘የን ፣ጎዳና ተኣማሚነን ዝመፅኣ ዘለዋ።

እቲ ዘሎ ምምሕዳር ካብ ጎዳና ዝሐሸ ሂወት ከርእየን ስለ ዘይኸኣለ ‘የን ነዚ መሪፀን ናይ ፅባሕ ተስፋ ዝኾኑ ህፃናት ሒዘን ዝፅመፅኣ ዘለዋ። እዚ ከዓ ካሊእ ማሕበራዊ ቀውሲ ‘ዩ ሒዙ ዝመፅእ። እቲ ወለዶ’ ውን ናብቲ ውፅኢት ናይዚ ኹናት ዝኾነ ይወድቅ ኣሎ ማለት ‘ዩ። ስለዚ ኣንሕና እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ደካማ እንብሎ ዘለና ህዝቡ ብኣግባቡ ክጥርንፍ ኣይኸኣለን።

ካልኣይ ካብ ፖለቲከኛታት ወፃኢ ግብረ ሓይሊ ወዲቡ ምስቲ ሕገ መንግስቲ ምትዕርራይ ተተሓሒዙ ዋላ ‘ኳ ናይ ግብአኒ መሬት እንተሃለወ ዜጋታት ኣብ ዝደለይዎ ናይ ምንባር ተፈጥራውን ሕጋውን መሰል ስለ ዘለዎም፤ ህዝባዊ ዝምድና ፈጢርካ ኣብ ክንዲ ናብ ታሕቲ ምውራድ ኣብ ፖለቲካ ተንጠልጢልካ ምትራፍ ኣግባብ የብሉን። ምኽንያቱ እዙይ ብዘይምዃኑ ሃገራዊ ቅልውላው የስዕብ ኣሎ ። ገባር ኣይሓርስን ዘሎ። መዳበርያ ኣይረክብን ዘሎ።

እቲ ሓረስታይ ዕጥቂ ኣይፈትሐን ዘሎ። ኩሉ እቲ ናይ ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ግልጋሎት ዝህብ ዝነብረ ሓይሊ ሰብ ብዘለና ጭቡጥ ሓበሬታ ክሳብ ሐዚ ኣብ ዕጥቂ ‘ዩ ዘሎ። እዚ ናብ ልምዓት፣ ሰላምን ማሕበራዊ ግልጋሎትን እንተዘይተመሊሱ ድማ ቀፃሊ ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ቀውሱ ኣይኸብድን ዶ? እዚ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብኣግባቡ ዝሪኦ ዘሎ ኣይመስለናን።

ተፈናቀልቲ ናብ ቦትኦም ምምላስ ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ጥራሕ ዘይኮነስ ተፈጥሮኣዊ መሰሎም ‘ውን ‘ዩ። እዚ ንምግባር ድማ ዜግነት ኢትዮጵያውነት ባዕሉ ኣብ ዝደለይዎ ክነብሩ መሰል ኣለዎም። ፖለቲካዊ እቲ መሬት ድሕሪ ግዜ እንተስ ብሪፈረንድም እንተስ ብፍርድቤት ወይ ብሽምግልና ክምለስ ዝኽእል ‘ዩ።

ህዝቢ ከምትሐጃ ሒዝካ እንድሕር እቲ መሬት ፖለቲካሊ ኣነ ዘየማሓድሮ ተዘይኮይነስ ህዝቢ ኣይምለስን ዝብል ትኽክል ኣይኮነን። ህዝቢ ብማእኸላዊ መንግስቲ ይመለሱ። ንግዚኡ ዋላ ፌደራል መንግስቲ የመሓድሮም ፖለቲካዊ ፍሕፍሕ ድማ ቀስ ኢሉ ይፍታሕ።

ንስልጣን ክትብል ግን ህፃናት ፍቃድኡ ካምፕታት ብተመሓላፊን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማትን ይተርፉ ኣለው። ስለዝኾነ እቲ ፖለቲካን ማሕበራዊ ዝምድናን ክፍለ ኣለዎ። ነዚ እቲ ማእኸላይ መንግስቲ ኾነ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትኹረት ክህበሉ ኣለዎም። ናይ ምንባር መሰል ናይ ፖለቲካ መደራደሪ ክገብርዎ የብሎምን።

