‹‹ኣብ ከተማና ከተማ ኣክሱም ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ተስፋ ዘለዎ ናይ ቱሪዝም ምንቕቃሕ እናተረኣየ ‘ዩ›› -ኣይተ ገብረመድህን ፍፁምብርሃን፣ ሓላፊ ባህልን ቱሪዝም ከተማ ኣክሱም

ኣክሱም ብርክት ዝበሉ ቕርስታት ሒዛ እትርከብ ጥንታዊት ከተማ ኮይና ማእኸል ቱሪዘም ‘ያ:: ጥንታውያን ሓወልትታት፣ ብናይ ኳዕቲ ኣርኬሎጂ ዝተረኸቡ ቕርስታትን ካልኦት ብርክት ብርክት ዝበሉ ሓድግታትን ዝርከቡ እንትኾኑ ናይታ ከተማ ናይ ጥንቲ ስልጣነኣ ዝገልፁ ‘ዮም። ኣብቲ እዋን እታ ከተማ ማእከል ስልጣነን እምነትን ዝነበረት ከተማ ‘ያ:: ብፍላይ ካብ ገዘፍቲ ኣእማን ብዝተቐረፁ ሓወልቲታትን ናይ ቐደም ነገስታት መካነ መቓብርን ብበዝሒ ሒዛ ትርከብ::

ብፍላይ ካብቶም ሓወልቲታት 33 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎን ሕዚ ወዲቑ ዝርከብ ሓወልቲ እቲ ዝነውሐ እንትኸውን፤ እቲ 24 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ሓወልቲ ሕዚ ‘ውን ኣብቲ ናይ ጥንታዊ ቦትኡ ጠጠው ኢሉ ይርከብ:: ካሊእ ከም ኣቋፃፅራ ፈረንጂ 1937 ዓ.ም ናብ ሮም ጣልያን ተወሲዱ ዝነበረ 27 ሜትሮ ዝንውሓቱ ኣብ ሰለስተ ቦታ ተቖሪፁ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ ጠጠው ኢሉ ዝርከብ ኮይኑ ካልኦት ብርክብ ዝበሉ ሓወልቲታት ‘ውን ገሊኦም ጠጠው ኢሎም ገሊኦም ድማ ወዲቖም ኣብ ተፈላላዩ ቦታታት እታ ከተማ ይርከቡ::

እቶም ሓወልታት እታ ከተማ ኣብቲ እዋን በፂሓቶ ዝነበረት ናይ ዕቤት ደረጃ ዘርእዩ ኮይኖም፤ ብዘለዎም ታሪኻዊ እሴታት ናይ ዓለም ቅርሲ ኮይኖም ተመዝጊቦም ፍልፍል እቶት ናይ ቱሪዝም ኮይኖም እናገልገሉ ይርከቡ:: ኮይኑ ግና ኣብ 2013 ዓ.ም ብዘጋጠመ ኩናት ምንቕስቓስ ኩነታት ቱሪዝም እታ ከተማ ተዛሓሒሉ ፀኒሑ ሕዚ ብዝተረኽበ ኣንፃራዊ ሰላም ናይ ደገን ውሽጥን ቱሪስትታት ምጉብናይ ጀሚሮም ይርከቡ::

ብሓፈሻ ኣብዚ ዓመት እዚ ኩነታት ቱሪዝም እታ ከተማ እንታይ ከምዝመስልን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ገዳያትን ብምድሃብ ምስ ሓላፊ ባህልን ቱሪዝምን እታ ከተማ ኣይተ ገብረመድህን ፍፁምብርሃን ከምዝስዕብ ፃኒሕት ገይርና ኣለና:: ሰናይ ንባብ::

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩነታት ቱሪዝም ከተማ ኣክሱም እንታይ ይመስል? ብፍላይ ብሓፂሩ ካብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ንምብጋስ ዝኣክል፣ ዝተሰርሑ ስራሕቲ እንታይ ይመስሉ ነይሮም?

