ውልደቱን ዕብየቱን ኣብ ርእሰ ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ‘ዩ። ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቱ ኣብ ኣስመራ ዝተምሃረ እንትኾን ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ምስ ቤተሰቡ ብምዃን ዝተረፉ ቤተሰብ ናብ ዘለዉዎ ናብ ትግራይ ብ1987 ዓ.ም መፂኡ።
ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ኣብ ዓድዋ ንግስተ ሳባ ትምህርት ቤት ‘ዩ። ኣብቲ እዋን ናይ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ውፅኢቱ ናብ ኮሌጅ ዘእቱን ነይሩ።ኣብ ሓዱሽ ዝተኸፈተ ኮሌጅ ትምህርት ተምቤን’ውን ኣትዩ ክማሃር ኣይደለየን።
ኣብ እዋን ኹናት ኢትዮ ኤርትራ ስለዝነበረ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጠጠው ብምባል ስልጠና ብምውሳድ ናብ ሃገር ምክልኻል ተፀምቢሩ። እቲ ኹናት ምስ ተወደአ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ብዙሕ ኣይፀንሐን፣ ቀጥታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምፃእ ናብርኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገይሩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መፀ ናይ ኮሌጅ ትምህርቱ ምምሃር ጀሚሩ። ትምህርቱ ምስወደአ ተቖፂሩ እናሰርሐ እናሃለወ ዲቪ ሎተሪ ስለዝበፅሖ ናብ ኣሜሪካ ተጓዒዙ። ኣብ ኣሜሪካ ‘ውን ን 13 ዓመታት ዝፅንሐ እንትኾን ሐዚ’ውን ናብራኡ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ‘ዩ።
ናይ ሎሚ ጋሻና ኣንቃሒ ማሕበረሰብ ናትናኤል ኣስመላሽ እንትኾን ፣ ኢትዮጵያ ተገዲዳ ኣብ ዝኣተወትሉ ኹናት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዝነበረ ስርዓት ህወሓት ብምቅዋም ንውልቅኡ ሰላማዊ ሰልፊ ገይሩ ‘ዩ። ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ምስ ናትናኤል ኣስመላሽ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ከምዝስዕብ ኣቅሪብና ኣለና። ሰናይ ንባብ!
ሕቶ፡- ሰላም ከመይ ትርድኦ?
ኣይተ ናትናኤል፡- ንዓይ ሰላም ዓብይ ትርጉም ኣለዎ፣ ከምዝበልኩኺ ተወሊደ ዝዓበኹ ኣብ ኤርትራ ‘ዩ። ብምኽንያት ውድቀት ደርጊ ናብ ትግራይ እንተመፃኹ ‘ውን ብዙሕ ከይፀንሐ ሃገርና ናብ ኹናት ብምእታዋ እቲ ሰላም ምጥዕዓም ኣይተኽኣለን ነይሩ።
ዋላ ‘ኳ ኣብ ዘመነ ደርጊ ቆልዓ እንተነበርኹ ህወሓት ናብ ስልጣን ምስ መፀ እንተናኣሰ ኣብ ኢትዮጵያ ሰለስተ ዝኾኑ ኹናት ክሪኢ ተገዲደ ‘የ ፤ በዚ ዝተልዓለ ‘ውን ኹናት ኣብ ዘለዎ ሰላም ስለዘይሕሰብ ህይወት ምሕላፍ ፣ ምምዝባል ፣ ምጉስቋል ዘይተረፍ ነገር ‘ዩ፤ ብፍላይ ኣነ ናይ ኹልግዜ ሕቶይ ትግራይ ንምንታይ ድኻ ኾይና ዝብል ‘ዩ ነይሩ ፡ ግና ኣብቲ ሰዓት ብቁልዕነተይ መልሲ ዝህበኒ እንተዘይነበረ ‘ውን ኸዚ ግና መልሱ ረኺበዮ ‘የ። እሱ ‘ውን ኹናት ዘምፀኦ ጣጣ ‘ዩ ኢለ ደምዲመ ‘የ።