ውሕስና ናይቲ ተመላሲ ብዝምልከት ድማ ከምቲ ኣንሕና ኣብዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለናዮ ናይ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከም ኢትዮጵያውነት ዜጋ እንነብር ዘለና ኣብኡ’ውን ኣብኡ ዘሎ ኩሉ ዕጡቅ ንክወፅኡ ብምግባር እቲ ምሕደራ ግና ንማንም ንማንም ከይበልካ መሬት ዘይኮነስ ህዝቢ ብምቕዳም ንክልቲኦም ብምዝርራብ እቲ ፀጥታ ፌደራል መንግስቲ ይሕልወሎም እቲ ምምሕዳር ድማ ሕዝቢ ክመሓዳድሮ ይኽእል ‘ዩ ፀገም የብሉን።

እዚ ኣቢልካ ብድሕሪኡ ህዝበ ውሳኔ ምግባር ይከኣል ‘ዩ። እንተዘይኮይኑ ብመሬት እናተኸራኸርና ብኣሽሓት ዝቁፀር ህዝብና ግና ግዜ ብዘይህብ ኣብ ሓደጋ ‘ዩ ዘሎ ህዝቢ ምስተወድአ መን ኢኻ ክተስፍረሉ? እዙይ ክሕሰበሉ ኣለዎ።

ፌደራል መንግስቲ ኣብዚ ሱቅ ክብል የብሉን። ቀዳምነት ንህዝቢ ክህብ ኣለዎ። ነቶም ፖለቲከኛታት ንስኹም ክትከራኸሩ ትኽእሉ ኢኹም እቲ ብስሕተት ዝወፅአ ህዝቢ ግና ብናይ ባዕለይ ከእትዎ ‘የ ንግዚኡ’ውን ኣብ ትሕቲ ፌደራል ይፀንሕ ክብል ይግብኦ እና በዚ ብርኪ ተዝርኣይ በሃላይ ‘የ።

ወጋሕታ:- ተግባራውነት ስምምዕነት ሰላም መሊኡ ኣብ መሬት ንክወርድን እቲ ሰላም ንክፀንዕን ግደ ውድባት ፖለቲካን ማሕበራትን እንታይ ክኸውን ኣለዎ?

ኣይተ ገብረጊዮርግስ:- ሐዚ ኣንሕና ፖለቲከኛታት ዕጥቂ ጉልበት የብልናን። ሕገ መንግስቲ ኣይፈቅደልናን። ክህልውና’ውን ኣይንደልን፤ ምኽንያቱ ዲሞክራስያዊ ‘ዩ መንገድና።

ኣብ ምትእምማን ‘ምበር ኣብ ጉልበት ዝምስረት ህልውና ኢና ክህልወና ኣይን ኣምንን። እዚ ማለት ናይ ሓሳብ ፀጋ ዘለና ስቪክ ማሕበራት ድማ ካብ ፖለቲካ ነፃ ኮይኖም ህዝባዊ መሰረት ዝለዎም ኮይኖም ናይ ሓሳብ ፀጋ ኣለዎም ማለት ‘ዩ።

እዞም ዘልውና ናይ ሓሳብ ፀጋታት ግና ኣብ ስራሕ ንክ ውዕሉ መንግስቲ ትኹረት ኣይሃቦምን ኢለ ይሓስብ። ኣንሕና ተመሪፅና ‘ምበር ድጋፍ ደብዳበ ተፃሒፍልና ስልጣን ክንሕዝ ድልየት የብልናን። ይኹን ‘ምበር ንክንምረፅ ኮነ ጎስጓስ መረፃ ንምግባር ሰላምን ዝተረጋግዐ ማሕበረሰብ የድልየና ‘ዩ።

ነዚ ንክኸውን እነልዕሎም ዘለና ናይ ህዝቢ ይቀድም መሬት ናብ ዝኾነ ኣይኸድን ዝብል ሓሳብ መንግስቲ ክገዝኦምን ኣብ ስራሕ ከውዕሎምን ይግባእ። ህዝቢ ንክረጋጋዕ እንታይ ይገበር ዝብል ግና ንሕና ትሕቲ እቲ ማሕበራዊ ዝምድንን ታሪኾምን ህዝብታት ኢና።

እዙይ ከምዘሎ ኮይኑ ኣንሕና ክነቅርቦ እንኽእል ሓሳብን ቴክኒካል ድጋፍን ንምሃብ ቁርባት ኢና። መንግስቲ ድማ ተቀቢሉ ምትግባር ይግባእ። ከምዚ ክንገብር ምስ እንኽእል ይረጋጋዕ ምስተረጋግዐ ድማ ንፖለቲካዊ ሜዳ ምችው ቦታ ይፈጥር ማለት ‘ዩ። ሐዚ ግና ኣብ ከቢድ ፀገምን ዘሎ ህዝቢ ንስልጣን ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን።