ኣይተ ገብረመድህን፡- ኣብ ትግራይ ድሕሪ ሰላም ዋላ ክንድ እቲ ዝድለ ኣይኹን ናይ ቱሪዝም ምንቕቓሕ ተራእዩ ‘ዩ፤ ብፍላይ ንምንቕቓሕ ቱሪዝም ዓብዪ ማህንቖ ኮይኑ ዝነበረ መዕርፎ ነፈርቲ ኣክሱም ተስተኻኺሉ ናብ ስራሕ ምስኣተወ ንምንቕስቓስ ቱሪዝም ንምድጋፍ ከም ሓደ ዓብዪ ውፅኢት ተገይሩ ዝውሰድ ‘ዩ:: ስለዚ ከምዚኦም ዝበሉ ዓበይቲ ስራሕቲ ብምስረሖም ፅቡቕ ድጋፍ እናወሃቡና ‘ዮም::

ሓድግታትና በቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ተጎዲኦም ስለ ዝፀንሑ እንተነኣሰ ናይ ፅሬትን ካልኦትን ብውስን ዓቕሚ በጀት ክስርሑ ዝኽእሉ ምስ ናይ ፈፌዴራል በዓል መዚ ሓለዋ ቕርሲ ብምትሕግጋዝ እናተሰርሑ መፂኦም ‘ዮም:: ንቱሪዝም ዕቤት ዘለዎም ሓድግታት ብዝተፈጠረ ሰላም መሰረት ማለት እቲ ሰላም ሙሉእ ዋላ ኣይኹን ብዝሓሸ መንገዲ እቶም ሓድግታት ናብ ንቡር ከንምልሶም ዝኸኣልናሉ መንገዲ ተፈጢሩ ‘ዩ::

ምስ ፌዴራል ‘ውን ፅቡቕ ርክብ ዝፈጠርናሉን ብኡ መሰረት ተሓጋጊዝና ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሕና ኢና:: ብፍላይ መንግስቲ ብዝገበረልና ሓገዝ ሓድግታትና ብዝተኸኣለ መጠን በፂሕዎም ዝነበረ ጉድኣትን ካልኦት ፀገማትን ንቱሪስትታት ዘማቻቸውናሉ ዓመት ‘ዩ ነይሩ:: እዚኦም ጥንካረ ናይዝሓለፈ ዓመት 2016 ‘ዩ ‘ሩ:: ከም ድኽመታት ክግለፁ ዝኽእሉ መዕርፎ ነፈርቲ ኣክሱም ኣብ ከባቢ መወዳእቲ 2016 ዓ.ም ‘ዩ ፅገንኡ ወዲኡ ንቱሪስትታት ክፍቲ ኮይኑ:: እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ቕድሚ ምዝዛሙ እቶም ቱሪዝትታት ቐጥታ ክመፁ ስለዘይኽእሉ

ናይ ብዓሉ ፀገም ነይርዎ ‘ዩ፤ ክመፁ ዝኽእሉ ብመቐለ ወይ ብሽረ ገይሮም ‘ዮም ነይሩ፤ ብቐጥታ እንተዘይኮይኑ ከንኸይድ ኣይንኽእልን ብምባል ንምምፃእ ኣይመርፅዎን ነይሮም:: ምኽንያቱ ብማኪና ሓርጎፅጎፅ እናበልካ ምኻድ ኣፀጋሚ ስለዝኾነ:: እዚ ናይ በዓሉ ፅልዋ ኔርዎ፤ በቲ ዝተለምናዮ በዝሒ ቱሪስትታት መሰረት ክመፁና ኣይኸኣሉን:: በቲ ዝተለምናዮ ቑፅሪ ጎብነይቲ ከንረክብ ዘይኸኣልናሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ:: ስለዚ ዓብዪ ፅልዋ ነይርዎ ‘ዩ::

ካሊእ ሕዚ እዚ ኸባቢ ናይ ሰላም ማእኸል ‘ዩ ኮይኑ ዘሎ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣክሱምን ከባቢኣን ቐሊል ብዘይበሃል፣ ኢኮኖሚኡ ምስ ቕርሲ ወይ ቱሪዝም ተኣሳሲሩ ስለ ዝኾነ እቲ ማሕበረሰብ ነታ ሰላም ብዝግባእ ‘ዩ ዝሕልዋ ዘሎ:: ዝኾነ ዓይነት ናይ ሰላም ፀገም የለን:: ኮይኑ ግና ኣብ ኣክሱም ወይ ድማ ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ሰላም ከምዘየለ ዝዝረቡ ነገራት ኣለዉ፤ ካብ ሓቂ ዝረሓቁ ሓበሬታታት ንቱሪስት ምሃብ ይረአ ‘ዩ፤ እዚ ድማ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር ‘ዩ::