ብናተይ እምነት ሓደ ክፋል ኢትዮጵያ ድኻ ኾይኑ ማለት ኢትዮጵያ ድኻ ኾይና ማለት ‘ዩ። ስለዚ ሰላም ዝመርፀሉ ዋና ምኽንያት ብሰንኪ ኹናት ኣብ ትግራይ ካብ ቐደም ጀሚሩ ዝመዛበል ህዝቢ ብምርኣዬይ ‘ዩ።
ኣብ ገጠር ትግራይ ዝኾነ ከባቢ ዘሎ ናብራ ኸዚ ‘ውን ኣይተቐየረን። ኣዝማደይ ቅድሚ 30ን 40ን ዓመት ብኽልተ ብዕራይ ይሓርሱ ነይሮም። ሎሚ ‘ውን ኸምኡ ‘ዩ። ኸዚ ‘ውን ብዝነበረ ኹናት ምኽንያት ክደየናይ ከምዝተጎድኡ ኣስተውዒለ ‘የ።
ስለዚ ንዓይ ሰላም ማለት ህይወት ንዘለዎ ፍጥረት ኹሉ ብፍላይ ድማ ንወዲ ሰብ ናይ መጀመርያ ሕርያ ‘ዩ ኢለ ንክሓስብ ገይሩኒ ‘ዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ኸባቢ ትግራይ ተወሊዱ ንዝዓበየ ሰብ ናይ ኹናት ጉድኣት ብደንቢ ዝርደኦ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ።
ሕቶ፡- ንስኻ ፖለቲካ ትግራይ ክቕየር ኣለዎ ካብ ዝብሉ ኣካላት ሓደ ኢኻ፣ ክልወጥ እንተኾኑ ድማ እቲ መንእሰይ ‘ውን ሓዊሱ ‘ዩ ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ እሞ እቲ መንእሰይ ክልወጥ ዘለዎ ብኸመይ ‘ዩ ትብል?
ኣይተ ናትናኤል፡– ኣብዚ ሰዓት ትግራይ ክልል እናማሓደረ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ‘ዩ። ስለዚ እዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ፎተናን ፀላእናን ክንድግፍ ኣለና ዝብል ፅኑዕ እምነት ‘ዩ ዘለኒ።
ምኽንያቱ ኸዚ ብግዝያውነት እቲ ክልል እናመርሑ ዘለዉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብ ዝነበሩ ኣመራርሓታት ካብ ገበንን ሙስናን ነፃ ‘ዮም ዝብል እምት ኣለኒ። ኸዚ ዘሎ ፖለቲካ ትግራይ ካብ ነባር ስርዓት ተላቒቑ ብግዝያዊ ምምሕዳር ዝሓሸ ለውጢ ከምፅእ ‘ዩ ኢለ ተስፋ ይገብር።
ቅድሚ ሰሙናት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተረኺቦም እቲ ክልል ዑደት ገይሮም ‘ዮም። እዙ ኣካይዳ ንባዕሉ ህዝቢ ኣምሓራ ንህዝቢ ትግራይ ፀላኢ ከምዘይኾነ ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ንህዝቢ ኣምሓራ ፀላኢ ከምዘይኾነ ዘርኣየ ‘ዩ።
ስለዚ ብሕታዊ መማረፂ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ምሕጋዝን እንተናኣሰ ኣብ ዝቕፅል ሓምሽተን ዓሰርተን ዓመታት ትግራይ ብሓድሽ ወለዶ እትምረሐሉ መገዲ ምፍጣር የድሊ ‘ዩ። ከምዚ ኾይኑ ‘ውን ኣይተ ጌታቸው ብዙሕ ዕንቅፋት ክህልዎም ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሸርሒ ሕልኽላኽን ቋፀሮን ዝበዝሖ ‘ዩ ነይሩ።
ስለዚ ዝተቋፀረ ንምፍታሕ ኣይተ ጌታቸው ዓብይ ትፅቢት ይግበረሎም ‘ዩ። ነዚ ስራሕ ድማ እቲ ሓድሽ ወለዶ ንኣይተ ጌታቸው ንምድጋፍ ምልዕዓል ትፅቢት ይግበረሉ። ለውጢ ክመፅእ ዝኽእል በዚ መንገዲ እንድሕር ተጓዒዝና ‘ዩ።
ሕቶ፡-ንስኻ ‘ውን ከምዝገለፅካዮ ቅድም ክብል ኣብ መንጎ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ፅልኢ የለን፣ ድሕሪ ኸዚ ኣብ ኣምሓራን ትግራይን ኢሉ ‘ውን ኣብ ካልኦት ህዝብታት ዘሎ ምርድዳእ እንታይ ክመስል ኣለዎ ትብል?