ስለዚ ኣንሕና እንብል ዘለና ከም ማሕበረሰብ መጀመርያ ናይ ማሕበረሰብ ስራሕ ይሰራሕ ሕዝቢ ይረጋጋዕ እቲ ናይ ፖለቲካ ስራሕቲ ግና ደሓር ከርክብ ‘ዩ። ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እንሪኦ ዘለና ግና ህዝቢ ተኮር ዘይኮነስ ስልጣን ተኮር ‘ዩ ዘሎ ዝብል መርገፂ ‘ዩ ዘለና።

ወጋሕታ:- ኣብ ዳግመ ሕንፀት ትግራይ ግደ ዝተፈላለዩ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘለው ተጋሩ ሙሁራት፣ ሰብ ሃፍትን ካልኦት ማሕበራትን እንታይ ክኸውን ኣለዎ ትብሉ?

ኣይተ ገብረጊዮርግስ:- መጀመርያ ቅድሚ ኩሉ ናይ ትግራዋይ ዋሕሱ ሰላም ‘ያ። ኩሉ ከምዝፈልጦ እቲ ህዝቢ ፃዕራም ህዝቢ ‘ዩ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሰሪሑ ክበልዕ ዝኽእል ‘ዩ። እዚ ህዝቢ ከይሰርሕ ከየፍርይ ዝገብሮ ዘሎ ግና ስእነት ሰላም ‘ዩ።

ስለዚ ብቀዳምነት ሰላም ነሃቦ ‘የ  ዝብል። እቲ ሰላም ናይ ኩሉ ‘ዩ ሐዚ ፀጊምልና ዘሎ ኣብቲ ናይ ትግራይ ዘሎ ኢሊታት ገሊኡ ኢትዮጵያ ዝትብሃል ዓዲ ኣይተድልየካን ይብል ፍርቁ ድማ ምስ ኤርትራ ዕድመ ልክዕ ኣብ ደም ኢና ክንነብር ይብል። ምስ ኤርትራ ዘሎ ዝምድና ዝምልከት ግና እቲ ኣብኡ ዘሎ ዘይምለከቶ ብግምት ዝትንትን ፖለቲከኛ ዘይኮነስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ዩ።

ይኹን ‘ምበር ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ክድሕን ኣለዎ ኢሉ ዝኣምንን ይምልከተኒ ‘ዩ ዝብል መጀመርያ ናይ ህዝቢ ትግራይ ዕድል ኣብ ኢትዮጵያውነት ‘ዩ ኢሉ ከኣምንን ክቅበልን ኣለዎ። እዚኣ እንተኣሚኑ ድማ ምስ ኩሉ ማህበረሰብ ብሰላም ንምንባር ክኽእል ናይ ፕሮፐጋንዳ ስራሕቲ ክሰርሕ ኣለዎ።

እንድሕር ኣብ ኩሉ ክነበር ኣኽኢልካሉ ንስኻ ካብ እትህቦ ሽርፍራፍ ሓገዝ ባዕሉ ፅዒሩ ዘፍርዮ ይበልፅ ንዕኡ። እዚኣ ንከይገብር ድማ ሰሪሑ ከይበልዕ ፅልኢ ይፈጡሉ ኣለው። ስለዚ ኩሎም ካብዚ ክዕገሱ ኣለዎም። ነቶም ከምዚ ዝገብሩ ሚድያታት ክግስፆም ክኽእል ኣለዎ።

 ህዝቢ ምስ ህዝቢ ሓቢሩ እንተዘይነይሩ ሰላም የለን ኢኮኖሚ የለን። ጠንካራ መሓውር ዝምድና ዘይብሉ ማሕበረሰብ ዝኾነ ይኹን ድጋፍ እንተገበርካሉ ውን ኣይዓብን። ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ንውልቀ ረብሕኦም ክብሉ ምስ ኩሉ ማሕበረሰብ ከይነብር ዘዕንቅፉ ዘለው ናይ ፀላእቲ መልእኽተኛታት ስርዓት ክሕዙ ክኽእሉ ኣለዎም።

መጀመርታ ንህዝቢ ትግራይ ኢዚኣ ውዕለታ ክውዕሉሉ ኣለዎም። ኢዚኣ ምግባር እንተተኻኢሉ ካብዚ ንዓቀብ ዘሎ ፀገም እንተሃልዩ ድማ ከም ሓደ ማሕበረሰብ ይኹን ከም ኢትዮጵያውነት ተወዲብካ በቢ ዘለና ዓቅሚ ዳያስፖራ ይኹኑ ምሁር ይኹን ብፍልጠት ብሓሳብ ቀልጢፍካ ዝትበፅሐሉ ክህልው ክኽእል ኣለዎ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝበፅሐ ጉድኣት ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ‘ዩ። እዚ ድማ ፅልኢ ዝፈጠሮ ‘ዩ። ስለዚ ልዕሊ ኩሉ ንህዝቢ ትግራይ እንውዕለሉ ምስ ኩሎም ማሕበረሰብ ብሰላም ዝነብረሉ ኣተሓሳስባን ተግባርን ክንሰርሕ ኣለና።