እዚ ምስሊ ሃገር ንምብልሻውን ብፍላይ ድማ ቱሪስትታት ናብ ኣክሱም መፂኦም ከይጉብንዩ ዝግበር ሽርሒ ‘ዩ:: እዚ ክስተኻኸል ኣለዎ:: ከምዚ ዓይነት ምስሊ ካብ ሓቒ ዝረሓቀን ኮነ ኢልካ ነታ ሃገር ዘይኮነ ምስሊ ንምሃብ ስለዝኾ ብፍላይ ሰብ ምድያ ከንዋገኦ ይግበአና:: ካሊእ ምስ በዓል መዚ ሓለዋ ቕርሲ ዘለና ርክብ ፅቡቕ ኮይኑ ኣብቲ እዋን ኩናት ቅርስታት ዝበፅሖም ጉድኣታት ኣብ ምቅራፍ ሕዚ ‘ውን ብዙሕ መንገዲታት ‘ዩ ዝሓትት ኮይኑ ግና ኣብዚ ኩነታት እዚ ብትልምና መሰረት ዘይሰራሕናዮም ስራሕቲ ስለዘለዉ ብዝተለምናዮ ትልሚ መሰረት ቱሪስትታት ክመፁና ኣይኸኣሉን::

ወጋሕታ፡- ኣብ 2017 ዓ.ም ኩነታት ቱሪዝም እንታይ ይመስል ኣብዚ በጀት ዓመት ንምስራሕ ዝተተለመ ትልሚ ኸ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ገብረመድህን፡- ኣብ ናይ 2017 በጀት ዓመት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሓሸ ስራሕ ንምስራሕ ትልሚ ሒዝና እናሰራሕና ንርከብ:: ኣብዝሓለፈ ዓመት ዝነበሩ ድኽመታት ብምውጋድ ዝነበሩ ጥንካረታት ድማ ተጠናኺሮም ንምቕፃል እናሰራሕና ንርከብ::

ብፍላይ ሳላምን ቱሪዝምን ዝተተሓሓዘ ስለዝኾነ እቲ ዝተረኽበ ሰላም ሙሉእ ክኸውን ጎኒ ንጎኒ ዝከኣለና ግደ እናተፃወትና ኣብ ቱሪዝም ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝሓሸ ስራሕ ንምስራሕ እናተንቐሳቀስና ንርከብ:: ሰላም እንተልዩ ቱሪስት ይመፅእ፤ ሰላም ተዘይሃልዩ ግና ቱሪስት ክመፅእ ኣይኽእልን:: ምኽንያቱ ክልቲኦም ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገፅ ‘ዮም:: ዝነፃፀሉ ጉዳያት ኣይኮኑን:: ስለዚ ሰላም ብጣዕሚ ወሳኒ ምዃኑ ንማንም ዝጠፍኦ ኣይመስለንን::

ቅድሚ ኩናት ምግጣሙ ማለት ክሳብ ክልተሽሕን ዓሰርተ ሓደን ከምኡ ‘ውን ክልተ ሽሕን ዓሰርተ ክልተን ብዙሕ ቱሪስትታት እናመፁ ነይሮም ‘ዮም:: ድሕሪኡ ግና ዳርጋ ናብ ዜሮ ‘ዩ ተመሊሱ:: ብፍላይ ናይ ደገ ቱሪስትታት:: ስለዚ እዚ ናብቲ ዝሓሸ ደረጃ ማለት ቱሪስትታት ዝመፅሉ ዝነበሩ እዋን ንምምላስ ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ:: ሕዚ ‘ውን ኣብ ውሽጥና ዘሎ ናይ ፖለቲካ ሃዋህው ኣብ ምንቕስቓስ ቱሪዝም ናይ በዓሉ ኣሉታዊ ፅልዋ እናሕደረ ‘ዩ:: እዚ ክኸውን ዘይግበኦ ዝነበረ ‘ዩ:: እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ብሓፈሻ ዋላ ኣብ ተፈላላዩ ሃገራት ዘሎ ኩናት ናይ በዓሉ ፅልዋ ኣለዎ ‘ዩ::