ኣይተ ናትናኤል ፡- እቲ ሓደ ነገር ምናልባት ‘ውን ኻልኦት ኢትዮጵያውያን ዘይርደኦም ንሕና ተወለድቲ ትግራይ እንርደኦ ሓደ ነገር ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ትግራይ እዚ ሰላም ዘይደሊ ብፍላይ ኣብ መንጎ ትግራይን ኢትዮጵያን ንዘላኣለም ኹናት ንክህሊ ዝደሊ ጉጅለ ኣሎ ‘ዩ።
ኣይተ ጌታቸው ናብ መሪሕነት ምስ መፁ ነባራት ሚድያታት ተጠቒሞም ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ መንግስት ሽም ንምጥፋእ ዝፅዕር ጉጅለ ኣሎ ‘ዩ። እዚ ጉጅለ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ክሰፍን ዘይደሊ ጉጅለ ‘ዩ።
እዚ ጉጅለ መሰረቱ ናይ ህዝቢ ፅልኢት ‘ዩ። ብፍላይ ድማ ኣምሓራ ከም ፀላኢ ዝርእይ ጉጅለ ‘ዩ። ቀኒዕዎ ‘ኳ ስልጣን እንድሕር ሒዙ ቂሙ ክዋፃእ ዝደሊ ኣብ ልዕሊ ኣምሓራ ‘ዩ። እዚ ጉጅለ እናሰበኸ ዝነበረ መንእሰይ ትግራይ ኹሉግዜ ኣምሓራይ ንክፀልእ ‘ዩ።
ከምዝፍለጥ ህዝቢ ንህዝቢ ኣይፃልእን ። ሓደ ህዝቢ ናይ ሓደ ህዝቢ ፀላኢ ኾይኑ ኣይፈልጥን። ኣነ ከም ሓደ ትግራዋ ዝሓስቦ ኣምሓራይ ንህዝቢ ትግራይ ፀላኢ ኾይኑ ኣይፈልጥን። ንኣብነት መጀመርያ ካብ ኣሜሪካ ምስ መፃኹ ናብ ጎጃም ከይደ ነይረ። ውሽጢ ንውሽጢ ተዘዋዊረ ነይረ ‘የ ።
እቲ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ትግራይ ምንም ፅልኢት ከምዘይብሉ ‘ዩ። ዘሎ ኣፈላላይ ናይ ቋንቋ ጥራሕ ‘ዩ። ካብዚ ወፃኢ ብሃይማኖት ፣ ብኣከዳድና ፣ መነባብሮ ብዙሕ ዝፈላለ ኣይኮነን። እዚ ምስ ራእኽዎ እዚ ህዝቢ ድዩ ፀላኢ ትግራይ ተባሂሉ ዝንገሮ ዝነበረ ኢለ ንባዕለይ ሓቲተ ‘የ።
ካልእ ክናገር ዝደልዮ ኣምሓራ ኣክቲቪስት ዝረኦ ነገር ልክዕ ኣብ ትግራይ ከምዘሎ ሓደ ዓይነት ጉጅለ ‘ዩ። እዚኦም ጉጅለ መፂኦም ናብራ ህዝቢ ትግራይ እንተዝረኡ እንተዝፈርዱ ደስ ይብለኒ። ስለዚ ህዝቢ ብፀላእነት ንክፍረጅ ፃዕሪ ዝገብሩ ኣካላት ካብ ተግባሮም ተዝቑጠቡ ይግባእ ባሃላይ ‘የ።
ሕቶ ፡- ስምምዕነት ሰላም ምፍርራሙ ዘምፀኦ ለውጢ ኣሎ ይልካ ትሓስብ ?