 ወጋሕታ:- ካብዚ ዝተረፈ ክልዓል ኣለዎ ዝትብልዎ ሓሳብ እንተሃልዩ ዕድል ክህበኩም?

ኣይተ ገብረጊዮርግስ:- ዘይሩ ዘይሩ ሐዚ ‘ውን ማእኽላይ መንግስቲ ምስ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቀሱ ዘለው ዲሞክራስያዊ ውድባት ፖለቲካ ተቀራሪብካ እንታይ ንግበር ናይ ዘይምባል ፀገም ኣሎ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጥራሕ መፍትሒ እቲ ፀገም ክኸውን ከምዘይኽእል እቲ መንግስቲ ኣይተረድአን ዝብል እምነት ኣለኒ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልተ መሰረታዊ ፀገማት ኣለዎ። ሓደ እቲ ዝመፅኦ መንገዲ ባዕሉ ሓፁር ኮይኑ ሒዝዎ ‘ዩ። ፍትሒ እንተነጊሱ ኣነ’ውን ክሕተት ‘የ ዝብል ፍርሒ ዘለዎ ኣመራርሓ ‘ዩ ዘሎ። ካልኣይ ዓብይ ፀገም ድማ ባዕሉ ዝፈጠሮ ዕጥቅታት ኣለዎ።

እቲ መሳርሒ ድማ ከም ፍልፍል ኢኮኖምያዊ ‘ዩ ዝሪኦ፤እዚ ኣብ ማእኸል ከተማ ዝግበር ዘሎ’ውን ንሪኦ ኣለና ኢና። ስለዝኾነ እንታይ ‘ዩ ክኸውን ዘለዎ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላትን ሲቪክ ማሕበረሰባትን ዝብልዎ ሓሳባት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክሰምዕ ክኽእል ኣለዎ።

ህዝቢ ዝጠሚ፣ ዝስደድ፣ ዘይምሃር፣ መፍረያይ ኣካልን ኣብ ዕጥቂ ዘሎን ናብ ማሕበራዊ ግልጋሎት ዘይተመለሰ እንተኾይኑ ፅባሕ ንጉሆ ኣየናይ ትግራይ ኢኻ ክትመርሕ ደኣ? ማሕበራዊ ዘይብላ ኢኮኖሚ ዘይብላ እንታይ ትገብራ?

ከምዚ ዝረኣናዮ ግዝያዊ ምምሕዳር ኻሊእ ይትረፍ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተገበረ ውዕል ውን 10 ምኢታዊ’ውን ኣይተግበረን። ብዘይካ ትካላት ፌዴራል ዝኾና ባንኪ፣ ኤሌክትሪክ፣ ስልክን ዝበላ ወፃኢ ካሊእ መንግስታዊ ትካላት ብኣግባቡ ናብ ስራሕ ኣየእተወን ዘሎ።

ናይ ፀጥታ መሓወር ‘ውን ተራ ውልቀሰባት’ዮም ከምድልየቶም ዝገብርዎ ዘለው፤ ሓደ ሰብ እንተኣሲርካ ማንም ዝጥይቆም የለን። ብሕጊ ዘይትምራሕ እንተኾይና ድማ እቲ ሰላም ናይ ይስሙላህ ‘ዩ ዝኸውን ዘሎ ማለት ‘ዩ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ፀገማት ትግራይ ኣይፈትሐን፤ ገና ብዙሕ ዝተርፍ ‘ዩ። እዚ ዝፍታሕ ድማ ብምምኻር ‘ዩ። ሃገር ዝሕነፅ ድማ ብወዲ ሃገር ‘ዩ እሞ ህዝቢ የማኽር ምእንቲ ሃገር ኣብ ፅኑዕ መሰረት ጠጠው ክትብል እንህቦ ሓሳብ’ውን ይሰማዕ ኢና ንብል ዘለና። የቐንየለይ

ወጋሕታ:- ኣነ’ውን ንዝ ሃቡኒ ሓሳብ የቐንየለይ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 13 ሓምለ 2015 ዓ.ም

Recommended For You