ብሓፈሻ ሰላም እንተኾይኑ ኣብ 2017 በጀት ዓመት ማለት ኣብ ሙሉእ ዓመት ናብ ከባቢ 5ሽሕ ዝኸውን ናይ ደገ በፃሕቲ ዓዲ ንምስሓብ ተሊምና እናሰራሕና ንርከብ:: ከምኡ ‘ውን ናብ ከባቢ 1ነጥቢ 5 ሚልዮን ዝኸውን ናይ ውሽጢ ዓዲ ቱሪስትታት ተሊምና እናሰራሕና ንርከብ:: በዚ መሰረት እቲ ናይ ውሽጢ ዓዲ ተፈላላዩ በዓላት ‘ውን ስለዘለዉና ብዙሕ ቱሪስትታት እናመፀና ‘ዩ:: ከምኡ ‘ውን ዲያስፖራ ኢትዮጵያውያን እንተይቀረዩ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝበለፀ እናመፁና ‘ዮም::

ሕዚ እቲ ናይ ሰላም ኩነታት ኣብዝሓሸ ደረጃ ስለዘሎ እቲ ናይ ውሽጢ ዓዲ ቱሪስት ይመፅእ ኣሎ ‘ዩ:: ብዙሕ ዲያስፖራ ‘ውን መፂኡና ‘ዩ:: ብፍላይ ምስቲ ኣሸንዳን ዓይኒ ዋርን ተኣሳሲሩ ብርክት ዝበሉ ቱሪስትታት መፂኦምና ‘ዮም:: ምስ መስቀል ተኣሳሲሩ ‘ውን ብዙሕ ናይ ውሽጢ ዓዲ ቱሪስት መፂኡና ‘ዩ:: ቐፂሉ ‘ውን ሕዳርፅዮን ስለ ዘሎ ብርክት ዝበለ ቱሪስትታት ክመፀና ይኽእል ‘ዩ ኢልና ትፅቢት ንገብር::

ብፍላይ ቅድሚ ሕዚ ምስቲ ኩናት ተተሓሒዙ ንምምፃእ ዕድል ረኺቡ ዘይነበረ ሎሚዘበን ብርክት ዝበለ ጋሻ ክመፅእ ‘ዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ:: ስለዚ ኣብዚኦም ኩሎም ደማሚርካ ዝመፅእ ‘ዩ እቲ በዝሒ ቱሪስት ዝኸውን ዘሎ:: እቲ ሰላም ከም ሃገር ኢሉ ‘ውን ከም ክልል ዋላ ሙሉእ ኣይኹን ብኣንፃራዊ ኣብ ደሓን ኩነታት ስለዘሎ ተስፋ ዝህብ ናይ ምንቕቓሕ ቱሪዝም ኣሎ:: ናይ ወፃእተኛ በዝሒ ቱሪስትታት ብፌስቡክን ካልኦት ማሕበራዊ ሚድያታትን ዘተኣማምን ሰላም ከምዘየለ ክሰምዑ ይኽእሉ ‘ዮም::

ኮይኑ ግና ኣብ ከባቢና ምንም ዓይነት ዘስግእ ናይ ሰላም ኩነታት የለን:: ምስ ሰላምን ፀጥታን ‘ውን ብሓባር እናሰራሕና ኢና፤ ምኽንያቱ ሰላም እንድሕርዘይሃልዩ ኩሉ ተፀላዋይ ‘ዩ:: ስለዚ ናይ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ናይ ደገ ቱሪስትታት ናይ ሰላም ኩነታት ፀገም ከምዘየለ ክርዱእልና ንደሊ:: ዝኾነ ኣካል ‘ውን ሰላም ከምዘየለ ኣምሲሉ ብማሕበራዊ ሚድያ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ከሳራጩ የብሉን:: ኩሉ ነገር መንግስቲ ስለዝፈልጦ ሰላም ተዘይሃልዩ ‘ውን መንግስቲ ‘ዩ በዓሉ ክገልፅ ዝግበኦ:: ቱሪስትታት ‘ውን ካብ መንግስቲ ብዝወፁ ሓበሬታ ‘ዮም ክሰምዑ ዘለዎም::