ኣይተ ናትናኤል፡– መጀመርያ እዚ ስምምዕነት ሰላም ዝጠቕም ንህዝቢ ትግራይ ከምኡ ‘ውን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ዩ። ስለዚ እዚ ስምምዕነት ሰላም እንተናአሰ በቢ ዓሰርተ ዓመቱ ዝፍጠር ዝነበረ ኹናት ድሕሪ ኸዚ ንከይፍጠር ክገበር ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።
ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ብዙሕ ነገር ርኢና ኢና። ድሕሪ ሰላም ስምምዕነት መንእሰይ ትግራይ ሕቶ ምሕታት ከምዝጀመረ ርኢና ኢና። ንቅድሚት መንእሰይ ትግራይ ሓታታይ እንድሕር ኾይኑ ፖለቲካ ትግራይ ንዝመፅእ ሓሙሽተ ዓመታት ተስፋ ዝህብ ‘ዩ ዝኾን።
ሕቶ ፡- ኣብ ክልል ትግራይ ብምኽንያት ኹናት ሓገዝ ዝደልዩ ኣካላት ብዙሓት ‘ዮም።ብኻሊእ ወገን ድማ ሓገዝቲ ውሃብቲ ትካላት ብኣግባቡ እናበፅሐ ኣይኮነን ብዝብል ሓገዝ ጠጠው ከምዝበለ ዝዝከር ‘ዩ። ኣብዚ ዘለካ ሓሳብ እንታይ ይመስል?
ኣይተ ናትናኤል፡- መንግስታት ነናይ ባዕሎም ልእኽቶ ኣለዎም። ንኣብነት ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ሓገዝ ዝገብሩ ዝነበሩ ንናይ ባዕሉ ዕላማ ንምስጓም ‘ምበር ህዝቢ ትግራይ ንምርዳእ ኣይኮነን።
መንግስታዊ ዘይኾኑ ትካላት በቢ ሃገሩ ናይ ባዕሎም ተልእኾ ዘለዎም ‘ዮም። ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ንትግራይ ዝመፀ ሓገዝ እናተሸጠ ዝርከብ ኣብ ዕዳጋ ‘ዩ። ኣብቲ እዋን ኣብዝሓ ተወለዳይ ትግራይ እቲ ሓገዝ ኣይረኸበን።
ንዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ‘ውን ምንም ሓገዝ ዘይረኸበ ተወላዳይ ትግራይ ኣሎ። ብፍላይ ደቆም ናብ ኹናት ዝላኣኻ ኣዴታት’ኳ እኹል ሓገዝ ኣይረኸባን። ናብ ወፃኢ ሃገራት እናወቐሱ ዝነበሩ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ዩ።
ግና መንግስቲ ኣብዘይተቖፃፀርሉ ከባቢታት ሓገዝ እኽሊ ኣብ ዕዳጋ ይሽየጥ ነይሩ ‘ዩ። ምናልባት ናይ ወፃኢ መንግስታት ኸዚ ዝተረድእዎ ይመስለኒ። እዚ ኾይኑ ‘ውን እናተጎድአ ዘሎ ህዝቢ ‘ዩ። ካብዚ መንፃር ግዝያዊ ምምሕዳር ብዙሕ ዕንቅፋት ዘለዎ ‘ዩ።
ሕቶ፡- ኣብ ኹናት ዝተጎድኡ ከባብታት ኸዚ ‘ውን ሓገዝ የድሊ ‘ዩ ዝብል ኣካላት ኣለዉ፣ ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ካብዚ መንፃር ብዳያስፖራ ወገን ዝተሓሰበ ነገር እንሃልዩ ?