ቱሪስት ብፍላይ ናይ ደገ ምስቲ ዝነበረ ናይ ኩናት ኩነታት ሕዚ ሰላም ከምዘሎ ስለዘይፀረየሉ ናይ ወፃእተኛ ጎንብናዪ ክሳብ ሕዚ ኣብዚ ናይ መጀመርያ ርብዒ ዓመት 2017 ዓ.ም ናብ ከባቢ 340 ዝኸውን ‘ዩ ኣትዩና ዘሎ:: እዚ ብጣዕሚ ንእሹተይ ቑፅሪ ‘ዩ:: ናይ ውሽጢ ዓዲ ድማ ልዕሊ 100ሽሕ ‘ዩ:: ኮይኑ ግና እቲ ኩነታ ሰላም እናተማሕየሸ እንተኸይዱ ኣብ ከም ህዳርፅዮን ብርክት ዝበለ ጋሻ ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ ኢልና ንሓስብ:: ምኽንያቱ ብማሕበራዊ ሚድያ ዝንዛሕ ወረ ንኸይመፁ ጥርጣረ እናፈጠረሎም ስለዝኾነ ‘ዩ::

ወጋሕታ፡-ኣብዚ ዙርያ እዚ ክቀሪ ዘይግበኦ ሓሳብ ወይ መልእኽቲ እንተሃልዩ፤

ኣይተ ገብረመድህን፡- ንሕና ዋላ ናይቲ ሓድጊ ዋርድያ ንኹን እምበር፤ እዚ ሓድጊ እዚ ብዩኒስኮ ዝተመዝገበ ሓድጊ ከም ምዃኑ መጠን ናይ ኣክሱም ሓድጊ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ናይ ዓለም ሓድጊ ‘ውን ‘ዩ:: እዞም ናይ ዓለም ሓድጊታት ዝኾኑ እዚኦም ግና ብተፈላላዩ ተፈጥሮኣውን ሰብስራሕን ኣብ ሓደጋ ‘ዮም ዘለዉ:: ስለዚ እዚ ኩሉ ክቑርቖረሉ ይግባእ::

ንኣብነት ሓወልቲ ኣክሱም ንበዓሉ ኣብ ፀገም ኣሎ ካብ ንብል ከባቢ 5ዓመት ገይርና ኣለና:: ሕዚ ብተወሳኺ ኣብቲ እግሩ ዘሎ መካነ መቓብር ናብ ምድርማስ ገፁ ‘ዩ ዝኸይድ ዘሎ:: ንሱ ተደርሚሱ ፀገም ገጢምዎ ማለት ዳርጋ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝኒሀቡ ሓወልቲታት ከቢድ ዝኾነ ሓደጋ ክፈጥረሎም ዝኽእል ‘ዩ:: እቲ ዘሎ ኩነታት ፅቡቕ ኣተንሽን የድልዮ ‘ዩ:: ናይ ክልል፣ ናይ ፌዴራል ከምኡ ‘ውን ናይ ዓለም ትኹረት የድልዮ ‘ዩ:: ኮይኑ ግና ግቡእ ትኹረት ኣይረኸበን ዘሎ:: እቲ ክልል እኳ የምናልባሽ ናይ ባጀት ሕፅረት ክኸውን ይኽእል ‘ዩ::

እቲ ቅርሲ ናይ ዓለም ‘ዩ፤ ብቀረባ ናይቲ ቅርሲ ተወካሊ ዘለኹ ድማ ኣነ እየ ኢሉ በዓል መዚ ሓለዋ ቅርሲ ኢትዮጵያ ትኹረት ሂቡ ነዞም ሓድግታት ካብ ሓደጋ ከድሕኖምን ክዋሓሶምን ይግባእ ዝብል መልእኽቲ ክነመሓላልፍ ንደሊ:: ብተመሳሳሊ መንገዲ መንግስቲ ጣልያን ክሰርሖ ‘ዩ ተባሂሉ ቅድሚ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመት ኣትሒዙ መሳርሒ ሒዙ መፂኡ ነይሩ፤ ሕዚ እቶም መሳሪሒታት ኣብ ኮንተይነራት ኣለዉ ተቐሚጦም፤ ካብኡ ብሃገር

ደረጃ ናይ መንግስቲ ለውጢ ምስመፀ ኢሉ ‘ውን ኩናት ምስ ኣጋጠመ ብፍላይ ናይ መሓር ናይ ሰባት ምቕይያራት ምስ ኣጋጠመ ከምዘለዎ ‘ዩ ደው ኢሉ:: ሕዚ ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ የለን፤ ሕዚ እዚ ከም በሓዱሽ ኢና ንጅምሮ ዘለና:: እቲ ዝመፀ ማተርያል ስኽኢሉ ካብ ዝቕመጥን ዝባላሸውን ኣብ ጥቅሚ ክውዕል ኣለዎ:: ቐልጢፉ ናብ ተግባር ክኣቱ ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ከመሓላልፍ ይደሊ:: መንግስቲ ጣልያን ‘ውን ከምቲ ዝጀመሮ ንኽምለኦ መንግስቲ ክደፍአሉ ኣለዎ::

ካሊእ ኣብ መወዳእቲ ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ግና ህዝቢ ኣክሱምን ከባቢኡን ካብ እቶት ቱሪዝም ተጠቓሚ ስለዝኾነ ኣብ ኣቐባብላ ጋሻ ወይ ቱሪስትታት ከምቲ ልሙድ ክኸውን ኣለዎ:: ህዝቢ ኣክሱም ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ተቐባሊ ጋሻ ‘ዩ:: ቱሪስት ሰላም ተዘይሃልዩ ክመፅእ ስለዘይኽእል እቲ ህዝቢ ሰላምን ፀጥታን ኣብ ምሕላው ‘ውን ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ኣለዎ:: ከምዝፍለጥ ብጣዕሚ ብዝተፈለየ መንገዲ ‘ዩ ጋሻ ናብዚ ከባቢ ዝመፅእ:: ስለዚ ከምቲ ቅድም ዝበልክዎ ጋሻ ተቀቢልካ ኣብ ምትእንጋድ ክንዲ ዝተኸኣለ መጠን ዝነኣድ ክኸውን ኣለዎ::

እቲ ጋሻ ብመስተንግዶ ዓጊቡ ኣመስጊኑ ብሰላም ናብ ዓዱ ክምለስ ኣለዎ:: ስለዚ ክሳብ ሕዚ ዘተኣማምን ሰላም ብምህላዉ ዝመፀ ቱሪስት ከይሰግአ ዋላ በይኑ ከምድሌቱ ተዘዋዊሩ ዘድልዮ ሰርቪስ ረኺቡ ‘ዩ ዝምለስ ዘሎ:: እዚ ኣነ ዝብሎ ጥራሕ ዘይኮነስ መፂኦም ዝተመለሱ ቱሪስትታት ‘ውን ዝምስክርዎ ‘ዩ:: ናብ ኣዲስ ኣበባ ክንኣቱ እንተለና እንረኽቦ ሓበሬታ ከምዚ ኣይኮነን፤ ብዙሕ ሰላም የለን፤ ተጠንቒቕኩም ኪዱ ኢና ንበሃል ‘ዮም ዝብሉ:: ከንመፅእ እንተለና ‘ውን ዝተወሰነ ስግኣት ነይሩና ‘ዩ::

ኣብዚ ብተግባር መፂና ዝረኣናዮ ግና ፍፁል ዝተፈለየን እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኮይኑ ኢና ረኺብናዮ፤ እዚ ቦታ ኣዝዩ ሰላም ‘ዩ ዝኒሀ፤ ከምዚ ኣይተፀበናዮን ነይርና ‘ዮም ዝብሉና:: እንተይፈራሕኻ በይንኻ እትኸደሉ ከባቢ ኢና ሪኢና፤ የቕንየልና ‘ዮም ዝብሉና፤ ብኸምዚ ቐፅልሉ እናበሉ ‘ዮም ዝምለሱ፤ ሚድያታት ድማ ፍፁም ሰላም ከምዝኾ ክተሕልፉልና ንደሊ:: ብፍላይ ሕዚ ብዙሓት ቱር ኦፕሬተራት ይመፁ ኣለዉ ‘ዮም::