ኣይተ ናትናኤል፡– ኣብዝሓ ዳያስፖራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፅልኢት ዘለዎ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ናብ ኢትዮጵያ ሒዘ ዝመፃኹ ኣርባዓን ሓሙሽተን ሽሕ ዶላር ‘ዩ። እዚ ‘ውን ናብ ትግራይ ኸይደ ኣከፋፊለ ‘የ።
ኣብዝሓ ሓገዝ ዝሃበ ኢትጵያዊ ‘ዩ። ስለዚ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኸዚ ኾነ ኣብቲ ኹናት ‘ዋን ንህዝቢ ትግራይ ሕማቕ ኣመላኻኽታ የብሎን። ቅድሚ ሰሙን ‘ውን ኣብ ኣስመራ ኤርትራ ነይረ ‘የ፤እቲ ወታደር ኾነ ህዝቢ ንህዝቢ ትግራይ ዝሓዝኑ ኾይኖም ‘የ ረኺበዮም።
ኸዚ ድሕሪ እቲ ኹናት እንርኦም ሓደ ሓደ ነገራት ኣለዉ። ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝነብሩ ተጋሩ ‘ውን ሕድሕዶም ዋጋ ኸፊሎም ‘ዮም። ሓው ሓፍቲ ፣ወይም ኣቦ ሞይተዎም ‘ዮም። ብፋይናንስ ‘ውን ተጎዲኡ ‘ዩ። ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ተጋሩ ዝዋፅእዎ ዝነበሩ ገንዘብ ኸዚ ኣበይ ከምዝኣተወ ኣይፍለጥን።
ኾይኑ ግና ኸዚ ‘ውን ሱቕታ ‘ዮም መሪፆም ዘለዉ። ኣብ መወዳእታ ዝተሓሰበን እናኾነ ዘሎን ዝተፈላለየ ብምዃኑ ዳያስፖራ ትግራይ ብውሑዱ እንተኾነ ‘ውን ሕቶ ከልዕል ጀሚሩ ኣሎ። ናይ ትግራይ ዳያስፖራ ድሕሪ
ስምምዕነት ሰላም ናብ ሃገሩ ምምፃእ ክኢሉ ‘ዩ። ናብ ትግራይ ‘ውን ምኻድ ጀሚሩ ‘ዩ። ኣብ ዝተወለደሉ ከባቢ ተረኺቡ ‘ውን በቲ ኹናት ምኽንያት መን ከምዝተጎድአ እናተፈለጠ ‘ዩ። ዝንገሮም ዝነበረ ፕሮፖጋንዳን እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቅን እንትነፃፀር ዘይጋነ ኾይንዎም ‘ዩ። ካብዚ ተላዒሉ በቲ ኹናት ዝበፅሐ ጉድኣት ሪእዎ ‘ዩ።
ሕቶ፡- ቅድም ኢሉ ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ከምዝነበርካ ዝፍለጥ ‘ዩ፣ ንቲ ትካል ከመይ ትገልፆ?
ኣይተ ናትናኤል፡- ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ቅድም ኢለ ስለዝነበርክሉ ብደንቢ ይፈልጦ ‘የ ፤ ኣነ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ተዘይህሉ ነይረ ፀቢብ ሰብ ዝኾን ይመስለኒ።
ኢትዮጵያውነት ብደንቢ ዘምሃረኒ ትካል ሰራዊት ምክልኻል ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን። እቲ ትካል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምንም ዓይነት ፅልኢት የብሉን። ንዝንሓለፉ ዒስራ ዓመታት 80 ሚኢታዊ ዝኣክል ዝነበረ ኣብ ትግራይ ‘ዩ።
ስለዚ ንህዝቢ ትግራይ ፅልኢት ክህልዎ ኣይኽእልን ፤ ኣብቲ እዋን ኹናት ኣብዝሓ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ዝተምሃርክዎ ኣኽሱም ኾነ ሽረ ሰራዊት ምክልኻል መዓዝ ‘ዩ ዝመፀልና ‘ዩ ዝብል፤ ሓገዛት እንትመፅእ ንህዝቢ የከፋፍል ከምዝነበረ ‘ውን እቲ ህዝቢ ብደንቢ ‘ዩ ዝፈልጥ።
ኻልእ ድማ ኣብ ትግራይ ኣምሲኺ ምእታው ኸቢድ ኾይኑ ‘ዩ። ብምኽንያት በእቲ ኹናት ስራሕ ዝፈትሐ መንእሰይ በዚሑ ‘ዩ። እዚ ጉዳይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ቐረባ ተዘሪበምዎ ‘ዮም። እዚ ነገራት ስለዘሎ ኣብዝሓ ህዝቢ ሰራዊት ምክልኻል ይመለሰና እናበለ ‘ዩ።
እቲ ትካል ናይ ኹሉ ኢትዮጵያዊ ስለዝኾነ ፅቡቕ ግዜ ‘ውን ስለዝመፅእ መንእሰይ ትግራይ ተዝሕወስ ፅቡቕ ይመስለኒ። ሰራዊት ምክልኻል ፀላኢ ህዝቢ ኾይኑ ኣይፈልጥን ፣ ርኢናዮ ኢና ንሕገ መንግስትን ሃገር ጠጠው ዝበለ ‘ዩ።
ሕቶ፡- ኢትዮጵያውነት ኣጠናኺርካ ካብ ምኻድ መንፃር እንታይ ክስራሕ ኣለዎ ትብል?