ቅድሚ ኣጋይሽ ሒዞም ምምፀኦም ቸክ ንምግባር እቶም ቱር ኦፕሬተራት በይኖም ይመፁ ‘ዮም:: እንትመፁ ካብቲ ዝተፀበይዎ ዝተፈለየ ኮይኑ ‘ዮም ዝረኽብዎ:: ካብኡ ደሓረ ተመሊሶም ይኸዱ እሞ ብዙሓት ቱሪስትታት ሒዞም ይመፁ:: ስለዚ ኣብዚ ሕዚ እዋን ፅቡቕ ናይ ሰላም ኩነታት ‘ዩ ዘሎ:: ሚድያታት ድማ እቲ ዘሎ ሓቂ ፍፁም ሰላም ከምዝኾነ ከትሕግዙና ይግባእ::

ወጋሕታ፡- እቲ ሓወልቲ ብመንግስቲ ጣልያን ክፅገን ተባሂሉ ዝነበረ ኮይኑ ክሳብ ሕዚ ዘይተፀገነሉ ምኽንያት ከምቲ ቀድም ዝገለፅዎ ኮይኑ ተወሳኺ ሓሳብ ተልዩ ኣስፍሕ ኣቢሎም ተዘብርሁለይ፤

ኣይተ ገብረመድህን፡- እሺ ብበዝሒ ቅድም ኢለ ገሊፀዮ ‘የ፤ ካብ 2010 ጀሚሩ ክሳብ 2012 ዓ.ም ዝነበረ ብጣዕሚ ፅቡቕ ናይ ባጀት ምትእልላሽ፣ ናይ ዓለም ለኸ ዝኾኑ ዓቕምታት ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቲ ይስራሕ ፀኒሑ ነይሩ ‘ዩ::

ኣብቲ ሰለስተ ዓመት ዝተሰርሐ ምርድዳእ ተፈጢሩ ባጀት ‘ውን ተበጂትዎ፣ ቴክኒካል ቲም ናብ ስራሕ ይእቶ ተባሂሉ ዘድልዮ ማተርያል ኣጓዓዒዙ ስራሕ ጀምር ተባሂሉ ተወዲኡ፣ ከባቢ 2012 ዓ.ም ጉንበት ከባቢ ኣቑሑት ካብ ጣልያን ተፃዒኑ መፂኡ፤እቲ ኣቑሒት ድማ ኣብቲ እግሪ ሓወልቲ ተቐሚጡ፤ ስሚንቶ ካብ መሰቦ ናብ ኣክሱም ከምፅኡ እናሓሰቡ እናሃለዉ፣ ሓይሊ ሰብ ቖፂሮም ናብ ስራሕ ክእቶ ምስተኣተወ እቲ ናይ ኮረና ሕማም ምስ ኣጋጠመ ከንምፅእ ኢና ገለመለ እናበሉ ብምኽንያት ስግኣት ኮረና ኣይመፁን:: እቲ ኣቑሑት ግና ተላኢኹ ክሳብ ሕዚ ስኽ ኢሉ እኒሀ::

ድሕሪኡ ድማ ከንመፅእ ኢና እናበሉ እናሃለዉ እቲ ኩናት ኣጋጢሙ ከምዚ ኢሉ ፀኒሑ ‘ዩ:: ሕዚ ‘ውን መዓዘ ከምዝጅመር ብዙሕ ጭቡጥ ሓበሬታ የለን፤ ኮይኑ ግና ከንሰርሖ ኢና ዝብል ብናይ ጣልያን ሚድያታት ወረ ከምዘሎ ይዝረብ ‘ዩ:: ኮይኑ ግና ጥሉል ኣይኮነን:: ናይ ጣልያን ኣምባሳዶር ኣብዚ መፂኡ ‘ውን ከንሰርሖ ኢና፤ ባጀት ከንብጅት ኢና ዝብል ሓሳብ ነጊሩና ነይሩ:: ኮይኑ ግና ክሳብ ሕዚ ናብ ተግባር ኣይተቐየረን ዘሎ::

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና::

ኣይተ ገብረመድህን፡- ኣነ ‘ውን ሓሰበይ ንምግላፅ ስለዝጋበዝኩምኒ የቕንየለይ::

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 7 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You