ኣይተ ናትናኤል፡– ኸዚ ኢትዮጵያውነት ብቕልጡፍ ምምፃእ ዝኸብድ ይመስለኒ። ዝሓለፈ ወለዶ በፍላይ ቅድሚ ዒስራን ሸውዓተን ዓመት ዘይነበረ ብሄሩን ብመንደርን ዝኣምን ወለዶ ተፈጢሩ ‘ዩ ፤ ነዚ ወለዶ ኣተሓሳስባ ንምቕያር ካልእ ወለዶ ዘድሊ ይመስለኒ።
ስለዚ ብናተይ ኣመለኻኽታ መንግስቲ ስራሕ ክሰርሕ ኣለዎ ኢለ ዝሓስቦ ትሕቲ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ዘሎ ወለዶ ‘ዩ። ሰብ ካብ ኢትዮጵያውነት ወፃኢ ናይ ባዕሉ ብሄር ጥራሕ ዝሓስብ ኾይኑ ‘ዩ። ኸዚ ዝተጀመረ መንፈስ ኢትዮጵያውነት እንድሕር ፀኒዑ ኢትዮጵያዊነት’ውን ክድሕን ‘ዩ።
ፖለቲካ ጥዑይ እንድሕር ኾይኑ ኢትዮጵያ ‘ውን ጥዕና ዘለዋ ‘ያ ትኾን’ያ። ናብዚ ኹሉ ዝኣተውና ሚዛናዊ ብዘይኾነ ፖለቲካ ‘ዩ ፤ ንኣብነት ኸዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካ ኩነታት ብጣዕሚ ዝሓሸ ‘ዩ። ስለዚ ብዝበለፀ ፖለቲካ ትግራይ ዝሓሸ ንምግባር እቲ መንእሰይ ንኣይተ ጌታቸው ረዳ ክሕግዝ ይግባእ።
ቅድሚ ኸዚ ከምዝነበረ ፍርሒ ሰቢሩ ከም ካልኦት ኢትዮጵያዊ መሰሉ ተጠቒሙ ሰለማዊ ሰልፊ ብምግባር መሰሉ ባዕሉ ከረጋግፅ ኣለዎ። ለውጢ ካብ ማንም ክልል ኾነ ፌደራል መንግስቲ ትፅቢት ክግበር የብሉን።
ምክንያቱ ትግራይ ድሕሪ ኸዚ ብ18 ክፍለ ዘመን ኣተሓሳስባ ክትምራሕ የብላን። ብዙሕ ዝተምሃረ ሰብ ኣሎ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ‘ውን ፅቡቕ ‘ዩ ዘሎ፤ ካብ ፌደራል መንግስቲ ፅቡቕ ሓገዝ ኣሎ፣ ስለዚ እቲ መንእሰይ ነዚ ተሓባባሪ ክኾን ይግባእ።
ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።
ኣይተ ናትናኤል፡- ኣነ ‘ውን የመስግን።
መሰረት ገብረዮሃንስ
ወጋሕታ 29 ሰነ 2015 ዓ.ም